2017-12-15 15:47:00

መሰረታዊ ቲዮሎጊያ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘርእስቱ መጽሓፍ ንንባብ በቒዑ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ቲዮሎጊያን እምነትን ኣብ ኣስተምህሮታቶምን መልእኽትታቶምን ስብከታቶምን ኣብ ዓለም ለኻውን ብሔራውን ጉዕዞታቶም ኣብ ዝህብዎ ቃለ መሕትት እውን ከይተረፈ ዝገልጽዎ መሰረታዊ ሓሳብ፤ ኩሉ ክርድኦ ብዝኽእል መገዲ ዓሚዩቕ ካብ ስሙር ክሳብ መፍትሕ፥ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መሰረታዊ ቲዮሎጊያ”ብዝብል ኣርእስቲ ብናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ፕርፈሰር ሚከሊና ተናቸ ዝተደርሰ ብቤት ማሕተም ቫቲካን ተሓቲሙ ዕለት 13 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም. ኣብ ጳጳሳዊ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ብወግዒ ንንባብ ከምዝበቕዔ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጋብሪኤላ ቸራዞ ሓቢረን።

ናይ ቅዱስ ኣቦና ቲዮሎጊያ፡ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ባህልን ትውፊትን ጸኒዑ ንዓለም ዝተኸፍተ እዩ

ኣብ ዝተፈላለዩ መናብርተ ጥበብ ዝምህሩ ሽዱሽተ ኢየሱሳውያን ናይ መሰረተ ቲዮሎጊያ ሊቃውንትን መምሃራንን ካልኦት ሰለስተ ደቀንስትዮ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንቲ መምሃራንን  ኣብ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. መሰረታዊ ቲዮሎጊያን ትምህርቲ እምነትን ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ዘቕረብዎ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፍ ብሓደ ጠርኒፈን ከከም ኣርእስታቱን ዘቕርቦም ሓሳብ መሰረት ገይረን ኣብ ሓደ ጥርኑፍ መጽሓፍ ኰይኑ ንኽቐርብ ዘብቅዓን ጽሑፋት ካብ ዘቕረባ ፕሮፈሰር ሚከሊና ተናቸ ኣብቲ ኣብ ጳጳሳዊ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ፥ እቲ መጽሓፍ ናይ ቅዱስ ኣቦና ስልጣናዊ ትምህርቲ ዝድህስ ኰይኑ ንዝተፈላለያ ጳጳሳውያን መናብርተ ጥበብ ንዘሎ ናይ ስነ መሰረታዊ ቲዮሎጊያ ክፍሊ መጽናዕቲ ዝድግፍ እዩ እንክብላ ኣብ ዘስምዐኦ ዘረባ ከምዝገለጻ ቸራዞ ሓቢረን።

እዋናዊ ዓለምን ሕብረተሰብን ማሕበራውን ሰብኣውን ከይድታን ምቅይያራትን ሕይወትን ሓቅን ዝሓለፈን ሎማውን ታሪኽን መጻእን ብቲዮሎጊያ መሰረት ኣንቢቦም ዝህብዎ ቲዮሎጊያዊ መሰረታዊ ትምህርቲ፤ እዋናዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ ኵሉ ዘላሊ እዩ፡ ናይ ቅዱስንቶም መሰረታዊ ቲዮሎጊያ ትምህርቲ ቃል ኣምላኽን ትውፊትን ትምህርቲ ኣበው ቤተ ክርስቲያንን መሰረት ዝገበረ ኰይኑ ቀጻልን ሕዱስን ናይ ቲዮሎጊያ መሰረታዊ ትምህርቲ ቅዱስነቶም ዘነጽር መጽሓፍ ምዃኑ ተናቸ ከምዝገለጻ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸራዞ ኣስዒበን፥

ብጸሎን ብምስማዕን (ጽንታን) እምነት ምትሕልላፍ

መሰረታዊ ቲዮሎጊያ እንታይ ማለት ምዃኑን ቅዱስ ኣቦና ዝገልጽዎ ተከለ ሰብነት ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ቅዱነቶም ብኸመይ ከምዝገልጽዎን ከመይ ከምዘንብብዎን ናይቲ መጽሓፍ መእተዊ (ኣስተዋጽዖ) ደራሲት ፕሮፈሰር ተናቸ ከምዘረድኣን፡ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ተክለ ሰብነት ኣብ እዋናዊ ዓለም ከመይ ክኸውን ከምዘለዎ ቅዱስነቶም መሰረታዊ ቲዮሎጊያ ኣብ እዋናዊ ዓለም ብምግላጽ ዝሕብሩ እዮም። ቅዱስ ኣቦና ቲዮሎጊያ ካብቲ ተዓጽዩ ዝተቐመጠሉ ቤተ መዘክራዊ ኣተሓሕዛ ናጻ ወጺኡ ኣብዚ ሓድሽ ኩነት ዓለም እትወት ክህልዎ መታን ኣብ ርእሰ ብቑዕነት ቆይሙ ንጭቡጥ ኵነት ዝተዓጽወን ኣብ መጻሕፍቲ ዝተዓጽወን ዝተዓጽፈን ዝጎበጠን ክኸውን ከምዘይብሉ ይምዕዱ፡ ቲዮሎጊያ እምነትን ግልጸትን ዘራኽብን ዘመሓላልፍን እዩ፡ ስለዚህ ብጸሎትን ብፍቕርን ገዛእ ርእሱ ዝምግብን ዝሓንጽን ክኸውን ኣለዎ። ማለት ምስ እግዚኣብሔር ዝራኸብን ንካልኦት ዝሰምዕን ጽን ዝብልን ክኸውን ከምዝግብኦ የተሓሳስቡ። ኣብ መንጐ እምነትን ነጻነትን እምነን ትዊፍትን ዘሎ ርክብ ቅዱስነቶም ዘመልክትዎ ሓሳብ ኣብቲ መእተዊ ናይቲ መጽሓፍ ተናቸ ብሰፊሕ ከምዘረድኣን ኣፍሊጦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.