2017-12-14 17:05:00

ቅዱስ አቦና ንዘይመግስታውያን ማሕበራት ሰዓብቲ ካቶሊካዊ መንፈሳውነት ምስ ቅድስቲ መንበር ነገልግሎት ሱታፌ


ምስ ኩለን ዘይመግስታውያን ናይ ተራድኦ ማሕብራትን ምስቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎት ብሉጽን ቅኑዕን ተሓባብርን ዓለም ናይ ሕንጸት ኣገልግሎት ትእምርቲ ምስ ዝኾኑ ወከልቲ ቅድስቲ መንበር  ወትሩ ብመንፈስ ሱታፌን ብምትሕብባርን ምዕያይ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 13 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም. እቲ ልሙድ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ነቶም ኣብ ሮማ ዓውደ ጉባኤ ዘካይዱ ንዘለዉ ትሕልንቲ ካቶሊካዊ መንፈሳውነት ዘለዎም ዘይመግስታውያን ናይ ተራድኦ ማሕበራት ወከልቲ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳን ከምዝዀነ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጃዳ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

እተን ትሕልንቲ ካቶሊካዊ መንፈሳውነት ዘለወን ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ምእንቲ ምኽባር ክብሪ ሰብ ክቖማን ኣብ ምክልኻል ክብሪ ሰብ ክዓያን ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ገሊጾም፥

ናይ ወንጌል ብርሃን ናብ ኩሉ ብፍላይ ናብቲ ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትን ህልውናን ዓለም ንምብጻሕን ናይ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ኣብ ምክልኻልን ንምሉእ ኵለንተናዊ ምዕባለ ሕዝብታትን ነፍሲ ወከፍ ሰብን ነቶም ኣብ ሕሱም ድኽነት ንዝርከቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ብምሉእ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ንዘለዎም ንዋታውን መንፈሳውን ጸገም ቀረባ ብምዃን ንእትፍጽምዎ  ኣገልግሎት ዓቢይን ልባዊውን ኣድናቖት ኣሎኒ

ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣኵይሊኖ ኣፍሊጠን።








All the contents on this site are copyrighted ©.