2017-12-05 16:41:00

ቅዱስ ኣቦና፥ ኣረጋውያን ንኸይርስዑ መታን ስሌኦም ንጸልይ


ናይ ሓንቲ ስድራ ቤት ታሪኽ ናይ ሓደ ማሕበረሰብ ታሪኽን ናይ ሓደ ሕዝቢ ታሪኽ! ብዝብል መርሕ ቃል ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብመላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2017 ዓ.ም. ናይ ጸሎት ሓሳብ ስለ እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ኣረጋውያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝብል ክኸውን ዕለት 4 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም. ብዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ-ርእየት መልእኽቲ ኣተሓሳሲቦም፡ ኣረጋውያን ተዘክሮን ዓቃብያን ጥበብን ንኸይርስዑ መታን ሓደራ ስሌኦም ንጸልይ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጋብሪኤላ ቸራዞ ሓቢረን።

ቅዱስነቶም ዕለት 28 መስከረም 2014 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ በሸሓት ዝቑጸሩ ኣረጋውያን ምእመናን ክፍሊ ሕብረተሰብ ዘሳተፈ  መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም፥ ኣብ መንጐ መንእሰይ ድንግል ማርያምን እታ ብዕድመ ዝደፍኤት በዓልቲ ጥበብ ኤልሳቤጥን ዝተኻየደ ርክብ ኣማእኪሎም ንዝለገስዎ ስብከት ምልስ ቢሎም ብምዝካር፥ ኣቦ ሓጐታትን ኣደ ዓባይን ዘይከናኸን ሕዝቢ ኣልቦ መጻኢ እዩ! ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸራዞ ኣስዒበን፥ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቶም ናይ ሰለስተ ኣረጋውያን ምስሊ ኣብ ዝተነብሮ መግለጺ ኣብ ከተማታትና ንኣረጋውያን ኣቦ ሓጐታትን ኣደ ዓባያትን ዘጓንፎም ጸገምን ሓደ’ኳ ቁሊሕ ዘይብሎም ኩሉ ምስትዓል ነፊግዎም ክሓልፎን እንከሎ ዘርእይ ክኸውን እንከሎ፥ ኣረጋውያን ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፥ ሰብ ጥበብን፡ ናይ ሕይወትን ናይ ሓንቲ ስድራ ቤትን ናይ ሓደ ማሕበረሰብን ናይ ሓደ ሕዝብን ተመክሮ ናይ ምትሕልላፍ ሓላፍነት ዝተቐበሉ እያቶም። ነቲ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ዘስንይ ናይቶም ሰለስተ ኣረጋውያን ታራኽ ከምዝሕብሮም ነቲ ብሓደ ኰይኖም ኣብ ሓደ ቤት መዘናግዒ ዘስምዕዎ ዝነበረ ጥዑም ቅንይት ሙዚቃ ኩሉ ሸለል ክብሎ እንከሎ ሓደ መንእሰይ ናብቲ ቤት መዘናዒ ኣትዩ ሙዚቀይና ብምንባሩ ድማ ኣብቲ ዘቕርብዎ ዝነበረ ናይ ሙዚቃ ምርኢት ይሓብር። እወ ኣረጋውያን ባህልን ሕንጸትን ዘመሓላልፉ ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ክሰጋገር ዝገብሩ ውሕስ ታሪኽ ሃገርን ሕዝብ እያቶም፡ ኣብዚ በዓለ ልደት ዝበዓለሉ ወርሒ ኣረጋውያን ናይ ጸሎ ሓሳብ ክዀኑ ሓደራ ከምዝበሩ ገሊጸን።

ኣረጋውያን ኣይንረስዕ እንክብሉ ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እንክምዕዱ፥ ብኣባይቲ ስድራን ተቛማት መንግስትን ተደጊፎምን ምስቲ ናይቶም ኣረጋውያን ጥበብን ተመክሮን ኣሳኒና ንመጻኢ ትውልዲ ነመሓላልፍ እንክብሉ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቶም ክምዘጠቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጋብሪኤላ ቸራዞ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.