2017-11-23 16:59:00

ቫቲካን፡ ካብ Popolorum Progressio - ሕዝባዊ ምዓባለ ክሳብ Laudato si - ይሴባሕ ዓዋዲ መልእኽቲ


ካብ ዕለት 23 ሕዳር ክሳብ ዕለት 24 ሕዳር 2017 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓድሽ ናይ ሲኖዶስ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ካብ Popolorum Progressio - ሕዝባዊ ምዓባለ ክሳብ Laudato si -  ይሴባሕ ዓዋዲ መልእኽቲስራሕን ናይ ሰራሕተይናታት ምንቅስቃሳትን ኣብ ምሉእ ሰብኣውን ተቐባልነትን ተሓታትነትን ምትሕብባርን ዘለዎ ምዕበለ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ መጽናዕቲ ክካይድ ምዃኑ ናይቲ ዓውደ መጽናዕቲ ኣሰናዳኢ ጳጳሳዊ ናይ ምሉእ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ቤት ጽሕፈት ከም ዝሓበረን እዚ ዓውደ መጽናዕቲ ናይ ስራሕ ዓለም ሎሚ እውን ኣብቲ ዓውሎማነት እናረጋገጸ ዝኸይድ ኣብ ዘሎ ዓለም ናይ ምዕባለ መፍትሕ ተባሂሉ ዝግለጽ እንታይ እዩ ዝብል ሕቶ ዘቕርብን ነዚ ሕቶ’ዚ ኣልዒሉ ኣብ ጉዳይ ስራሕን ናይ ስራሕ ዓለምን ዘስተንትንን ኣብ እዋናዊ ማሕበራዊ ቅዋሜ ሙያዊ ንጥፈትን ዝተፈላለዩ ናይ ሰራሕተይናታት ማሕበራት ዝሃብዎ ዓሚዩቕ ኣስተዋጽኦ ኣፍልጦ ሂቡ ነዚ ኣተዋጽኦ’ዚ ፈልዩ ዘነጽር እውን ምዃኑ ናይቲ ዓወደ መጽናዕቲ ኣሰናዳኢ ቤት ጽሕፈት መግለጺ ዝጠቐሰ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ምንጪ ዜና ኣፍሊጡ።

ስለዚህ እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ዝህቦ ኣስተንትኖ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሕብረተሰብኣዊ ጠመቕ ትምህርቲ ዛዕባ ስራሕ ዝቕርቦ ሓሳብ ዘመልክቶም ትጽቢታትን ፈልዩ ኣብ ምቕራብ ዝተመርኰዘ ክኸውን እንከሎ፡ ሓደስቲ ዝቐላቐሉ ክውንታ ሕብረተሰብ ዝትንትንን ንእወታውያን ልምድታት ርኽበት ሂቡ ዘላልን በዚ መሰረት’ዚ ሰብኣዊነትን ክብርን መሰልን ዝብሉ ሕመረት ናይ ማሕብራውን ሕዝባዊ ፖለቲካን ሰብ ቁሳዊ ጥራሕ ዘይኰነ መንፈሳውነትን ዝብል ዝክረ ነገር ዘማእከለ ሕብረተሰብ ንምሕናጽ ናይ ሓባር ተበግስቶታት ዝድግፉ መገድታት ከም ሓሳብ ዘቕርብ እውን ምዃኑ ናይ ምሉእ ሰብኣዊ ምዓባለ ኣገልግሎት ቤት ጽሕፈት ዘውጽኦ መግለጺ ዝጠቐሰ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓበሬታ ኣስዒቡ፥ ካብታ ብጳውሎስ ሻድሻይ ዝተደርሰት ሕዝባዊ ምዕበለ ዘርእስታ መበል 50 ዓመታ ተብዕል ዘላ ዓዋዲት መልኽቲ ክሳብ እታ ብቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍርንቸስኮ ዝተደርሰት ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእክት ናይ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ስራሕ ዝምልከት ስልጣናዊ ትምህርቲ ፈልዩ ዝትንትን እውን ምዃኑ የመልክት።

ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ናይ ኢጣሊያ ናይ ስራሕተይናታት ማሕበራት ጠቕላሊ ሓለፍትን ካብ ሕቡራት መንግስታት አመሪካ ዝተዋጽኡ ናይ ማሕበር ሰራሕተይናታት ኣበ መናብርትን ኣብ በልጅም ሎቫኒዮ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ናይ ኤኮኖሚ ስነ ፖለቲካ መምህር ፕሮፈሰር ሪካርዶ ፐትረላን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ኣባ ኽዋን ካርሎ ስካኖነን ካልኦት ናይ ስነ ስራሕ ፖለቲካ ሊቃውንቲ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፍ ከቕርቡ ከምዝዀኑን ካብ ኣርብዓ ሃገራት ንላዕሊ ዝተዋጽኡ ተጋባእያን ዘሳትፍ ከምዝኸውንን ዕለት 24 ሕዳር 2017 ዓ.ም. ተጋባእያን ምስ ቅዱስ ኣቦና ተራኺቦም ካብ ቅዱስነቶም ብዝልገሰሎም መርሕ ቃል ከምዝዛዘም እውን ናይ ምሉእ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት መግለጺ ዝተወከሰ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓበሬታ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.