2017-11-17 18:02:00

፩ ሰንበት ዘአስተምህሮ ኅዳር 10 2010 ዓ.ም.(11/19/2017)


ንባባት፡ 1ተሰ 5:1-6፥ 1ዮሓ 5:13-ፍ፥ ግ.ሓ.13፡38-43፥ ማቴ 25፡14-30   ምስባክ፡ “ኢትዝክር ለነ አበሳነ ዘትካት። ፍጡነ ይርከበነ ሣህልከ እግዚኦ። እስመ ተመንደብነ ፈድፋደ”። “ንዝሓለፈ በደልና አይትቝጸረልና፤ ቀልጢፍካ ምሕረት ግበረልና፤ ከመይ ተስፋ ቆሪጽና አሎና”። መዝ 79፡8 ( ቅዳሴ ዘእግዚእነ፤ ነአኩተከ)።

ካብ ኅዳር 7 ክሳብ 7 ታሕሣሥ ወይ 13 ዘሎ ጊዜ ዘአስተምህሮ ይብሃል፥ አብ ቀዳማይ ሶምን ናይ አምላኽ ሕያውነት፥ ትዕግስቲ፥ ክብርን ምስጋናን ነቕርብ። ሎሚ ቀዳማይ ሰንበት ዘአስተምህሮ ዘኪርና አሎና። ዘአስተምህሮ ሓምሽተ ሰናብቲ ዝሓዘ እዩ። አብዚ ሓምሽተ ሰናብቲ ናይ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ትምህርትን ዝገበሮ ናይ ምሕረት ሥራሕን ክነስተንትን የዘኻኽረና። “አበሳና አይዘከረን (ዘኽታማት ክንከውን አይሓደገናን) ክንጠፍእ  አይሓደገናን፥ ሕያዋይ እግዚአብሔር፥ ሙሴ ንህዝቢ ሰንበት ብሓቂ ከኽብሩ አዘዞም” እናበለ መዝሙር ናይ ሎሚ ናይ አምላኽ ቅሩቡነት ንደቂ ሰባት ይነግረና። ኢየሱስ ንደቂ ሰባት ቃል ሃይማኖት የስምዖም ነበረ፥ ኩሉ መገዲ ድሕነት ነገሮም፥ ኮይኑ ግን ሰባት ልቦም አይከፈቱሉን ርሓቕዎ፥ እኳ ድአ አብ መጨረሽታ ቀተልዎ። ሎሚ ነፍስ ወከፍና ተቐበልቲ ቃል አምላኽ ክንከውን ዕዱማት ኢና። ንመገዲ አምላኽ ክንፈልጥ እሞ አብ ጉዕዞ ድሕነት ክንጸንዕ።

ንባባትና አብ ፍቕሪ አምላኽን ብጻይናን ዝተመሰረ ሕይወት ክነብር ይነግረና። አብ ዝሓለፈ ሰንበት ናይ ዓሰርተ ደናግል ምሳሌ ሰሚዕና በዚ ኸአ ኩሉ ጊዜ ስንድዋት ኮና ክንጸንሕ ከም ዝግባእ አስተንቲና ናይ ሎሚ ሰንበት ከአ ክንቀራረበሉ ዘሎና ነገራት ኢና ክነስተንትን።

ቀዳመይቲ ንባብ ካብ 1ተሰሎ 5፡1-6 ዝተነበት መዓልቲ አምላኽ ከም ሰራቒ ብዝያዳ ብዘይተጸበናዮ ከይተሰናዶና ከሎና ከም ትመጽእ ይነግር። ንሕና ናይ ለይትን ጸልማትን አይ ኮናን፥ እምብአር ንንቃሕ ገዛእ ርእስናውን ንግታእ ደአ እምበር ከምቶም ካልኦት ደቀስቲ አይንኹን ይብል። እሞ ነቚሕና ከሎና ቅድሚ ምምጻእ ጎይታ እንታይ እና ገበርና ንጽናሕ?

አብ መጽሓፍ ምሳሌ 31፡10-31 ዘሎ እንተ አንበብና ከመይ ኢልና ክንሰናዶ ክንጸንሕ ከም ዘሎና ክገልጽ እንከሎ ከምታ ሕያወይትን እምንትን ንሰብአያ እትጽበሰበይቲ ኮና ክንጽበ ይነግር። እታ ለባም ሰበይቲ ይብል መጽሓፍ ምሳሌ አዝያ ኻብ ክቡር ዕንቊ ትኸብር፥ ንሳ ጻዕራም ሰርሕተኛ ብዝያዳ ንስድርአ እያ፥ ንሽጉራት ኢዳ ትዝርግሓሎም፥ ንጽጉማት ከአ ብልግሲ ትረድኦም፥ ክብራ አብ ጽባቔአን ውቃቤአን አይ ኮነንን አብ ልቦናአ እዩ፥ እዚ ማለት ከአ አብ ሕይወት ብዝያዳ ቀዳመንት ዝውሃቦ እንታይ ምዃኑ አጸቢቓ ትፈልጥ። እዚ አብ መጽሓፍ ምሳሌ እነንብቦ ነቲ ነፍስወከፍና ከም ሰብ መጠን ምሳን ምስ ዝነብሩን ምስ አምላኽ ክህልወና ዝግብኦ አፍልጦን ርድኢትን ክንሓስበሉ ከምኡ ንሰብን አምላኽን ክነሓጉስ ኩሉ ጊዜ ነቒሕና ሕይወትና ክንመርሕ ይነግረና።

ናይ ሎሚ ወንጌል ዘንበብናዮ ናይ መጨረሻ ዕለታዊ ግብርና አብ እንታይ ዘተኮረ ኽኸውን ከም ዘለዎ ይነግረና። ምሳሌ ምክሊት እዩ። ሓደ ምክልት ብዙሕ ገንዘብ አሽሓት ዶላራት ብናይ ሎሚ አቆጻጽራ እዩ። አብዚ ምሳሌ እንርእዮ አብ መንጎ ትንሣኤን ዳግማይ ምጽአትን ዘሎ ጊዜ ከመይ ኢልና ክነብር ከም ዘሎና ምኽሪ ዝህብ እዩ። ነቲ ጎይታ ብእምነት ዝሃበና ነገራት ብሓላፍነት ክንጥቀመሉ እናጸውዐ አብ ቅድሚኡ አብ ዝቐረብናሉ አፍሪና ክንጸንሕ እሞ ጽቡቕ ጸብጻብ ክንገብር ዝመክር እዩ።

አብቲ ምሳሌ ሓደ ሰብ ገንዘቡ ብእምነት ከፍርዩሉ ይኽእሉ እዮም ንዘበሎም አብ መጨረሻ ከምቲ ዝደልዮ ንርእሶምን ንአኡ ከፍርዩ ከከም ዓቕሞም ሂብዎም ገሹ። ሓደ ዓይነት ወይ ብዝሒ አይሃቦምን አብዚ እንርእዮ ዝተፈላለየ ክእለትን ዓቕምን ከም ዝነበሮም ዝሕብር እዩ። መጠን ዝተፈላለየ ብዝሒ ዝተዋህብዎ መጠኑ ዝተፈላለየ አፍርዮም ክጸንሑ እዩ እቲ ትጽቢት። አብዚ አብ ነነድሕዶም አይ ኮኑን ዝወዳደሩ ነፍሲ ወከፍ ምስ ገዛእ ርእሱ እዩ ዝወዳደር።

እቶም ክልተ ቀዳሞት ሓደ ሓምሽተ እቲ ካልአይ ከአ ክልተ ምክሊት ተቐቢሎም ክነግዱ ኸይዶም ነፍሰ ወከፎም ከአ ዕጽፊ አፍርዮም ተመልሱ። እታ ሳልሳይ እቲ ዝወሓደ ዝተቐበለ ከይዱ ምድሪ ዅዒቱ ወርቂ ጎይትኡ አብ ክንዲ ዘፍርየላ ሓብኦ።

አብዚ ብፍሉይ ክንርድኦ ዘሎና አብቲ ብግሪኽ ዝተጻሕፈ ነዚ ኸሰበ ረብሐ ዝብል ቃል ክጥቀም እንከሎ እምነታዊ ምስጢር ከም ዘልኦ ገሩ ክንደይ አብ እምነት ከም ዝመለሰ ወይ ዘፍረየ እዩ ዘስምዕ። አብዚ ምሳሌ እምብአር እቲ መኽሰብ ወይ ረብሓ ተባሂሉ ዘሎ ምስ ዶላር ወይ ጥረ ገንዘብ ወላ ሓንቲ ርክብ የብሉን። እቲ ብዓል ሓንቲ ቀቢሩ ሓቢኡ ዘቐመጠ ንርእሱ አይተጠቕመ ካልኦት ከም ዝጥቀሙላ አይ ገበረ በዚ ተፈሪዱ።

ማቴዎስ ፍሉይ ትርጉምን ርድኢትን ክህልወና ኢሉ ድኅሪ ነዊኅ እዋን እናበለ ይገልጾ እዚ ማለት ከአ ነቲ ነዊኅ እዋን አብ መንጎ ትንሣኤ ክርስቶስን ዳግማይ ምጽአቱ እንደገና እቲ ዋና ተመሊሱ ንአገልግልቱ ዝኾና በቲ ዝሃበና ኩሉ ጸብጻብ ክሓተና ምዃኑ ክገልጽ ኢሉ እዩ። በቶም ኽልተ ቀዳሞት በቲ ዝተዋህቦም ዕጽፍን ዝያዳ ብምፍራይ ዘርአይዎ እምነትን ብመጠኑ ክርአ እንከሎ ውሑድ እንከሎ ብዝወሰድዎ ዘየማትእ ቆራጽ ውሳኔ ስለ ዘፍረዩ ሕጂ እውን ንዝበሔ ዕዮ ክዓዩ እናነአደ ይህቦም። ናብ ሓጎስ ጎይታ ማለት መንግስቲ አምላኽ ክአትዉ ይዕደሙ።

እቲ ሳልሳይ ሰብአይ አብ ቅድሚ ጎይትኡ ብሕፍረት ተዋሒጡ ዝብሎ ጠፊእዎ ዝተዋህቦ ሓንቲ ምክሊት ከየፍረየ ከምዘላታ እንከላ ሒዙ ቀሪቡ። ዝገደገ ነቲ ምኽንያት ዘይመፈረይኡ አብ ጎይትኡ እናገበረ ጎይታይ ዘይዘራእካዮ እትዓጽድ ዘይበተንካዮውን እትእክብ ጨካን ሰብአይ ምኻንካ እፈልጠካ እየ፥ ስለዚ ፈሪሀ ኸድኩ ነቲ መእክሊትካ ድማ አብ ምድሪ ሓባእክዎ ሕጂ ኸአ እንሆ ገንዘብካ እናበለ ንሕመቑ እውን ክእመን ከይ ክአለ ሓንቲ ምእክሊት ዝተዋህበቶ አብ ዋንአ መሊስዋ። እቲ ጎይታ ብዘይመጠን ተቖጢዑ ይብለና ማቴዎስ ወንጌላዊ ምኽንያቱ መጀመርያ ገንዘበይ አብ ባንክ መቐመጥክዎ ሽዑ መፍረየለይ ንስኻ ግን ሓንቲ ከምዘየፍሪ ገርካዮ ከምኡ አነ ጨካን ምዃነይ እትፈልጥ እንተ ኾንካ ስለምንታይ ዘየፍረኻ እናበለ ሓቲትዎ። ነዚ ምስቲ አብ ዮሓ 15፡6 እነንብቦ ክነናጻጽሮ ንኽእል ማለት አባይ ዘይነብር ዘበለ ኸም ጨንፈር ንወፃኢ ተደርብዩ ይነቅጽ አኪቦም ድማ ናብ ሓዊ ይድርብይዎ እሞ ይነድድ ንዝብል ከዘኻክር ይኽእል። ከምኡ እዚ ንነፍስወከፍ ክርስትያን ብፍላይ ነቶም እሙናትን ውፉያትን ዝመስሉ ግን አብ ሕይወት ቤተ ክርስትያን ከምኡ አብ ስብከተ ወንጌል ወላ ሓንቲ አበርክቶ ዘይገብሩ እዩ ዘስምዕ። እምነት ክርስትናና ዝሓተና አለዎ ነቲ አምላኽ ብነጻ ዝሃበና ጸጋ አፍሪና ክንክእል ከም ዘሎና ፈሊጥና አብ ግራት አምላኽ ብምሉእ እምነት እጃምና ክነበርክት።

ሓደ William Barclay ዝተባህለ አንግሊካዊ ተሎጋዊ ብዘይመጠን ጠቓሚ ዝኾነአርባዕተ ነጥብታት ካብዚ ዝሰማዕናዮ ወንጌል ይነግር።

አምላኽ ንነፍስወከፍ ሰብ ፍሉይ ህያብ ይህብ። ብተፈጥሮና ኩሉ ጊዜ ንዘሎና ምስ ካልኦት ክነወዳድር ኢና እንርከብ እንተ ኾነ ዘሎ ቍጽርን ዓይነትን አገዳሲ አይኮነን። እንሕተቶ ነቲ ብፍሉይ ተዋሂብና ዘሎ ብምልኡ አብ ጥቕሚ መላእ ማሕበር ክነውዕሎ እዩ። ነፍስወከፍ አባል ማሕበር ከምዚ እንተ ገበረ እቲ ማሕበር ይድንፍዕ ይህብትምን።
ተልእኮና ስራሕና ጌና አይተወደአን። እቶም ክልተ ቀዳሞት ዘፍረይዎ ምስ አቕረቡ ከዕርፉ ኮፍ ክብሉ አይተነግሮምን። እሙናት ኮይኖም ስለ ዝተረኽቡ እንደገና ዝዓበየን ዝኸበደን ሓላፍነት ተዋሂቦም። ንዘለዎ ዘበለ ኹሉ ይህብዎ ይውስኽዎ እውን።
እቲ ክቕጻዕ ዘለዎ እቲ ሓንቲ ዘየፍሪ እዩ። እቲ ብዓል ሓንቲ ምክሊት አየጥፍአን፥ ሓንቲ አይገበረላን አይተጠቕመላን። ምናልባት ፈቲኑ ዘይተዓወተ እንተ ዝኸውን ምተደንገጸሉን ምተማሕረን (ነቲ ጎይታ ጨካን ምዃንካ ክብል እንከሎ ምስ ከምዚ ዝበለ ሰብ ገለ ክትገብር አሎካ እዩ ዘስምዕ ልክዕ ከምኡ ዝበለ ርድኢት አብቲ ፈቃርን ርሕሩሕን ዝኾነ አምላኽ ክህልወና ይግባእ) ነሩ። ወላ እቲ ብዓል ሓንቲ ምክሊት ዝክአሎ ንዕብየት ካልኦት ከበርክት አለዎ። ቀለዓለም ዘይብሉ መጠንቀቕታ እዩ ማለት እቶም ክፉእ ግብሪ ኃጢአት ዝገበሩ ጥራሕ አይኮኑን ዝኹነኑ እንታይ ድአ ወላ እቶም ጽቡቕ ግብሪ ከርእዩ ዘይክእሉ ከይተረፈ ክኹነኑ እዮም። አብሃህላ አሎ ወላ ሓንቲ አይገበርኩን ንሓደ ካብቲ መጻወድያ አየውጽኦን እዩ።
ንዘለዎ ዘበለ ኹሉ ይህብዎ ይውስኽዎ ንዘይብሉ ግና እቲ ዘለዎ እኳ የግድፍዎ። እዚ ቅኑዕ አይመስልን እዩ። ከም ንሓደ ሃብታም ክትሕግዝ ካብ ሓደ ድኻ ምስራቕ እዩ ዝመስል። አብዚ ኢየሱስ ዝብሎ ዘሎ እቶም ነቲ ዝተዋህቦም ብምሉእ ሕያውነት ምስ ካልኦት ከካፈልዎ ከለዉ ንርእሶም ብቐጻሊ እዮም ዝባረኹ። ብአንጻሩ እቶም ካብ ቅንኢ ተበጊሶም ካብቲ ዘለዎም ዘየካፍሉ ካብ ፍርኂ ዝተላዕለ አብ ውሽጢ ቤቶም ተሸቕሪሮም ዝነብሩ ተዓኽሊሎም እዮም ዝሞቱ። እቶም ንሕይወቶም ዘድሕንዋ ከጥፍእዋ እዮም፥ እቶም ካብ ዘልኦም ምስ ካልኦት ብሕያውነት ዝካፈሉ ንርእሶም ካብ መጠን ንላዕሊ ኃብቲሞም ክረኽብዋ እዮም። እዚ ሕጊ ወንጌል እዩ፥ ከምኡ ሕጊ ሕይወት ንብዙሓት ክንአምኖ ከቢድ ዝኾነና።

ክትቅይር ዘይምድላይ፡

ነዛ ምሳሌ ምክሊት ካልእ ትርጉም እውን ክውሃባ ይክአል እዩ። አብ ሃይማኖት ገለ ሰባት አለዉ ዝኾነ ለውጢ ወይ ምምሕያሽ ክግበር ዘይደልዩ እንተ ተገብረ ዓቢ ዕንቅፋት ኮይኑ ወላ ክሳብ ምፍንጫል ዝበጽሑ። እዚ አብ ብዙሓት እምነታት ብቐጻሊ ዝርአ ኩነት እዩ ወላ አብ ቤተ ክርስትያና። አብ ጊዜ ኢየሱስ ብዙሓት አክረርቲ አይሁድ ንሕጎምን ባህሎምን ቀጥ አቢሎም ይሕልዉ ነሮም፥ ንዝኾነ ለውጢ ወይ ተሓድሶ ጨሪሾም ይቋወሙ ነሮም። አብ ከምዚ ዝበለ ኩነት እንከለዉ ነቲ መንፈስን ርድኢትን ሕጊ ኢየሱስ ዝነግሮም ዝነበረ ይቋወሙ ነሮም። አብ ቤተ ክርስትያና ከምኡ አብ ካልኦት አብያተ ክርስትያን አብ ባህልን ስርዓትን ጥራሕ አትኲሮም  ንለውጢ ወይ ንተሓድሶ ምስ ዘመኑ ዝኸይድ አገላልጻ ከእትዉ ዘይደልዩ ብዙሓት አለዉ። አብ ዝሓለፈን አረጊትን ጥራሕ አተኲሮም ዝኾነ ለውጢ ይአብዩ። ንመንፈስ አምላኽ አብ ባህልን ልምድን ክቐብርዎ ይደልዩ። ንሳቶም ንአረጊት ወይኒ አብ አረጊት ሓርቢ ወይኒ ይደልይዎ፥ እንተ ኾነ እዚ አይኮነን አብ ሕይወት ዝወስድ መገዲ።

፪ይ ጉባኤ ቫቲኻን አብ ትምህርቱ ነዚ ዝምልስ ዓምዲ ቀሪቡ ብዙሕ ለውጥን ርድኢትን አተአታትዩ ሓደ ካብቲ ትምህርቱ ቤተ ክርስትያን ናይ እዋና ጊዜ አንቢባ ክትክእል አለዋ እናበለ ለውጢ አድላዪ ከምዝኾነ አስተምሂሩ። ለውጢ ንመሰረታዊ እምነት ዘይኮነ ነቲ ሰብ ዘእተዎ ባህልን አገላልጻን እምበር ንዓምዲ እምነት አይኮነን። 

ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ እምብአር ጊዜ ወሲድና አብቲ አምላኽ ዝሃበና ክእለትን ህያባትን ክነስተንትን የዘኻኽሩና። ወላ እኳ ገለ ካባና ፍሉይ ህያባት እንተ አለዎም ግን ወላ ሓደ ካባና አይተወሃብኩን ወይ እውን ምሉእ ህያባት አሎኒ ክብል ዝኽእል የለን። እምብአር ንነፍስና ክንሓትት ክንክእል አሎና ካብቲ አምላኽ ዝሃበኒ ህያባት ክንደይ ንአገልግሎት ማሕበረይን ሕብረተሰብን አውዒለ ኢልና ንሕተት። እንተ ዘይኮነ ከምቲ ብዓል ሓንቲ ምክሊት ቀቢርናዮ መዓልቲ ፍርድና ንጽበ አሎና። ሎሚ ክንመውት እንተ ኾና እሞ ኢየሱስ አብ ቅድሚኡ ደው ኢልና ነቲ ዝሃብኩኻ ህያባትን ምክሊትን ከመይ ተተቒምካሉ? መንን ከመይን ንሰባት ተጠቒምካሉ? ኢሉ እንተ ዝሓተና መልስና እንታይ ምኾነ።

ጎይታና ክመጽእ እዩ፥ መዓልቲ ምጽአቱ ከም ሰራቒ ብለይቲ እያ ስለዚ ተሰናዲና ክንጸንሖ አሎና። ምክሊትካ ቀቢርካያ ወይ አብ ናይ ብሕትኻ ጥቕሚ ጥራሕ አውዒልካያ እንተ ኾንካ ካብ ዘሎኻዮ ቀልጢፍካ ውጻእ እሞ ንመንግስቲ አምላኽ ዝጠቅም ስርሓላ። አምላኽ ብጸግኡ አብ ግራቱ ወፊርና በብዓቕምና ገለና 30፥ 60፥ 100 ክነፍሪ ይሓግዘና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ 








All the contents on this site are copyrighted ©.