2017-11-13 09:07:00

ፖሊቲካዊ ሕንፍሽፍሽ ኣብ ሊባኖስ፡ ክብታ ምስ ሱዕዲ ዓረብ ዘሎ ውጥረትን


ኣብ መንጐ ሊባኖስን ሱዕዲ ዓረብን ዘሎ ፖለቲካዊ ውጥረት ብፍላይ ድሕሪ ብገዛእ ፍቓዶም ካብ ስልጣኖም ከምዝወረዱ ኣብ ሱዕዲ ዓረብ ወግዓዊ ምብጻሕ የካይድሉ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ኢራን ኣብ ናይ ሃገሮም ውሽጣዊ ጉዳይ ፖለቲካ እደ ኣታውነት ተካይድ ኣላ ቢሎም ክሲ ኣቕሪቦም ዝሓበሩ ሓሪሪ ስዒቡ ኣብ መንጐ ሊባኖስን ሱዕዲ ዓረብን ዘሎ ፖለቲካዊ ውጥረት ናብ ዝገደደ ገጹ የድህብ ምህላዊ እንክንገር ነዚ ህልዉ ከነት ኣብ ግምት ብምእታው ናይ ሱዕዲ ዓረብ መንግስቲ ነቲ ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ህልዉ ኩነታት ግምት ብምሃብ ኣብ ሊባኖስ ዝርከቡ ዜጋታቱ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከምዘተሓሳሰበ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፓውላ ሲሞነቲ ኣፍሊጠን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፥ ነቲ ፖለቲካዊ ህልው ኩነታት ሊባኖስ ኣብ ግምት ብምእታው ምስ ራዲዮ ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዱ ናይ ስነ ሃገራት ሰሜንናዊ  ኣትላንቲክ ቃል ኪዳን ወተሃደራውን ፖለቲካውን ጉዳይ ሊቅን ተንታንን ማተዮ ብረሳን፥ ነቲ ናይ ሊባኖስ ፖለቲካው ምዝባዕ ማቲ ኣብ ሶሪያን ከምኡ እውን ናይ እስራኤልን ፖለቲካ ከምኡ እውን ህላዌ ውድብ ሒዝቦላሕ መሰረት ገይሮም ብምንባብ እቲ ናይ ሊባኖስ መንስግስቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ዘለዎ ፖለቲካዊ ድኽመት ዝገልጽ እዩ ዝመስል ብፍላይ ከምቲ ብዙሓት ዝብልዎ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ ሽግር ንምፍታሕን ንናይ ኢራን ፖለቲካ ንምግጣም ዘለዎ ድኻምነት ይገልጽ እንክብሉ ዝህብዎ ትንታኔ ከምዘቓልሑ ሲሞነቲ ገሊጸን።








All the contents on this site are copyrighted ©.