2017-11-10 17:20:00

፮ይ ሰንበት ዘጽጌ ኅዳር 3 2010 ዓ.ም. (10/12/2017)


ንባባት፡ 1ተሰ 4፡13-18፥ 2ጴጥ 3፡1-8፥ ግ.ሓ. 3፡20-27፥ ማቴ 25፡1-13 ምስባክ  ወገሠጸ ነገሥተ ብእንቲአሆሙ፥ ወኢትግሥሡ መሢሓንየ፥ ወኢታሕስሙ ዲበ ንብያትየ።

መዝሙር፡ አጋንንቲ አውጽአ ለምጻማት አንጽሐ ተአምራት ገብረ፥ ዕንባቆምውን ድምጽኻ ምስ ሰማዕኩ ፈራሕኩ፥ ግብርኻ ርእየ ኸአ ተደነቕኩ በለ። እግዚአብሔር ባዕሉ ቃለይ ስምዑ ሕገይ ሓልዉ ካብ ልብኹም ክፍአት አርሕቑ በለ። ኢሳያስ እውን በረኻታት ዓንበቡ በረኻ ቀንሞስ ተሓጎሲ ናርዶስ (ሽትው ተኽሊ) ዓምበበ ጣዕሙ እውን ወሃበ።

ሓደ ጥንታዊ ዛንታ ዝንገር አሎ ብዛዕባ ሓደ ተዋዛያይ/ መስሓቕ/ ጨራቓይ ሰብ፥ አብ ገለ እዋን ጽቡቕ ነገራት ዘስሕቕ ይነግር፥ እንተ ኾነ ሓደ መዓልቲ ንንጉሥ ሕማቕ ዕሽነት ዘልኦ ዘረባ ተዛረበ እሞ እቲ ንጉሥ በትሪ እናሃቦ እንካ እዚ በትሪ ውሰዶ ካብኻ ዝዕሹ ክሳብ እንትረክብ ምሳኻ ሓዞ በሎ። ድሕሪ ገለ ዓመታት እቲ ንጉሥ ብርቱዕ ሓመመ እሞ አብ ዓራቱ ተጋዲሙ ጥቓ ሞት በጽሐ። ኩሎም መቕርብን ዓበይትን ሽማገለታትን ስድራቤቱን አገልገልቱ ተጸዊዖም ከቢቦሞ ደው በሉ። ንጉሥ ንኹሎም ከቢቦሞ ዝነበሩ ከምዚ እናበለ ተላበዎም፥ ክሓድገኩም እየ ነዊሕ መገሻ ክኸይድ እየ ድሕሪ ደጊም አብዚ ቦታ አይክምለስን እየ ስለዚ ድኃን ኩኑ ክብለኩም እየ ጸዊዐኩም ዘሎኹ በሎም። እቲ ተዋዛያይ አብ ጥቕኡ ቅርብ ኢሉ ጎይታይ ሕቶዶ ክሓትት በለ፥ አብ ዝሓለፈ ዓመታ ንህዝብኹም ክትበጽሑ ከሎኹም፥ ከምኡ ናይ ክብሪ ዲፕሎማቲካዊ ምብጻሕ ክትገብሩ ምስ ተሓስበ አማኸርትኹምን ልኡኻትኩምን አቐዲሞም አብቲ ቦታ ይኸዱ እሞ ዝግባእ ምቅርራብ ትገብሩ ነርኩም፥ እሞ ሕጂ ነዚ ነውሕ መገሻ እትኸድዎ ዘሎኹም ዝግባእ ምቅርራብ ገርክሙሉዶ በሎም። ንጉሥ እናተጣዕሱ ወላ ሓንቲ ምስንዳው አይገበርኩን በልዎ። ወዮ ተዋዛያይ ሰብ እዛ በትሪ ምሳኹም ውሰድዋ ካብ ሕጂ ንድሓር ካባይ ዝገደደ ዓሻ ረኺበ አሎኹ ኢሉ ነታ ቀደም ክሳብ ካባኻ ዝዕሹ ክሳብ እትረክብ ምሳኻ ሓዛ ዝበልዎ በትሪ ዕሽነት ሂብዎም ይብሃል።

አብ መጽሓፍ ጥበብ ሰሎሞን 6፡12-16 እንተ አንበብና ክንቅረብ ዝሕግዘና ምኽሪ ንረክብ። ንሱ ሓደ ካብቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ጽሑፋት ኮይኑ አብኡ ንመንፈሳዊ ሕይወትና ዝምግብ ምኽርን ተመክሮን ዝነግር ንረክብ፥ ሓደ ምስ መገዲ አምላኽ ሰሚሩ አስተውዒሉ ዝኸይድ ምስኡ ልቦናን ጥበብን አሎ። አብዚ መጽሓፍ ጥበብ ከም ሓደ አካል ተራእያ ከም ሓንቲ ለባም ሰበይቲ እትግደስን ንኹሎም ዝደልይዋ ከምእትጽበ ገሩ የቕርበልና። ጥበብ ሓንቲ ካብ ባህርያት አምላኽ ኮይና ንሕና ከም እንሓስቦን ንአና አብ ምድላይ ዝግበር እያ። መለኮታዊ ጥበብ ንኹሎም ቅሩባትን ቅኑዓትን ኮይኖም ዝቐረቡ አይንጸግን እዩ። ጥበብ ንኹሎም ነቶም ነቚሖም ዝደልይዋ ንኹሎም ብፍቕሪ ዝደልይዋ ተናድዮም። እቲ ብዝያዳ ዝጽቀጠሉ ዘሎ አብቶም ብጥበብ ክነብሩ ዝደልዩ እዩ። ጥበብ ንኹሎም ነቶም ብዓይኒ አምላኽ ርእዮም አብ ሕይወቶም ትርጉምን ዓላማን ንዝደልዩ ትውሃብ።

መሠረታዊ ጸገም ደቂ ሰብ ፍልጠት ዝጎድሎም ኮይኑ አይኮነን፥ እንታይ ድአ ብዙሓት ሰባት ክፈልጡ አይደልዩን እዮም። ብዙሓት ንሓቂ ካብ ምድላይ ንጥበብ ካብ ምስማዕ አቋሪጾም ምኽንያቱ ዝደልይዎ ኩሉ ዝረኸቡ ኮይኑ ስለ ዝስምዖም እንተ ኾነ እቲ ምስኦም ዘሎ ንድላይ አምላኽ ዘማልእን ዘየማልእን ከምዝኾነ አይፈልጡን እዮም። ብሓጺሩ አይግደሱን። አረጊት አበሃህላ አሎ ካብቶም ክርእዩ ዘይደልዩ ንላዒ ዕዉር የለን። እቶም ክርእዩ ዘይደልዩ እንታይ ከም ዝረኽቡ ስለ ዝፈርሑ እዮም።

ቅ. ጳውሎስ ናብ 1ተሰ 4፡13-18 ዝተነበትና ሓንቲ ካብቶም ዝበለጻ ትምህርትታቱ እያ። ብሰማያዊ ጥበብ ተለዓዒሉ ንሰብ ተሰሎንቄ ብዛዕባ እቶም ቅድሚ ዳግማይ ምጽአት ጎይታ ንዝመቱ ብዝርኢ አብ እምነትን ሓቅን መሰረት ገሩ ብተስፋ ክጽበዩ ይነግሮም። ብዙሓት ካብኦም ንዳግማይ ምጽአት ጎይታ ብሕይወት ክንጸንሕ ዲና እንተ ዘይጸናሕናኸ እንታይ ክንከውን ኢና እናበሉ ይጭነቝ ነሮም። አብ ቀዳሞት ክርስትያን ዝነበረ ትጽቢት ዳግማይ ምጽአት እቲ ዝተንሥአ ኢየሱስ ብዝቐልጠፈ ክምለሰሞ እሞ ካብዚ ህውከትን ከቢድን ሕይወት ዓለም ወሲዱ አብ መንግስቲ አምላኽ ክወስዶም እዩ ነሩ ትጽቢቶም ወይ ርድኢቶም።

ቅ. ጳውሎስ እቶም አቐዲሞም ዝሞቱ አብ ክብሪ አምላኽ ስለ ዝሳተፉ ዘፍርሕ የብልናን ይብሎም። እዚአ ምስ ጎኡይታ ክንሓብር ኢና እትብል ሓሳብ ንኹልና ክንተጸናንዓና ይግባእ። ብሓቂ ክንርእዮ ከሎና ጳውሎስ ንሰብ ተሰሎንቄ አብ ተስፋ ክነብሩ እዩ ዝምዕዶም ዘሎ። ትሕዝቶ መልእኽቱ ትንሣኤ ክርስቶስ ንናይ ነፍሲ ወከፍ ትንሣኤና ዋሕስናን ተስፋናን እዩ፥ ነቶም ምስ ክርስቶስ ዝሞቱ አምላኽ ባዕሉ ናብኡ ክወስዶም እዩ። አብ ጥምቀት ምስ ክርስቶስ መትና፥ አብ ትንሣኤኡ ከአ ክንሳተፍ ኢና። እዚ ድኽም ዝበለ ርእድኢት ሰብ ተሰሎንቄ ንጳውሎስ ብዛዕባ አብ መጨረሻ ዓለም እንታይ ከም ዝኸውን ክገልጽ ዕድል ከፊትሉ። አብ አተሓሳስብኡ እቲ ካብዚ ምድሪ ንሰማይ አብ እንሓለፈሉ ዝከውን ነገራት ከም ራእይ ገሩ ይገልጾ ግን እቲ ዝገልጾ ነጥቢ ንጹር እዩ። እቲ ቀንዲ ትምህርቱ አብ ጊዜ ዳግማይ ምጽአት ክርስቶስ ብሕይወት ዝጸንሑ ይኹኑ ዝሞቱ ኩሎም አብ ናይ ክርስቶስ ግርማ ክብሪ ክአትዉ እዮም።

ብተወሳኺ ሓደ አነጺሩ ዝመሃሮ ኢየሱስ አብ መጨረሻ ዓለም ከም ፈራዲ ክመጽእ እዩ።  መጨረሻ ምጽአት ክርስቶስ መዓልቱን ሰዓቱን ምአስ ከም ዝኸውን ከይፈለጥና ኩሉ ጊዜ ነቒሕናን ተሰናዲናን ክንጸንሕ ይነግረና።

ናይ ሎሚ ወንጌል ንባብና ካብ ማቴ 25፡1-13 ካብተን ሰለስተ ምሳሌታት ብዛዕባ መንስተ ሰማይ እታ ቀዳመይቲ እያ። አብዚ ምዕራፍ 25 ማቴዎስ ወንጌላዊ ኢየሱስ ብዛዕባ መጨረሻ ዓለምን ዳግማይ ምጽአት ክርስቶስን ዘስተምሃሮ ይነግረና። ንዳግማይ ምጽአት ክርስቶስ እናተጸበና ከመይ ዝበለ ሕይወት አብዚ እንነብሮ ዓለም ክነብር ከም ዝግብአናንን ኩሉ ጊዜ ስንድዋትን ቅሩባትን ኮና ክንጸንሕ ይነግረና። ብርግጽ ንምድራዊ ሕይወት ክንሓድጎ ወይ ሸለል ክንብሎ ማለት አይ ኮነን እንታይ ድአ አብዚ ምድራዊ ሕይወትና ከመይ ኢልና ብምሉእ ሓላፍነትን ብምስትውዓልን ክነብር ከም ዘሎና ዝነግር እዩ።

ብፍሉይ እዛ ምሳሌ ዓሠርተ ደናግል ከመይ ዝበለ ምቅርራብ ክንገብር ከም ዘድልየና ንምግላጽ እያ። መዓልትን ሰዓትን አይትፈልጥዋን ኢኹም እሞ ንቕሑ። አብዚ ኢየሱስ ንሰማዕቱ ሎሚ ኸአ ንነፍሲ ወከፍና ብዝልዓለ አገባብ ቅሩባትን ንቝሓትን ኮና ክነብር ይነግረና። ገለ ካብ አመንቱ ወይ ስዓብቱ ንጉዕዞ ሰማይ ብሸለትነትን ዋጋ ብዘይ ምሃቦምን አብ መጨረሻ ግብሮም ክረኽቡ ከምዝኾኑ ገሊጹ ይነግሮም። እቲ ኢየሱስ ብዛዕባ አምሳል መርዓ ገሩ ዝገልጾ ንሰማዕቱ ትርጉሙ ንጹርን ፍሉትን እዩ ነሩ። እዚ ጥቕሲ ክርስቶስ አብ ዳግማይ ምጽአቱ ንኹሉ ዓለም ከም ዝፈርድ ንምግላጽ እዩ። አብታ ዕለት መንግስቱ ምሉእ ክኸውን እዩ፥ ንዘለዓለም ዝተዓወተ መንስተ ሰማይ ከአ ክጅምር እዩ። አብዚ ታሪኽ ኢየሱስ በታ መዓልቲ ንገለ ካብቶም ንሱ ዝሓረዮምን ኩሉ ዘድሊ መጋበሪ አብቲ ሓደ ዓላምኦም ክበጽሑ ዝሃቦም እንታይ ከም ዝኾኑ ንምግላጽ እዩ።

እዚአ ምሳሌ ዓሠርተ ደናግል አብ ወንጌል ማቴዎስ ጥራሕ እያ እትርከብ፥ ከምኡ አብቲ ናይ አይሁዳዊ ባህሊ መርዓ ዝተመስረተት ብአምሳል እትንገር እያ። አብዚ ምሳሌ ማቴዎስ ነቶም ዝጽሕፈሎም ዘሎ ማሕበር ክርስትያን ምናልባት ናይ ጎይታ ምምጻእ ካብቲ ዝተጸበይዎ ንላዕሊ ክድንጒ ይኽእል እዩ ስለዚ ንነውሕ ምጽባይ ዝአክል ዘይቲ ንመብራህቶም ክሰናደዉ ንማለት እዩ። ነዚ አብ ግምት አእቲና እንተ ረአናዮ ኩሉ አብሳ ምሳሌ ዘሎ ዓሚቕ ትርጉም ዝሓዘ እዩ። እቲ መርዓዊ ክርስቶስ ጎይታ እዩ። መርዓት ቤተ ክርስትያን እያ። እተን ዓሠርተ ደናግል አምሳል ኩላ ቤተ ክርስትያን ንምጽአት ጎይታ አብ ትጽቢት እትርከብ እየን። አብቲ ድሓር ዝኸውን መሰረት ገርና ክንርእዮ ከሎና እተን ሓምሽተ ከም ለባማት ወይ ዘስተውዕላ እተን ሓምሽተ ኸአ ከም ዓያሹ ይምሰላ። ልቦናአን አብዚ አብቲ ተባዕ ውሳኔ ነቲ ክገብርኦ ዘልአን ክገብራ አብ ቅድሚ ጎይታ ገጽ ንገጽ ደው ክብላ ዝወስዳኦ እዩ ዘስምዕ። እቲ መብራህቲ እቲ ኩለን እተን ደናግል ዝሓዝኦ ነቲ ኩሎም ክርስትያን ክህልዎም ዝግብኦም ዝሕብር እዩ። ዘይቲ እቲ ገሊአን ዘልአን ገሊአን ከአ ዘይብለን ንጽቡቕ ግብሪ እዩ ዘመልክት። መብራህቲ ብዘይ ዘይቲ ከም እምነት ብዘይ ጽቡቕ ግብሪ ምዉት ጥቕሚ ዘይብሉ እዩ ዘስምዕ።

ቤተ ክርስትያን ነዚ ወንጌል ምስ ሰማዕና ክንገብሮ እትደልየና አብ ሕይወትና ተመሊስና መወዳእታ ሕይወትናን ዓለምን ክንሓስብ ትደልየና። ካብዚ ንባብ ክንግምግሞ እንኽእል ናይ ጎይታና ምጽአት ከም ፈራዲ ዓለም፥ ዘለዓለማዊ ብዓል መርዓ ክርስቶስ ምስቶም ሕሩያቱ ዝጅምረሉ ከምቲ ሃንደበታዊ ምጽአት መርዓዊ እዩ። ተኸታሊ ክርስቶስ ዘይተሰናደወ ወጀሃላ ኮይኑ ክነብር አይ ናቱን እዩ። እዚ ምስቲ ሓደ ተመሃራይ አብ ትምህርቱ አበርቲዑ ኩሉ ጊዜ ዝቕረረብን ዝከታተልን ክመሳሰል ይኽእል። ዘይተጸበዮ ፈተና ክውሃቦ እንከሎ ተቐሪቡ ስለ ዘሎ ክሓልፍ አይጽግሞን እዩ። እዚ ከምተን ለባማት ደንግል እዩ። ብኻልእ ወገን ሓደ ተመሃራይ ዘይከታተል ግን ፈተና አሎኩም ጥራሕ ምስ ተባህለ ዝሰናዶ ከምተን ሓምሽተ ዓያሹ ደናግል እዩ። ዘይተሓስበ ፈተና/መርመራ ምስ ተዋህበ አጸቢቑ ስለ ዘይተሰናደወ ይወድቕ ይተርፍ። አብ መጨረሻ ዓመት ምስ መጸ ቀጺሉ ይከታተል ስለ ዘይነበረ አብ መረመራ ብዘሕፍር ይተርፍ። ስለዚ ሎሚ እውን ከምተን ለባማት ደናግል ክንከውን ንሕተት አሎና። ኩሉ ጊዜ ንቝሓትን ስንድዋትን ክንከውን።

ከምኡ ንዳግማይ ምጽአት ምስንዳው ማለት አብ ፍርሕን ምሽቁርቋርን ምንባር ወይ ድሕሪ ገለ ንንበ ኢና ይርአየና እዩ፥ መወዳእታ ዓለም ምአስ ከም ዝኾነ ምልክት ርኢና ክነግረኩም ንኽእል ኢና ወይ እውን አብ መጨረሻ ንኹሉ ክናዘዝ እየ ክሳብ መጨረሻ ግን ከምድላየይ ክሕንብጥ እየ እናበልና ክነብር አይግብአናን። ዝገርም ብዙሓት አብ ዓራቶም አይሞቱን እዮም። እቲ ሕቶ አነ ሎሚ አብዚአ ዕለት እንታይን ከመይን አሎኹን እዩ። እቲ ዝበለጸ ክንገብሮ ዝግብአና መጀመርያ ኩሉ ጊዜ ብዛዕባ መወዳእታና ክንሓስብ እምበር ካብ ቁጽጽርና አውጺእናዮ ከምድላይና እናኸድና ክነብር ይግብአን። ካልአይ ዕለት ዕለት ምስ ኢየሱስ ክነብር ክንጉዓዝ የድልየና፥ ስለዚ ሎሚ ምስ መን እጉዓዝ አሎኹ ክንብል ይግባእ።

ሓደ እዋን ሓደ ሽማገለ መነኮስ አብ ገዳሞም ንዝረገፈ አቍጻል ኩሉ ጊዜ ይጸርጉ ነሮም። ሓደ በጻሓይ ገዳም አብቶም መነኮስ ቅርብ ኢሉ ድሕሪ ዓሠረተ ደቒቅ ክትሞቱ ኢኹም እንተ ትብሃሉስ እንታይ ምገበርኩም ኢሉ ሓቲትዎም። እቶም ሽማገለ መነኮስ ከአ ምጽራግ አቝጻል ምቐጸልኩ ኢሎሞ። ምኽንያቱ እዞም መኖኮስ ኩሉ ጊዜ ንቍሕ ፍርዶም አብ ዝኾነ ስዓት ይምጻእ ቅሩብ እዮም ነሮም። ንሕና እውን ልክዕ ከምኡ ክንገብር እዩ ዝድለ ዘሎ። ከምኡ ኴና እንተ ጸናሕና አብ ናይ ሓጎስ መንግስተይ እቶ/ዊ ክብለና እዩ።

አብ መጨረሻ አብ ጊዜ ጸገም ወይ ድንገት ገለ ነገራት አሎ አብ ጎረባብትና ከድና እንልቅሖ እዋናት አሎ። ግን አብ ናይ ሎሚ ምሳሌ መሰረት ገርና ክንርእዮ ከሎና እቲ ዘይቲ ናይ ፍቕሪ አገልግሎት ዝኾነ ብጽኑዕ ክንርእዮ ከሎና አብ ካልእ ዝመሓላለፍ አይኮነን። ንጎይታ ክንቅበል እንተ ኾና ናይ ግልና ሓላፍነት እዩ። አብ ክንዳይ ኮይኑ ንክርስቶስ ሕራይ ክብሎ ዝኽእል የለን። እተን ዓያሹ ደናግል ዘይተን ስለ ዝተወድአ ክዕድጋ ምስ ከዳ እተን ለባማት ተቐሪበን ዝጸንሓ ምስ መርዓዊ አብ አዳራሽ መርዓ አተዋ። ድሕሪኡ ማዕጾ ተዓጽዩ። ኩለን ዕድማት እየን ነረን እንተ ኾነ ኩለን አይአተዋን። ጽዉዓት ብዙሓት እዮም ሕሩያት ግን ውሑዳት እዮም። አብዚ ናይ እቲ መርዓዊ ወገንነት አይ ኮነንን አብተን ነቲ ዕድመ ብኸመይ ከምዝተቐበላኦ እዩ ዝምስረት። እቲ ዕጹው ማዕጾ ዝብል ትርጉሙ አብ ኢየሱስ ክንቀርብ አውቶማቲክ ወይ ብቐሊል ዝርከብ ከምዘይኮነ ንምግላጽ እዩ። ስለዚ እዛ ምሳሌ መጠንቀቕታ እያ እትህበና ዘላ መዓልቱን ሰዓቱን አይትፈልጡን ኢኹም እሞ ንቕሑ።

መብራህትን ወሊዕና ሕልናና አንጺሕና ፍቕሪ ለቢስና ኩሉ ጊዜ ምእምነት ንጎይታ ንጸበዮ። ብአማልድነት ወላዲቱ ደቂ ብርሃን ደቂ ሓቂ ይግበረና።

ብሩኽ ሰንበት። 

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ    








All the contents on this site are copyrighted ©.