2017-10-31 16:46:00

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኑክለሲያዊ ኣጽዋር ንሰብኣዊ ፍጥረት ናይ ርእሰ ቅትለት ስግኣት እዩ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 30 ጥቅምቲ 2017ዓ.ም. ኣብ ቤት ጽሕፈት ሓልዮ ምሉእ ሰብኣዊ ምዕባለ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶም ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳን፥ ኑክለሲያዊ ኣጽዋር ንሰብኣዊ ፍጥረት ናይ ርእሰ ቅትለ ስግኣት ምዃኑ ብሰፊሕ ኣብ ዘተሓሳሰብሉ እዋን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዋና ሓላፊ ግረግ ቡርከ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ኣብ ሃገረ ቫቲካን፥ ካብ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ናጻ ዝኾነ መጻኢ ዓለምን ምሉእ ሰብኣውነት ምዕባለን ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ንኽካየድ ብሓልዮት ቅዱስ ኣቦና ዝተጸውዔ ምዃኑ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ናይ ውሽጥን ወጻእን ጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሰርጆ ቸንቶፋቲ ኣፍሊጦም።

ቅዱስ ኣቦና ከይተሓለሉ ኵሉ ብሰላም ዝነብረሉ ሰብኣውነት ዘማእከለ ዓለም ክረጋገጽ የነቓቕሑ፡ ባዕሎም ቅዱስነቶም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት 2017 ዓ.ም. ናብ ሕቡራት መንስታት ዓለም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዝምስክሮ ምዃኑ ገሊጾም።

ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ኣብ መንጐ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሰሜን ኮርያን ተኽሱቱ ዘሎ ውጥረት ሰላማዊ መፍትሒ ክረክብ ቅድስቲ መንበር ክትሽምግል እያ ዝብል ብናይ ኢጣሊያ መራኸቢ ብዙሓን ብዛዕባ ዝመሓላልፍ ዘሎ ዜና እንታይ ይብሉ ንዝብል ካብ ጋዜጠይናታት ንዝቐረበሎም ሕቶ፡ እቲ ዝፍነው ዘሎ ዜና ሓቂ ኣይኮነን። ኰይኑ ግና ቅድስቲ መንበር ኣብ ሕንጸት ሰላም እትዓይን ኣብ መንጐ ሃገራትን ሕዝብታን ሰላም ክረጋገጽ ትሓንጽን እተነቓቓሕን ምዃኑ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ እንክብሉ ከምዝመለሱ ቸንቶፋንቲ ኣመልኪቶም።

እቲ ካብ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ናጻ ዝኾነ መጻኢ ዓለምን ምሉእ ሰብኣውነት ምዕባለ ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ንኽካየድ ቅዱስ ኣቦና ዝጸውዕዎ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ብቤት ጽሕፈት ሓልዮ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ዝዳለው ኰይኑ ካብ ዕለት 10 ሕዳር ክሳብ ዕለት 11 ሕዳር 2017 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓድሽ ናይ ሲኖዶስ ኣዳራሽ ኣብ ዓለም ሓቆፍ መዳይ ላዕለዎት ኣካላትን ኣብ ባህልን ስነ ምርምርን ውሩያት ዝበሃሉን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መንፈሳዊ መራሕትን ናይ ሰላም ኖቤት ተሰለምትን ኣብ ሆሮሺማ ካብ ዝወረደ መጥቃዕታዊ ኣቶሚክ ቦምቢ ዝተረፉ  ናይ ዓይኒ መሰካኽር ዝውክሉ ኣሳቲፉ ዝካየድ መዃኑ ግረግ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝጠቐሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸንቶፋቲ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.