2017-10-24 16:19:00

ቅዱስ ኣቦና ንናይ ተል ኣቪቭ መንበረ ጥበብ፥ ንዓበይቲ ስነ ምግባራዊ ሕቶታት ግዱሳት ዝዀኑ ናይ መጻኢ መራሕቲ ሕንጸት ምግዳስ


ወትሩ ናይ ጥበብ ጽምኢ ዘለኩም ክትዀኑ ዝብል ምዕዳን ኣማእኪሎም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብናይ ተል ኣቪቭ መንበረ ጥበብ ዋና ኣመሓዳሪ ጆሰፍ ክላፍተር ንዝተሰነዩ ልዕሊ 30 ዝግመቱ ናይቲ መንበረ ጥበብ ተመሃሮ ልኡካን ዕለት 23 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም መርሕ ቃል ከምዘለገሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሮበርታ ጂሶቲ ሓቢረን።

ስነ ምርምርን ጥበብን ይብሉ ቅዱስነቶም፥ መንበረ ጥበብ ኣብ ናይ ጥበብ ባህሊ ዝሃንጽ እዩ። ማለት ሓቅን ናይ ሓባር ጥቕምን ከም ፍጹም እንኮ ድልያ ዝግበረሉ ዕደ ጥበብን ስነ ምርምርን ምስ ስነ ሰብኣውነታዊ ዘቃድው ክኸውን ኣለዎ። እንነብረሉ ዓለም ነቲ ኤኮኖሚያውን ማሕበራውን ቅልውላውን ወሎዳአዊ ግርጭትን ዝረአየሉ ምዃኑ ብስትውዓል እዋናዊ ዓውሎማዊ ፍልቀታውን ምዕባለን ናይ ጥበብ ባህሊ ከማዕብል ኣብ ዝሓትት ሕጹጽ ኩነት ይርከብ ከምዘሎ ነስተውዕል ስለዚህ ነዚ ኩነት’ዚ ብብቕዓት ክገጥም ዝኽእልን ሓድሽ ወለዶ ነዘቕርቦ ሕቶ ናይ መጻኢ ሕይወቱ ንዋጋ ዕዳጋ ከእቱ ዘየገድዶ ብቑዕ  መልሲ ንምሃብ ዝድግፉ ሓደስቲ ፍኖት ዘርህው ሓድሽ መርሕነት ምህናጽ የድሊ ቢሎም መንበረ ጥበብ ተል ኣቪቭ፥ ነቲ ንሕብረተሰብ ዓቢይ ሕቶ ዝዀነ ነቶም ትሑታን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ብቕዓት ዓቕምን ዘይብሎም ተነቐፍቲ ክፍሊ ሕብረተ ሰብ ምንቕቓሕን ምክልኻልን ሕጹጽ ምዃኑ ዘገንዝብ ናይ ስነ ምግባራዊ ሕቶታት ኣትኵሮ ዝገብሩን ተገዳስነት ዘለዎም ሓደስቲ መራሕቲ ዝሓንጽ ይኹን፡ ስነ ምርምርን ካልኦት ናይ ሰብኣዊነት ናይ ትምህርቲ ጨናፍር ንምሉእ ናይ ሰብኣዊ ዕብየት ብምግልጋል ዘለዎን ዓሚዩቕ ናይ ስነ ፍልጠት ክብሮም ይገልጹ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ኣፍሊጠን።








All the contents on this site are copyrighted ©.