2017-10-20 16:09:00

ብፁዕ ኣቡነ ዩርኮቪች፥ ደገፍ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ንዘእንግዳ ሃገራት


ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለምን ጀነቭ ኣብ ዝርከባ ኣብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ተቕዋማት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኢቫን ዩርኮቪች፥ “ንናይ ስደተይናታትን ተመዛበልት ጉዳይ ናይ ጥርኑፍ ዓውሎማዊ ማሕታ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣምሪሑ ዕለት 18 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም.  ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ለኻዊ ዋዕላ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፥ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ነትን ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዶባተንን ልባተንን ከፊትን እንገዳን ሓገዝን ንዘቕርባ ዘለዋ ሃገራት ጭቡጥ ደገፍ ከቕርብ ይግብኦ፡ ብዘይ ከምዚ ዓይነት ምትሕብባር እቲ ብዛዕባ ተመዛበልትን ስደተይናታትን ዝምልከት ናይ ዓለም ሓቆፍ ውሳኔ ማለት እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት ዘሎ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ነጻነት ምኽባር ዝከኣል ኣይኰነ  ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሮብርታ ጂሶቲ ሓቢረን።

ብፁዕነቶም ነቲ ሃገራት ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኮታ ዑቕባ ሓተትን ዓቐን ሰብ ዘለዎን ዋሕስን ዝዀነ ምቕባልን ምእንጋድ ንኽውና ብኸመይ ክድገፋ ኣለወን ንዝብል ሕቶ ኣልዒሎም፥ እቲ ናይ 1951 ዓ.ም. ናይ ጀነቭ ናይ ውሳኔ ሰነድ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ናይ ሓባር ሓላፍነት ይሓትት፡ ስለዚህ ናይ ሓባር ሓላፍነት እዩ እንክብል ኣነጺሩ የመልክት። ብምዃኑ ማሕበረሰብ ዓለም ነተን ስደተይናታት ዘእንግዳን ስደተይና ንምድጋፍ ዘኽእል ውጥን ንዝሕንጽጻ ሃገራት ነዚ ዘካይድኦ ዘለዋ ጻዕሪ መሳለጢ ዝውዕል ናይ ገንዘብ ድጋፍ ከተኣኻኽባ ይግብኤን፡ ብተዘዋዋሪ እቲ ዝዋጽእ ሃብቲ ገንዘብ ንናይ ሰብኣውን ሰላምን ረብሓታት መሳለጢ እዩ ዝኸውን ከምዝበሉ ጂሶቲ ኣፍሊጠን።

ብተመሳሳሊ መገዲ እውን ብፁዕ ኣቡነ ዩርኮቪች ናይ ስደተይናታትን ተመዘበልትን ጸኣትን ፍልሰትን ብግቡእ ምምሕዳር ዘድልዮ ክስተት ምዃኑ እንከመልክቱ፥ ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝቐርብ ሓለዋ ነተን ስደተያታት ዝነቕሉለን ሃገራት ሃገራት ብመልክዓ ምድራዊ ኣቀማምጣ ቀረባ ንዝኾና ሃገራት ዝምልከት ጉዳይ እዩ ቢልካ ካብ ተሓታትነት ምምላጥ ዘይቅብሉ እዩ። እዚ ዓይነት ኣመለኻኽታ ንገዛእ ርእሱ ስደተይናታት ናብ ሃገርካ ንኸይኣትዉ እትጥቀመሉ ሜላ እውን እዩ። እዚ ኸኣ እቲ ኣብ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ጸኣት ስደተይናታት መፍትሒ ንኽረክብ ዝድግፎ ቅኑዕ ዓለም ለኻዊ ሓባር ጻዕሪ ከይህሉ ዝድርኽ እዩ ከምዝበሉ ጂሶቲ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.