2017-10-20 16:04:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፥ ብስም ሃይማኖት ዝፍጸም ግብረ ዓመጽ ስም እግዚኣብሔር ዘርክስ ተግባር እዩ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 18 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ሃይማኖታት ንሰላም ቤት ምኽሪ ተቐቢሎም ሰላም ሕጹጽ ዕማም እዩ፡ ናይ ዝኾነ ይኹን ሃይማኖት ሰዓቢ ወትሩ ሰላም ደለይቲ ክኾኑ ይግባእ፡ ኣብ ሓላፍነት ዝተቐመጠ ኣካል ድማ ሸለል ክብሎን ብዝሁምነት ክምልከቶ ኣይግባእን ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ምዕዳን ከምዘለገሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጋብርኤላ ቸራዞ ሓቢረን።

ቅዱስ ኣቦና ነቶም ኣባላት ናይ ኵለን ሃይማኖታት ንሰላም ቤት ምኽሪ ቅድሚ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ መደብ ተቐቢሎም፥ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ንዓለምና ዘናውጽ ዘሎ ውግእን ዓመጽን ጠቒሶም ሰላም እቲ ኣዚዩ ሕጹጽ ዝዀነ ክቡር ዋጋ እዩ። ሰላም መለኰታዊ ጸጋን ጻዕሪ ሰብን ዝሓትት ድማ እዩ። ብኣእምሮን ልብን ብዅሉ ምግባርናን ደለይቲ ሰላም ክንከውን ይግብኣና። ድልያ ሰላም ናይ ኩሎም ኣመንትን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ጻዕርን ሓላፍነትን እዩ ክኸውን ዘለዎ።

ሰላም ኣብ ምሕናጽ ኩለን ሃይማኖታት ብዘለወን መንፈሳዊ ሃብታትን ግብረ ገብን ዓቢይን መተካእታ ዘይብሉ ሓላፍነት እዩ ዘለወን። ሰላም ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ዙሁም ብዝገደደ ኸኣ ዘይንጹር ኣመለኻኽታ ዘለወን ክዀና ኣይግባእን። ብስም ሃይማኖት ዓመጽ ዝፍጽምን ምኽንያታዊ እዩ ዝብል ነቲ ሰላምን ምንጪ ሰላምን ዝዀነ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጥረት ነጸብራቕ ጥበቡን ሓይሊን ውህበቱን ውበቱን ነዘንበረ ንእግዚኣብሔር እዚዩ እዩ ዘርክስ ቸራዞ ኣፍሊጠን።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ እቲ ናይ መላእ ሃይማኖታት ምእንቲ ሰላም ቤት ምኽሪ ኣብ ዓለም ምእንቲ ምርግጋጽ ሰላም ዝገብሮ ጻዕሪን ኣብ ውሽጢ ሃይማኖታትን ኣብ ዓለምን ምእንቲ ሰላም ዝህብዎ ኣገልግሎት ዝድነቕ እዩ ቢሎም ኵለን ሃይማኖታት ብባህርእየን ብፍትሕን ሕውነትን ምርጋፍ ናይ ውግእ ኣጽዋርን ፍጥረትን ተፈጥሮን ብምክንኻንን ሰላም ዘነቓቕሓ እያተን። ምሉእ ምህዳራውነት ዘነቓቕሓ እወን እያተን።

በዚ መገዲ’ዚ ቅዱስ መጽሓፍ ናብቲ  ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ምስ ረአየ ጽቡቕ ምዃኑ ብዝረአየ መርኣይ እግዚኣብሔር ኣቢልና ክንጥምት ይድግፈና። ኩለን ሃይማኖታት ብሓባር ናይ ነፍሲ ወከፍ ፍጥረት ሰብ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክኽበር ፍጥረትን ተፈጥሮ ንምክንኻንን ኣብ ዘነቓቕሕ ግብረ ገባዊ ቃል ኪዳን ከዕብይን ከማዕብልን ዝኽእል ሃብትታት ኣለወን ምስ በሉ እቲ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ብዝግበር ርክብን ዘተን ዓመጽ ኣብ ምቅዋምን ተቐባልነት ዘለዎ ምዓብለ ንኽረጋገጽ ዝገግበር ናይ ሓባር ጻዕሪ ዘተባብዕ ምዃኑን ኣብዚ መዳይ እቲ ዓለም ሓቆፍ ኩለን ሃይማኖታት ንሰላም ቤት ምኽሪ እውን ዘለዎ ኣበርክቶ ጠቒሶም ኣብ እግዚኣብሔርን ኣብ ሰብ ጽቡቕ ድላይ ኣመኔታ ኣብ ምንባር ኩሉ ክዓብይ ድማ ሓደራ ቢሎም ዝስምዕዎ ዘረባ ከዘጠቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸራዞ ገሊጸን።








All the contents on this site are copyrighted ©.