2017-10-17 11:00:00

ርክብ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ሊባኖስ መራሔ መንግስቲ ሓሪር ኣብ ሃገረ ቫቲካን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 13 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም. ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ሊባኖስ መራሔ መንግቲ ሳኣድ ራፊክ ሃሪሪ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

መራሔ መንግስቲ ሃሪሪ ካብ ቅዱስ ኣቦና ተሰናቢቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳይ ርክባት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፓውል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምእተራኸቡ ዝሓበረ ናይ ቅድቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ኣብ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ብዛዕባ ህልዉ ኩነታት ሊባኖስን ማእከላይ ምብራቕን ናይ ሓሳብ ልውውጥ ከምእተኻየደን ኣብ ሊባኖስ ዝረአይ ዘሎ ምርግጋእ ዝነኣድ ምዃኑን ስለዚህ ኣብ ሊባኖስ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ናይ ፖለቲካ ውድባት ንናይ ሕዝብን ሃገርን ጥቕሚ ዘተኰረ ሓናጺ ናይ ሓባር ዘተ ክህሉ ዘተባብዔ ምንባሩ የመልክት።

ከምኡ እውን ኣብቲ ክሌኣዊ ርክብ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ሊባኖስን ዘሎ ርክብ ሰናይ ምዃኑን ሊባኖስ ካብተን ውግእን ስእነት ሰላምን ዝረአየለን ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ዝውሕዙ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ተቐባልነታን እንጋዴኣን ዝምስገንን ህብረ ባህላውን ህብረ ሃይማኖታውን ዘተ መሰረት ሰላም ምዃኑን ነቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ክዓስል ንእትገብሮ ጻዕሪ ኣፍልጦ ብምሃብ ኣብ ሊባኖስን ከባቢ ማእከላይ ምብራቕ ሰላምን ፍትሕን ንምንቕቓሕ ኣብ መንጐ ክርስቲያንን ኣስላማያን ኣብ ምትሕባርንን ምክብባርን ዝጸንዔ ናይ ሓባር ርክብን ዘተን ክህሉ ዘተሓሳሰበ እውን ምንባሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.