2017-10-09 09:18:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ናይ ምጥዓስ ጸጋ ካብ ሓጢኣት የድሕን


ከምቲ ልሙድ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ሃገረቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ንጐሆ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ብላቲን ስርዓት ግጽዊ ካብ መጽሓፍ

                                  ባሮክ ምዕ. 1,15-22

                                   ሉቃስ ወንጌል ምዕ. 10, 13-16

ዝተውስዱ ምንባባት ኣሞርኵይዞም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፥ “ኦ  እግዚኣብሔር አምላኽና! ንስኻ ጻድቕ ኢኻ። ንሕና ግና ገና ብሕፍረት ተሸንፊንና ኣሎና” ዝብል ኣብ ቀዳማይ ምንባብ ነቢይ ባሮክ ዝተነብረ ቃል ሎሚ ብዛዕባ ምትሕልላፍ ሕጊ እግዚኣብሔር ይዛረበና፡ ንሕጊ እግዚኣብሔር ዘይምእዛዝ፡ ሓጢኣት ምፍጻም ማለት ዘስምዕ ክኸውን እንከሎ፡ ብኻልእ መዳይ ድማ ናይ ምሕረትን ጣዕሳን መገዲ ዝሕብር እዩ። ዝብል ሓሳብ ከም መእተዊ ገይሮም፥ ከምቲ ነቢይ ባሮክ ዝብሎ፥ ኩሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ሓጥኣን እዩ። ካህናት ነጋውስ መራሕቲ ወለዲ ኩሉ ሓጢኣተይና እዩ።

ሓደ’ኳ ኣነ ጻድቕ እየ ወይ ከኣ ኣነ ከምቲ ወይ ከምቲኣ ኣይኰንኩን እናበለ ኢሓጥኣን ኰይኑ ክቐርብ ዝኽእል የልቦን። ሓጢኣተይና እየ። ኵላትና ዘሎና ቀዳማይ መጸውዕ ስምዕና ሓጥኣን ዝብል እዩ፡ ስለምታይ’ከ ኢና ሓጢኣተይናታት ዝዀንና? ምስ ጐይታ ኣብ ዘሎና ርክብ ዘይተኣዛዝነት ብምንባርና ኢዩ። ንሱ ዘይበለና ስለ እንገብር። ድምጹ ዘይምስማዕን ዘይምእዛዝን። ኣብ ታሪኽ ሕይወትና ዝዛረበና እዩ። ክንደይ ጊዜ እግዚኣብሔር ተዛረበኒ። ክንደይ ጊዜ ኣነኸ ኣብ ምስማዑ ብኹር ኰይነ ተረኸብኩ። ምስ ወለዲ ምስ ስድራ ቤት ምስ መምህር ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ስብከት ኣብ ልባትናን ተዛረበ።

ኣንሕና ግና ኣምቢ ብምባል ሓጢኣት ፈጸምና። ናይ ዝንባለ ልባትና ብምስዓብ “ንቕጽና” ብምርኣይ ኣብ ነኣሽቱ ዕለታውያን ጣዖታት፥ ስስዔን ቅርሕንትን ጽልእን ብፍላይ ምርጋምን ንኻልእ ክፋእ ብምትምናይ ነቲ ከማይ ዝኣመሰለ ሰብ ዘዕንው ኵናት ናብ ዘበግሱ ምርጫታትና ኣዘንበልና።

እዚ ኩሉ ምንጪ ሓጢኣት እዩ። ባሩክ ከምዝብሎ፥ ብሓጢኣትና “ብሕፍረት ተሸፈንና” ስለምንታይ ሓጢኣት ልቢ ዘባድም ሕይወትን መንፈስን ዘዕንውን ዘድክምን እዩ። እዚ ኹሉ ድማ ምስ እግዚኣብሔር ኣብ ዘሎና ርክብ እነርእዮ ናይ ዘይምእዛዝ ተግባር እዩ ይገልጽ።

ሓጢኣት ልክዕ ከም ሓደ ምልክታ ርስሓት ኣብ ኣልባሳትና ዝወድቕ ንጣብ ኣይኰነን ከምኡ ኔሩ እንተዝኸውን ኣብ ቤት ሕጽቦ ክዳውንቲ ምኻድ ምኣኸለ ኔሩ፡ ሓጢኣት ኣንጻር ጐይታ ምቛም ማለት እዩ። ኣንጻር እቲ ሰናይ ዝዀነ ጐይታ። እዚ ኵሉ ብምስትውዓል ኣብ ናይ ኣእምሮ ጸቕጢ ካብ ምውዳቕ፡ ሓፍረት ክስምዓንን እዩ ዝበለጸ። ከምቲ ባሮክ ዝብሎ፡ ሓፍረት ክስምዓካ ብሓቂ ጸጋ እዩ።

ዝስምዓካ ሓፍረት ናይ ድሕነትን ፈውስን መገዲ የርህው ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና፥ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፥ ኣብ ቅድሚ ጐይታ ብሕፍረት ተሸፊንና ከድሕናና ንለምኖ ቢሎም፥

ስለ ዝኣበስናን ስለ እቲ ኵሉ ዝገበርናዮ ምኽንያት ኣብ ጣዕሳ ወዲቕና ጐይትና ምስ ዝርእየና ብትሕትና ምሕረቱ ምስ እንሓትት ንሱ ከሃሌ ኵሉ ሓጢኣትና ኵሉ ይድምስስ ኣብ ሕቕፎኡ የንብረናን ንሓልዮቱ ቀሪቡ ይምሕረና። ከምቲ ባሮክ ዝብሎ ናብ ምሕረት ዘብጽሕ መገዲ ንሱ እዩ። ምጥዓስ፡ እግዚኣብሔር ከሃሌ ኵላውነቱ ብመሓርነትን ይቕረ በሃልነቱን ይገልጾ

እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.