2017-09-28 16:39:00

ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስ ኣቦና


“ቅዱስ ኣቦና ር,ሊ,ጳ, ፍራንቸስኮ፥ ስደተይና ልክዕ ከምቶም ስደተይናታት ዘእንግዱ ኣብሳሪ ተስፋ እዩ”

“ተስፋ ምክፋል ዘይምፍራሕ” ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 28 መስከረም 2017 ዓ.ም. ክርስቲያናዊ ተስፋ ኣማእኪሎም ዝጀመርዎ ተኸታታሊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቕጻል፥ ተጻባእቲ ተስፋ ኣብ ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ኣሞርኲይዞም ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ምዃኑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲይ ቫቲካን ጃዳ ኣኵይሊኖ ገሊጸን።

ልክዕ ከምቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኵሉ ምግባረ ሰናይ ተስፋ እውን ብዙሕ ተጻባእቲ ኣለውዎ፡ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ታሪኽ ናይ ብዙሓ ወጅሂ ብምስትውዓል ገባርን ድኻ ሰራሕተይናታን እቶም ተስፋ ኣሚቶም ዝስደዱን ኵሎም ዋላ’ኳ ቡዙሕ ምረት እውን የጋጥም ጸኒዖም ንደቃቶም ንቕኑዕን ርጉእን ሕይውት ተኣሚኖም ንዝበለጸ መጻኢ እናማዕደዉ ንሎማዊ ጸገማት ዝተቓለሱን ዝቃለሱን ብዙሓት እያቶም ኢሎም።

ስደተይናታት እናሓሰቡ ተስፋ ነቲ ቤቱን መሬቱን ኣባይቲ ስድራኡን ዛሕዚሑ ዝበለጸ ምስ ናይ ሕይወት ክብሪ ዝተመዓራረየ መጻኢ ንገዛእ ርእሱን ንመላእ ቤቱን ኣሚቱ ንኽስደድ ዝድርኽ ሓይሊ እዩ። እዚ ድርኾት ተስፋ’ዚ ኣብቲ ስደተይና ዝኣትዎ ሃገር ዘሎ ሕዝቢ ልቢ እውን እንገዳን ሌላን ዘተን ድላይ ዘነቓቕሕ ድርኾት እዩ። ተስፋ ናይ ጉዕዞ ተኻፋሊ ንኽትከውን ይድርኽ፡ ስለምታይ ጉዕዞ ብኽልተ ኣካላት ኢዩ ዝፍጸም። እቲ ናባና ዝመጽእን ኣንሕናውን ባህሉን ቋንቋኡን ንኽንርዳእ ናብ ልባቱ ነብል፡ ስለዚህ ጉዕዞ ብኽልተ በዓል ቤት እዩ ዝፍጸም። ብዘይ ተስፋ ግና እዚ ዓይነት ጉዕዞ ዘይፍጸም እዩ።

እቲ ዝተፈላለያ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ግብረ ሰናይ ማሕበራት ዝጥርንፍ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ተኻፋሊ ጉዕዞ ብዝብል መርሕ ቃል ስደተይናታት ንኽእንገዱ ዝጽውዕ ዝሓንጸጾ መደብ ጐስጓስ ቅዱስነቶም ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዘቕረቡሉ ዕለት 28 መስከረም 2017 ዓ.ም. ብወግዒ እንከበግሱ፥ ናይቲ ጎስጓስ ተኻፋሊ ጉዕዞ ዝብል መርሕ ቃል ጠቒሶም ተስፋ ናይ ጉዕዞ ተኻፋሊ ንኽትከውን ዝድርኽ እዩ። ተስፋ ብመሰረቱ ንሕይወት እናተኸላኸለን እናዓቀበን እናዕበየን ንሕይወት ጠጠው ዘብል እዩ። ተስፋ ንጽጉብ ከብዲ ምግባረ ሰናይ ኣይኰነን ስለምንታይ ብዘይምቍራጽ እቶም ብቐዳምነት ተስፋ ዘእንግዱ ድኻታት ስለ ዝኾኑ እንክብሉ ቅዱስነቶም የረድኡ።

በዚ መገዲ’ዚ ድኻታት ናይ ታሪኽ ተዋሰእቲ እያቶም ብኻልእ መዳይ እግዚኣብሔር ናብ ዓለም ንኽኣትው ዘድልይዎ ብትኽክል ንሳቶም እያቶም፡ ዮሴፍን ማርያምን ጓሶት ቤተ ልሔምን “ትሑታት” ብዘይ ረአዩለይን ስምዑለይን ብጽሞና ናይ ጽባቔን ለውሃትን ሰውራ ዘሰናድዉ። እዚኣቶም ምንን ዘይነበሮም እውን እንተዀኑ እቲ ኣብ ዓለም ክህልው ዝግብኦ ብሉጽን ዘደንቕን ሃብቲ ንሱ ኸኣ ናይ ለውጢ ድላይ ዝነበሮም እያቶም።

ገለ ገለ እዋን ኣብ ሕይወት ኵሉ ዘሎካ ምዃን ዘይምዕዳል እዩ። ብፍላይ ድማ ንመንእሰያት። ኩሉ ዘለካ ምስ እትኸውን ኣባኻ ምጽባይን ሃረር ምባልን ዘየለ ይኸውን። ብሓፈሻኡ ኢትምኒታዊ ትኸውን። ብሓቂ እዚ እዩ እቲ ዝኸፈአ ፍርዲ። ንትምኒትን ሕልምን ልባቶም ይዓጽዉ። ኣብ ከምዚ ኵነት ኣብ ንዝርከብ መንእሰይ የቐውዕ። ናይ መጸው መንእሰይ ይኸውን።

ባዶ መንፈስ እቲ ዝዓበየን ዝኸፍኤን መሰናኽል ተስፋ እዩ። ካብዚ ዓይነት መንፈስ ባዶነት ናጻ እየ ወይ ከኣ ኣየጋጥመምን ክብል ዝኽእን ሓደ’ኳ የልቦን። ጸረ ተስፋ ምዃን ኣብ ጉዕዞ ክርስቲያናዊ ሕይወት ከጋጥም ዝኽእል ፍተና እዩ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና፥ ጥንታውያን መነኮሳት እናሓሰቡ፡ እቲ ስልከያ ወይ ድማ ምስልካይ ዝብል ንሕይወት ካብ ውሽጡ ቧሕጊጉ ኣብ ባዶነት ዘንከባልል እዩ። ስልኩይ ሕልና።

ክርስቲያን ንኵነት ስልከያ ክቃለስን ፈጺሙ ዘይቕበሎን ዘየእንግዶ ዘቤታዊ ክገብሮ ዘይግብኦ ተግባር እዩ። ልብና ካብዚ ፈተና’ዚ ካብቲ ካብ እግዚኣብሔር ዘይኰነ ኣልቦ ሓሴት ምዕቃብ የድሊ። ኣብቲ ኣብ ልዕሊ ጓህን ጭንቀትን እነካይዶ ከቢድ ዝዀነ ቃልሲ ሰዓሪ ንምዃን ብስም እቲ ህያው ዝዀነ ወልደ እግዚኣብሔር ኢየሱስ ምባል የድሊ። ነቲ ሓጢኣተይና እየ እሞ መሓረኒ ዝብል ወንጌላዊ ናይ ተስፋ ጸሎት ምድጋም የድሊ። ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራሕ እዩ ልቢ ዘርህውን ሽግራትና ዝፈትሕን ናይ ተስፋ ኣድማስ ንኽንጥምት ዘብቅዕ፡ ኣብ ቃልሲ ቀብጺ ተስፋነት ንበይንና ከምዘይኰንና ዝተረጋገጸ እዩ። ኢየሱስ ንዓለም ስለ ዝሰዓረ ኣባና ውን ኣብ ልዕሊ ምግባረ ሰናይ ዝስዕር እዩ። እግዚኣብሔር ምሳና እንተድኣ ኰይኑ ነቲ ንኽንነብር ኣዚዩ ዘድልየና ምግባረ ሰናይ ንሱ ኽኣ ተስፋ ካባና ዝምንዝዕ ሓደ’ኳ ኣይክህልውን እዩ።

እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዛዚሞም ነቶም ነቲ ኣስተምህሮ ንኽልገሱ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተኣከቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፍሳውያን ነጋዶ ሰላምታኦም ኣቕሪቦምን ነቶም ኣብ ቀረባ እዋን ብዝተኸስተ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ዝተጠቕዓ ሃገራት ካሪቢያንን ህዝብታትን እግዚኣብሔር ክሕልዎምን ክባርዀምን ተማሕጺኖም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣኵይሊኖ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.