2017-09-28 14:27:00

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ አባላት ረድኤታዊ ተቕዋም ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ


ዕለት 25 መስከረም 2017 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይቲ ንጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዉዘርላንድ  ኤኮኖሚያውን ቁሳውን ሙያዊ ብልሃትን (technical) ሓገዝ ምቕራብ ዕላማ ናይ ዘለዎ ረድኤታዊ ተቕዋም ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘላንድ ብምኽንያት ምረቓ ሓድሽ ናይ ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘላንድ ማእከል ስርሒት ሕንጻ ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን ምዕዳን እውን ከምዝለገሱን ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣድሪያና ማሶቲ ገሊጸን።

እቲ ናይ ጳጳሳዊ ሓለውጢ ጸጥታ ስዊዘላንድ ሓድሽ ማእከል ስርሒት በቲ ረድኤታዊ ተቕዋም ንሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ዝተሰርሔ ምዃኑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ማሶቲ ኣስዒበን፥ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፥ እቲ ረድኤታዊ ተቕዋም ንሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድን ንናይዚ ሓይሊ ጸጥታ ኣዘዝትን ምስ ናይ ምምሕዳሩ ሓላፍነት ንዘለዎ ዝምልከቶ ንናይ ቫቲካን በዓል መዚ ዝህብዎ ኩለ መደያዊ ሓገዝን ምትሕብባርን ኣመስጊኖም፡ በቲ እተቕርብዎ ሓገዝን ምትሕብባርን ኣቢልኩም እቲ ኣብ ሕብረተሰብ ዓይነተይና መግለጺ ህላዌ ካቶሊካውያን ዝዀነ ማሕበረ-ሰብኣውነትን ተሓባባርነትን መንፈስ እትገልጹ ኢኻትኩም ከምዝበሉ ገሊጸን።

እዚ ኣገባብ’ዚ ድማ ነቲ ንብጻይካ ክህልወካ ዝግብኦ ፍቕርን ኣብ መንጐ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ዘሎ ፍልልያትን ክፈጠር ዝኽእል ማሕበራዊ ውጥረትን ክስገር ዝብል ኣብቶም ወንጌላውያን ክቡራት ዋጋታት ዝተሰርተ እዩ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና፥ ተግባርኩም ነቲ ወንጌላዊ ዕላማ ብግብሪ ዝምስክርን ኣብ ማሕበራዊ ኣካሊት ስዊዘርላንድ ናይ ሕውነትን ተኻፊልካ ናይ ምንባርን ምትሕስሳብን ኣብነት እዩ፡ ንሓደ ክርስቲያን ፍቕሪ ብጻይ ኣብ ልዕሊ እቲ ንእግዚኣብሔር ዘሎና ፍቕሪ ዝቐውም እዩ በዚ መገዲ’ዚ በቲ ዘለኵም ተወፋይነት ኣቢልኩም ድማ ካልኦት ኣቦ ናይ ዝዀነ እግዚኣብሔር ርሕራሔን ሓልዮትን ከተስተማቕሩን ብተራኦም ድማ ክገልጹን እትድግፉ ኢኻትኩም ከምዝበሉ ማሶቲ የመልክታ።

ንብጻይ ምፍቃርን ሰናይ ምግባርን ዝከኣል ካብ እቶን መለኮታዊ ፍቕሪ ብጸሎትን ቃል እግዚኣብሔር ብምስማዕን ቅዱስ ቁርባን ብምምጋብን ኣቢልካ ብዝግለል ፍቕሪ እዩ፡ በዞም ዝተገልጹ መንፈሳውያን ተግባራት ጥራሕ እዩ ብናጻ እንካን ሃባን ብዘይብሉን ብተወፋይነት ምግልጋል ዝከኣል ከምዝበሉ ማሶቲ ገሊጸን ኣስዒበን፥ ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንችስኮ እቶም ሊቀ መናብርቶም ዣን ፒየር ሮትን ፓስካል ኩኸፒን ተመሪሖም ናይተን ክልተ ረድኤታዊ ተቕዋማት ንጳጳሳዊ ሓለዋ ጽጥታ ስዊዘርላንድ ኣባላት ንዘቕርብዎ ግብረ ሰናይ ኣመስጊኖም ብፍላ ረኣዩለይን ስምዑለይን ብዘይብሉን ብሙያዊ ብቕዓት ዝተረጋገጸ ለጋስ ህልውነትኩም ኣቢልኩም ንውሱን ዓመታት ኣብ ጳጳሳዊ ሓይሊ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ብምእታው ንቤተ ክርስቲያንን ቅድስቲ መንበርን ንኸገልግሉ ንመንእሰያት ስዊዘርላንድ እተቕርብዎ ኩለ መደያዊ ደጋፍ ዝድነቕ እዩ፡ ህልውነትኩም ንናይ ቫቲካን ንጥፈታት ሰናይ ከይዲ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ፡ ቤተ ክርስቲያን በዛ ዕለት’ዚኣ (ዕለት 25 መስከረም 2017 ዓም.) ናይ ሃገረ ስዊዘርላንድ ናይተን ክልተ ረድኤታውያን ተቕዋማት ንጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ሓላዊ ቅዱስ ኒኮላ በዓል ዝበዓለሉ ዕለትን ከምኡ እውን መበል 700 ዓመት ልደቱ ዝዝከረሉ ዕለት ብምዃኑ እቲ ርክብ ብኣማላድነቱ ዝተፈጸመ እዩ እንክብሉ ቅዱነቶም ዘስምዕዎ ቃል ከምዘጠቓለሉ ኣፍሊጠን።








All the contents on this site are copyrighted ©.