2017-09-16 16:37:00

ሰንበት ዘዮሓንስ 2010 ዓ.ም. (09/27/2017)


ንባብት፡   1ቆሮ 1፡17-25፥ ያዕ 2፡1-14፥ ግ.ሓ. 18፡ 24-ፍ፥ ዮሓ 1፡15-38። ምስባክ፡ ሣህል ወርትዕ ተራከባ፥ ጽድቅ ወሰላም ተሰዓማ፥ ርትዕሰ እምድር ሠረጸት። ምሕረትን ሓቅን ተራኸባ፥ ሓቅን ሰላምን ተሰዓዓማ፥ ሓቂ ካብ ምድሪ ኽትበቍል እያ” መዝ. 85፡10-11።

መዝሙር፡”ዮሓንስ ዓው ኢሉ ነቶም ብጾቱ ከምዚ እናበለ መስከረ ካብ ላዕሊ ቃል አቦ ወረደ እሞ በቲ ግርማ መለኮት ማይ ዮርዳኖስን ተናወጸ፥ ኩሎም ሓይሊ ሰማያትን ምድርን ሰንበዱ፥ አብ ቢታንያ አብ ቤት ራባ አብ ስግር ዮርዳኖስ ዮሓንስ ንኢየሱስ ምስ ረአዮ እንሆ የዋኅ በግዕ እግዚአብሔር እናበለ ዓው ኢሉ ተዛረበ፥ ኢየሱስ ንዮሓንስ ማይ መታን ክቕደስ ብማይ አጥመቐኒ በሎ፥ አብ ሩባ ዮርዳኖስ ብምልክት ሰማይ ገሩ ዮሓንስ ንኢየሱስ አጠመቖ ድሕሪኡ ንሱ ተጠሚቝ፥ ንህዝቢ ሰንበት አኽብሩ ጽድቂ ግበሩ እናበለ አምሂርዎም”።

ቀዳመይ ሰንበት ሓዲስ ዓመት ሰንበት ዘዮውሓንስ ተባሂሉ ይፍለጥ። ቅ. ዮሓንስ መጥምቕ ብሄሮዱስ ናይ ዝሞቶሉ ብምዝካር ኢና ሓዲስ ዓመትና እንጅምሮ እዚ ኸአ ፍሉይ ትርጉም አልኦ፥ ጎርጎሮሳዊ ባኅረ ሓሳብ ዝኽተሉ ማርያም አደ አምላኽ ብዝብል ዓመቶም ምስ ማርያም ይጀምርዎ። ዓመትና ንመስዋዕቲ ዮሓንስ ብምዝካር ንጅምሮ ንዮሓንስ ዝቐተለ ሄሮድ አንጢፓ ሓደ ካብቶም ደቂ ሄሮዱስ ዓቢ እዩ። ሔምኡ ወይ ቀዳመይቲ ሰበይቱ ካብ ንግስነት ዓረብ ካብ ናባታውያን እያ ነራ። ሄሮዱስ አንጢፓስ ንቀዳመይቲ ሰበይቲ ፈቱሒ ንሄሮድያዳ መጀመርያ ብመውስቦ አኪብዋ አብ ዝሙት ይነብር ነሩ ድሓር ክልቲኦም ቀዳማይ መርዕኦም ፈቲሖም ተመርዓዕዮም ነሮም። ኃጢአት ክትገብር ከሎኻ ናቱ ሳዕበን ከአ ኩሉ ጊዜ አሎ። ናባታውያን ንቀዳመይቲ ሰበይቱ ሓዲጉ (ጓሎም) ንኻልእ ስለ ዝአከበ ብ39 ዓ.ም. ውግእ ገጢሞም ንሄሮዱስ አብ ስደት ከምዝኸይድ ገሮም።

ብዘይፍርሒ ንድለት አምላኽ ነጊርካ ምኽአል።

ዮሓንስ ከም ኩሎም ቅድሚኡ ዝነበሩ ነብያት አሰር ብምኽታል ንሄሮዱስ በቲ ዝገበሮ አግሂዱ ብዘይፍርሒ “ሰይቲ ኃውካ ንአኻ ኽትከውን አይግብአካን” ኢሉ ነጊርዎ። ሄሮድያዳ በዚ ተቐይማ ንዮሓንስ ከምዝቕተል ገራ። ዮሓንስ ንሄሮዱስ አብ ቃል ኪዳን እምነት ከምዘድሊ አግሂዱ ተዛሪብዎ። ብርግጽ ስብከት ዮሓንስ ብሄሮዱስን ሄሮድያዳን ተቐበልነት አይረኸበን ከም ኩሎም ነብያት ዕጫ ዮሓንስ ንሓቂ ምንጋር እዩ ከምቲ ህዝበ እስራኤል ንገለ ነብያት ምስማዕ አብዮም አብ ድላዮም ዝጸንዑ ዝነበሩ እሞ ንኪዳን አምላኽ ዝጠልሙ ዝነበሩ ዮሓንስ ከአ ከምኡ እዩ ገጢምዎ (ኤር 1፡17-19) ክንርኢ ንኽእል። እስራኤላውያን ብኤርምያስ ገሩ ኩሉ ነጊርዎም ከብቅዕ አይተቐበልዎን በዚ ምኽንያት ከአ አብ ኢድ ባቢሎናውያን ወደቑ። ብኤርምያስ ክንስሑ እሞ አብቲ ምስ አምላኽ ዝአተውዎ ኪዳን ክምለሱ ተነጊሮም ግን ምስማዕ አብዮም። ነብያት ከምኡ ሓዋርያት አብ ኩሉ ዕዉታት ክኾኑ አይኮኑን ተሓርዮም፥ ሕርየቶም ቃል አምላኽ ይቀበልዎም አይቀበልዎም ከስምዑ እዩ። ዮሓንስ ስብከቱ ተቐባልነት አይረኸበን ግን ነቲ ጸዋዕትኡ ፈጺሙ እዩ፥ ሄሮዱስ ይቀበሎ አይቀበሎ አይ ኮነን ተልኮኡ ንመገዲ አምላኽን ንሓቅን ምንጋር እዩ ጸዋዕትኡ። ዮሓንስ ነቶም ናይ ዘመኑ ነጋውስ ሄሮዱስን ሄሮድያዳን አብ መገዲ አምላኽ ክምለሱ ስለ ዝነገረ ከምቲ ንክርስቶስ ብልደቱ ዝቐደሞ ብሞቱ ከአ ቀዲምዎ ከመይ ንሱ ፊተውራሪ እዩ።

ስለምንታይ እዩ ሄሮዱስ ንዮሓንስ ዝፈርሖ ዝነበረ እንተበልና ማርቆስ ወንጌላዊ ከም ዝነግረና “ምኽንያቱ ሄሮዱስ ንዮሓንስ ጻድቕን ቅዱስን ሰብ ምዃኑ ፈሊጡ ይፈርሆን ክፋእ ነገር ከይበጽሖ ይሕልዎ ነበረ” (ማር 6፡20) ዝብል ነንብብ። ዮሓንስ ሰባት አብ ሕይወቱ ፍርኃት አምላኽ ዝሓዘ ምዃኑ ንሓቂ ከምዝነግር ይፈልጡ ነሮም። ናይ አምላኽ ሰብ ምዃኑ ኩሎም ዝብልዎ እዩ።  ሄሮዱስ ወላ ዮሓንስ ጻድቅ ምዃኑ ይፍለጥ እምበር ድለቱ ክገብር ወሲኑ ሕይወቱ ክቕይር አይደለየን። ብዘይ ሓደ ሓቂ ንሰበይቱ ከሓጉስ አእሲርዎን አቕቲልዎን። ንሄሮዱስ ምስ ዮሓንስ ከነወዳድሮ እንከሎና ንሱ ናይ ንጉሥ መዓርግ ዝነበሮ እዩ ግን ዝኾነ ሓቀኛ ስልጣን አይነበሮን። ሓንቲ ክገብር ዘይብሉ ብዘረባ ሰበይቱን ብትዕቢትን ተመሊኹ ከምኡ ናይ ሰባት ዓይኒ ፈሪሑ ንዮሓንስ ዘቕተለ አብ ናይ ሓሶት ሕይወት ዝነብር እዩ ነሩ።

ዮሓንስ ብኻልእ ክንርእዮ ከሎና ዝኾነ አብ ስልጣን ወይ መዓርግ ዘብጽሕ ነገር አይነበሮን። አብ አምላኽ ምሉእ እምነት ገሩ ሕይወቱ ዝመርሕ ጻድቕ እዩ ነሩ። ንሓሳዊ ክብሪ ዓለም ዝመነነ ክዳኑ ቆርበት አብ በረኻ ዝነብር እምበር አብ አብያተ ነጋውስ ዝኽደን ልብሲ ዘይነበሮ ሰብ እዩ ነሩ። ሄሮዱስ ወላ እኳ አብ ሰውነት ዮሓንስ ውርደት ሞት የውርድ እምበር አብ ልቢ ዮሓንስ ሓንቲ ኽገብር አይክእልን ነሩ፥ ንሕልና ዮሓንስ ክትንክፍ ዝኽእል አይነበረን።

ጸዋዕታኻ አለሊኻ ምኽአል፡

ዮሓንስ አብቲ አምላኽ ዝደልዮ ጽን ይብል ነሩ እምበር አብ ካልእ ነገራት አየድህብን ነሩ ንሓቂ ንድለት አምላኽ ክነግር ግን ወላ ሓንቲ መዓልቲ ሰጋእ ኢሉ አይፈልጥን እዚ እዩ አብ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሕይወት ሰብ ክርአ ዘድሊ። ንአምላኽ ልዕሊ ኩሉ ሰሪዕካ ምኽአል። ዓይኒ ሰብ ፈሪሕካ ንሓቂ ምድፋን ወይ ሱቕ ምባል ደቂ አምላኽ አይገብረናን። ከም ዮሓንስ አብ ኩሉ ንድለት አምላኽ ቀዳምነት ሂብና ክንመርሕ ሎሚ አምላኽ ይሓተና አሎ።

አብ ሕይወትና አምላኽ ንፍሉይ ነገር ካባና ዝሓቶ ነገር አሎ ስለዚ አለሊና ክንክእል አሎና። ብአይ አቢሉ ንሰባት ክብሎ ዝደሊ ነገር አለዎ ስለዚ ከም ዮሓንስ ክልአኾ ፍቓደኛ ክኸውን አሎኒ። ብፍላይ ሓዲስ ዓመት ክንጅምር እንከሎና አብዚ ዓመት መልእኽታት አምላኽ ክነግር ማለት ከም ዮሓንስ ንሰባት አብ አምላኽ ዝመለሱሉ ነገራት ክደልዩ ክነግሮም ንስሓን ሕድገት ኃጢኢአትን ክልተ ዘይፈላለያ ነገራት ምልክት አብ አምላኽ ምምላስና ምዃነን ንሰባት ክነግር ዝቕበሎ ዓመታዊ መልእኽቲ ምዃኑ ክፈልጥ አሎኒ። ስለዚ ንጌጋ ንኽፍአት አብ ጎኒ ሓዲግና ንአምላኽ ዝበቅዕ ሕይወት ንልበስ።

ኹልና አብ ዝጭርሕ ድምጺ ክንልወጥ አሎና፡

ቅ. ዮሓንስ አብ በረኻ ይጭርሕ ከም ዝነበረ ሰባት ከአ አብኡ መጺኦም አምላኽ ካብኦም ዝደልዮ ክነግሮም ይሓትዎ ከም ዝነበሩ ወንጌል ይነግረና። ንሱ ዝሰብኮ ዝነበረ ልቢ ሰባት ይቕይር ነሩ ምኽንያቱ አብኡ ሓቅን ጽድቅን ይርእዩ ነሮም እዚ እዩ ናይ ሓደ ክርስትያን ሕይወት ክኸውን ዘለዎ። ድምጽና ቃል መልእኽቲ አምላኽ ዝሓዘ ክኸውን እንከሎ ሰባት ክቕየሩ ክመጽኡና እዮም ክሰምዑና ክደልዩ እዮም። ካባና ዝድለ ካልእ ድምጺ ከይነስምዖም ክንጥንቀቕ አሎና ልቢ ሰባት ብቐሊል ዝስለብ እዩ እሞ ክንትንቀቅ አሎና።

ቅ. አጎስጢሮንስ አብ ሓደ ካብ ስብከቱ ንዮሓንስ ሓደ ካህን ክገብሮ ዝግብኦ ዝነግር እዩ ይብል (Sermon 293:1-3)። ዮሓንስ ወንጌላዊ ንኢየሱስ ክገልጾ እንከሎ “ቃል” ይብሎ ዮሓንስ መጥምቕ ቅድሚ ቃል ዘሎ ድምጺ እዩ። ናይ ሓደ ካህን ከምኡ ናይ ሓደ ምእመን ተራ ከም ዮሓንስ ድምጺ ንቃል ምኳን እዩ። ብድምጺ አቢሉ ቃል አብ ልቢ ሰማዒኡ ይአቱ ግን ብዘይ ዝዛረብ ካህን/ምእመን እቲ ቃል አይስምዓን አይፍለጥን እውን ዝዛረብ ክህሉ አለዎ። ድምጺ መንጎኛ እዩ ቃል አብ ልቢ ካልኦት ክአቱ ዝሕግዝ ብዘይብኡ ሓንቲ የለን።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ XVI ቅድሚ ጳጳስ ምዃኖም አብ ስብከት ቅ. አጎስጢኖስ ከስተንትኑ ከለዉ አብ “Pilgrim Fellowship of Faith: The Church as Communion P.164) ከምዚ ይብሉ “ተልእኮ ካህን ቅልል ብዝበለ አገላልጻ ድምጺ ናይ ቃል ኮንካ ምኽአል እዩ” “ንሱ ክዓቢ አነ ክንእስ አሎኒ” ድምጺ ስርሑ ነቲ ቃል ምትሕልላፍ ጥራሕ እዩ ቍምነገሩ. . . አብዚ መሰረት ገርና ባህርን ትሕትናን ክህነታዊ አገልግሎት ብንጹር ክንርእዮ ንኽእል። ካህን ከም ዮሓንስ መጥምቕ ፊተውራሪ አገልጋሊ ቃል እዩ። ንሱ አይኮነን ዘገድስ እንታይ ድአ እቲ ካልእ እቲ ንሱ ብዛዕብኡ ዝዛረቦ (ክርስቶስ) እዩ ዘገድስ።

አብዚ ዘሎናዮ ዘመን ብዙሓት ክርስትያን ከም ዮሓንስ ዕጫ ዝበጽሖም ንሓቂ ስለ ዝመስከሩ አብ አብያተ ሞቅሕ ገለ ኸአ ዝሞቱ አለዉ። መዓልቲ መዓልቲ ከምቲ ዮሓንስ ዝመረጾ ዝመርጹ አለዉ እዚ ኸአ አብ አምላኾምን እምነቶምን ጸኒዖም ንሞት ብድፍረት ይቕበልዋ። ከም ክርስትያን ነቶም አብ ከምዚ ከቢድ ኩነት ዝርከቡ ክንጽልየሎም ይግባእ ብዝያዳ ኸአ ካብ ሕይወቶም ክንምሃር ይግባእ።

አብ ዘሎናዮ ሃገር ምናልባት ብሰንኪ እምነትና ስደት ወይ ማእሰርቲ ወይ እውን ሞት አይንፈርሕን ንኸውን እንተ ኾነ ዘሎናዮ ሃገርን ባህልን ምዕባሌን ዘምጽኦ ዘሎ ጸረ እምነት ነገራት ክንርኢ ክንክእል አሎና። ንእምነትና አብ ዋጋ ዕዳጋ ክነውርድ አብዘይተደለ ጥፍአት ክንወድቕ ዝፈታተን ኩሉ ጊዜ አብ ቅድመና አሎ። ጸገም እምነት ብዝያዳ አብቶም ሰላም ዘልኦም አብቶም ምዕቡላት እዩ ዘሎ እምበር አብቶም ስደትን ሞትን ማእሰርትን ዘልኦ ዓለምስ ዝያዳ ጽንዓትን እምነትን እዩ ዘሎ።

ሎሚ ነፍስወከፍና አብ ቅድመና ምርጫ አሎና መገዲ ሄሮዱስ ወይ መገዲ ዮሓንስ ክንመርጽ። ብርግጽ መገዲ ዮሓንስ ኢና እንምነ ግን ከቢድ መገዲ ግን ከአ ዓወት ቅሳነት ሰላም ዘልኦ መገዲ እዩ። ግዝያዊ ምቾት አሸኒፍና ንእምነትና ንሓቂ ንምስክርነት አምላኽ አብ ዕዳጋ አይነውርድ።

ሰብ አብ ቅድስናን ዓወትን ዝበጽሕ ልዕሊ ኹሉ ንአምላኽ ሰሪዑ እንተ ኸኣለ ጥራሕ እዩ። ንግሆ ንግሆ ክንትንስእ ከሎና ንቦታ አምላኽ ብኻልእ ከይንትክኦ መብጽዓና ክነሓድስ አሎና። ሎሚ አብ ልበይ መን አሎ ኢልና ክንሓትት አሎና። ቅዱሳን ኩሎም ይሽገሩ ይፍተኑ አይነበሩን ማለት አይኮነን ዘዓወቶም ንኹሉ ብጽንዓት ሓልዮም አብ አምላኽ ጽኑዕ እምነት ስለ ዝገበሩ ነቲ ካብኦም ዝድለ ዝለፈጸሙ አብ ዓወት በጺሖም። ንሕና አሰሮም ስዒብና እንተ ኸኣልና ንኹሉ ፈተናን ጸገምን ሓሊፍና ክንዕወት ኢና።

ንሰባት አብ ኢየሱስ አብጺሕካ ምኽአል፡

ቅ. ዮሓንስ ነቶም ዝኽተልዎ ዝነበሩን ነቶም ከም ዓቢ ነብይን መምህርን ዝፈልጥዎ ንኢየሱስ ምስ ረአዮ እንሆ የዋህ በግዕ እግዚአንሔር እናበለ አብኡ ከም ዝሳገሩ ገሩ። ተልእኮኡ ናብ ኢየሱስ ዘብጽሕ ምዃኑ አጸቢቝ ይፈልጥ ነሩ። ንሕና እውን ተልእኮና ንሰባት አብ አምላኽ ምብጻሕ እዩ። አብ ናትና ድለት ወይ አብ ናትና ነገር ጥራሕ ዓጊትና ንነብር እንተ ኾና መገድና ስሒትና አሎና፥ ስለዚ ንሰባት አብ መን እየ ዘብጽሖም አብ አምላኽዶ ወይስ አብ ካልእ ኢልና ንርእስና ንሕተት፥ አብዚ ሓዲስ ዓመት አብ እንጅምረሉ እዋን እምብአር ንሰባት አብ ክርስቶስ ከቕርብ ንኻልኦት ከየጋጊ ክትንቀቕ አሎኒ እናበልና ዓመትና ብመብጽዓ ንጀምሮ።

ሓዲስ ዓመት ንብዙሕ ነገር ብሓዲስ መንፈስን ርድኢትን ክንጅምሮ ከምዘሎና የዘኻኽረና። ንአረጊት ሕይወተይ ከመይ ገረ እየ ክልውጦ ኢልና ምስ ነፍስና ክንዛረብ አሎና። ዓመት ቆጺርና ጥራሕ ከይንህሉ ምስትውዓል የድልየና። አምላኽ ነዚ ሓዲስ ዓመት ከጀምረና እንከሎ ካባና ዝደልዮ ነገር አሎ ንሱ ኽአ ሕይወትና አብ ምድኃን ክንተሓባበሮ ይደሊ አሎ። እገለ ወደይ እገሊት ጓለይ ድሕነትካ/ኪ የገድሰኒ እዩ ስለዚ መገዲ ሰማይ ክትሕዙ ብሓቂ ክትነብሩ እደሊ አሎኹ ይብለና አሎ። መስቀል ዝኸበደና አብኡ ንመለስ እሞ መስቀለይ ክጸውር ሓይሊ አበኒ ንበሎ መስቀል ቀይረለይ አይኹን ጸሎትና።

ንዝሓለፈ ኃጢአት አብ ጉሓፍ ንስሓ ደርቢና ብሓዲስ መንፈስን ቅድስናን ዓመትና ንጀምሮ ዝርተረፈ አምላኽ ክምልአልና እዩ ሓንትስ ምሉእ ድለትን ሃረርታን ይሃልወና።

 

ዓመት ሰላምን ራህዋን ይግበረልና።

 

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

 








All the contents on this site are copyrighted ©.