2017-09-15 09:14:00

ቅዱስ ኣቦና፥ ንኹሉ ስቓይ ራእያ መስቅል ንመልከት


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 13 መስከረም 2017 ዓ.ም. ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዝለገስውሉ እዋን ነቶም ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንኽዕደሉ ዝተረኽቡ ምእመናን ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ሰላምታኦም ለጊሶም ዕለት 14 መስከረም 2017 ዓ.ም. ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን በዓለም መስቀል እተብዕለሉ ዕለት ምዃኑ ብምዝካር፥ መንፈስ ክፍኣትን ማለት ሞት በቲ ብመስቀል ኣቡሉ ሕይወት ብዝዓደለና ተስፋ ዳግም ብዘልበሰና ክርስቶስ ከምእተሳዕረ ሓደራ ከይትረስዑ። ነቲ ብመስቀል ኣቢሉ ኢየሱስ ዝዓደለና ናይ ፍቕርን ናይ ድሕነትን መልእኽቲ ወትሩ ከተዕሙቝ ሓደራ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

በዓለ መስቀል ጎደና ጽድቅን ቅድስናን ብመስቀል ምዃኑ ዘዘኻኽረና ዕለት እዩ። ከምኡ ድማ ስቓይ፡ ሕማም ኢፍትሓውነትን ድኽነትን ዘይተዓዋትነትን ኩሉ ብዓይኒ መስቅል ክንጥምቶ ከምዘድሊ የተሓሳስበና። መስቀል ጸሎት እዩ። ንዓና ድማ ብመንፈስ ቅዱስ ምንጪ ምንጻሕን ሕይወትን ሓይልን እዩ። ዕለታዊ መሳቕልናን ጸገማትናን ኩሉ ምስ ኢየሱስ ንሰከሞ፡ ካብኡ ፍቓድ ኣምላኽ ንምስትውዓልን ንምቕባልን ንመሃር ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ቅዱስ ኣቦና ናብ መንእሰያትን ህሙማንን ሓደስቲ መራዑን ኣሚቶም ድማ፥ ፍቱዋተ መንእሰያት ምስ እግዚኣብሔር እትካይድዎ ዘተ ብርሃኑን ሰላሙን ብምስፋሕ ይኹን። ብዝተፈላለየ ሕማም ዝተጠቓዕኹም ፍቱዋተይ ካብቲ ኣብ ሕይወት ነፍሲ ወከፍ ፍጥረት ሰብ ናይ ምድሓን ስርሒቱ ዘየቋርጽ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መስቀል ምጽንናዕ ርኸቡ፡ ፍቱዋት ሓደስቲ መራዑ ፍቕርኩም ወትሩ ሓቀይና ፍቕርን ፈራይን ቀጻልን ኣብ ምዃኑ ክጸንዕ መታን ምስ ስቑል ኢየሱስ ቀጻሊ ርክብ ይሃልውኩም፡ ዝብሉ ቃለ ምዕዳን ዘጠቓለሉ ሰላምታኦም ከምዘቕረቡ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.