2017-09-11 17:05:00

ሓዲስ ዓመት 2010 ዓ.ም. ዘመነ ማርቆስ መስከረም 1 2010 ዓ.ም. (መስከረም 11 2017)


አብዚ ሓዲስ ዓመት አምላኽ ጸግኡን በረኸቱን ሂቡ ብሩኽ ዓመት ክገብረልና፥ ናይ ሰላም ፍቕሪ ሕድገት ዓመት ክገብረልና እናተመነኹ ንኹልኹም ርሑስ ሓዲስ ዓመት እብል። አምላኽ አብ ሕይወት ነፍስወከፍ ቦታ ረኺቡ ክመርሓና እሞ ዓለምና ሰላም ስኒት ዝሰፈና ኮይና ጽጉም ዝርድአላ ሕሙም ዝሕከመላን ዝሓውየላን ሕዙን ዝጸናንዓላ፥ ጽቡቕ ሃረር ዝብል ድላዩን ዝተመነዮን ዝረኽበላ ይግበረልና። ንኹሉ ካብ ምጅማሩ ብሰላም ክትጅምሮ እንከሎኻ ብሩህ ተስፋ አሎ ስለዚ ብሰናይ ትምኒት ዓመትና ንጅምር አሎና እሞ ብጽቡቕ አጀሚሩ ብጽቡቕ አብ ፍጻሜ ዓመት የብጽሓን። አብ ነነድሕድና ብአካል ብተለፎን ብመልእኽቲ ርሑስ ሓዲስ ዓመት ናይ ሰላም ናይ ፍቕሪ ዓመት ይግበረልና ክንብል ከሎና ብቃል ጥራሕ ዘይኮነ ናይ ሓቂ ሰባኺ ሰላም ድየ መልእኽቲ ሰላም አብጽሕ ዘሎኹ እናበልና ናይ ሓቂ ሰናይ ትምኒት ንመነ፥ ሽዑ አቦ ሰላም አምላኽና ሰላሙ ክህበና እዩ።

ሓዲስ ዓመት ሃገርና አብ ወርኂ መስከረም ይጀምር፥ እዚ አብ ፍሉይ ትርጉም ተመስሪቱ እዩ ዝጅምር፥ በዚ ወርኂ ኩሉ ፍጡር ሓዲስ መልክዕ ይሕዝ፥ ዘራእቲ ኩሉ አብ ፍረ በጺሑ ሰብ ብተስፋ ፍረ ጻማኡ ይጽበ፥ ዕምባባታት ረጊፉ አብ ፍረ ይበጽሕ። እንስሳ ጽቡቕ ይረአያ፥ ኩሉ ተሓዲሱ ይርአ። አብ ወርሒ መስከረም ከም ባህልና መርዓ፥ ተስካር ምስ እቶት ተራእዩ ሽዑ ይቝጸር፥ ዓበይቲ ውሳኔታት አብ ወርሒ መስከረም ይሕሰብ፥ ትምህርቲ አብ መስከረም ይኽፈት፥ ብሓጺሩ አብ ማሕበራዊ ሕይወት ብዙሕ ነገራት ይፍጸም። መስከረም ፈላሚት ዓመት ስለ ዝኾነት ብሓዲስ መንፈስን ርድኢትን ክትጅምር እንከላ ጥራሕ እዩ ትርጉም ዝህልዋ። ሓንቲ ከይሓሰብና ወይ ከይገበርና ሕይወትና ዓመት ይቖጽር ከይህሉ ክንጥንቀቕ አሎና።

ንሓዲስ ዓመት ኩሉ ሰብ ሓዊ እናተሳገረ ይጅምሮ ሆየ ሆየ እናበሉ መንእሰያትን ዓበይቲ ዓድን ንታቦት ሰለስተ ሳዕ ሆየ ሆየ እናበሉ ይዞሩ፥ አብ አፍደገ ቤተ ክርስትያን ቆይሞም እግዚኦታ ይደግሙ አብ ገለ ዓድታት ቅዱስ ቍርባን አውጺኦም ቡራኬ ይገብሩ ክርስቶስ ባዕሉ ነዚአ ዓመት ብጽቡቕ ባሪኹ ከጀምሮም ምእንቲ ብሓደ ልቢ ይምህለሉ። አብ ነፍሲ ወከፍ ገዛ አብ አፍደገ ብቆልቋል ዝነድድ ሓዊ ይሳገሩ እዚ ኸአ ነዚ ዝሓለፈ ዓመት ብሓዊ አምሳል ከም ዝሰገርዎ ከመልክት እዩ። ዓኾኻይ ዓኾኻይ ሓዊ ሓምለ ውጻእ ሓዊ ሃንስ መስቀለ እቶ እናበለ ሓደ ካብቶም ስድራ አብ ገዛ ሰለስተሳዕ ሓዊ ሒዙ ይአቱን ይወጽእን። ብሓቂ በዚ ዕለት ሓዲስ ሰዊት ዕፉን፥ አደጉራን ካልእን ይብላዕ መዓር ንህቢ ይብርበር ከምኡ ከብቲ ወሊደን ጸባ መሊኡ ዘልኦ ንዘይብሉ የካፍል። ሓራስ እንተላ ብፍሉይ ትብጻሕን ህያብ ትውሃብን፥ ወርኂ መስከረም ብፍላይ ባሕቲ መስከረም ፍሉይ ጸጋ ዘልአ ሰባት አብ ነነድሕድና ፍቕሪ እነርእየላ ንአምላኽ እነመስግነላ ፍልይቲ ወርኂ እያ። አብዚ ዕለት ኩሉ ልብሲ ሃገር ለቢሱ ንዝተጋገዮ ብንስሓ ምስ አምላኽን ሰብን ዕርቂ ይገብር፥ ቅዳሴ ይሰምዕ፥ ኩሉ ሰብ ሓዲስ ክዳን ይለብስ ንዝርኢ ኩሉ ብርሃን እዩ። መዓልቲ ሓዲስ ዓመት መላእ ሃገር መንፈስ አምላኽ ለቢሳ ትውዕል እንተበልና ምግናን አይኮነን። አብ ታሪኽ ሃገርና እውን ምእንቲ መሰልን ነጻነትን አቦታትና ጎነጽ ዝጀመሩላ ፍልይቲ ወርኂ ጉዕዞ ንነጻነት ሃገር ዝጀመርት ክብርቲ ወርኂ እያ።

ንነጻነትን ሓርነትን ዝጀመረ ጉዕዞ ቃልሲ ዛዚሙ ድሮ ናይ 26 ዓመት ነጻነት አብዒልና እሞ ከምቲ ዝተመነናዮ እንተ አሊና ክነመስግን፥ ጎዲልና እንተ አሊና ክንሳሕ ዝሕግዝ ጊዜ እዩ እዚ እውን። ብርግጽ ብዙሕ ክፍታሕ ዘልኦ ጸገማት አሎና፥ ሰባት ካብ ዓዶም ክሃድሙ እሞ ንሞት አብ በረኻን አብ ኢድ ጨካናት ሰባት ክአትዉ ድሕሪ ዘይብሉሉ አብ ነነድሕድና ምጭኽኻን አብ ታሪኽና ርኢናዮ ዘይንፈልጥ ይርአ አሎ፥ ምጥልላም ምክሕሓድን በዚሑ ኩሉ ዝሓሚ ኮይኑ ስለዚ ኵልና አብ ልብና ክንአቱ የድሊ። መልእኽቲ ሓዲሽ ዓመት ንጉድለት ካልኦት ዘይ ኮነ ንጉድለትካ ክትርኢ እዩ ዝሕግዝ።

ብምጭኽኻን ወይ ብኽፍአት ዝሓልፈሉ የለን ንግዚኡ ከታልል ይክአል ይኸውን አብ መጨረሻ ግን ሓቂ ክትወጽእ እያ ስለዚ ንሓቂ ዝሓዘ እሞ ነቲ አምላኽ ዝደልዮ ዝገበረ ጥራሕ እዩ ዝዕወት። ሓዲስ ዓመትና ነዚ ርድኢት ገርና ክንአትዎ ከሎና አምላኽ ምሳና አሎ። 

ዓመትና ብብዓል ቅዱስ ዮሓንስ ይጅምር፥ ቅ. ዮሓንስ ናይ ብሉይ ኪዳን ዓጻዊ መወዳእታ ነብይ፥ ናይ ሓዲስ ኪዳን ከፋቲ ናይ ክርስቶስ ፊተውራሪ ቃል አዋጂ ነጋሪ እዩ። ንሰባት ክንስሑ አብ መገዲ አምላኽ ክምለሱ ዓው ኢሉ ዝሰበኸ እዩ። ሕይወቱን ቃላቱን ፍሉይ ተዘክሮ አብ ናይ ነፍስወከፍ አልኦ። አብ ሕይወትና ተመሊስና ከመሎኹ ኢልና ሕልናና ክንሓትት እሞ አብ መአዲ አምላኽ ክንምለስ ሰላም ክንገብር ፍቕሪ ክነብዝሕ ንዝበደለ ሓውናን ሓፍትናን ምሒርና ክንክእል ዘዘኻኽር ብዓል ኢና እነብዕል ዘሎና። ቅ. ዮሓንስ ካብ መጀመርያ ሕይወቱ ንመድኃኒና ክርስቶስ መን ምዃኑ አለልዩ ዝኸአለ እዩ። ንደቂ እስራኤል አብ ሓቀኛ መገዲ ክምለሱ መገዲ አምላኽ ክሕዙ ብድፍረት ዝሰበኸ እዩ። ሓደ እዋን ብመገዲ ክኸይድ እንከሎ ንኢየሱስ ምስረአዮ “እንሆ በግዕ እግዚአብሔር ኃጢአት ዓለም ዝሓድግ እናበለ” ንአርድእቱ አብ ኢየሱስ ክኸዱ ሓቢሩ። ንስኻ እቲ መስሕ ዲኻ ተባሂሉ ምስተሓተ አነ ስራኽ አስእኑ ክፈትሕ ዘይክእል እየ እናበለ ምስ ምሉእ ትሕትና ተዛሪቡ። አብ መወዳእታ ንሄረዱስ መራሕ ሃገር ንሰይቲ ሓዉ ብዘይግቡእ ስለ ዘእተዋ ብድፍረት ኃጢአቱን ሕጊ ምፍራሱን ብዘይፍርሒ ተዛሪብዎ በዚ ምኽንያት ከአ ብሰማዕትነት መይቱ።

ሕይወት ቅዱስ ዮውሃንስ ንነንፍስ ወከፍና አብ ሕይወትና ክንገብሮ ዝግብአና ፍሉይ መልእኽቲ የመሓላልፈልና፥

ንሰባት አብ ኢየሱስ ክነብጽሕ። ብዙሓት አብ ሕይወቶም ንኢየሱስ ዘይፈልጡ ወይ ዘኪሮም ዘይፈልጡ አለዉ ከም ዮውሃንስ ኮና ክንሕግዞም ክነዘኻኽሮም ትሑዛት ኢና። ዝተበእሱ ክንዓርቕ፥ ዝጠመዩ ክንዕንግል፥ ዝዓረቝ ክነልብስ ከሎና ስራሕ ኢየሱስ ንገብር አሎና። ዓለምና ሎሚ ኢየሱስ ዝጠፍአ ኮይና እያ እትርአየካ። ሰብ አብ ክፍአትን ጥልመትን ክሕደትን አብ ነነድሕዱ ክም እንስሳ ክባላዕ ንርኢ አሎና። እሞ ሎሚ ነዛ ሃለዋታ አጥፊአ ዘላ ዓለምና ነቲ ወሃብ ሕይወት ኢየሱስ ከምእትርኢ እንገብራ ንሕና ስለ ዝኾና ምስ ዮውሃንስ ኮና ተመለሱ ንኢየሱስ ርአዩ አብ ሕይወት ክትነብሩ እናበልና ንስብከት ንበገስ።
ንሓቂ ዓው ኢልና ብዘይ ፍርሒ ክንሰብኽ። አብ ገለ እዋን ብፍርሒ ብምስካፍ ወይ ግላዊ ጥቕሚ ብምርአይ ንሓቂ ክንዛረብ ንፈርሕ። ንኽፉእ እናረአናዮ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ከም ዘይረኤና ንኸውን። ቅ. ዮሓንስ ንመራሕ ሃገር ክምሕርን ክቐትልን ዝኽእል ኃጢአቱ ዓው ኢሉ ነጊርዎ። ፍርኂ ዝገደደ ጉድአት እዩ ዘምጽእ። ክርስቶስ ምእንቲ ሓቂ አብ መስቀል መይቱ፥ ብዙሓት ሰማዕታት ንሓቂ ክምስክሩ ሕይወቶም አሕሊፎም። ሎሚ ንሕና ምናልባት ናይ ደም መስዋዕቲ ንሕተት አይንኸውንን እንተኾነ አብ ዕለታዊ ሕይወትና ንኽፍአት ንዝጋገዩ ከምኡ ጉድአት እናረኤና ሱቕ እንተበልና አባና ሓቂ የላን ስለዚ አብ ሕይወትና ዘራእቲ ሓቂ ክንከውን ንሕተት አሎና። ቃልና እወ እወ ወይ አይኮነን አይኮነን ክኸውን እዩ ዝደሊ መድኅና። ብፍላይ ንመቕርብና አብ ጌጋ ክንርእዮም ከሎና ንሓቂ ከይንደፍን ምጥንቃቕ የድሊ፥ ወገነይ ወዲ ዓደይ ሓወይ/ሓፍተይ ኢልካ ንሓቂ ምድፋን ካብ አምላኽ የርሕቐና። አብ መጨረሽታ ሕይወትና ባዕልና ብዝገበርናዮ ተሓተቲ ባዕልና ኢና እምበር አብ ክንዳና ወይ ስለ ካልእ ዝገበርናዮ አይኮነን እንሕተቶ ንሓቂ ሒዝና ክንጉዓዝ ሕይወትና ስንቂ ንመጻኢ አስኒቕና ንምራሕ።
ንስሓ ክንገብር። ሓደ ካብቲ መለልዪ ቅ. ዮሃንስ ተነስሑ ብኃጢአትኩም ተአመኑ እናበለ ናይ እዋኑ ሰባት ክገብርዎ ዝግብኦም ምሕባር እዩ። ሎሚ አብ ሕይወት ሰባት እንተ ረኤና አብ መንበር ንስሓ ዝርአዩ ውሑዳት እዮም። ኃጢአትን ዘይኃጢአትን ፈሊና ክንርኢ ዘጸገመና እዩ ዝመስል ዘሎ እንተኾነ ኃጢአትን አምላኽን ብሓደ ክነብሩ አይክአልን እዩ። አሕዋተይ ንንስሓ ደፊርና ክንአትዎ አሎና። ኃጢአት የብለይን ኢልና ንሕይወትና አተዓሻሺና አይንንበር፥ ሎሚ አብ አምላኽ እንምለሰላ መዓልቲ እያ። አብ ልብና አብ ሕይወትና አቲና ኃጢአትና ርኢና ተደፊእና ምሓረና ጥፉእ ወድኻ/ጓልካ መጺኤ አሎኹ ንበሎ። ምስ አምላኽን ሰብን ዕርቂ ገርና ዓመትና ብሰላም ብፍቕሪ ብቅድስና ክንጅምሮ እዋኑ እዩ።
አብ ሕይወትና ብትሕትና ምንባር። ቅዱስ ዮውሃንስ ብትሕትንኡ እዩ ዝፍለጥ። ክዳኑ ጽጕሪ በግዕ፥ መግቡ ምዓር ጽገናይ፥ እዩ ነሩ። ሰባት በቲ ሕይወቱን ትሕትንኡን ይሰምዕዎ ነሮም። ንስኻ እቲ መስሕ ዲኻ ኢሎም ምስ ሓተትዎ አነ አይኮንኩንኩን እናበለ ብትሕትና መን መዃኑ ገሊጹ። ነቲ ሓቀኛ መንነቱ አቢርሁ ገሊጹ። አብዚ ሓዲስ ዓመት ሓደ ክንለብሶ ዘሎና ትሕትና እዩ። ንትዕቢት ካባና ክንአሊ። አነ ዝብል ጥራሕ ከይሓዝና ብትሕትና ሕይወትና ክንመርሕ። ሰብ ብትሕትና ብርሕራሔ ሕይወቱ ክመርሕ እንከሎ መገዲ አምላኽ አይጠፍኦን እዩ። ትሑት ሕይወት ንርእስኻ መን ምዃንካ የፍልጠካ። ትዕቢት ንሰብ ካብ አምላኽን ካብ ሰብ የርሕቖ። ዕቡይ ሰብ ንሓዉ ሓፍቱ ርእዩ አይክእልን እዩ አብ ርእሱ ጥራሕ ይጥምት ብካልኦት አይግድሶን አብ ገለ እዋን አብ ስድራ አብ ስራሕ አብ ቤተ ክርስትያን አብ ማሕበር ትዕቢት እንተ አተወ ሰይጣን ተዓዊቱ አሎ። ብትዕቢት ብመጀመርያ እትጥቃዕ ፍቕሪ እያ፥ ፍቕሪ ሓውና ሓፍትና ሓዳርና ቤተ ሰብና ቤተ ክርስትያና ነጥፍእ። ስለዚ ንኹሉ ሰናይ ክገብረልና ትሕትና ንልበስ። ካብ ንአይ ክጥዕመኒ ሓወይ ሓፍተይ ክጥዕሞም ንበል።

ሓዲሽ ዓመትና እምብአር ምስ ዮሓንስ ክንጀምሮ ከሎና መንፈስ ዮሓንስ አባና ክሓድር ምእንቲ እዩ። አብዛ እንሕዛ ዘሎና ዓመት አምላኽ ምሳና አብ ልብና አብ ሕይወትና ክሓድር እሞ ሰላም ፍቕሪ ስኒት አብ መንጎና ክነግስ። ኦ እግዚአብሔር አምላኽና አብዚ ዓመት አብ እንጅምረሉ ዘሎና እዋን መገድኻ ሒዝና ክንጉዓዝ ንሓቂ ክንለብስ ፍቕርኻን ፍቕሪ አሕዋትን እነዘውትር ኮነ ክንጉዓዝ ሓግዘና። ንኹሉ ስራሕና ርክብና ባርኮ፥ አፍረይቲ ኮና ክንርከብ ሓግዘና ንበሎ።

ማርያም አብ ኩሉ ሓዲስ ነገር ፈላሚት ኩሉ ገርና ክንወስዳ ይጠቕመና እዩ። ተፈጥሮና ሳልኣ እዩ ተሓዲሱ። ክርስቶስ ብአአ አቢሉ አብ መንጎና ሓዲሩ፥ ሎሚ እውን ነዚ ሓዲስ ዓመት አብ መንጎና ኮይኑ ክባርኸና ምሳና ክሓድር ለምንልና ንበላ። አብ ጎርጎሮሳዊ አቆጻጽራ ሓዲስ ዓመት ብምብዓል ማርያም ይጅምርዎ እዚ ኸአ ተራ ማርያም አብ ግምት ብምእታው እዩ ስለዚ ምስ ማርያም ሕይወትና ስራሕና ተልእኮና ክንጀምር ከሎና ጸጋ፥ ዓወት፥ ስኒት እዩ ዝበዝሕ እሞ ንማርያም አደና ኮንኪ ምርሕና ልምንልና ንበላ።

ምርቓ ዓድና “ማርያም ምስ ወዳ ተሰኒኻ/ኺ” ዝብል ብሓቂ ትርጉም አልኦ እሞ ነዚ ዓመት ምስ ማርያም ንጀምሮ ድላይ ወዳ ክንገብርን አብ ዘልኦ መታን ክተብጽሓና።

ርሑስ ሓዲስ ዓመትን ብዓል ቅዱስ ዮሓንስ ዓመት ሰላምን ፍቕርን ገሩ ሰናይ ዘመን ይብረቐልና። አብ ዓድናን ዓለምናን ሰላሙ የውርደልና።

ብሩኽ ሓዲሽ ዓመት!

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

 








All the contents on this site are copyrighted ©.