2017-09-09 18:32:00

ሰንበት ዘጳጉሜን (ዘመብረቕ) ጳጉሜ 5 2009 ዓ.ም. (9/10/2017)


ምስባክ፡ እግዚአብሔርሰ ግሃደ ይመጽእ፥ ወአምላክነሂ ኢያረምም፥ እሳት ይነድድ ቅድሜሁ። “እግዚአብሔር ብግሁድ ክመጽእ እዩ አምላኽና ሱቕ አይብልን እዩ፥ አብ ቅድሚኡ እሳት ይነድድ”።

ጳጉሜን፡ እዚ ዘሎናዮ ጊዜ ከም ስርዓት ባኅሪሓሳብ ጳጉሜን እዩ፥ ጸያቒ አዋርሕ እውን ይብሃል። አብ ዘመነ ዮሓንስ 6 መዓልታት አብቶም ካልኦት ግን ሓምሽተ መዓልታት እዩ። ከም መሰጋገሪ ናይ ሓዲስ ዓመት ተራእዩ ዝተፈላለየ ባህሊ በዚ እዋን ይግበር። ሓደ ካብቲ ኩሉ ዝግበር ለይቲ ተንሲእካ አብ ሩባ ከድካ ትሕጸባዶ ማይ ጓቝመ እናተባህለ ከም ማጨሎት ተራእይ ዝኸአለ ኩሉ አብ ሩባ ከምቲ ኢየሱስ አብ ሩባ ዮርዳኖስ ዝተሓጽቦ አምሳሉ ይሕጸቡ። እዚ ኸአ ብነፍስን ብስጋን ነጺሕካ ንሓዲስ ዓመት ምእታው እውን የመልክት እዩ። አብ ሕይወትና ክነጽሕ እንከሎና ጥራሕ ኢና ምስ አምላኽ አሎና ክንብል እንኽእል። ንሓዲስ ዓመት ምስ ሓዲስ መንፈስን ጥዕናን ክንአትዎ ብማለት አብ ሩባ ወሪድና ንሕጸብ፥ በዚ እዋን ምድሪ ተስፍአ ሂባ ኩሉ አብ ምስዋትን ምውንጫፍን በጺሑ አዕዋፍ ሰማይ ድምጸን ከስምዓ ጠለበግዕ ከብቲ ኩለን ሰቢሔን ክዕንድራ ዝረአያሉ እዋን እዩ። ብሓምሊ ተዋሪዱ ዝነበረ ሸዊትን ከምኡ ተስፋ ዘራእቲ ዝርእየሉ ጊዜ ስለ ስኾነ ኩሉ ሰሚሩ ዝሕጎሰሉ ግዜ እዩ። ነዚ ኹሉ ዝሃበ አምላኽ ተመስገን ክንብሎ እሞ ምሉእ ሓጎስ ክገብረልና ብፍሉይ ክንልምኖ ይግብአና።

ጽባሕ ሰኑይ ከም አቆጻጽራ ግዕዝ ሓዲሽ ዓመት 2010 ዓ.ም. ክአቱ እዩ፥ ዓመት ሓሊፉ ዓመት ክትክእ እንከሎ አጀሚሩ ንዘብጸሓና አምላኽ ተመስገን ኢልና ክነመስግኖ ንኹሉ ነቲ አብዛ ዓመት ዝሃበና ሰናይ እናአመስገና ጸብጻብ ሕይወትና ክንገብር ግቡእ እዩ። እዚ ዓመት ከመይ ገረ አሕሊፈዮ ምስ አምላኸይ ዘሕለፍክዎ ርክብ ከመይ ነሩ ከምኡ ምስ ከማይ ዝበሉ ሰባት ከመይ አሕሊፈዮ እናበልና ሕልናና ክንምርምር እሞ ነዚ እንአትዎ ዘሎና ሓዲስ ዓመት ብዝተሓደሰ መንፈስን ምቅርራብ ክንአትዎ ይብግባእ።

ንባባትና አምላኽ ንነፍሲ ወከፍና አብዚ ሓዲስ ዓመት ክንአቱ ከሎና ክንገብሮ ዝግብአና የዘኻኽሩና ማለት አብ ነነድሕድና ክንገብሮ ዝብግብአና ሓላፍነት አሎ፥ ሓደ ሓውና ወይ ሓፍትና ካብ አምላኽን ሰብን ርሒቝ እናረአናዮ ሱቕ ኢልና ክንርእዮ አይግባእን ክንገንሖ አብ መገዲ አምላኽ ክንመልሶ ግቡእና እዩ።

አብ ሓደ ዓዲ ዓቢ ብዓል ምስተባዕለ አብ መወዳእታ ጭቃ ዓዲ ንኹሎም ተሳተፍቲ ሓደ ቍም ነገር ዘልኦ ዘረባ ከስምዖም ኮፍ ክብሉ አዘዘ። ከምዚ እናበለ ዘረብኡ ጀመረ ምስ ሓደ ሓውካ እንተ ተበአስካ እሞ በቲ ዝገበሮ ክትቀትሎ እንተ ሓሰብካ አብቶም ብጸጋሙ ዝነበሩ አተኲሩ እናጠመተ መጀመርያ ኮፍ በል ቃሊም ትምባኾኻ (ፒፓ) ቀርብ እሞ አትክኽ ምትካኽ ምስ ወዳእካ ንተጻረሪኻ ነቲ ዝገበሮ ገበን ሞት ካብ መጠን ንላዕሊ ከም ዝኾነ ክትፈልጥ ኢኻ ሽዑ አብ ክንዲ ሞት መግረፍቲ ከም ዝግብኦ ክተለሊ ኢኻ። ካልአይ ጊዜ ፒፓኻ ምላእ እሞ አጸቢቕካ  ስሒብካ አትኽኽ ድሕሪኡ እቲ መግረፍቲ እውን ካብ ዓቐን ንላዕሊ ዘይግባእ ከም ዝኾነ ክትፈልጥ ኢኻ፥ አብ ክንድኡ ብዘረባ ገኒሕካ ክተፋንዎ ከም ዘሎካ ክትርኢ ኢኻ። ንሳልሳይ ጊዜ ፒፓኻ መሊእካ ክሳብ ትውድአ እንተ አትኪኽኻ ዝሓሸ ነገር ክትገብሮ ዝግብአካ አብቲ ሓውኻ ከድካ ምሕቋፉ ከም ዝኾነ ክትፈልጥ ኢኻ ኢልዎም።  

አብ ትንቢት ሕዝቅኤል 33፡7-9 ዘሎ እንተ ርአና እግዚአብሔር ንሕዝቅኤል አብ ልዕሊ ህዝቡ ዝሕሉ/ዝጓሲ ገሩ ከም ዝሓረዮን ካብ ግጉይ መገዲ አብ አምላኽ ክምለሱ ቀንዲ ተልእኮኡ ከም ዝኾነ ከም ዝነገሮ ንርኢ፥ አታ ወዲ ሰብ አብ እስራኤል ሓላዊ ኽትከውን ሸይመካ አሎኹ ይብሎ። ሕዝቅኤል ንኃጥአተኛታት አብ አምላኽ ክመልስ ከም ዝተጸውዐ እምበር እቲ ኃጥእ ዝህቦ መልሲ ብዘየገድስ ንሱ ቀንዲ ተልእኮኡ ንሰባት ብዘይ ሓደ ፍርሒ ካብ ጌጋ ክምለሱ ክነግር ከም ዘልኦ እዩ።

ሕዝቅኤል አብ ጊዜ ስደት ባቢሎን ዝነበረ ንህዝበ እስራኤል አብ አምላኽ ክምለሱ ብተደጋጋሚ ዝነገረ ብፍላይ ግላዊ ምምላስ ወይ ንስሓ ከም ቀንዲ መጋበሪ ገሩ ዝዛረብ ዝነበረ ዓቢ ነብይ እዩ። ሓደ ኃጥእ ምምላስ እንተ አበዮ ከምውት ከም ዝኾነ ገሊጽሉ ንሱ ግን ክንግሮ ከም ዘለዎ ተአዚዙ። ነዚ እንተ ዘይገበረ እቲ ኃጢአተኛ ክመውት እዩ ግና ደሙ ኻባኻ ኽደልዮ እየ ተባሂሉ። እንተ ኾነ እቲ ነብይ ነቲ ኃጥእ ክምለስ ነጊርዎ እንከሎ እንተ ዘይተመልሰ እቲ ሓንቲ በደል የብሉን አብ ሞቱ ሓንቲ ሓላፍነት ዝሕተተሉ የብሉን።

እዚ ንባብ ዘዘኻኽረና ንሕና ከም ህዝቢ አምላኽ ንኩልና ዝሃቦ ዓቢ ሓላፍነት አሎና። ምናልባት እዚ ንሕዝቅኤል ነብይ ዝተባህለ ክንሰምዖ ከሎና ከመይ ገሩ እዩ አምላኽ ካልኦት ብኃጢአቶም ክንስሑ እንተ ዘይክአሉ ንአና ብሓላፍነት ዘሕትተና? እዚ ቅኑዕ አይ መስልን ክንብል ንኽእል ኢና። እንተ ኮነ ንሕና ክንገብሮን ክንፈልጦን ዘሎና ድሕነትና ምስ ናይ ከማና ዝበሉ አሕዋትን አሓትን ዝተሓሓዘ ምዃኑ ክንፈልጥ ይግብአና። እምብአር ድሕነትና ዝረጋገጽ ካልኦት አብ አምላኽ ክምለሱ እቲ ክንገብሮ እንኽእል ምስ ገበረና ጥራሕ እዩ።

ናይ ሎሚ ወንጌል ማቴ 18፡15-20 ብዛዕባ ሓላፍነት ሕውነታዊ ምእራም ይነግር። አብዚ ኢየሱስ ብዛዕባ ሓደ አባል ማሕበር ምስ ሓዉ/ሓፍቱ እንተ ተባህሰ ክገብሮን ክኽተሎን ዘለዎ አገባብን መምርሕን ይነግር።

ሓደ አባል ማሕበር እንተ በደለ ክንእርሞ ክንረብሖ ኢልና ክንክተሎ ዝግብአና አርባዕተ መገድታት ይነግረና። ኵሉ እንገብሮ አብ ዕርቅን ምሕረትን ምርድዳእን ዝዘንበለ እምበር አብ ባእስን ፍልልይን ፍርድን መቕጻዕትን ዝዘንበለ ክኸውን አይግባእን።

1ይ. ንበይንኻ ፈትን፡ ኃውኻ እንተ በደለካ ንስኻን ንሱን አብ በይንኹም ኮንኩም ግንሓዮ። አብዚ እንተ ሰምዓካ ዝበለጸ እዩ። ኢየሱስ ንሓውኻ ረባሕካ ይብለና። ረብሓ ክብሃል እንከሎ ንሓውኻ ካብ ጌጋኡ መሊስካዮ እዩ ዘስምዕ። ብክርስትያናዊ አዘራርባ ልቡ ቐይርካዮ ማለት እዩ።

2ይ. ምስ ሰባት ኮንካ ፈትን፡ እንተ ዘይሰምዓካ ምስኻ ክልተ ወይ ሠለስተ መሰኻኽር ምሳኻ ውሰድ እሞ ክትዓርቆ ፈትን። ሕጂ እውን ስምዓለይ ርአየለይ ዘይብሉ አብ ቅድሚ ውሑዳት መሰኻኽር ምፍታኑ። እዚ ክብድ ዝበለ አገባብ እዩ ስለዚ እቲ ጉዳይ እውን ክፍታሕ ይክአል እዩ።

3ይ. ንቤተ ክርስትያን ንገር፡ እዚ ክልተ አገባብ እንተ ዘይሰርሐ ንቤተ ክርስትያን ክንገር አለዎ። አብዚ ቤተ ክርስትያን ክብሃል እንከሎ ንቍምስና ማለት እዩ። አብ ቤተ ክርስትያን ምኻድ ማለት ከአ ኲኖ ሕጊ ምኻድ ማለት እዩ። ርክባት ዝጸንዑ ብክርስትያናዊ ጸሎትን ፍቕርን ብክርስትያናዊ መገዲ ክምራሕ እንከሎ ጥራሕ እዩ። አብ ቅድሚ ማሕበር ክትቀርብ እንከሎኻ ፍርዲ አይኮነን አብኡ ክርስትያናዊ ፍቕሪ ተሓድሶ ወይ ፍጹም ለውጢ ዘምጽእ እዩ።

4ይ. ከም አረማውን መጸበሓውን ቁጸሮ፡ እዚ ሰለስተ ነገራት እንተ ዘይሰርሐ ከም አረሚንን ዘይንሳሕን ኃጢአተኛ ገርካ ርአዮ ይብል። ብኹሎም ማሕበር ከም ተስፋ ዘይብሉ ዘይእረም ገርካ ምርአዩ። ካብዚ ንድሓር ከም አባል ማሕበር ክትቆጽሮ አይግባእን። እዚ ካብ አፍ ኢየሱስ እቲ ሕያዋይን መሓርን ክውጽእ እንከሎ ዘይተጸበናዮ ኮይኑ ክርአ ይክአል እዩ። እንተ ኾነ አብዚ ምስጓግ ክብል እንከሎ ካብ ማሕበር ብምሉእ ተሰጒጉ ከምብሓድሽ ምሕረት ክሓትት ንማለት እምበር ንምኹናና አይ ኮነን። ብኃጢአቱ ተአሚኑ ንስሓን ዕርቅን እንተ ለመነ ሕጂ እውን እቲ አፍደገ ክፉት እዩ።

ኢየሱስ ነዚ ምስ በለ ብቀጥታ አብ ምሳርን ምፍታሕ አብ ተልእኮ ቤተ ክርስትያን እንታይ ከምዝኾነ ገሊጹ። አብ ምድሪ ዝአሰርክምዎ ዘበለ አብ ሰማይ እሱር ክኸውን እዩ፥ አብ ምድሪ ዝፈታሕክምዎ ዘበለ ድማ አብ ሰማይ ፍቱሕ ክኸውን እዩ። እዚአን ቃላት እታ ማሕበር ብአምላኽ ዝተዋህባ አብ መንጎ አባላታ ሓድነትን አብ ምስክርነት ወንጌል ክትወፍር ክትአስርን ክትፈትሕን ምሉእ ስልጣን ከምዘለዋ ንምግላፍ ዝበሎ እዩ።

ቀጺሉ ንሓዋርያት ክልተ ወይ ሠለስተ ኾይኖም ብስመይ አብ ዝተአከቡሉ አነ ኸአ አብኡ አብ ማእከሎም አሎኹ፥ እሞ ክልተ ኻባኹም አብ ምድሪ ብዝልምንዎ ነገር ኵሉ እንተ ተሰማምዑ ካብቲ አብ ሰማያት ዘሎ አቦይ ኪወሃበኩም እዩ፥ እናበለ ነጊርዎም። አብዚ ዝሕብሮ ዘሎ ነገራት ፋሕ እንተ በሉ ወይ ከምቲ ዝድለ እንተ ዘይኮነ ብፍቕርን ብሓቅን አብ ሓደ ክመጽኡ እሞ ንአምላኽ ክጽልዩ ሽዑ አምላኽ ብመገዱን ከም ድላዩ ንጸሎቶም ይምልሰሎም። እዚ ዝበለጸ ህያብን ዝዓበየ ሓላፍነትን እዩ። ኩሉ ጊዜ አብ ማእከሎም ከም ዝርከብ አረጋጊጽሎም እዩ።

ንብጻይካ ከም ነፍስኻ አፍቅር።

አብ ትንቢት ሕዝቅኤል ነብይ ከም ሓላው ህዝቢ መጠን ነቶም አብ ጌጋ ዘለዉ አብ ንስሓ ክምለሱ ይጽውዕ። አብ ወንጌል ብሕውነታዊ መገዲ ንሓደ ዝተጋገየ ሓውና ክንዓርቀሉ እንኽእል አብነታዊ መገዲ ይብሕብረና። አብ መልእኽቲ ሮሜ 13፡8-10 ዘሎ ኸአ ፍቕሪ ምልአት ሕጊ ስለ ዝኾነት ብዘይምፍቃርኩም ዕዳ አይሃልኹም እናበለ ትርጉምን ምሉእ ፍቕርን ይነግረና። ዕዳ ፍቕሪ ቀጻልን ዘይውዳእን እዩ ማለት ኩሉ ጊዜ ክግበር ዘለዎ እዩ። አብ ክርስትያናዊ ሕውነት ዝተመስረተ ፍቕሪ ክትክእ ዝኽእል ወላ ሓደ ነገር የለን። ቅ. ጳውሎስ ነቶም አብ ሮማ ዝነበሩ ክርስትያን አብ ክርስትያናዊ ዕዳ እንተ ዘይኮይኑ አብ ካልእ ዕዳ ከይወድቁ የጠንቅቖም። አብ ነነድሕዶም ክፋቐሩ እናአተባብዖም ከምኡ እንተ ገበሩ ንሕጊ ከም ዝፍጽሙ ይነግሮም። አብዚ ቅ. ጳውሎስ ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተዋህበና ዓቢ ፍቕሪ ከምብሓድስ ርኢና ክንክእል እሉ ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ፍቶ ይብለና። እዚ እቲ ዝለዓለ ፍቕሪ ኩሉ ካልእ አብኡ ዝርከብ እዩ። ፍቕሪ ንብጻይካ ክፉእ አይትገብሮን እያ በዚ ምኽንያት እያ ናይ ኩሉ ትእዛዛት መልሲ ክትከውን እትኽእል። ቅ. ጳውሎስ አብዚ አርባዕተ ካብ ትእዛዛት እግዚአብሔር ይጠቅስ አይትዘሙ አይትቕተል አይትስረቕ (ብሓሶት አይትመስክር) ዘይገንዘብካ አይትመነ።

አብዚ ፍሉይ ሰንበት መጨረሻ ዓመት ኢየሱስ መድኃኒና ከቢድ ሓላፍነት ሕውነታዊ ፍቕር ኩሉ ጊዜ ነቒሕና አብ ልዕሊ ብጻይና ክንገብሮ ዝግብአና ይነግረና። ውሑዳት ካባና እዮም ነቲ ኢየሱስ ዝብሎ ሓውኻ እንተ በደለካ ከድካ ንስኻን ንሱን አብ በይንኹም ኬንኩም ግንሓዮ ዝብል አብ ግብሪ ዘውዕሉ። ከምኡ ውሑዳት እዮም ከም ሕዝቅኤል ነብይ አብ አሕዋትና ከድና ወይ ቀሪብና ካብ ጌግኦም ክንእርሞም ወይ ክንመልሶም ኢልና እንቐርቦም። ደፊርካ ንሓውኻ ወይ ንሓፍትኻ ካብ ጌግኦም ክትመልሶ ክትክተሎ ዘሎካ ነገራት አሎ፡ ትብዓት/ቆራጽነት፥ ርሕራሐ፥ ትዕግስቲ፥ ለውሃት፥ ትሕትና፥ ቅንዕና፥ አኽብሮት፥ ንጽቡቕ ስም ካልኦት ምዕቃብ፥ ልቦና፥ ጥበብ፥ አብ ፍቕሪ ዝተመርኮሰ ዘተ፥ ጽብቕ ምስማዕን ምሕረትን። ንባባትና ንሓውናን ሓፍትና ክፉእ እናገበሩ ሱቕ ብምባል ክንዛረብ ዘይምኽአልናና ዓቢ ሓላፍነት ከም ዘጉደልና ክርድአና ከም ዘለዉ ይነግሩና።

ኢየሱስ ደጊሙ ክምህረና እንከሎ አብ ዓይንኻ ዘሎ ጉንዲ ከይአለኻ አብ ዓይኒ ሓውኻ/ሓፍትኻ ዘሎ ቀበር ክትአሊ አይክአልን እዩ ይብለና። መጀመርያ ጌጋታትና ድኽመታትና ርኢና ክንክእል እሞ ሽዑ ንኻልኦት ካብ ጌግኦም ክምለሱ ክንሕግዝ ሞራላዊ ሓላፍነት ንለብስ።

ሓደ እዋን ሓደ ሰብአይ ናብ ቅ. ፍራንቸስኮስ ቀሪቡ ከምዙ ኢልዎ። ሓው ፍራንቸስኮስ ኩሉ ጊዜ እጠራጠ። አብ ቅ. መጽሓፍ ንኃጥአን ክንግስጾም ከም ዘሎና ይነግረና እንተ ኾነ ሰባት ኩሉ ጊዜ ክኃጥኡ እርኢ በዚ ኸአ ኃጢአት ክገብር ንዝረአኽዎ ክግስጽ አይርአየንን እናበለ ሓተተ። ቅ. ፍራንቸስኮስ ክሓሱብ ሱቕ ኢሉ ድሕሪ ምጽናሕ ከምዚ ኢልዎ ንስኻ ክትገብሮ ዘሎካ ከምኡ እናነበርካ ሕይወትካ ንኃጢአተኛ ይገስጾ ኢልዎ። በቲ እትነብሮ ወይ እትገብሮ ንካልኦት አብ ንስሓ ክትዕድሞም ኢኻ። ገለ አብኡ ምጥርጣር ክህልዎ ይክአል ወይ እውን ክስብ ክንድዚ ቀሊል ድዩ ክብል ይክአል።

ሎሚ አብዛ ናይ ዓመት መጨረሻ አብ ጠባይናን ርክባትና እዚ ናይ ሕጊ ሕውነት ፍቕሪ ከመይ ከምዘሎ ርኢና ንኽአል። ብሓቂዶ ንሓውናን ሓፍትና አብ መገዲ መንግስተ ሰማይ ክጉዓዙ ንሕግዞም አሎና? ጽቡቕ ክርስትያናዊ አብነት እናሃብና ብግሊ ዝእረሙሉ መገዲ ክህዙ ንነግሮም ዘሎና? ከምኡ ንገብር እንተ አሊና ንሓውና/ሓፍትና ረባሕና ዓቢ ምልክት ውዕዉዕ ፍቕሪ ከአ እዩ። እምብአር ዘሎና ሓላፍነት አብ ቅድሚ አምላኽን አብ ማሕበር ክርስትናና ዓለምና ዘሎና ርኢና ክንክእል ነስተንትን። ምስቶም ምሳና አብ ከባቢና ዘለዉ ዘሎና ርክብ ክንሕተተሉ ኢና እዚኦም ወለድና አሕዋትና ደቅና አዝማድና ጎረባብትና መሳርሕትና መሳቱና ኩሎም ዝቐርቡና ክኾኑ ይክአል። አነን ንስኹምን በቲ እንነብሮ ሓገዝቲ ክንከውን ናይ ፍቕሪ ማሕበር/ኮሙኒቲ ክንሃንጽ ዝተጸዋዕና ኢና።

ዓመትና አብ እንዛዝመሉ ዘሎና ዕለት እምብአር ነቲ ኹሉ አምላኽ ብዝተፈላለየ መገዲ ብዙሕ ህያባቱ ንዝሃበና አምላኽ ተመስገን ክንብሎ ይግባእ። ሰብ ከምስግን ድሕሪ ኽኢሉ ዕብየትን ፍቕሪ አምላክ እዩ ክርኢ ዝኽእል፥ ስለዚ አብ ቅድሚ አምላኽ ኮና ተመስገን ንበሎ፥ ከምኡ ብምፍላጥ ወይ ብዘይ ምፍላጥ ንዝበደልናዮ አብ መንበር ንስሓ አቲና ምሕረት ንሕተተሉ። ምስ ኃጢአት ከሎና ሓዲስ ዓመትና አይንእተዎ እሞ ንጸጋዊ አምላኽ ጸጋኻ ሃበኒ ንበሎ።

እንአትዎ ዘሎና ዓመት ናይ ሰላምን ፍቕርን ገሩ አብ ዓድናን ዓለምናን ምሕረቱ የውርደላን።

ብሩኽ ሓዲሽ ዓመት ብዓል ቅ. ዮሓንስ።

 

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ  








All the contents on this site are copyrighted ©.