2017-09-06 09:50:00

ኣብ 2018 ዓ.ም. ንኽካይድ ዝተወሰነ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ዘተኰረ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ መንእሰያት ኣብ ሮማ


ብምኽንያት እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ንኽካየድ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝጠለብዎ መበል 15 መደበይና ጠቕላሊ ጉባኤ (ሲኖዶስ መላእ ብፁዓን ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን) ትኵረቱ ዘንበረ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ጠቕላሊ ቤት ጽሕፈት ካብ ዕለት 11 መሰከረም ክሳብ ዕለት 15 መስከረም 2017 ዓ.ም. ሮማ ኣብ ዝርከብ ሕንጸ ጠቕላሊ ሓለቓ ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣብ ዘሎ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ  ዛዕባ ኩነታት መንእሰይ ዓለም ኣቶኵይሩ ዝመያየጥ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ከምዘዳለወ ልኡኽ ጋዜጠይ ራዲዮ ቫቲካን ሚከለ ራቪያርት ዘመሓላለፍዎ ጸብጻብ የመልክት።

እቲ ንኽካየድ ዝተጸውዔ ዓውደ ጉባኤ ምስቲ ቅዱስነቶም ኣብ 2016 ዓ.ም. ዝኣወጅዎ ኣብ 2018 ዓ.ም. መንእሰያት፡ እምነትን ልልያ ጸዋዕታን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣማእኪሉ ንኽመያየጥ ምስ ዝጸውዕዎ ሲኖዶስ ዝሰማማዕ ኣብ እዋናዊ ዓለም ጭቡጥ ኩነት መንእሰያት ስእሊ ዘቕርብ ምዃኑ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ራቪያርት ኣስዒቦም፥ ኣብዚ ዝተዳለወ ዓውደ ጉባኤ ካብ ሓሙሽተ ክፍለ ዓለም ዝተዋጽኡ ካህናትን ክኢላታት ዛዕባ ኵነታት መንእሰያትን ከምኡ እውን 25 መንእሰያት ዝርከብዎም ብጠቕላላ 80 ተጋባእያን ዘሳትፍ ክምዝኸውንን ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ መላእ ብፁዓን ጳጳሳት ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ሎረንዞ ባልዲሰሪ ብዘስምዕዎ ዘረባ ዝኽፈት እውን ምዃኑ ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሶም የመልክቱ።

እቶም ኣብዚ ዓውደ ጉባኤ ዝሳተፉ መንእሰያት ናይ መላእ ዓለም መንእሰያት ኵነት ዝድህስስ ተመክሮኦምን ኩነታት ስደተይናታትን ኣብ ቤት ማሕቡስ ናይ ዝርከቡ መንእሰያትን ጉዳይ ከቕርቡ ምዃኖም እንክንገር። ነፍሲ ወከፍ ዕለታዊ ዋዕላ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ መንሰያት ኣብ ወንጌል ዘርእስቱ ብኣባ ጁሊዮ ሚከሊኒ ዝተደረስ መጽሓፍ ኣማእኪሉ ብዝቐርብ ኣስተንትኖ ከምዝምራሕን ብጠቕላላ እቲ ኣስተንትኖ መንነትን መንእሰይን መንእሰይ ዝፈጥሮ ስፍራን ዝሕንጽጾም መደባትን ዕዮን ስደትን ኣብ ማሕበራውን ፖለቲካውን ንጥፈታቱን ምስ እምነትን ቤተ ክርስቲያንን ዘለዎ ርክባትን ኣብ ዝብሉ ነጥብታ ዘተኰረ እውን ከምዝኸውን ዘመልከቱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ራቪያርት ኣስዒቦም፥ እቶም ተጋባእያን ቋንቋዊ መልክኣ ምድሪ መሰረት ድማ ተኸፋፊሎም ናይ ክቢ ጠረጴዛ ምይይጥ ከካይዱን ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ድማ ንናይ ሲኖዶስ ኣበው ክመሓላለፍ ምዃኑ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ቤት ጽሕፈት ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሶም የመልክቱ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፥ ቅዱስ ኣቦና በቲ ትዊተር እተሰምየ ማሕበራዊ መርበብ ብዘሎ ኣድራሻኦም ኣቢሎም ኣብ ቀረባ እዋን ብዝፈነውዎ መልእኽቲ፥ እቲ ንመንእሰይ ዝምልከት ሲኖዶስ ብዝከኣል መጠን መንእሰያትን ኵነት መንስእሰያትን ብጠቕላላ ዘሳተፍ ክኸውን እንክብሉ ምዒዶም ከምዝነበሩ እንክዝከር። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ እቲ ናይቲ ንኽካይድ ተወሲኑ ዘሎ ሲኖዶስ ወግዓዊ ድረ ገጽ ካብ 16 ክሳብ 29 ዓመት ዝዀኑ መንእሰያት መልሲ ንኽህብሉ መሕትት ከምዝዘርግሔን በዚ መገዲ’ዚ እቢሉ ድማ መንእሰያት ብሰፊሕ ንምስታፍ ዝብል ድላይ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ግብሪ ይውዕል ምህላዉ ራቪያርት ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.