2017-09-06 09:55:00

ናይ ሓባር ዘተ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ኦርቶዶክሳዊትን ኣቢያተ ክርስቲያን


ክሳብ ዕለት 9 መስከረም 2017 ዓ.ም. ዝቕጽል ናይ ካቶሊካዊትን ኦርቶዶክሳዊትን ኣቢያተ ክርስቲያን ዓለም ሓቆፍ ናይ ሓባር ድርገት ዘካይዶ ቲዮሎጊያዊ ናይ ሓባር ዘተ ኣብ ሃገረ ግሪክ ከተማ ሎሮስ ዕለት 5 መስከረም 2017 ዓ.ም. ከምእተኸፍተ እቲ ዓለም ለኻዊ ናይ ሓባር ቲዮሎጊያዊ ድርገት ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ናይ ሓባር ዓውደ ዘተ ኣብ ኣራቫንቲኖስ ዝርከብ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ሜጥሮፖሊታ ፓኢሲዮንስ ዝእንገድ ክኸውን እንከሎ ብጳጳሳዊ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ውህደት ዘነቓቕሕ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽን ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ናይ ተልመሶስ ሊቀ ጳጳስ ዮብ ብሓባር ዝምራሕ ምዃኑ ዓለም ለኻዊ ናይ ሓባር ድርገት ዘውጽኦ መገልጺ የመልክት።

ድሕሪ እቲ ብዛዕባ ጉባእያውነትን ቀዳማዊነት ኣብ ቀዳማይ ሽሓዊ፡ ኣገልግሎት ንናይ ቤተ ክርስትያን ሓድነት ንዝብል ርድኢት  ብዝብል ኣርእስቲ ዓለም ለኻዊ ናይ ሓባር ቲዮሎጊያዊ ድርገት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ኪየቲ ወርሒ መስከረም ኣብ ዘካየዶ ናይ ሓባር ዓውደ ዘተ ዘውጽኦ ሰነድ መሰረት ገይሩ ናይ ካቶሊካዊትን ኦርቶዶክሳዊትን ቤተ ክርስቲያን ናይ መጻኢ ናይ ሓባር ስጉሚ ዝሕንጸጽ ከምዝኸውን ናይ ኦርቶዶክሳዊትን ካቶሊካዊት ኣቢያተ ክርስቲያን ዓለም ለኻዊ ናይ ሓባር ድርገት ዘመሓላለፎ መገልጺ ኣፍሊጡ። 








All the contents on this site are copyrighted ©.