2017-09-06 09:47:00

ቅዱስ ኣቦና ንማሕበረ ንኡሳን ክርስቲያን፥ ብሓሴት ኣብ ኩሉ ስፍራ ወንጌል ዝርኡ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ናይ ንኡሳን ክርስቲያን (Neocatecumenali) ማሕበረሰብ ኣቦ መንበር ኪኮ ኣርጉወሎ ናይተን ምስኦም ብሓባር ነዚ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ዝመስረታ ዝሓለፈ ዓመት ካብዚ ዓለም ብሞት ናይ ዝተፈልያ ካርመን ሀናንደዝ ንንባብ ዝበቕዔ ሕይወት መዝገበ ዕለት ንዝቐረበሎም ገጸ በረከት ምኽንያት ንኪኮ ኣርጉወሎ ዕለት 18 ነሓሰ 2017 ዓ.ም. ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስጋና መልእኽቲ፥ እግዚኣብሔር ንማሕበረሰብ ንኡሳን ክርስቲያን ጉዕዞ ወትሩ ብሓሴትን ብምሉእ ተወፋይነትን ብእምነትን ትሕትናን ተኣዝዞን ወንጌል ኣብ ዝዀነ ይኹን ኩነት ኣብ ኩሉ ስፍራ ክዘርኡ ይደገፍ ቢሎም ኪኮ ኣርጉወሎ ንዘበርከቱሎም ናይ ካርመን ሄርናንደዝ መዝገበ ዕለት ኣመስጊኖም፥ እቲ መዝገበ ዕለት ካርመን ንኢየሱስ ዘለወን እቲ ስቓይ ናብ መስዋዕትነት ዝቕይር ድኻም ናብ ሓሴት ዝልውጥ ሕይወት ኣስፍሆተ ወንጌል ክኸውን ዝድርኽ ፍቅሪ ዝምስክር እዩ  ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኪኮ ኣርጉወል ነቲ መልእኽቲ ዝተቐበልዎ ኣብ ኢጣሊያ ክፍለ ሃገር ማርከ ኣብ ፖርቶ ሳን ጆርጆ ናይ ንኡሳን ክርስቲያን ማሕበር ሰብ ኣባላት ልዕሊ 400 ካህናትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን መንእሰያትን ኣሳቲፉ ኣብ ዝተኻየደ ሱባኤ ምዃኑ ዝገለጸ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ እቲ ናይ ካርመን ህርናንደዝ መዝገበ ዕለት ካብ 1979 ዓ.ም. ክሳብ 1981 ዓ.ም. ዘሎ ታሪኽ መንፈሳዊ ጉዕዞኤን ዝገልጽ ብቋንቋ ስፓንሽ ብቤት ማሕተም ኣውቶረስ ክርስቲያኖስ ዝተሓትመን ካብ ወርሒ ሓምለ 2017 ዓ.ም. እትሒዙ ንንባብ ዝበቕዔ ምዃኑ የዘኻኽር።








All the contents on this site are copyrighted ©.