2017-08-22 15:54:00

መዓርገ ዲቍና በዓለ ደብረ ታቦር ፳፻፱


ታሪኽ ሕይወት ዲያቆን ናትናኤል ፍሰሀ

ስም፥ ናትናኤል                    ዓዲ፡ ሸኻ    አቦ፡ ፍሰሃ ክፍለኢየሱስ   አደ፡ መኣዛ መሓሪ     ዕለተልደት፡ ፱  ሚያዝያ  ፲፱፻፹፫   17/04/1991    ገዳምዝኣተወሉ፡ 2007 ዓ/ም

ዝተማህረሉ መባእታ ፡       ዋስደምባ      1-5 ክፍሊ 1999-2003       ማእከላይ፡         ዔላበርዕድ 6-8 ክፍሊ2005-2007     ፪ይ ደረጃ             ከረን ቅ. ዮሴፍ        9-11 ክፍሊ 2007-2009

ፍልስፍልና            አሥመራ              1-2 ዓመት 2010-2012
ተሎጊያ                አሥመራ              1-4 ዓመት 2013-2017

ዕለተ ዲቍና፡ ዲቍና ብኢድ ብፅዕ አቡነ ኪዳነ ኣብ ከረን ርእሰ ኣድባራ  ደብረ ቅ.ሚካኤል ከረን  ፲፫ ነሓሰ፳፻፱ / 19/08/2017 ተቀበሉ።

ታሪኽ ሕይወት ዲያቆን ተስፋልደት ሚካኤል

ስም፥ ተስፋልደት     ዓዲ፡ ቀረጫ     አቦ፡ ሚካኤል ዘርኣይ    አደ፡ ኣሙና ዓንደማርያም   ዕለተልደት፡ ፩ኅዳር ፲፱፻፹ /  11/11/1987   ገዳምዝኣተወሉ፡ 202004ዓ/ም

ዝተማህረሉ  መባእታ ፡   ኢራ ታሕታይ          1-5 ክፍሊ 1997-2002   ማእከላይ፡   ሽዕብ ሰለባ    6-7 ክፍሊ2002-2004    ፪ይ ደረጃ      ከረን ቅ. ዮሴፍ   8-11 ክፍሊ 2004-2008

ብደገ ዝሓገየሉ      ዋሊኩ                               2010-2011
ፍልስፍልና            አሥመራ              1-2 ዓመት 2011-2013
ተሎጊያ                አሥመራ              1-4 ዓመት 2013-2017

ዕለተ ዲቍና፡ ዲቍና ብኢድ ብፅዕ አቡነ ኪዳነ ኣብ ከረን ርእሰ ኣድባራ  ደብረ ቅ.ሚካኤል ከረን  ፲፫ ነሓሰ፳፻፱ / 19/08/2017 ተቀበሉ።

ታሪኽ ሕይወት ዲያቆን ኣዶናይ ተስፋጊዮርጊስ

ስም፥ ኣዶናይ        ዓዲ፡ ወስበንሥረዅ     አቦ፡ ተስፋገርጊስ ሓምደ    አደ፡ ወለተኢየሱስ ምስግና   ዕለተልደት፡ ፲፫ ጥቅምቲ  ፲፱፻፹፭ /  23/10/1985   ገዳምዝኣተወሉ፡ 2006 ዓ/ም

ዝተማህረሉ   መባእታ ፡       ወስበንሥረዅ    1-5 ክፍሊ 1995-2000   ማእከላይ፡     ሓጋዝ     6-9 ክፍሊ2000-2004      ፪ይ ደረጃ     ከረን ቅ. ዮሴፍ     9-11 ክፍሊ 2006-2008

ፍልስፍልና            አሥመራ              1-2 ዓመት 2010-2012
ተሎጊያ                አሥመራ              1-4 ዓመት 2013-2017

ዲቍና ብኢድ ብፅዕ አቡነ ኪዳነ ኣብ ከረን ርእሰ ኣድባራ  ደብረ ቅ.ሚካኤል ከረን  ፲፫ ነሓሰ፳፻፱ / 19/08/2017 ተቀበሉ።

 

ታሪኽ ሕይወት ዲያቆን ሕዝቅኤል ትንሥኤው

ስም፥ ሕዝቅኤል       ዓዲ፡ ሓቢንመንተል    አቦ፡ ትንሥኤው   አደ፡ ለተጽዮን ናይዝጊ   ዕለተልደት፡ ፲፪ ነሓሰ  ፲፱፻፸፫ /  18/8/73   ገዳምዝኣተወሉ፡ 2012 ዓ/ም

ዝተማህረሉ  መባእታ ፡      ሓቢንመንተል     1-5 ክፍሊ 1993-2001  ማእከላይ፡       ሓቢንመንተል      6-7 ክፍሊ2001-2004   ፪ይ ደረጃ      ከረን ቅ. ዮሴፍ     8-11 ክፍሊ 2004-2008

ፍልስፍልና            አሥመራ              1-2 ዓመት 2012-2013
ተሎጊያ                አሥመራ              1-4 ዓመት 2013-2017

ዕለተ ዲቍና፡ ዲቍና ብኢድ ብፅዕ አቡነ ኪዳነ ኣብ ከረን ርእሰ ኣድባራ  ደብረ ቅ.ሚካኤል ከረን  ፲፫ ነሓሰ፳፻፱ / 19/08/2017 ተቀበሉ።

 

 

ታሪኽ ሕይወት ዲያቆን ረዘነ (ኪዳነማርያም) በረኸተኣብ

ስም፥ ረዘነ (ኪዳነማርያም)        ዓዲ፡ ድጊ     አቦ፡ በረኸተኣብ ዓንደማርያም    አደ፡ መሓሪተ ተኽለ    ዕለተልደት፡ 28/07/1988 ዓ/ም/ ፈ።    ገዳምዝኣተወሉ፡ 2026/10/2016 ዓ/ም/ፈ

ዝተማህረሉ   መባእታ ፡      ድጊ        1-2 ክፍሊ 1996-98       ቤ/ት ሞመና    3-5 ክፍሊ 1998-2000   ማእከላይ፡     ቤ/ት ላልምባ      6-7 ክፍሊ2001-2004

፪ይ ደረጃ              ከረን ሰከንደሪ         9    ክፍሊ 2004-2005

ከረን ቅ.ዮሴፍ ላሳል 10-11 ክፍሊ 2005-2007

ፍልስፍልና            አሥመራ              1-2 ዓመት 2008-2011
ተሎጊያ                አሥመራ              1-4 ዓመት 2011-2015

ዕለተ ዲቍና፡ ዲቍና ብኢድ ብፅዕ አቡነ ኪዳነ ኣብ ከረን ርእሰ ኣድባራ  ደብረ ቅ.ሚካኤል ከረን  ፲፫ ነሓሰ፳፻፱ / 19/08/2017 ተቀበሉ።

  ደብረ ታቦር

ሉቃ፣ 9፣ 28-36/ 1ቆሮ 8፣ 1-ፍ/1ጴጥ 1፣1-6/

ጴጥሮስ፡ ዮሓንስ ፡ያዕቆብ፡ ኢየሱስ ኣብ ደብረ ታቦር ፡ ኣብ ታቦር ዝተባህለ እምባ ብሓሳብ ዝወዓሉሉ ኢዩ።

 ቅድሚ’ዚ መን ምዃኑ ንሳቶም በየናይ ዓይኒ ከምዝርእይዎ ኪፈልጥ ጠይቅዎም ነበረ። ኣብ ታቦር  ምስ ኣቡኡ ብዛዕባ ኪገብሮ ዘለዎ ተልእኾ ነገረ  ሥላሴ ምዃኑ ንምግላጽ፡ ነዓና ከኣ ክበድ ነገረ ድሕነት፡ ዝተኸፍሎ ዋጋን ንኽስቈረና፡ ክርስቶስ  ካብ ኣቦኡ (ሥላሴ)ን፡ዓበይቲ እስራኤልን፡ጉዳይ ድሕነት ኣብ  ግብሪ ኬውዕሎ ዝመስከሩሉ ኢዩ።        

            

ሙሴ - ወሃቢ ሕጊ፡ ንዘመነ ሕጊ ወኪሉ፡ ኤልያስ - ካብ ነብያት እቲ ዝዓበየ

ንዘመነ ነቢያት ወኪሉ፡ እወ እዚ እቲ ክመጽእ ዝነበሮ ክርስቶስ መድኅን ኢዩ ዝመስከሩሉ ዕለት ኢዩ። እቶም ሰለስተ ሓዋርያት ከኣ ነዚ ዓቢይ ምሥጢር ክርእዩ ከኣሉ።

ኣብ ደብረ ታቦት፡ - ክርስቶስ ራእዩ ተለወጠ

3 ሓዋርያት ምስ ተበራበሩ = “ክብሩ” ረኣዩ።

ኣብ ሕይወት፣- 1) ኣእምሮና ስለዝደቀሰ ብዙሕ ነገራት ይሓልፈና፣ ገለ ነገራት ንኣእምሮና ከምዝድቅስ ካብ ዝገብሮ ሓደ ሓደ ነገራት፡ ንኣብነት፡

  1)  ቅድመ- ፍርዲ= ኣብ ሓሳባትና እምብዛ ንተርር እሞ፣ ሓዲስ- ሓሳባት ወይ ኣረኣእያ ኣብ ኣፍደገ-ኣእምሮና እንተኳሕኩሑ ከም ዘይትንሥኡ ደቀስቲ ኰና ምስማዕ ንኣብዮ።

 2) ገለ ገለሰባት-ዝማጐት ወይ ምምርማር ዝጥይቅ ሓሳባት ብምንጻግ ኣእምሮኦም  የደቅሱ፣ ፕላቶ- “ዘይተመርማሪ ሕይወት ክትነብሮ ዘይግባእ ሕይወት ኢዩ” ይብል።

 ክንደይ ካባና ብሓቂ -ንገለ ገለ ነገራት ኣውሪድናን ኣደይብናን መርሚርና

ዝተቀበልናዮን ዝነጽግናዮን ንርከብ? ብፍላይ ንመንፈሳዊ ነገር፡

ሓደሓደ ጊዜ  ሕቶታትናን ጥርጣሬታትናን ከይንገጥም/ከይንምርምሮ ንሃድም። እዚታት ከኣ ንኣእምሮና የደቅሶ።

3) ፍትወት- ርእሲ- ንዝኾነ ዝህውኽ ሓሳባት ከይንቅበል ንርእስና ንዓጹ፣ በዚ ኸኣ ሓደ ሰብ ንኣእምሮኡ ብፍጹም እናዓጸወ ኬደቅሶ ይኽእል።

ኣብ ሕይወት ግዳ  ብዙሕ ነገራት ዘበራብረና ኣሎ ፡ ነኣብነት፡

    1) ሓዘን = ሥጋዊ

           = መንፈሳዊ-ገለ ኩነታት ኣንቢዑ ክብሪ የርእየካ። ንኣብነት  ንስሓ ሓጢኣተኛ

    2) ፍቅሪ - ሥጋዊ- ሓደ ነገር ምስ ረኣኻዮ-ፍቅሩ ይሓድረካ።

    3) ግድነታት (ዘድልዩና ነገራት) - ሓደ ሰብ ንነዊሕ ጊዜ ለውጢ ዘይብሉ ሕይወት እናነበረ ዳርጋ ፍርቂ ድቁስ ኰይኑ እንኪነብር፡ ሓደ ጊዜ ብሃንደበት ዘይተጸበዮ  ጸገም ወይ መልሲ ዘይብሉ

ሕቶ ወይ እውን ሓድ ሓደ ጊዜ’ውን ካብ ዓቅሙ ንላዕሊ ኰይኑ ዝረኣዮ ጸገማት/ፈተናታት ይመጽኦ’ሞ  ይበራበር።

 ኣብዚ ጊዜ -ዝግበር የሎን፣ “ብኽያት” ጥራሕ ይኸውን። እታ ግድነት እቲኣ፣

ዘይኣማኒ-እንተኾነ-ዓቅሚ ብኽያት ኮይኑ ይተርፍ
ኣማኒ-ግዳ እምነቱ ዘይነብር ከኣ፣ ኣብ ልቡ ይመለስ-ይንሳሕ
ንዝኣምን ከኣ ብርታዔን ጽንዓትን ይኾኖ፣ እሞ ኣምላኽ ወትሩ ንዓኻ ትጉህ ኰይነ ኪርከብ ሓለወኒ” ኢሉ ይጽሊ።

 በዓለ ደብረ ታቦር እምበር፡  ናይ ሥላሴ ምኽሪ፡ናይ ነቢያትን፡ ናይ ሓዋርያት ምስክርነት ዝገልጽ ኮይኑ፣ኣብ ሓድሽ ሕይወት ክርስትና

ከምቲ ክርስቶስ ራኣዩ ዝተለወጠ ፡ንሕና’ውን ክንልወጥ ኣረጊት መንገዲ፡ ኣረጊት ጠባይ ገዲፍና፡ ጉዳይ ድሕነትና ጊዜን ቦታን ክህቦ ዝጽውዕ ኢዩ፡

 

ሎሚ ዝሥየሙ ከኣ ነዚ ናይ ድሕነት ጉዳይ ከም ሓዋርያት  ሕይወቶም ብምውፋይ፡ ድሕነት ኣብ ናይ ዘመኖም ሕዝብታት ንምብጻሕ፥ ኣኒሆና ንሕና ንለኣኽ ዝብሉ ኢያቶም።

ነዚ ተልእኮ እዚ ብመዓርገ ዲቍና ይጅምርዎ ኣለዉ።   ኣብታ ናይ መጀመርያ ቤተክርስቲያን ናይዚ መዓርግ ኣጀማምራ   ከምዚ ነበረ፡

እታ ናይ ጥንቲ ቤተክርስቲያን እናዓበየት ኣብ ዝመጸትሉ ጊዜ፡ ብዛዕባ ኣብ ውሽጣ ዝርከቡ ድኻታት ምግዳስ፡ካብቲ ኣገልግሎታት ሓደ ነበረ። እናበዝሐ ኣብ ዝመጽኣሉ ጊዜ ነዚ ዕማም ብፍሉይ ዝለኣኹ ክግብሩ ወሰኑ፡ በዚ ከኣ፡“ ኅረዩ እምውስቴትክሙ ሰብዐተ  ዕደወ፡ እለ ምሉኣነ መ/ቅዱስ ወጥበብ፡ እለ ንሠይም ዲበ ዝግብር… ወንሕነሰ ንጸመድ ጸሎተ ወመልእክተ ቃል( ግ/ሓ 6፡3-8)    ኣብ ልዕሊዚ ኣገልግሎት እንሰይሞም  ካብ ማእከልኩም ም/ቅዱሳን ጥበብን ዝመልኦም ሸውዓተ ሰባት ሕረዩ… ንሕና ከኣ ኣብ ጸሎትን ኣብ ስብከተ ቃልን ክንጽመድ፡

 

 ምኽንያት ሢመት ናይ መጀመርያ ዲያቆናት፡    ጉዳይ ድኻታት ምእላይ ነበረ፡ ኣብ ልማደ መቅደሰ ኣይሁድ፡ ሓገዛት ብግሊ ዘይኮኑ ብማኅበር እሞ ከኣ ብማእከልነት መቅደስ ይካየድ ነበረ። ክልተ ሰባት ኩሉ ጊዜ  ዓርቢ ዓርቢ ኣብ ከተማን፡ ኣብ ገዛውትን  እናዞሩ ንድኻታት ሓገዝ ናይ ምልማን ልማድ ነበሮም። ነቲ ዝኣከብዎ ከኣ  ብናይ ክልተ ወይ ካብኦም ብዝበዝሖ ኮሚቴ፡ ነቶም ድኻታት ይዕድልዎ ነበሩ፡

እታ ጀማሪት ቤተክርስቲያ ኣብዚ ባህሊ ዝዓበየት ከኣ ነዚ ልማድ እዚ ቀጸለቶ። እንተኾነ ኣብ መንጎ ኣይሁድ ክርስቲያን ፍልልይ ነበረ፡ ክልተ ዓይነት ኣይሁድ ስለዝነበሩ፡

ናይ ኢየሩሳሌም ኣይሁድ፡ ኣራማይስጢ ዝዛረቡ
ፍልስጠማውያን ኣይሁድ፡ ካብ ፍልስጠም ንወለዶታት ብስደት ኣብ ወጻኢ ይነብሩ ዝነበሩ ካብ ዓዶም ርሒቆም ዝነበሩ፡ ግሪኽ / ጽርኢ ዝዛረቡ ( ኣራማይስጢ ወይ ዕብራይስጢ ረሲዖም ግሪኻዊ ቋንቋ ዝዛረቡ፡ ኣብ ግሪኻዊ ባህሊ ዝዓበዩ) ነበሩ።

እቶም ዓደልቲ ነቶም ግሪኽ ዝዛረቡ ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ብዙሕ ተገዳስነት የርእይዎም ኣይነበሩን፡ ኣድልዎ ከኣ ይገብሩ ነበሩ። በዚ መሠረት እቶም ግሪኽ ዝዛረቡ ኣይሁድ ጥርዓኖ ኣብ ሓዋርያት ኣቅረብዎ። ሓዋርያት ከኣ “ኢይደልወነ ከም ንኅድግ ቃለ እግዚኣብሔር ወንፀመ ማእዳተ፡  ኅረዩ እምውስቴትክሙ ሰብዐተ  ዕደወ፡ እለ ምሉኣነ መ/ቅዱስ ወጥበብ፡ እለ ንሠይም ዲበ ዝግብር… ወንሕነሰ ንጸመድ ጸሎተ ወመልእክተ ቃል( ግ/ሓ 6፡3-8) ኢሎም ሸውዓተ ሰባት መረጹ፡

ንሳቶም

እስጢፋኖስሃ ብእሴ ዘምሉኣ ሃይማኖት
ወፊልጶስ
ወጰሮኮሮን
ወኒቃኖራ
ወጢሞና
ወጰርሜና

ወኒቃሊዎን ፈላሴ ዘሀገረ ኣንጾኪያ

እዞም ዝምረጹ ነዚ ኣገልግሎት /diakonia/ ዝገብሩ ማለት ኢዩ። ኣገልገልቲ፡ ተላእኽቲ፡ ንድኻታት ብዘይ ኣድልዎ ዝሕግዙን፡ ዘገልግሉን ነበሩ።ስለዚ ኣብታ ጀማሪት ቤተክርስቲያ ኣገልግሎት ዲያቆናት ኣብዚ ናይ ግብረ ተራድኦ ኣሕዋትን ኣሓትን ዝተደረተ ነበረ።  

እቶም ነዚ ብግቡእን ብሓላፍነትን ዝፈጸሙ ከኣ ንዝዓበየ መዓርግ ሕጹያት ይኾኑ ይብል። እምበኣርከስ ኣቦታትና  ሓዋርያት ኣብ ተራዶኣዊ ኣገልግሎት ዝጸመዱ  ዲያቆናት ሰርዑልና፣፣

ግብረ ክህነት ኩሉ ኣገልግሎት ንሕዝበ እግዚኣብሔር እኳ እንተኾነ ዲቍና ግና ንፍሉይ ኣገልግሎት ሕዝበ እግዚኣብሔር ዝተሰርዔ ነበረ።
ጸኒሑ ግና መዓርገ ዲቍና ናብ ክህነት ዘሰጋግር መዓርግ እናኾነ መጽኤ፡ ማለት ካብ ግብረ ተራድኦ ናብ ምስባኽ ቃለ እግዚኣብሔርን ሊጡርግያዊ ኣገልግሎት ዝለኣኹ ኮኑ። ብዲቁና ኣብ መዓርገ ክህነት ከምዝሳተፉ ኮነ፡፡

ኣብ ምዝዛም ቀዳማይ ምእተ ዓ/ም ሰማዕት ዝኾነ ጳጳስ ኣንጾክያ ዝነብሩ ቅ.ኢግናጽዮ ንዲቍና ብኸምዚ ይገልጾ፣ “ ዲቍና ነቲ ከገልግል እንበር ኪግልገል ናይ ዘይመጽኤ  ክርስቶስ ምግልጋል እዩ” ቢሉ ይገልጾ። ቀጺሉ እውን “ኩሉ ንሰብ፡ ንዲያቆናት ከም ኢየ.ክር(ከገልግል ዝመጽኤ)፡ ንኣቡን ከም ናይ እግዚኣብሔር ኣቦ ምስሊ፡ ነቶም ካህናት ከም ናይ ኣምላኽ ቤት ምኽሪን ናይ ሓዋርያት ጉባኤን፡  ገቢሩ የኽብሮም ምኽንያቱ ብዘይካኣቶምን ብዛዕባ ቤተክርስትያን ምዝራብ ኣይከኣልን እዩ።(CCC.1538)

ዲቍና እምበኣር ናይታ ኣገልጋሊት ቤ/ያን ምልክት እዩ፣ ዲቍና ንዓለማዊ ግድነታት ምእመናን ናይ ውፋይ ሕይወት ኩነትን ዝጠምር ናይ ኩሉ ገጽታ ክርስቲያናዊ ሕይወት ኩነት ዝጠምር፡ ናይ ኩሉ ገጽታ ክርስቲያናዊ ሕይወት ክብርን ኣድላይነትን ዝገልጽ እዩ፣፣

ዓለማዊ ግድነታት ፣- ንሥጋዊ ኣድላይነታት ከምቲ ብዘመን ሓዋርያት ነቶም ኣለይቲ ዘይብሎም ድኻታት ሓልዮት ዝገብሩን ፣ ነቲ ብስም ድኻታት ዝተኣከበን ዝመጽኤን ከኣ ከከም ኣድላይነቱ ነቶም ድኻታት ብዘይ ኣድልዎ ምስሳይ ሰለ ዝነበረ ፣ ናይ ፍቅሪ ስራሕን፣ መግለጺ ፍቅርን ክንዲ ዝኾነ፣
 ቃል ወንጌል ንመንፈስ ጥራሕ ዝሓሊ ዘይኮነስ ነታ ሥጋ’ውን ዘድልያ ናታ ክፋል ንምሃብ ሓዋርያት ነታ ቀዳመይቲ ማሕበር ክርስትያን፣ ዲቍና ብምስራዕ ነዚ ናይ ፍቅሪ ሥራሕ ክኸውን ዝገበርዎ፣ ቤ/ያን’ውን ሎሚ ትቅጽሎ ዘላ ዓቢይ ኣገልግሎት እዩ፣፣
ሰብ ውፉይ ሕይወት ከኣ ፣ ብመንገዲ መዓርገ ዲቍና ገይሮም ኣብቲ ኣገልግሎት ስለዝጽመዱ እቲ ስፍራ ኣገልግሎት ንኽልቲኦም ማለት ነቲ ጽውዕን ነቲ ዝግልገልን ዘራኽብን የኸውን።

ዲቍና ተቀቢሉ ማለት ኣብዚ ደርብታት ዓቢይ ምሥጢረ ክህነት ተሳታፊ ኮይኑ ማለት እዩ፣፣
ብኣወሃህባ መዓርገ ዲቍና ፣ እቲ ተቀባሊ ኣብ ደርብታት መዓርገ ክህነት ንፍሉይ ኣገልግሎት ምእንቲ ክፍጽም ሥልጣንን ግዴታን ጸጋን ይወሃብ፣፣ በዚ ኸኣ መማህራን ት/ክርስቶስ ኮይኖም ቃል እግዚኣብሔር ንኽሰብኩ ንምእመናን ከመሓድሩ፡ ናይ ፍቅሪ ሥርሓት ንኽሰርሑ ዘኽእሎም እዩ፣፣ ( Ad Gentes 16  ) ብፍላይ ግን ኣብ ሥርዓተ መለኮታዊ ምሥጢራት ዝፍጽመሉ ልዕሊ ኩሉ ድማ ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ቅ.ቁርባን ኣብ ምዕዳል ፣ኣብ ካህን ዘይተረኽበሉ ጊዜን ቦታን፡ ሥርዓት ቀብሪ ክፍጽሙ፡ ኣብ ሓደጋ ሞት ንዝርከብ ሕፃን ከጠምቁ፡ ፍቃድ ኣለዎም። ከማኡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣገልግሎት ፍቅሪ ብተወፋይነት ብምስታፍ ሓገዝቲ ኣቡናትን ካህናትን ኮይኖም ክርከቡ ቤተክርስቲያን በዚ መዓርግ ሓላፍነት ተልብሶም።
ንክርስቶስ በዚ መንገዲዚ ምኽታል ማለት፡ ምስ ርእስኻን ከባቢኻን ምምናን ኢዩ፡ ንኹሉ ምእንቲ ክርስቶስ ምግዳፍ ማለት ከኣ ምስ ርእስኻ ምጭካን ኢዩ። ክሓድግ፡ ክምንን  መስቀሉ ክስከም ዘይክእል ንክርስቶስ ዝተገብኤ ኣይኮነን። ልዕሊ ኩሉ ብዘይተመቃቀለ ልቢ ንክርስቶስ ክውፈ ይሕተት። “ኵሎ ሓደግነ ወተሎናከ” ክብል ትጺብት ይግበረሉ። ብሥጋ ክመውት ትሑዝ ይኸውን፡ ዲቍና እምበር ንሥጋ፡ ዓለም ሙማት ቀዳማይ ደረጃ ኢዩ። ሥጋ ክሳብ ኣብ መቃብር ትኣቱ እታ ዘይተዓረፍ፡ ሽውሃታን ስሚዒታትን ዘይትመውት፡ ንጽውዕ ዕለተ ዕለት እተዛህልሎ ኃያል ተጻባኢት ኢያ። ነዚኣ ክስዕራ ወይ ክመልካ ዝኽእል እቲ ሓያል ልምዲ ጸሎትን ምናኔን ዘጥረየ ጥራሕ ኢዩ። በዚ መሠረት ቤተክርስቲያን ንቅዱሳን መዓርጋት ንዓመታት ክትቅርቦም ከላ፡ ነዚ ሕይወት እዚ ክትክእልዎ ዲኹም እናበለት፡ ብነፍስን ሥጋን ኰስኵሳ፡ ንሳቶም ከኣ ብዝገብርዎ ገድሊ ሕይወትን ብዝስምዖም ሕሹዅታ መንፈስ ቅዱስ፡ እወ ብጸጋ እግዚኣብሔር ንኽእሎ ቢሎም፡ ምስ ርእሶም ጨኪኖም ይኣትውዎ ኣለዉ። ቤተክርስቲያ  ከኣ “ትከውንኑ ስምዓ ለዛቲ ሢመት?” እናበልና  ርግጽነት ተወፋይነቶም ንቅበሎም ኣሎና።
 
አቲ ብጎይታ ዝልኣኽ ብሓይሊ ስልጣን ክርስቶስ እምበር ብናቱ ስልጣን ኣይኮነን ዝዛረብ፡ከም ኣባል ማሕበር ኣመንቲ ዘይኮነ ነታ ማሕበር ብስም ክርስቶስ ብስም ክርስቶስ ዝዛረብ አዩ።ወላ ሓደ ንዓባዕሉ ጸጋ ዝዕድል የልቦን፡ ክወሃቦን ክውፈዮን የድሊ፡ እዚ ሎሚ ንፍጽሞ ሢመት ነዚ ጸጋ ብክርስቶስ ኣቢልና ንተልእኮ ወንጌልን ቤ/ያን ንውግኖም፡ንፈልዮም ኣሎና። ሕዝበ እግዚኣብሔር ከኣ ንኻልእ ምድራዊ ዕላማ ወይ ሥራሕ ባዕልና ኣሎናዮ ሓንትስ ነዛ ጉዳይ ድሕነት ብግቡእ ተላኣኹና ቢልና ንምርቆም ኣሎና።በዚ ሢመት ዝለብስዎ መዓርግ ከኣ ብጸጋ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብዚ ቅዱስ መዓርግ ብቅጽበት ናብ ክርስቶስ ይልውጦም፡ በዚ ከኣ ካብታ ሢመት ንድሓር ዲያቆን፡ ቢልና ንጽውዖም፡ነቲ እንፈልጦ ወድና/ሓውና ~ ንቅዱስ ነገር ዝተሓዝኤ ዓዱን ዓውዱን ገዲፉ፡ ካብ እንዳ ኣቦኡ ዝግብኦ መሰልን ገዲፉ፡ ንናይ ክርስቶስ ተልእኮ ድልው ይኸውን፡ ብኻልእ ኣዘራርባ ንዓለም ይመውት ንተልእኮ ይውለድ፡እዚ በዓል ሢመት በቲ ሓደ ሞቱን ተስካሩን ንገብር በቲ ካልእ ከኣ ንተልእኮ ስለዝኣቱ ናይ ሕልፎት እንግዶት እዩ፡ምስጢሩ እቲ መ/ቅዱስ ዘብርሃሉ እንተዘይኮነ፡ ክትርድኦ ዕፁብ እዩ፡ ንኢየሱስ “ክኽተለካ” ማለት፡ ኩሉ ሸጥካ፡ኣብ ዓለም ከሎኻ፡ ናብ ዓለም ከምዘይትምለስ ኣረጋጊጽካ ምስዓብ ኢዩ...)። እሞ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዲያቆን ቢልና ኣብ ሠሪዓ ቅ.ቁርባን ኣገልግሎት መቅደስ ንምሉእ ሕይወቱ ይውፈ።ቀጺሉ ዘሎ መዓርግ ምስ ተቀበለ ከኣ “ኣባ” ቢልና ወድና ከሎ ኣቦ መንፈስና ይኸውን። ነቲ ልዑል ስለዝተወሰነ ከኣ ፍሉይ ክብሪ ንህቦ፡እዚ ጉንዖ ኣይኮነን ወይ ከኣ ከምዚ ደቂ ዘመን ዝብልዎ ብርጅዋነት ኣይኮነን፡ ንመልዕልተ ባህርይ ዘይምርዳእ ሥቃይ ሕልና እዩ፡ ከምቲ  “እዚ ጻድቅሲ ይኸብደና ንስራሓትና ብምቅዋም ከኣ ይግስጸናን፡ ክፍኣትና ይገልጸልናን፡ ጉድለት ትምህርትና ይዛረብን ኣሎ`ሞ ንቅተሎ....”(ጥ.ሰሎ.2፡12) ዝብሎ ብዛዕባ ክርስቶስ ዝኾነ ፡
 
ኣልቦ ኣምላክ ዝፍልስፍናኡ ወለዶ ከኣ “እዛ ቤተ ክርስትያን ትኸብዳና ንሥራሕና ብምቅዋም ከኣ ትግሥፀና፡ ክፍኣትና ትገልጸልና፡ ንጉድለት ትምህርትና ትግስጽ፡ ኣላ`ሞ ንእለያ ይበሃሃሉ፡ ኣተኣላልያኣ ከኣ ዓይናን እግራን ንዝኾኑ ልኡኻት ምጽናት እዩ፡ እዚ እዩ ናይ ናይ ዓለምን ናይ ደቂ ዓለምን ክፍኣት፡ ኣምላኽ ብጸጋኡ ንቤተክርስትያኑ ይሓልየላ እዩ`ሞ ብጸሎት ንንቃሕ።
 

ምስጋና እዩ፣ ኣምላኽ በቲ ዓቢይ ሓልዮቱ ጸጋ ዲቍና ዝለብሱ ዝሃበና ፣ ሎሚ እዚ ንቤ/ያና  ዓቢ ብሥራትን ሓጎስን እዩ፣፣  ዘገልግሉ ስለ ዝረኸበ እዚኣቶም ነዚ ናይ ዘመኖም ወለዶ መንፈሳውያን መራሕቲ ናይ ዘመኖም ልኡካነ ወንጌል ኢያቶም፡ እሞ ልዑል እግዚአብሔር ዝተመስገነ ይኹን፡ 
ነዞም ናይ ሎሚ ዲያቆናት ኣብዚ ንኽበጽሑ ዘወፈዩ ወለድን ዝጸዓሩ መማህራንን ገዳሞም፡ እንቋዕ ፍረ ጻማኹም ረኸብኩም እናበልኩ ምስጋናይ እናቅረብኩ ኣብ ዕለተ ክህነቶም ብደሓን የጽንሓና ፣፣   

 

 








All the contents on this site are copyrighted ©.