2017-08-16 16:09:00

ብምኽንያት ዝኽሪ ቅዱስ ማሲሚሊያን ማሪያ ኮልበ ቅዱስ ኣቦና ዕለት ብዕለት ኣብ እግዚኣብሔር ኣሜን ንኽንብል ይምዕዱ


ናይ ላቲን ስርዓት እትክተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 14 ነሓሰ ዝኽሪ ሰማዕት ቅዱስ ማሲሚሊያኖ ማሪያ ኮልበ ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ትዊተር እተሰምየ ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ @Pontifex ኣድራሻኦም ኣቢሎም ኣብ ጐይታ ኣሜን ምባል ካብ ኣለዳ ዝጅምር ኣብ ዕለታዊ ጉዕዞ ዝንበር እዩ ዝብል ቃለ ምዕዳን ከምዝፈነዉ መግለጺ ቅድስቲ መንበር ኣፍሊጡ።

ሰማዕት ቅዱስ ኮልበ ብማርያም ኣቢሉ መላእ ሕይወቱ ንእግዚአብሔር ዘወፈየ ውልደ ፖላንድ ኣባል ማሕበር ገዳማውያን ንኡሳን ፍራንቸስካውያን ኣሃው ኣብ 1917 ዓ.ም. በቲ እዋን ኣብ ዝነበረ መራኸቢ ብዙሃን ድሓርውን ብፈነወ ራዲዮ ኣቢሉ ማርያማዊ መንፈሳውነት ንምስፋሕ ኣሚቱ ሰራዊተ ንጽሕት ድንግል ማርያም ማሕበር ዝመስረተ ምዃኑ ክዝከር እንከሎ፡ ብስርዓት ናዚ ኣብ ኣውሽዊዝ መዳጐኒ ሰፈረ ሕልቂት ሓደ ምስኦም ተኣሲሩ ዝነበረ ክቕተል ምስ ተፈርዶ ኣቦ ስድራ እዩ እሞ ኣክንድኡ ንኣይ ቅተሉ ቢሉ ገዛእ ርእሱ ኣክዲ ሓው ንሞት ኣሕሊፉ ዝሃበ እቶም ካልእቶ ትሽዓተ ምሳኡ ብሓባር ናይ ሞት ፍርዲ ዝተበየኖም ድማ ክጽልዩን ምህለላ ንማርያም ከቕርቡን እናተባብዐ ተስፋን እምነትን ፍቕርን ዘስፍሐ ምዃኑ ዘዘካኸረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግልጺ ኣስዒቡ፥  ዕለት 14 ነሐሰ 1941 ዓ.ም. ከምእተቐትለን ቅድሚ ምማቱ ነቶም ኣብ ቅድሚኡ ዝሕልውዎ ንዝነበሩ ወትሃደራት ናዚ ጽልእ ጥቕሚ የብሉን ዝፈጥር ግና ፍቕሪ እዩ ቢሉ ሰላም ለኪ ኦ ማርያም ጸሎት ክምዝደገመ ዕለት 29 ሓምለ 2016 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና እቲ ኣብ ፖላንድ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ምኽንያ ተረኺቦም ኣብ ኣውሽዊዝ ምብጻሕ ኣካይዶም ናብታ ቅዱስ ሰማዕት ማሲሚሊያኖ ኮልበ ተኣሲሩላ ዝነበረት ቤት ማሕቡስ በጺሖም ናይ ሕሊና ጸሎት ምስ ኣብጺሖም ኣብቲ ናይ በጻሕቲ ሓሳቦም ዘንብርሉ ሰነድ፥ ኦ ጐይታ ንሕዝብኻ መሓሮ! ነቲ ኵሉ ግብረ ክፋኡ ድማ መሓር ዝብል ጸሎት ከምዝጸሓፉ የዘኻኽር።








All the contents on this site are copyrighted ©.