2017-08-14 14:38:00

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ በልጅም ናብ ዝክረቡ ናይ ካቶሊክ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣባይቲ ሕክምና


ህሙማንን ኣካለ ስንኩላንን ኣብ ምእላይ ዘገልግል ጳጳሳዊ ተቛም ሕጋዊ መሰል ዘለዎ ናይ ፍቕሪ ኣሓው እተሰምየ  ኣብ በልጅም ኣብ 1899 ዓ.ም. ብሓደ በልጂማዊ ካህን ዝተመስረተን ብፍቓድ ቅድስቲ መንበር ዝቖመ ካቶሊካዊ ማሕበር፥ ኣገልግሎት ኣብ ዝህበሉ ናይቲ ማሕበር ኣባይቲ ናይ ስነ ኣእምሮ ሕክምና ነቶም ገና ፈውሲ ብዘይተረኽበሎም ሕማም ዝተጠቕዑ ብፍቓዶም ካብ ስቓይ ንኽላቐቑ ቢሎም ብመሰረት ናይ በልጂም ሕጊ ስቓይ ብዘይብሉ ሞት ንኽሞቱ ዘቕርብዎ ሕጊ ኣብ ግብሪ ይውዓል ዝብል ሕቶኦም ከይትግብሩ ዝእዝዝ ናይ ውሳኤ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 10 ነሐሰ 2017 ዓ.ም. ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግልጺ ዝጠቐሳ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣድሪያና ማሶቲ ሓቢረን።

እቲ ማሕበር ኣሃው ደቂ ፍቕሪ ኣብ ቤልጂም 15 ኣባይቲ ሕክምና ዘለዎ ክኸውን እንከሎ፡ እቶም ገና መድሃኒት ብዘይተረኽቦ ሕማም ዝተጠቕዑ ካብቲ ዝነብርዎ ከቢድ ስቓይ ክገላገሉ ዘቕርብዎ ሕቶ ብሰለስተ ሓኻይንም ብሓደ ናይ ስነ ኣእምሮ ሓኪም ብዝሓቁፍ ጉጅለ ውሳኔ ዝወሃቦ ክኸውን እንከሎ፡ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ግና ሕይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ዝብል ሃምነናዊ ትምህርቲ እምነት እትኽተል ብምዃና፡ ዝዀነ ይኹን ካቶሊክ ነዚ ትምህርቲ ዝቕበል ክኸውን ስለ ዘለዎ ድማ፡ እቶም ሓኻይም ብዘለዎም ጸዋዕታን ካቶሊካዊ ሓላፍነትን ከኽብርዎ ትሑዛት እያቶም።

ናይቲ ናይ ፍቕሪ ኣሃው እተሰምየ ማሕበር ሓላቓ ኣብ በልጂም ራፍ ደ ርይከ ብወገኖም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እቲ euthanasia ምሕረተ-ቅትለት ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ነቶም ኣብ መሪር ስቓይ ንዝርከቡ ናይ ምሕዋይ ዕድል ንዘይብሎም ምኽንያታዊ ዝዀነ ካልእ ኣማራጺ ክንክን ጥዕና ንምቕራብ ኣብ ዘይከኣለሉ ድረጃ ምስ ተበጽሐ ምሕረተ ቅትለት ምስ ዝሓቱ ነቲ ዝቕርብዎ ሕቶ ብጥንቃቔ ተጸኒዑን ናይ ሓኻይም ነጻነት ብዘኽብር ኣገባብ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ምዃኑ እንክሕብሩ። ናይዚ ማሕበር ዋና ቤት ኣብ ሮማ ዘሎ ኣብ 2017 ዓ.ም. ወርሒ ግንቦት ኣብ ዘውጽኦ ወግዓዊ መግለጺ ድማ፥ ምሕረት ቅትለት ምስ ናይ ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ ዓንቀጸ እምነት ዝጻረር እዩ እንክብል ምሕረተ ቅትለት ዘይቅቡል እዩ ቢሉ ምሕረት ቅትለት ንናይ ሓኻይን ናይ ክንክን ጥዕና ሞያ ዝምልከት እዩ ቢሉ ዝሃቦ መግለጺ ከምዘሎን። እዚ ምሕረተ ቅትለት ብኸምዚ ዝበለ ሓሳብ ገሊጹ ቅቡል ዘብሎ  ከምዘሎ ዘመልክት ርእየት ብሓደ ናይ ክርስቲያን ተቛም ክግለጽ ፈለማ ምዃኑ ናይቲ ማሕበር ጠቕላሊ ሓለቓ ረነ ስቶካን ገሊጾም ምሕረተ ቅትለት ዘይቅቡልን ዘይምኽንያታውን ዕንቅፋን እዩ ቢሎም እቲ ብማሕበሮም ዝመሓደር ኣባይቲ ሕክምና ኣብ በልጅም ነቲ ውሳኔ ምሕረተ ቅትለት ፍቑድ ዝብል ናይ በልጂም ሕጊ ከኽብር ካብ መንግስቲ ብዙሕ ጸቕጢ ዘጋጥሞ እውን እንተዀነ፡ ነቲ ሕጊ ኣብ ዘይ ምኽባር ጽኑዓት ምዃን የድሊ፡  ግብረ ገብን ሃይማኖትን ዝነጽግ ኣብ በልጂም ዝሰፍሕ ዘሎ ባህሊ ነታ ሃገር ናብ ውድቀት ይድርኻ ኣሎ እንክብሉ ገሊጾም ከምዝነበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሳ ማሶቲ ኣስዒበን፥ ሓው ዶክተር ረነ ስቶኮልማ ብዛዕባ ምሕረተ ቅትለት ናይ በልጂም ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዓንቀጸ እምነት ዝተሰርተ መርገጺ ገይሮም ሓሳቦም ከቃልሑ ጻውዒት ኣቕሪቦም ብዛዕባ ኣብ ምኽባር እቲ ናይ ምሕረተ ቅትለት ሕጊ ዝምልከት ኣሰራርሓ ኣብቲ ብማሕበሮም ዝመሓደር ኣባይቲ ሕክምና ክሳብ ክንደይ ተሓታቲ ምዃኑ ዘጻርይ ምርመራ ክካይድ ድማ ከምዝወሰነ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣድሪያና ማሶቲ ሓቢረን።።

ቅዱስ ኣቦና በቲ ጳጳሳዊ ናይ ሕይወት ተቛም ኣቢሎም ናብተን ኣብ በልጂም ዝርከባ ናይ ፍቕሪ ኣሃው ኣባይቲ ሕክምና ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ውሳኔ ሰነድ፥ ግብረ ምሕረተ ቅትለት ጠሪሹ ኣብ ግብሪ ከይውዕል እንክብሉ ጽኑዕ ትእዛዝ ሂቦም ነዚ ውሳኔ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን’ዚ ኣብ ምኽባሩ ብኹር ዝዀነ ሕገ ቀኖና መሰረት ዝገበረ ክሳብ ውጉዝ ዝብል ጽኑዕ ፍርዲ ክወሃብ ምዃኑ የነጽሩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝተወከሳ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣድሪያና ማሶቲ ሓቢረን።

ኣብ በልጂም euthanasia-ምሕረተ ቅትለት (ስቓይ ዘይብሉ ሞት ምሃብ) ዝሓቱ መብዛሕቲኦም ብሕማም መንሽሮ ወይ ከኣ ሰለይ እናበለ ሰብነትን ጅማውትን ብዘልምስ ኣንቆልቋሊ ብዝኣመሰሉ ሕማማት ዝተጠቕዑ ህሙማን ክዀኑ እንከለዉ፡ እቶም ብምዝባዕ ጥዕና ኣእምሮ ዝተጠቕዑ ካብዚ ሕማም’ዚ ክድሕኑ ዘይክእሉ ምስ ዝዀኑ ድማ  ስቓይ ዘይብሉ ሞት ካብ ዝሓቱ ዝሓቱ ሰለስተ ሚእታዊ ዝሽፍኑ ከምዝዀኑን ካብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ንነጀው መድሃኒት ብዘይተረኽበሉ ሕማም ዝተጠቕዑ ዜጋታት ስቓይ ዘይብሉ ሞት ዝሓትቱ ብዝሒ ክብ ይብል ከምዘሎ ኣድሪያና ማሶቲ ገሊጸን።








All the contents on this site are copyrighted ©.