2017-08-10 09:38:00

ናይ መላእ ሃገራ እስያ ሓቆፍ መዓልቲ ካቶሊካውያን መንእሰያት


ዕለት 30 ሐምለ 2017 ዓ.ም. ኣብ ኢንዶነዢያ ርእሰ ከተማ ጃካርታ ዝተኸፍተ መዓልቲ ናይ መላእ እስያ ካቶሊካውያን መንእሰያት ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ መተሃደራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ናይ ኢንዶነዢያ ምኽትል ርእሰ ብሔር ኡሱፍ ካላን ዝተረኽብሉ  ብዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምእተዛዘመ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና አገልግሎ ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ መዓልቲ ካቶሊካውያን መንእሰያት እስያ መዛዘሚ ዕለት ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ፥ ናይ እስያ ካቶሊክ  መንእሰይ ጸኒዑ መልሲ ንዝህበሉ ካብ ጐይታ ንዝቕበሎ ጸዋዕታ ጽን ክብል ሓደራ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ዝገለጸ ኤሺያን ኒውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥ መንእሰያት ናይ ማርያም እነኹልካ ዝበልካዮ ይኹለይ ቢላ ኣብ ናይ እግዚኣብሔር መደብ ምድሓን ሙልእነታ ንኸተረክብ ዝገለጸቶ ፍጹም ለጋስነት ኣብነት ኣስተንፍሶ ገይሮም ሓዋርያትን ልኡካነ ወንጌልን ክዀኑ ንናይ ማርያም ኣፍቃሪ ኣደነት ገዛእ ርእሶም ከወክፉ መታን ብኣማላድነታ ክጽልዩ ከምዘተሓሳሰቡ ኣፍሊጡ።

እዚ ኣብታ ህብረ ባህሊ ኣብ ዝዀነት እስያ ወንጌል ምንባር ብዝብል ቃል ተመሪሑ ዝተኻየደ እስያ ሓቆፍ መዓልቲ ካቶሊካውያን መንእሰያት ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዱ ናይቲ ናይ ዝተፈላለያናይ ኵላኢት ቢተ ክርስቲያን ናይ ተራድኦ ማሕበራት ዝሓቁፍ ካሪታስ ኢንተናዚዮናሊስ ኣቦ አንበር ናይ ፊሊፒንስ ርእሰ ከተማ ማኒላ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ልዊስ  ኣንቶኒዮ ታግለ፥ ኣብ ናይ እስያ ሓቆፍ መዓልቲ ካቶሊካውያን መንእሰያት ክሳተፉ ንሳልሳይ ግዚኦም ከምዝዀነ ገሊጾም ኣብታ ህብረ ባህልን ህብረ ሃይማኖትን ኣብ ዝንበረላ እስያ ዝነብር መንእሰይ ንሓድ ሕዱ ብምርኻብ ባህሊ ዝገልጾ ምቅርራብን ምክብባርን ዝዓሰሎ ህብረኣውነት ንኽነብርን ናይ ሰላም መጋበሪያ ንኽኸውን ይድርዀ ቢሎም፥ ዘሎ ባህላውን ሃይማኖታን ፍልልይ ንምቅርራብን ንምፍላጥን ዝድርኽ እንተደኣ ዘይኰይኑ ናብ ፈላላይ መናድቕ ዝድርክ እዩ ዝኸውን ነዚ ዝስተውዓለት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ እስያ እቲ መንእሰይ ናይ ሰላምን ናይ ምርኻብን ባህሊ ምስክር ክኸውን ትሓንጽን ትምዕድን ኢሎም።

ኣብ ዓለም ዝርአይ ህልውናውን ባህላውን ኤኮኖሚያውን ተነጽሎ ክውገድ ቤተ ክርስቲያን ናብቲ ናይ ከተማታትናን ህልውናን ደጋዊ ክፍሊ ዝዀነ ኣብ ድኽነት ዝነብር ሕዝቢ ቀረባ ብምዃን እቲ ደጋዊ ክማእከል ብቓልን ሕይወትን ትምስክር እዚ ድማ እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊጳ. ፍራንቸስኮ ር.ሊ.ጳ. ሓዋይራዊ ግብረ ኖልዎ ዘተሓሳስቦ እዩ ምስ በሉ፥ እቲ ኣብ ኢንዶነዢያ ዝተኻየደ ሻብዓይ እሲያ ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰይ ዘቃለሖን ህብረ ባህልን ህብረ ሃይማኖትን ክብሪ ምዃኑ ዝመስከረሉ ቅዱስ እዋን ኢዩ ኔሩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።  








All the contents on this site are copyrighted ©.