2017-08-10 18:32:00

ቤተክርስትያን ምሕረት እግዚኣብሔር ብዘስተማቅሩ ሓጢኣተኛታት ዝቆመት እያ! ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ


‘ናብታ ሰበይቲ ግልጽ ኢሉ ኸኣ ንስምኦን፥ “ነዛ ሰበይቲ እዚኣስ ትርእያዶ አሎኻ፧ ኣነ ኣብ ገዛኻ ኣትየ ንእግረይ ማይ ኣይሃብካንን፡ ንሳ ግና ብንብዓታ ኣእጋረይ ኣጠልቅያቶ ብጸጉሪ ርእሳውን ደሪዛቶ።  ንስኻ ኣይተሰዓምካንን፡ ንሳ ግን ካብ ዝኣቱ ጀሚራ ኣእጋረይ ካብ ምስዓም  ኣየቋረጸትን። ንስኻ ንርእሰይ ብዘይቲ ኣይለኼኻንን፡ ንሳ ግን ኣእጋረይ ብቅብኢ ለኸየቶ። ስለዚ፡ ንሳ ብዙሕ ስለ ዘፍቀረት፡ እቲ ብዙሕ ሓጢኣታ ተሐዲጉላ እዩ፡ እብለካ አሎኹ። እቲ ቚሩብ ዝተሓድገሉ ግን ቚሩብ እዩ ዜፍቅር” በሎ። ንኣእ ኸኣ፥ “ሓጢኣትኪ ተሐዲጉልኪ እዩ” በላ። እቶም ምስኡ ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ዝነበሩ ኸኣ ንሓድሕዶም፥ ~እዝስ ሓጢኣት ከይተረፈ ዚሐድግ፡ መን ኮይኑ እዩ፧ ኪብሉ ጀመሩ። ንሱ ከኣነታ ሰበይቲ፡ “እምነትኪ እያ ዘድሓነትኪ፡ ብሰላም ኪዲ!” በላ። (ሉቃ 7.44-50)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ክንበብ ኣብ ዝሰማዕናዮ ኣብቲ መኣዲ ስምዖን ፈሪሳዊ ተቀሪቦም ዝነበሩ “እዝስ ሓጢኣት ከይተረፈ ዚሐድግ፡ መን ኮይኑ እዩ፧” ክብሉ ንረኽቦም፣ ኢየሱስ ንዓኦም ዕንቅፋት ዝኾኖም ነገር ገሩ፣ ሓንቲ ናይቲ ከተማ ሰበይቲ ብኩሎም ከም ሓጢኣተኛ ትፍለጥ ኣብ ገዛ ስምዖን ትኣቱ እሞ ኣብ እግሪ ኢየሱስ ተምበርኪኻ ጽቡቕ ሽቱ ዘለዎ ዘይቲ ተፍስስ፣ ኩሎም ኣብቲ መኣዲ ዝነበሩ ከጒረምርሙ ይጅምሩ፣ ኢየሱስ ብሓቂ ነቢይ ነሩ እንተዝኾውን እዚ እዛ ሰበይቲ ትገብሮ ዘላ ክቅበሎ ኣይነበሮን። እተን ከምዚኣ ሰበይቲ እዚኣ ሓጢኣተኛታትን ድኻታትን ዝኾና ወላ እቶም ኣሕሉቅ ከይተረፉ ብሕቡእ ዝረኽብወን እንተዘየሎ ብእምኒ ተወቂረን ክሞታ ኣለወን፣ ከም ኣተሓሳስባ ናይቲ ግዜቲ እንተኾይኑ ሓጥእን ጻድቅን ንጹሕን ዘይንጹሕን ንጹር ብዝኾነ መንገዲ ክፈላለዩ ነርዎም። እንተኾነ ናይ ኢየሱስ ኣመለኻኽታ ካብዚ ይፍለ ነሩ፣ ኣብ ገሊላ ተልእኮኡ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ናብ ለምጻማት ኣጋንንቲ ዝሓዝዎምን ንዝሓመሙን ኣላዩ ንዘይብሎምን ብምቅራብ ይፍውሶም ነሩ፣ እዚ ከምዚ ዓይነት ጠባይ ልሙድ ስለዘይነበረ ነቶም ተጻረርቱ ጻዕጻዕ የብሎም ነሩ፣ ዝሳቀ ሰብ እንተልዩ ኢየሱስ ውራይ ኢሉ ነቲ ስቃይ ይስከሞን ይርሕራሓሉን፣ ኢየሱስ ከምቶም ጽንዓት ክብሉ ዝምህሩ ንስቃይ ብጽንዓት ተጻዊርካ ምኽኣል ክምህ ዘይምባል ኣይኮነን ዝመሃረ እንታይ ደኣ ስቃይ ብጻይካ ክትካፈሎ ከምዘሎካ ብምምሃር ባዕሉውን ንስቃይና ተኻፊሉ ምሕረቱ ከምዝለገሰልና ይገልጽ። ልቡ ምሉእ ምሕረት ስለዝኾነ ከኣ ኣብ ቅድሚ ስቃይ ደቂ ሰባት ዝስምዖን ዝገብሮን ምሕረት እዩ፣ ስለእነደንግጾ ይርሕራሓልና፣ ኣብ ወንጌል ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ዝጠመዩን ዝጸምኡን ምስ ረኣየስ ይኹን ብዝተፈላለይ ሕማም ነፍስን ስጋን ንዝተደነሰ ብምዕዛብ ከምዝርሕራሓሎምን ከምዝፍውሶምን ይገልጽ።  ልቢ ኢየሱስ ንልቢ እግዚአብሔር ኣብ ማእከልና ህልው ገሩ ከምዝገልጾን ዝሳቀ ሰብ ምስ ረኣየ ብኡ ንብኡ ክሓዊ ሓራ ክወጽእን ምልኣት ሕይወት ክረክብን ከምዝደሊ ንግንዘብ፣

ስለዚ ኸኣ እዩ ኢየሱስ ኢዱ ዘርጊሑ ንሓጢኣተኛታት ዝቅበል፣ ሎሚ እውን እንተኾነ ኣብ ግጉይ ሕይወት ዝነብሩ ዝምልከታኦም ርሕሩሓት ኣዕይንቲ ብልቢ እግዚኣብሔር ብተስፋ ዝጥምቶም ዝሰኣኑ ኣለው፣ ኢየሱስ ግን ወላውን ናይቶም ግጉይ ምርጫ ዝገበሩ ዳግም ክትንሥኡ ከምዝኽእሉ ይርኢ፣ ኢየሱስ ወትሩ ብክፉት ልብን ዝተዘርግሓ ኣእዳውን ይምሕር ይሓቊፍ ይርዳእ ይቀርበና! እዚ እዩ ኢየሱስ ማለት! እዚ ማለት ግን ብቀሊሉ ዝርከብ ቊሩብ ዋጋ ዝኽፈሎ ኮይኑ ስለዝረኣየና ንዝንግዕ፣ ኣብ (ማር 2.1-12) ንሓደ ሰብ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ ምስ በለ ክቃወምዎ ተረኽቡ፣ እዚ ሰብዚ ብድርብ ጸገም ይሳቀ ነሩ ብሓደ ወገን ለሚሱ ክኸይድ ይኽእል ኣይነበረን በቲ ካልእ ወገን ከኣ ሓጢኣቱ ይፍለጦ ነሩ፣ ክርስቶስ ከኣ ነቲ ዝዓበየ ስቃዩ ስለዝተረድኤ ‘ወደይ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ’ ክብል ነጻነት ይእውጀሉ። ነቲ ተጻዒንዎ ዝነበረ ሓጢኣተኛ ምዃን ይቅንጥጠሉ፣ ኣብኡ ካብ ዝነበሩ ጸሓፍቲ ከኣ ከምቲ ሎሚ ኣብ ማእከልና ዘለዎ ካቶሊካውያን ፍጹማን ኢና ብምእማን ንካልኦት ዘቆናጽቡ ክትርኢ ክንደይ ኮን የሕዝን፣ እቲኦም ጸሓፍቲ እውን ኢየሱስ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ ክብል ምስ ሰምዑ ንእግዚአብሔር ይጸርፍ ኣሎ ከመይ እግዚኣብሔር ጥራሕ እዩ ሓጢኣት ዝሓድግ ብማለት ኣጒረምረሙ፣ ወዮ እቲ ነዚ ዝብል ዝነበረ ወዲ እግዚኣብሔር ምዃኑ ዘንጊዖም፣

ንሕና እዞም ከድካ ብምንዛዝ ብቀሊሉ ሕድገት ሓጢኣት ምርካብ ዝለመድና ኢና ኮይኑ ግን እዚ ንፍቅሪ እግዚብሔር ዓቢ ዋጋ ኣኽፊልዎ እዩ፣ ወዱ ኣብ መስቀል ከምዝውዕል ዝገበረ እዩ፣ ነዚ ወላ ንእንኮ ሰብ እውን ምገበሮ ከመይ ምሕረቱ ንዘለዓለም እዩ፣ ኢየሱስ ኣብ መስቀል ዝተሰቅለሉ ቀንዲ ምኽንያት ሕሙማት ንምፍዋስ ወይውን ፍቅሪ ንምስባኽ ወይውን ብፅዕና ንምእዋጅ ኣይኮነን እንታይ ደኣ ስለ ሕድገት ሓጢኣት እዩ ተሰቂሉ ምሉእ ነጻነት ደቂ ሰባት ወሳኒ ሓርነት ልቢ ደቂ ሰባት ንምምጻእ እዩ ተሰቂሉ፣ ከመይ ፍጹም ፍቅሪ ስለዝኾነ ወዲሰብ ምስቲ ዘይድመስስ በሰላ ሓጢኣት ኣቦና ኣዳም ንዘለዓለም ክሳቀ ስለዘይደለየ ወትሩ ንሓጢኣተኛታት ከናዲ ይወፍር ንሕና ኩልና ከኣ ክፍልና ምስእዚኦም እዩ።

ብኸምዚኸስ ሓጢኣተኛታት ይመሓሩ፣ እዚ ምሕረትዚ ኣብ ደረጃ ስምዒትን ስነኣእምሮን ዝተርፍ ኣይኮነን ሓዲስ ተስፋን ሓዲስ ሕይወትን ዝህብ ሓዲስ ልቢ ዝፈጥር ጐይታ እዩ። ብፍቅሪ ዝተሓትመት ሕይወት ይህብ። ከም ኣብነት ናይቲ ኣካቢ ቀረጽ ዝነበረ ብኩሎም ሓጢኣተኛ ዝቊጸር ዝነበረ ሓዋርያ ክርስቶስ ይኸውን፣ ዘኬዎስ ሃብታምን ብብልሽውና ዝተቈማጠዔን ኣብ ሓደ ገባር ሠናይ ይቅየር፣ እታ ሓሙሽተ ኣሰብኡት ዝነበርዋ ሳምራዊት ሰበይቲ ንዘለዓለም ካብ ውሽጣ ዝፍልፍል ማይ ሕይወት ትረክብ፣ በዚ ከምዚ ዝበለ ኣገባብከስ ኢየሱስ ንልቢ ደቂሰባት ይልውጥ ምስ ነፍስ ወከፍና ከኣ ከምዚ እዩ ዝገብር፣

እግዚኣብሔር ንቤተክርስትያን ምንም ብዘይጋገዩ ሰባት ዘይምቋሙ ከተሓሳስበና ኣለዎ። ቤተክርስትያንከስ ምሕረትን ርሕራሐን እግዚኣሔር ብዘስተማቅሩ ሓጢኣተኛታት ዝቆመት እያ፣ ቅ.ጴጥሮስ ደርሆ ምስ ነቀው ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ልዕሊ እቲ ልቡ ዘሕበጠሉን ካብ ካልኦት ንርእሱ ኣብሊጹ ዝምልከተሉን ዝነበረ ናእዳን ተስፋን ዝተገልጸሉ ክፈልጥ ክኢሉ፣

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ንሕና ኩልና ድኻታትን ሓጢኣተኛታትን ኰና ናይቲ ዝልውጠናን ዕለት ዕለት ተስፋ ዳግም ዝህበናን ምሕረት እግዚኣብሔር ዘድልየና ኢና፣ ነቶም ነዚ ዝርድኡ ሰባት ከኣ እግዚአብሔር ነታ ብፍቅሪ ኣሕዋትን ኣሓትን እትልለ ዝዓበየት ትዕድልቲ ንማንም ዘይትኽላእ ምሕረት ንተልእኮኦም ይልግሰሎም፣ ተስፋናኸስ እዚ እዩ። በዚኸስ ኣብ መሓሪ ዝኾነ ፍቅሪ ኢየሱስን ኣብ ምሕረቱን ብምትእምማን ንቅድሚት ንገስግስ፣ እንክብሉ ናይ ቤተክርስትያን ቀንዲ ተልእኮ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.