2017-08-09 16:58:00

ቅዱስ ኣቦና፥ ምሕረት ልባትና ናጻ የውጽእን ተስፋ ይዕድልን ንቤተ ክርስቲያን የጽንዕ


ምሕረት ናጻ የውጽእን ከም ብሓድሽ ናይ ሕይወት ጉዕዞ ነኸተበግስ ይድርኽ፡ ምሕረት ተስፋ ይዕድል። ብዘይ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ኣይትጸንዕንዝብል ሓሳብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ዕለት 7 ነሐሰ 2017 ዓ.ም. በቲ ኣብ ትዊተር እተሰምየ ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ @Pontifex ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም ከምዝፈነዉ ልእኽቲ ጋዘጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጋብርኤላ ቸራዞ ሓቦረን።

ምሕረት ዝብል ቃል ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ቅዱስ ጰጥሮሳዊ ተኸልነት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ማእከል ምዃኑ ካብታ ዝተሓርዩላ ዕለት ኣትሒዞም ዝገለጽዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ እዩ። ኣብዚ ር.ሊ.ጳጳሳዊ መርሕነቶም ምሕረትን ሓልዮትን መንግስተ ሰማይ ዘፍርይ ምዃኑ ኣርጊጾም ዘተሓሳስቡን ኣብ ናይ ለምዘበን በዓለ ጰራቅሊጦስ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝለገስዎ ስብከት ኣብ ምሕረት ዘተኰረ ምንባሩ፡ “ምሕረት ብርታዐ እዩ። ምሕረት እቲ ውድቀት ከይህሉ ዝገብር ኩሉ ዘጽንዕ ዓቢይ ፍቕሪ እዩ። ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝምንጭው እዩ” ዝብል ሓሳብ ድማ ኣጽኒዖም ዝገለጽዎ ሓሳብ ይምስክሮ፡ ኣብቲ ኢዮበል ፍሉይ ናይ ምሕረት ዓመት እውን፥ ብዘይ ምሕረት ማሕበረ ክርስቲያን ጸኒዑ ደው ኣይምበለን፡ ስለምንታይ ኣብ ምሕረት ኣቐዲሙ ብዘይ ብቕዓትናን ዘይግብኣና ክነሱ ብናጻ ዘፍቕረና ምዃኑ ይረጋገጽ። ክርስቲያን ዝተምሓረ ብምዃኑ ንሓዉ ክፈርድ ኣይግብኦን። ይቕረ ምሕታት ናይ ገዛእ ርእስኻ ሓጢኣት ምልላይን ብተመሳሳሊ መገዲ ድማ ቀሊል ኣውን እንተዘይኰነ ናይ ካልእ (ናይ ብጻይካ) ድኻምነት ኣፍልጦ ምሃብ የድሊ” እንክብሉ ደጋጊሞም ከዝገለጹን፥ ብተመሳሳሊ መገዲ እውን ኣብ ናብራ ሓዳር ኣብ መንጐ ሰብ ቃል ኪዳን ምሕረትን ይቕረን ወትሩ ክህሉ ሓደራ ከምዝበሉ ልእክቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸራዞ የመልክታ።

ብዝተጥዓሰ  ልቢ ናብ መሓሪ ኣቦ ምምላስ እንተድኣ ንፈልጥ ኰይንና ውጅሂ ናይቲ መሓሪ ኣቦ ጠሪሹ ኣብ ምምሓርና ዘይስልክይን ዘይደክምን እዩ። ምሕረቱ ንምምላስና ይቕድሞ። እግዚኣብሔር ዘይኰነ ኣነ እየ ኣብ ምሕረቱ ዝደክም እቲ ድኻም ኣብ ምሕረት ሓታቲ ሰብኣዊ ፍጡር እዩ ዘሎ፡ ከምዝበሉን ዕለት 4 ነሓሰ 2016 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ብበዓለ ምሉእ ናይ ስርየተ ሓጢኣት ዘኣሲዚ ምኽንያት ተረኺቦም፥ ዕዳኻ ክሓድኩልካ ትድልይ፡ ተዓዳዪ ንስኻ ምስ እትኸውን ምሕረት ምሃብ ይኸብደካ። ፍትሒ ይውረድ ትብል። ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ግና ቅድሜና እዩ” እንክብሉ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ከምዘተሓሳሰቡ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸራዞ ኣስዒበን፥ ቅዱስ ኣቦና እቶም ሰዓብቲ ክርስቶስ ንዝዀኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ዕለተ ረቡዕ ትምህርተ ክርስቶስ ኣስተምህሮኦም እንክምዕዱ፥ ኣብዚ ቅርሕንትን ጽልዕን ኣጕይዱ ተዓጽዩ ዝነብር ናይ ገዛእ ርእሱን ናይ ካልኦትን ድልያ ሓሴትን ምርግጋእን ሰላምን ዝህውኽ  ሰብ ኣብ ዝበዝሓሉ ዓለም ክርስቲያን ናይ ምሕረት ምስክርነት ዝቕርብ ይኹን ዝብል ሓሳብ ከምዘስመርሉ ገሊጸን።








All the contents on this site are copyrighted ©.