2017-08-05 17:16:00

ኩራቶ ዳርስ፥ ትሕትናን ጸሎትን ናይ ቅድስና ዓንዲ ምዃኑ መስካሪ


ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊክዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 4 ነሓሰ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ዮሓንስ ማሪያ ቪያነይ ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት ናይ ስብከተ ወንጌል ነሕዛብ ዝሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፈርዲናንዶ ፊሎኒ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ “ኩራቶ ዳርስ ኣብ ክህነታዊ ሕይወቱ መንፈሳውነት ግሩም ሕይወት ክርስትና ዘይዘንግዔ እዩ። ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ ስብከት ከምዘስምዑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኤልቪራ ራጐስታ ሓቢረን።

ኣብ 1818 ዓ.ም. ኣብ ፈረንሳዊት ቁሸት እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ንልዕሊ ኣርብዓ ዓመት ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ዘበርከተ ሎሚ ኣብታ ዘገልገለላ ቅዱሳት ትሩፋቱ ኣብ ዝተነበረላ ቤተ ክርስቲያን ብፁዕ ካርዲናል ፊሎኒ ኣብ ዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ናይቲ ቅዱስ ተክለ ሰብነት እንክዝክሩ፥ ኣብዛ ቦታ’ዚኣ ከም ክርስቲያንን ከም ካህንን ኩራቶ ዳርስ ኣብ ጸሎን ትዕግስትን ትሕትናን ዝተማእከለ ቅድስና ብቓልን ሕይወትን ዝመስከረ እዩ። ሎሚ እውን እዛ ቤተ ክርስቲያን እቶም እግዚኣብሔር ዝደልዩን ሰላምን ውሽጣዊ ምጽንናዕ ዝደልዩ ናይ ኮራቶ ዳርስ ተልእኾን ዝቃልሓላ እዩ እዚ መንፈስ’ዚ ጠሪሹ ዘይቦኽረላ ምዃኑ ብዙሓት ካህናት ኣብ ሕይወቶም ናይ ቅዱስ ሕይወት ኣስተንፍሶ ክዕደሉ ዝፍጽምዎ መንፈሳዊ ንግደት ይምስክሮ ኢሎም፥ ኩራቶ ዳርስ ካብ ብሕርሻ እትመሓደር ስድራ ኣብ 1786 ዓ.ም. ኣብ ከባቢ ሊዮነ ኣብ እትርከብ ቁሸት ዳዲልይ ዝተወልደ ምንባሩ ዘኪሮም ንእስነት ሕይወቱ ኣብ እዋን ሰውራ ፈረንሳ ዝነበረን ናይ ሕንጸት ሽግር ዘጋጠሞን እውን እንተዀነ ካብ ወለዱ ኣብ ቅዱስ እምነት ዝተሓንጸን ደሓር እውን ብኣባ ባለይ ኣበ ነፍስ ፍሉይ መንፈሳዊ ማዕበያ ዝረኸበ እውን ምዃኑኑ ዘዘኻኸራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ራጐስታ ኣስዒበን፥ ብፁዕ ካርዲናል ፊሎኒ ትሕትናን ድኽነትን ተኣዝዞን ንጽሕናን ዝብሉ መንፈሳውያን ክብርታት ናይ ሕይወቱ ዓንዲ ዝገበረ ምስ ኢየሱስ ለዋህን ትሑትን ልቢ ጽኑዕ ዕርክነት ዝገበረን እዚ መለለዩ ክርስቶስ ናይ ሕይወቱን ክህነታዊ ሕይወቱ ማዕቅን ገይሩ ዝነበረ ኣፍቃሪ ጸሎትን ቅድስተ ማርያም እዩ” እንክብሉ ከዝገለጽዎ የመልክታ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ማሪያ ቪያነይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ተግባር ናይ ቅዱስ ካህን ኣብነት ከምዝዀነ ክምልከት እንከሎ ኣብ 1925 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 11 ናይ ቆሞሳት ሓላዊ ቅዱስ እንክብሉ ሰምዮም ቅዱስና ከምዝኣወጅሉ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ ማህደር የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.