2017-08-02 08:21:00

አባ ሶዛ፥ ኢየሱሳውያን ኣብ ተልእዀ ዕርቂ ምስ እግዚኣብሔርን ኣብ መንጐ ፍጥረት ሰብን


ብግጻዌ ስርዓት ላቲን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 31 ሐምሌ ዓመታዊ በዓል መስራቲ ማሕበር ኢየሱሳውያን ልኡካነ ወንጌል ቅዱስ ኢግናዚዩስ ዘሎዮላ ዘብዓለትሉ ዕለት ምኽንያት ናይቲ ማሕበር ጠቕላሊ ሐለቓ ኣባ ኣርቱሮ ሶዛ ዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ዘኢየሱስ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት ሸውዓተ ናይ ምሸት ከምዝዓረገ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ሓላፊ ራዲዮ ቫቲካን መደብ ቋንቋ ስፓንሽ ኣባ ጉይለርሞ ኦርቲዝ ሓቢሮም።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ኣባ ኣርቱሮ ሶዛ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት እቲ ኣብ 1534 ዓ.ም. ዝተመስረተ ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣብዚ እዋን’ዚ ክልተ ዓይነት ናይ ተልእኾ ብድሆ ዘለዎ ምዃኑን እቲ ቀዳማይ ብድሆ፥ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ ዕርቂ ዘለዎ ኣስተዋጽኦ ዝብል ምዃኑን እዚ ቀዳማይ ብድሆ’ዚ ንገዛእ ርእሱ ንሓድ ሕዶም ብዝተቛረኑ ሰለስተ ኵርናዓት ዝረአይ እዩ፥ ዕርቂ ምስ እግዚኣብሔርን ዕርቂ ፍጥረት ሰብን ዕርቂ ምስ ፍጥረትን እዩ፡ እዚ ሰለስተ ኩርናዕ ዕርቂ ዕርቂ ምስ ጐይታ ኣብ ዝብል ዓቐን ዝጠቓለል እዩ።

ስለዚህ እቲ ቀዳማይ ብድሆ እዚ ተልእዀ ዕርቂ ምትሕብባር ዝብል እዩ። እዚ ተልእዀ’ዚ ድማ ናይቲ ማሕበር ናይ ገዛእ ርእሱ ተልእዀ ዘይኰነስ ናይ ኢየሱስ ተልዀን ኢየሱስ ንቤተ ክርስቲያን ዝሃባ ተልእዀ እዩ። ከም ኢየሱሳውያን ናይዚ ተልእዀ’ዚ ወገን ኢና። እቲ ኣብዚ ተልእዀ’ዚ ተሓባባርነትና ኣብቲ ምስ ጐይታ ካብ ምርኻብና ዝምንጭው እምነት ዝቖመ እዩ። እቲ ምርኻብና ምስ ጐይታ፡ ካብ ዝህልወና ናይ እግዚኣብሔር ተመክሮ እዩ። እዚ ማለት ድማ እቲ ብጋሰ ካብ ጐይታ ምዃኑ እዩ ዘመልክት። ክደልየናን ክራኸበናን ዝመጽእ ንሱ እዩ። ኣብቲ ናቱ ንኽራኸበና ንምድላይናን ናባና ምባሉ ምስኡ ንኽንራኸብን ንኣኡ ንኽንደልይ እንነብሮ ተመክሮ ኣሎ። ኣብኡ እምነት ብምንባር ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእዀ ተሳተፍቲ ንኸን ይብሉ።

ብኢየሱስ ክርቶስ ኣቢልና ብዛዕባ እግዚኣብሔር ንፈልጥ፡ ኢየሱስ  ናይ እግዚኣብሔር ኣሃድነትን ሰለስታውነትን ይገልጽ። ህልውን ኣብ ታሪኽ ሰብ ዝዓዪ እዩ። እዚ እግዚኣብሔር’ዚ ኣብ ማእከልና ዝርከብ እዩ። እቲ ቀዳማይ ዓቢይ ብድሆ ንዅሉ ክርስቲያንን ንማሕበር ኢየሱሳውያንን ብሓቂ ናይ እግዚኣብሔር መጋበሪያ ንምዃንን ኣብቲ ንሱ ዝዓዮ ንምትሕብባርን ብፍላይ እቲ ናይ እግዚኣብሔር ኣብ ታሪኽ ሰብ ገባሬነቱ ከመይ ከምዝዓዪ ምስትውዓልን ምልላይን ዝብል እዩ።

እቲ ሰራት እምነትና ኣብ እግዚኣብሔር ተመክሮ ናጻ የውጽኣና፡ ስለዚህ በቲ ተመክሮ እግዚኣብሔር ዝጽገወና ናጽነት ኣቢልና ነቶም ኣብ እዋናዊ ዓለም ኣብ መስቀል ንዝስቀሉ ክንጥምት የብቅዓና። ኣብቶም ኣብዚ ኣዋን’ዚ ዝሳቐዩን ኣብ መስቀል ዝሓድሩን ዘሎ ኢየሱስ ነስተውዕል። ካልአ ኢየሱስ እያቶም። ስለዚህ ብዘይ ማሕበራዊ ፍትሒ ድማ ዕርቂ ዘይከኣል ምዃኑ ካብዚ ተመክሮ’ዚ ነስተውዕል። ብዘይ ፍትሒ ክቡር ሰብኣውነት ምንባር ዘይከኣል እዩ። ነጻነት ዝዓሰሎ ሕይወት እውን ዘይሕሰብ እዩ። ኩሉ ብሰላም ተኻፊልካ ዝንበር ክቡር ሰብኣውነት ምንባር ምስ ዝከኣል ነጻነትካ ትነብር።

ኣብ ጎዳና ዕርቂ ዝግብኣካ ኣስተዋጽኦ ብዅሉ ኩርናዓት ምቕራብ ኣብ ዝትያ ዝሃንጽ ይኸውን። ዘተ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት። ዘተ ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስቲያን ማሕበር  ኢየሱሳውያን ድማ በቲ ዘለዎ ኅብረ ባህሊ ናይ ሰብኣውነት ተመክሮ ዘለዎ ብምዃኑ ናይ ሕብረተሰብ መስቲያት እዩ ኢሎም

ቤተ ክርስቲያን ኵላዊት እያ። እዚ ኵላውነት ባህርይ ቤተ ክርስቲያን ንኵላውነት ከይድና ዝሓንጽን ዘተባብዕን እዩ። እዚ ኵላውነት’ዚ ባህላዊ ፍልልያት ዝጥሕስን ዘወግድ ኣይኰነን፡ ለምንታይ ናይ ቅድስቲ ስላሴ ነጸብራቕ ስለ ዝዀነ። እግዚኣብሔር ስላሴ ፍሉይን ሓደን እዩ። ኣንሕና እውን ዝተፈላለዩን ሓደ ሰብኣውነት ዘሎና ኢና።

ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ። ኣብ መንጐ ዘርኢ ሰብ ዕርቂ ክህሉ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ብሓባር ዓቢይ ኣበርክቶ ክህልወን ዝድርኽ እዩ። እቲ ናይ ሓባር ባይታ ናይ እግዚኣብሔር ተመክሮ ዝዀነ ኣብ ኵለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘሎ ኩነት መሰረት ናይ ኩለን ሃይማኖታት ዘተን ርክብን እዩ። ውህደትን ኣሃድነትን ኣብ እግዚኣብሔር።

እቲ ካልኣይ ብድሆ ድማ ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣብ ሓድስ እዋናዊ ዓለም ብቑዕ ተዋሳኢ ምዃን ዝብል እዩ። ከም ማሕበር ኣብቲ ምስ ኢየሱስ ብግልን ብማሕበርን ምርኻብ ዝዕድሎ ኣብ ሕውነትን ማሕበራዊ ሕይወትን  ዝንበር ኩነት ንኢየሱስ ዘሎና ፍቕሪ ዘዋህድን ዘሕብርን ምዃኑ ዘመስክር እዩ።

ስዓቢ ናይ ተቝዋማት ምልዋጥን ምሕዳስን ዝብል እዩ። እዚ ብሓቂ ከቢድ እዩ፡ ኣብ ተቕዋማት ብዙሕ እምብታውነት ኣሎ። ነኣሽቱን ዓበይትን ውሳኔታት ንምትሕላፍ ናይ ሓባር ብቕዓት ምልልያን ምዕባይን የድሊ። ቅዱስ ኣቦና ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ቅድሚ ውሳኔ ኣብ ልልያ ክተትኵር ይሞዕዱ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.