2017-07-31 14:13:00

ዜና ሕይወት ናይ ሲታዊ ፈላሲ ኣባ ሃብተጊዮርጊስ ዮሓንስ


ናብ’ዚ ዓለም እዚ ኂዝናዮ ዝመጻእና ነገር ሓንት`ኳ የብልናን፡ ካብኡ ክንወስዶ እንኽእል’ውን ሓንት’ኳ የብልናን (1ይ ጢሞ 6.7)

ኣባ ሃብተጊዮርጊስ፡ ካብ ኣቦኦም ዮሓንስ ገብረመድኅንን ካብ እኖኦም ምሕረትን ኣብ ዓድዜኑ ሠራየ ብ22 የካቲት 1933 ዓምፈ ተወልዱ፣ ብ4 መጋቢት 1933 ዓምፈ ኢዮም ዝተወልዱ ዚብል ካልእ ምንጪ እውን ኣሎ፣ ብጥምቀት ኃይለሥላሴ ተሰምዩ፣

ናብ ናይ ሲታውያን ኣሥመራ ቤት ዘርአ ምንኲስና ኣትዮም መደበኛ ትምህርቶም ክሳብ ደረጃ ጂምናዝዩም ምስ ዛዘሙ። ካብ ኤርትራ ንኢጣልያ ናብ ናይ ሲትውያን ገዳም ምኔት ካሣማሪ። ኣውርጃ ፍሮሲኖነ ብ16 ነሓሰ 1954 ዓምፈ ኣተው፣ ብ20 መስከረም 1954 ዓምፈ ሓው ጊዮርጊስ ዘማርያም ብቛንቛና ሃብተጊዮርጊስ ተሰምዮም ዓመት ተመክሮ ሲታውያን ጀመሩ፣ ብ1 ጥቅምቲ 1955 ዓምፈ ጊዝያዊ መብጽዓ ገዳም ብ15 መስከረም 1959 ዓምፈ ከዓ ዓቢይ መብጽዓ ብምግባር ንወትሩ ናብ ኣምላኽ ተወፈዩ፣ ትምህርቲ ፍልስፍናን ተዮሎጊያን ከም ዚግባእ ምስ ዛዘሙ ብ1 ሃምለ 1962 ዓምፈ ምስ ሠለስተ ብጾቶም ኤርትራውያን ብናይ ኣቡነ ያዕቆብ ግብረኢየሱስ ኣንብሮተ እድ። ኣብ ቤተክርስትያን ገዳም ካሣማሪ መዓርገ ክህነት ተቐበሉ፣

ኣብ ሃብተጊዮርጊስ ዮሓንስ ብ13 ጥሪ 1963 ዓምፈ ካብ ገዳም ምኔት ካሣማሪ ተሰናቢቶም ናብ ኤርትራ ድኅሪ ናይ 5 መዓልቲ ናይ መርከብ ጉዕዞ ኣተው። ምኽትል ሓለቓ ተመሃሮ ዘርአ ምንኵስና ሲታውያን ኮይኖም ምስ ኣባ እስጢፋኖስ ኪዳነ ክሳብ ነሓሰ 1966 ዓምፈ ኣገልግሎቶም ኣወፈዩ፣

ኣብ ሰሜን ሸዋ - ኢትዮጵያ ናብ ዚርከብ ገዳም መንዲዳ ክኸዱ ተመዚዞም። ንሓደ ዓመት ካብ መስከረም 1966 ዓምፈ ክሳብ ጥቅምቲ 1967 ዓምፈ ከም መጠን ሓለቓ ገዳም ሰርሑ፣

ኣባ ሃብተጊዮርጊስ ካብ ኢትዮጵያ ንሮማ ተጸዊዖም ካብ ጥቅምቲ 1967 ዓምፈ ክሳብ ሰነ 1968 ዓምፈ ናብ ናይ ሮማ Istituo Pontificio Teresiano di Spiritualità ተመዲቦም ትምህርቶም ብናእዳ ዛዘሙ፣ ብደረጃ ዲፕሎማ ድማ ተመረቑ። Il Monachesimo in Etiopia (ምንኵስና ኣብ ኢትዮጵያ) ዘርእስቱ መጽናዕቲ ኣቕሪቦም ካብቲ ተቕዋም ተሰናበቱ፣

ድኅሪ ሮማ ኣባ ሃብተጊዮርጊስ ናብ ሃገር ኣይርላንድ ተላኢኾም ናብ ናይ ትራፒስት ሲታውያን ምኔት ማውንት መለሪ (Mt. Melleray) ንሓደ ዓመት ብምጽናሕ ቋንቋ እንግሊዝ ተማህሩ፣ ኣብ ኢጣልያ ኣብ ሕብረት ካሣማሪ ብተኻታታሊ ንሠለስተ እዋናት ብ1968 ብ1969 ብ1970 ዓምፈ ጉባኤታት ከምዝተኻየደ ዚዝከር ኢዩሞ፡ ኣብ ሃብተጊዮርጊስ ናይ ገዳም መንዲዳ ወኪል ኮይኖም ከምዝተሳተፉ ይፍለጥ፣

ብ1970-71 ዓምፈ ኣባ ሃብተጊዮርጊስ ናይ ኣሥመራ ቤት ትምህርቲ ቅዱስ በርናርዶስ ርእሰ መምህር ኮይኖም ንኽልተ ዓመት ብትግሃት ኣገልግሎቶም ኣወፈዩ፣

ብ3 ጥቅምቲ 1973 ዓምፈ ኣባ ሃብተጊዮርጊስ ነርባዕተ ናይ ገዳም ደብረ ፍልሰታ ዘኣሥመራ ተመሃሮ ተዮሎጊያ ኣሰንዮም ናብ ሰሜን ሸዋ፡ ናብ ገዳም መንዲዳ ተጓዕዙ፣ ከም መጠን ሓለቓኦም ንኽልተ ዓመት ምስ ተኸታተልዎም፣ እቶም ተመሃሮ መዓርገ ክህነት ተቐበሉ፣

ብወርሒ ሓምለ 1975 ዓምፈ ኣባ ሃብተጊዮርጊስ ናብ ኣዲስ ኣበባ። ጒርድ ሾላ ብዚብል ስያሜ ዚፍለጥ ሰፈር ተመዲቦም ቀዳማይ ናይ ማኅበር ሲታውያን ቤት ንምጅማርን ንምኽፋትን በቕዑ፣ ንመስከረሙ ሓጋዚ ፈላስ ምስ ተዋህቡዎም ቤት ሙዓለ ሕጻናት ከፈቱ፣ ብዙኅ ጸገማት እናተጻወሩ ናይ ገዳም ቅዱስ ዮሴፍ ዘሲታውያን መሠረት ኣንጸፉ፣ ኣብኡ ክሳብ 1980 ዓምፈ ጸንሑ፣  

ኣባ ሃብተጊዮርጊስ ብ1981 ዓምፈ ናብ ኣሥመራ ተዛዊሮም በብጊዜኡ ከም መጠን ቆሞስ ደብረ ፍልሰታን መጋብን ምኽትል ሓለቓ ገዳምን ሰርሑ፣ ከም በሓዲስ ንኢትዮጵያ ተላኢኾም ብ1989 ዓምፈ ሓለቓ ቤት ማኅበር ሲታውያን ኣብ ሆሣዕና (ደቡብ ኢትዮጵያ) ተሠይሞም መጠን ሰፊሕ ሓዋርያዊ ተልእኮኦም ኣወፈዩ፣

ብየካቲት 1993 ዓምፈ ኣባ ሃብተጊዮርጊስካብ ኢትዮጵያ ናብ ኣሥመራ ተመሊሶም ብዝተፈላለዩ መዝነታት ኣገልግሎቶም ኣበርኪቶም እኳ ኣንተኾኑ ብሓደ ጉዳይ ግን ተወዳዳሪ ዘይብሉ ክብ ዝበለ ዝኽሪ ሓዲጎም ኢዮም፣ ናይ ህልውና ገዳም ምኔት ደብረ ፍልሰታ ዘኣሥመራ መዛግብቲ ኣብ ምስራዕ ብዙኅ ከምዘቃንዑን፡ ከምዝደኸሙን ብቐረባ ዝፈለጡዎምን ዝተዓዘቡዎምን ሰባት ይገልጹ፣

ኣባ ሃብተጊዮርጊስ፡ ንበዓል ሠናይ ዝኽሪ ነፍሰኄር ኣቡነ ዘካርያን ዮሓንስ ኤጳርቃ ዘመንበረ ኣሥመራ ነበር፡ ቆሞና ንኡስ ሓዎም ኢዮም፣ ብሓልዮት እዞም ዓቢይ ሓዎም፡ ናብ ቤት ዘርአ ምንኵስና ሲታውያን ኪኣትው ክኢሎም፣ ጸዋዕታኦም ኣኽቢሮም ኣብ ዓቢይ ቁም ነገር ኪበጽሑ ክኢሎም፣

ኣባ ሃብተጊዮርጊስ ኣብ መወዳእታ ዓመታት ምድራዊ ሕይወቶም ብዙኅ ኢዮም ተሳቒዮም፣ ሕጂ ግን ምድራዊ ጒዕዞኦም ፈጺሞም ምስጢራት ቤተክርስትያን ተቐቢሎም፡ ናብ ዘለዓለምነት ሓሊፎም፣ ኣብ መበል 62 ኦኣመት መብጽዓ ገዳምን፡ ኣብ መበል 55 ዓመት ኣገልግሎት ክህነቶምን ዓሪፎም፣ ንዓኦም ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ። ንቤተሰቦምን ንማኅበሮምን ጽንዓት ይሃበልና ኣምላኽ፣

ኣባ ቡሩኽ ወልደጋብር፡ ዘማኅበረ ሲታውያን

ገዳም ኔት ቫልቪሾል፡ ሰርሞንታ፡ ላቲና ኢጣልያ

29 ሓምለ 2017 ዓምፈ (22 ሓምለ 2009 ግዕዝ)








All the contents on this site are copyrighted ©.