2017-07-30 17:41:00

ሰንበት ዘነጎድጓድ ሓምለ 23 2009 ዓ.ም. (7/30/2017)


ንባባት፡   ሮሜ 8:28-30፥፥ 2ጴጥ 2፡1-9፥ ግ.ሓ. 17፡21-ፍ፥ ማቴ 13:44-52    ምስባክ፡ ዘያበቍል ሣዕረ ለእንስሳ ወሓመልማል ለቅኔ ዕጓለ እምሕያው፥ ከመ ያወፅእ እክለ እምድር። መዝ 104፡14-15። “ካብ ምድሪ መግቢ ምእንቲ ኺረከብ ንእንስሳ ዚኸውን ሣዕሪ ንጥቕሚ ሰብ ከአ ተኽሊ አብቆልካ”። 

ካብ ሰነ 25 ክሳብ መስከረም 25 ዘመነ ክርምት ተባሂሉ ይጽዋዕ። ምስቲ እዋኑን ዘመኑ አሰማሚዑ ንባባትን መዝሙርን ክነስተንትን ይሕግዘና። ናይ ሎሚ ሰንበት ዘነጎድጓድ ተባሂሉ ይጸዋዕ ነጒዲ ማለት እዩ። አብ ብሉይ ኪዳን ነጒዲ ናይ አምላኽ ምምጻእ ወይ አምላኽ ምልክት ክህብ እንከሎ እዩ ዘስምዕ፥ አብ ደብረ ሲና ሙሴ ምስ አምላኽ ክዛረብ እንከሎ ድምጺ ነጎዳን ግመን ተራእዩን ተሰሚዑን፥ ኢየሱስ ክጥመቕ እንከሎ ድምጺ ካብ ሰማይ ተሰሚዑ ስለዚ ነጕዲ ንአምላኽ የዘኻኽር። አብ ባህልና እውን ነጉዲ ምልክት ሓይሊ አምላኽ ከም ዝኾነ ኢና ንሓስብ።

አብ ዝንገር ታሪኽ ሓደ መምህር ንተመህሮ ዝሓተቶ ሕቶ ዝንገር አሎ። ከምዚ እናበለ ኸአ ሓተቶም ሓደ እትምነዮ ጥራሕ ክትነግር ዕድል እንተ ዝውሃበካ እንታይ ምተመነኻ በሎም። ሓደ ውዑይ ተመሃራይ ቅልጥፍ ኢሉ ሓደ ዓቢ ገዛ ንስድራይን ንርእሰይን ምተመነኹ ኢሉ መሊሱ። ሓደ ካልእ ከአ እናተዓበየ ቀስ ኢሉ ተንሲኡ ሓደ ጽቡቕ መሬት እንተ ዝረክብ እሞ ንሰደድ ዝኸይድ ፍረ መፍረኹ ኢሉ ትምኒቱ ገሊጹ። ሳልሳይ ሓሳቡ ብምሉእ ክገልጽ ዘይክእል ቀስ ኢሉ ተንሲኡ መምህር ሓዳስ ማኪና ሃበኒ ኢልዎ። ሓደ ካልእ መንእሰይ ተንሲኡ ከም ሓደ ፈላጥ ከም ሰለሞን እናመሰለ መምህር ዝምነዮ ምልዮናት ገንዘብ በእኡ ኸአ ጽቡቕ መሬትን ሓዳስ ማኪናን ምገዛእኩ እናበለ ትምኒቱ ገሊጹ።

ሽዑ መምህር ንሓደ ሓፋር ተመሃራይ አብ አንገሎ ተጸጊዑ ኮፍ ኢሉ ዝነበረ ጸዊዑ እንታይ ምተመነኻ እናበለ ሓተቶ። እቲ ሓፋር ተመሃርያ ቀስ ኢሉ አብ መምህር ቅርብ ኢሉ መምህር ብዙሕ ዕድመ ረኺበ ነቲ ዝረኸብክዎ ገንዘብ ገዛ ማኪና መሬት ክገዝአሉ እሞ ነውሕ ዕድመ ረኸበ ሕጉስ ሕይወት ከሕልፍ መተመነኹ እናበለ ገሊጹ እዚ ዝበለኦ ከአ ዝነብሮ ገዛን ጊዜን ስለ ዝፈለጠ ናይ ጊዜ ጥቕሚ አጸቢቑ ስለ ዝተረድአ እዩ።

እዚ ሕቶ ንአና እንተ ዝሕተት እንታይ ምኾነ መልስና። ጎይታይ ንስኻ እቲ ዝበለጸ ሃብተይ ኢኻ ምበልናዶ?

ናይ ሎሚ ሰንበት ንባባትና መቐጸልታ ናይ ዝሓለፉ ክልተ ሰናብቲ እዮም። ምስጢርን ትርጉም መንግሰተ ሰማይ ተረዲእና ዘሎና ተወፋይነት ክነዕሙቕ ዝሕግዙና እዮም። አብ ጥቕሚ መንግስተ ሰማይ ብዝያዳ እናጸቐጡ ብወገና ብግልና ንአምላኽን መንግስቱን ክንምልስ ከምዝግባእ ይነግሩና። ማቴዎስ ወንጌላዊ መንግስተ ሰማይ አብ ሕይወት ሓዋርያት ዝበለጸ ሓብቲ ከምዝኾነ ብአምሳል ሕቡእ ሃብትን ክቡር ዕንቊ ገሩ ይገልጾ። ሓደ ነዚ ክቡር ሃብቲ ክገዝእ ኢሉ ኩሉ ዘለዎ ከም ዝሸይጥ እሞ ብሓጎስ ከም ዝገዝኦ ይነግረና። ካልእ ምሳሌ ገሩ ኸአ ብዛዕባ አብ ባሕሪ ዝተዘርግሐ መርበ ይነግር እዚ ምስቲ ስርናይን ክርዳድን ምሳሌ ዝመሳሰል እዩ። አብ መጨረሻ ዝግበር ፍርዲ ኸአ የስምዕ ማለት ንጽቡቕ ካብ ሕማቕ ክፈሊ እዩ።

አብ ሕይወትና ብቐዳምነት እንሰርዖ እንታይ እዩ?

አብ ዓለም መሪጽካ ምኽአል ሓደ ካብቲ ንመጻኢ ሕይወት ዋሕስ ዝህቦ እዩ። አብ እምነት ንአምላኽ ክትመርጽ እሞ ንሱ ዝደልዮ ክትገብር ዝበለጸ ምርጫ እዩ። ከም ሰብ መጠን ንሓቅን ነቲ ምስ አምላኽ ዘወሃህደና ክንመርጽ ጸጋ የድልየና። አብ ምምራጽ ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ክንመርጽ ከሎና አምላኽ ብወገኑ ብዝያዳ ጸግኡ የብዝሓልና። ነዚ አብነት ዝኾነና ናይ ንጉሥ ሰለሞን ምርጫ እዩ።

አብ ፩ዘነ 3፡5-12 ዘሎ እንተ አንበብና ሓደ ሰብ አብ ሕይወቱ ቀዳምነት ሂቡ ክመርጾ ዘለዎ ይነግረና። አምላኽ ንንጉሥ ሰለሞን ብሕልሚ እንታይ ከም ዝህበካ ለምን ኢልዎ። ሰለሞን ከአ አብ ኪንዲ ሃብቲ ወይ ዓወት አብ ልዕሊ ጸላእቱ ዝሓትት ሓንቲ ንእሽቶይ እትመስል ግን ካብ ኩሉ ዝበለጸት ሓቲቱ፥ “አብ መንጎ ጽቡቕን ክፉእን ፈልየ ንሕዝብኻ ብቕንዕና ምእንቲ ኸመኃድርሲ ንአይ ንባርያኻ ዘስተውዕል ልቢ ሃበኒ” ኢሉ ለሚኑ። አምላኽ በቲ ዝሓተቶ ተሓጊሱ ዝለመኖ ኢህብዎ አብ ርእሲኡ ሰለሞን ዘይለመኖ እውን ሂብዎ እዩ። ቅ. መጽሓፍ ከም ዝብለና ሰለሞን ካብ ካልኦት ብዝበለጸ ንህዝበ እስራኤል ከም ዝመርሓ ይነግረና።

ልቦና ክብሃል እንከሎ ካብ ንነገራት ምፍላጥ ንላዕሊ እዩ። ብልቦና ዝመልአ ሰብ ክብሃል እንከሎ ካብቲ ብሞራላዊ ሕይወት ጥዑይ ሰብ ንላዕሊ ክኸውን ይክአል እዩ። ልቦና ንነገራት አብ ውሽጦም አቲና ከም እንርኢ ገሩ አብ ሕይወት እንታይ ከም ዝጠቅም ትርጉምን ዓላማ ሕይወትን ጽቡቕ ገርና ከም እንርዳእ ይገብረና። ሓቀኛ መነባብሮን ምሉእ ሓጎስ አበይ ከምዝርከብ ከም እንርዳእ ዝገብር ፍሉይ ህያብ አምላኽ እዩ። ብሓቂ ክቡር ዕንቊ ብቃል ክንገልጾ ዘይንኽእል ክቡር ዋጋ ዘልኦ እዩ።

ናይ ሎሚ ንባብ ወንጌል ካብ ማቴዎስ 13፡44-52 ኮይኑ ነቲ ኢየሱስ ብምሳሌ ገሩ ንሰማዕቱ ብፍላይ ንምስጢር መንግስተ ሰማይ ክገልጽ ኢሉ ብምሳሌ ዝበሎ እዩ ዝገልጽ። ሎሚ እውን ነዚ ክንርዳእ ብሰለስተ ምሳሌ ገሩ ይነግረና። ነፍስወከፍ ምሳሌ ንባህሪ መንግስቲ አምላኽ ክንርዳእ ዝሕግዝ እዩ። ቀዳመይትን ካልአትን ምሳሌ ተመሳሳላይ ትርጉም ዝሓዘ ግን ቍርብ ፍልልይ አልአን እየን። ክልቲኡ ምሳሌ መንግስተ ተማይ ዝበለጸን ዝኸበረን ሃብቲ አብ ሕይወትና ከም ዝኾነ ይገልጽ። ብኢየሱስን ብቃሉን ኢና ሓቀኛ ትርጉም ሕይወትን አብ ሕይወት ቀንዲ ነገራት ዝኾኑ ነገራት ክንርዳእ እንኽእል።

ሀ. ተቐቢሩ ዝተረኽበ ወርቅን ዕንቍን፡

አብዚ ተቐቢሩ ዝተረኽበ ሃብቲ ዝብል ምሳሌ ኢየሱስ ንመንግስተ ሰማይ ምስ ሓደ ሰብ ብዘይተሓስበ ክቡር ሃብቲ አብ ግራት እናኾዓተ አንከሎ ዝረኸበ እሞ ነቲ መሬት ብኽቡር ገንዘብ ከም ዝገዝኦ አምሲሉ ይነግረና። አብቲ መሬት ነቲ ክቡር ሃብቲ ምስ ረኸቦ ይቐብሮ ምኽንያቱ እቲ መሬት ገንዘቡ ስለ ዘይኮነ በዚ ኸአ እዩ ክገዝኦ ዘልኦ። ንዋና መሬት አይነግሮን እዩ ነታ መሬት ክሳብ ዝገዝአ ዘለዎ ኩሉ ይሸይጥ። ቀንዲ ትርጉም እዚ ምሳሌ ሓደ ሰብ ንኢየሱስ ክረክብ ምስ ከአለ ካልእ ኩሉ ናይ ኮንቱ ኮንቱ ምዃኑ ክርዳእ ይክአል። አብ አገልግሎት መንግስተ ሰማይ ብምሉእ ሕይወትን ድላይን ዝእቶ እዩ እምበር ፍርቂ ፍርቂ ዝኾነ ሕያወት ቦታ የብሉን አብኡ ምሉእ ነጻነት ዝለበሰ ሓጎስ ጥራሕ እዩ ዘሎ። አብኡ ኩሉ ዘሎካ ዓቕሚ አብ ሓደ ዓላማ ዝአመተ ኮይኑ ምስኡ ትብዓትን ወሳኒ ግብርን የድሊ። አብ ከምዚ ሕይወት ዝነብር አብ አምላኽ ምምላስን ሓቀኛ ተሓድሶን ይረክብ።

ለ. ምሳሌ ክቡር ዕንቊ፡

አብ ካልአይ ምሳሌ ኢየሱስ መንግስተ ሰማይ ከም ክቡር ዕንቍ ሓደ ነጋዳይ ክሳብ ዝረኽባ ዘናዲ  ምስ ረኸበ ከአ ክገዝአ ኢሉ ኩሉ ዘለዎ ዝሸይጥ ይምስላ። እዚአ ምሳሌ ምስታ ቀዳመይቲ ተመሳሰልቲ እየን፥ ፍልልየን እቲ ዝገዝእ ድኻ ሰብ ወይ ሰራሕተኛ አይ ኮነን ከምኡ ንሃብቲ ኢሉ ሃሰስ ዝብል አይነበረን፥ ንሱ መዓልታዊ ሕይወቱ እናሰርሐ እንከሎ እዩ ረኺብዋ። አብዚ ምሳሌ ግን እቲ ነጋዳይ ሃብታም ፈሊጡ አብኩሉ ዝደለየ እዩ። አብዚ እንርእዮ ኢየሱስ አበሎና ከመሎና እንታይ አሎና ብዘየገድስ አብዘሊና አሊና ክረኽበና ከም ዝደሊ ኢና እንርኢ። መንግስተ ሰማይ ንኹሉ እዩ ንድኻታትን ሃብታማትን ብማዕረ ዝኸውን እዩ። እቲ ነጋዳይ ሃብታም ከምቲ ሰራሕተኛ ነታ ዝደልያ ዕንቊ ክረክብ ዝክአሎ ክገብር አልኦ። መንግስቲ ኢየሱስ አብ ልባትና ዝተቐብረ ሃብቲ ወይ ክብሩ ዕንቊ እዩ። በዚ ምኽንያት እዩ ኢየሱስ ክንደልዮ ዝደለየና፥ ሓንሳብ ምስ ረኸብናዮ እሞ ክብሩን ጣዕሙን ክነስተማቕር ምስ ጀመርና ክንውንኖ ዘይ ንኸፍሎ ዋጋ መስዋዕቲ የለን። እቲ መልእኽቲ ንጹር እዩ፥ ሓዋርያነት ንኹሉ ክፉት እዩ ግን መስዋዕትነት ዝሓዘ እዩ። ብማዕሪኡ ኸአ ናይ ሓደ ሓዋርያ ሕቶ መልሲ ዝረኽበሉ እዩ፥ አብኡ ዝርከብ ሓጎስ ልዕሊ ዝኾነ ክንሓስቦ እንኽእል ኮይኑ ነቲ እንኮ ሓቀኛ ዝኾነ ነገር ምስ ረኸብና ዝርከብ እዩ።

ሐ. ምስላ መርበብ ዓሣ፡

እዚአ ሳልሳይቲ ምሳሌ እያ፥ ብዛዕባ አብ ባሕሪ ዝተዘርግሐ መርበብ እያ፥ አብ መጨረሻ ዓለም ዝውሃብ ፍርዲ ዝተኮረ ከአ እያ። አብዚ ኢየሱስ ንመንግስተ ሰማይ ምስ መርበብ መግፈፊ ዓሣ አብ ባሕሪ ዝተዘርግሐ ካብ ኩሉ ዓይነት ዓሣ ዝአከበ የነጻጽሮ። እቲ መርበብ ንኹሉ ብሓደ እዩ ዝእክብ እምበር ዝፈላልዮ የብሉን። እቲ ገፋፍ ዓሣ እዩ ነቲ ጽቡቕን ሕማቕን ዝፈላሊ። ቀዳመይትን ካልአይትን ምሳሌ ብዛዕባ ፍጹም ተወፋይነትን አድህቦን ናይ ዝኾነ ተኸታሊ ክርስቶስ ዝኾነ ክስዕቦ ዘለዎ እናነገረ እዚአ ሳላሰይቲ ምሳሌ ግን ብክልተ እግርና አጽኒዕና አብ መሬት ደው ክነብል ይነግረና። ከምቲ አብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዛዕባ ምሳሌ ስርናይን ክርዳድን ዝረአናዮ እቲ ጽቡቕ ስርናይን ሕማቕ ክርዳድን አብ መጨረሻ እዩ ዝፈላለ። አብ መጨረሻ ዓለም ከአ ከምኡ እዩ፥ ክንሓስቦ ዘሎና ክፉእ ሰብ ንመንግስቲ አምላኽ ዝበቅዕ አይኮነን። ቅድሚ ፍርዲ አብዚ ዓልም እንከሎና ንኹልና አባል መንግስተ ሰማይ ክንከውን ክፉት እዩ፥ ሃብታም ድኻ ንፉዕ ሕማቕ ዝብሃል የብሉን፥ አብቶም ክስዕብዎ ሓዋርያቱ ክኾኑ ዝሓረዮም እንተ ረአና ካብ ዝተፈላለየ ዓይነት ሕብረተሰብ ከምኡ ዝተፈላለየ ኩነት ሕይወት ዝነበሮም እዮም። አብ መጨረሻ ግን እቶም ብሓቂ ንመንግስተ ሰማይ ዝበቕዑን እቶም ዘይበቕዑን ክፈላለዩ እዮም። ሰበ በብግብሩ ክፍረድ እዩ።

መ. ነዚ ኹሉስ ተረዲእክምውዶ?

ኢየሱስ ምሳሌታቱ ምስ ነገሮም አብ መጨረሻ ነዚ ኹሉ ዝበልክኹም ተረዲእክምዎዶ እናበለ ነርድእቱ ሓቲትዎም። አርድእቱ ከአ እወ ኢሎሞ። ድሕርዚ ኢየሱስ መልሶም ምስ ሰምዐ  መጸዋዕታኦም እናገለጸ ኩሉ አብ መንግስተ ሰማይ ረድኡ ክኸውን ዝደሊ ክገብሮ ዘለዎ ገሊጽሎም። ጉዳዩ አብ ዝሓለፈ ሃብቲ ብምሉእ ምሕዋስ ግን ንመጻኢ ሕይወት አብ መስመር ክጉዓዝ ዝሕብር ወይ ዝመርሕ ክኸውን አለዎ። ከም ኩሎም ጸሓፍቲ ወይ ከም ተምሃሮ ጥንታውን ዘመናውን ትምህርቲ ንሰማዕቶም ዝህብዎ አለዎም። መጻኢ ነገራት ናይ ዝሓለፈ ነገራት ጽኑዕ መሰረት ክኾኖ የድልዮ ምኽንያቱ ብዘይ ብኡ ክልለ አይክአልን እዩ። እዚ ዝተመዓራረየ ሓላፍነት ናይ ነፍሲ ወከፍና ናይ እቶም አብ መንግስተ ሰማይ ዝተመሃርና እዩ። 

ቅ. ጳውሎስ አብ ቀዳመይቲ ንባብ ንዕሞቕ ሕርየትና ክገልጸልና ኢሉ “ንምስሊ ወዱ ኺመስሉ ቐደም መደቦም” (ሮሜ 8፡29) ይብለና። ነቶም አብ ሮማ ዝነበሩ ማሕበር ክርስትና ከምህሮም እንከሎ ነቶም ንአምላኽ ብቀዳምነት ዘፍቅርዎ ኩሉ ነገራት ጽቡቕ እዩ ዝኸደሎም እናበለ አብ ጽቡቅ ግብሪ ክወፍሩ ይነግሮም። ንኹሉ ስምዒታቶምን ህንጥይነቶምን አብቲ እዋን ጽንኩር ጊዜ ስደት መደብ አምላኽ ንድሕነት ነፍሲ ወከፍ ብዘይ ሓደ ጥርጥር ይቕጽል ከም ዘሎ እሞ አብቲ መወዳእታኦም ዝኾነ ክብሪ ግርማ ዝመልኦ ከም ዝመርሖም ይነግሮም። ንምስሊ ወዱ ኺመስሉ ቀደም ዝተጸው አምላኽ አቐዲሙ ዘይረአዮ ካብ ዘለዓለም ንዝበለጽ ጽቡቕ ነገር ዘየምርሐ ወላ ሓንቲ አይክገጥሞምን እዩ። ኵሉ አብ ትሕቲ ቁጽጽር አምላኽ እዩ። እቲ ናይ መጨረሻ ዓላማ አብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሓትመ እዩ ንሱ አብ ፋሲካዊ መስዋዕቱ ብምልኡ ዝኸበረሉ እዩ። ንሕና ካብቶም ሕያዎትን እዙዛት አገልገልቲ አምላኽ እቶም አቐዲሙ ዝፈለጦም እንተ ኾና ካብቶም ከጽድቖም ዝጸውዖም ኢና። ንሕና ካብቶም ብኢየሱስ ክርስቶስ ክከብሩ ዘለዎም ኢና።

እቲ ናይ ብሓቂ ሃብቲ መንግስተ ሰማይ ብዛዕብኡ ኢየሱስ አብዚ ናይ ሎሚ ምሳሌታት ዝነገሮ እዩ። አብ ሕይወትና እንተ ተመልከትና ብዙሕ ጊዜ ሃዘው እንብሎ ናይ ሓሶት ሃብቲ ብፍላይ ገንዘብን ክብርን ሓጎስን እዩ። ብዙሕ ጊዜ እነሕልፎ አብ ዝሓለፈ ዝገጠመና ብምጥዓስ ወይ አብ መጻኢ አብ ሓሳባት ጥራሕ አተኲርና ሓንቲ ጭቡጥነት ዘይብሉ አብ ሃረርታን ህንጡይነት ወይ እውን አብ ፍርሕን ጭንቀትን ኢና እንነብር። ነገራት ከምዚ እንከሎ እቲ ጽቡቕ ጊዜ ጸጋን ሓቀኛ ሃብትን ከይተጠቐምናሉ ይሓልፍ እሞ እቲ ክንረኽቦ ዝነበረና ሓቀኛ ሃብትን ክቡር ዕንቊ  አይንረኽቦን።

ሎሚ ዝቐርበና ሕቶ እምብአር እንታይ እዩ እቲ ዝዓበየ ሃብቲ አብ ሕይወትካ/ኪ ዝብል እዩ። ነፍስ ወከፍና ብግልና መልሲ ሂብና ክንክእል አሎና። ንመንግስቲ አምላኽ ክንክተል ዝርዳእ ልቢ ክህልወና ይግባእ። ልቦና ዝመልኦ ልቢ ጽቡቕን ክፉእን ዝፈሊ፥ ንሓቂ ካብ ሓሶት ፈልዩ ክርኢ ዝጽዕር ልዕሊ ኩሉ ከአ ንአምላኽ ልዕሊ ኹሉ ጽቡቕን አብ ጽንኩር ስቓይ አብ ዘሎኻዮ ጊዜ ሰሪዕካ ከም እንትኽእል ዝገብር እዩ። ልቦና ንአምላኽ እንታይ ከም ዘሓጉሶ ክንርኢ እንተ ኸአልና “ኦ አምላኽ ንስኻ ዝበለጽካ ሃብተይ ኢኻ” አብ ምባል የብጽሓና። እዚ እዩ ኸአ እቲ ዝበለጸ ነገር ክንበጽሖ ዘሎና።

ሎሚ እምብአር ሓቀኛ ሃብቲ አለሊና ክንክእል፥ አብ አምላኽ ገጹ ዝወስድ መገዲ ሒዝና ንዝጓነፈና መስቀልን ፈተናን ጸርና አስር ክርስቶስ ክንጉዓዝ ጸሎት ንግበር። ሓግዘኒ ንአኻ ጥራሕ ርእየ ክኽእል እናበልና ነቲ ሓቀኛ ሃብትና ዝኾነ ክርስቶስ ንለምኖ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

 








All the contents on this site are copyrighted ©.