2017-07-29 16:06:00

ቨነዝወላ፥ ኣባ ሶዛ፡ መንግስቲ ናይ ሕዝቢ ሕቶ ጽን ክብልን መልሲ ክህበሉን ይግባእ ኢሎም


ናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን ጠቕላሊ ዋና ሓለቓ ተወላዲ ሃገረ ቨነዝወላ ኣባ ኣርቱሮ ሶዛ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ውጡር ኩነትን መንግስቲ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ማሕበራውን ፖለቲካውን ቅልውላው መልሲ ንምሃብ ዝኽተሎ ዘሎ መገዲ ኣማእኪሎም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ናይ ቨነዝወላ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ብዛዕባ ህልዉ ኩነታት ሃገሮም ኣማእኪሎም ዘውጸኦ መግለጺ ከምዝድግፉ ሓቢሮም።

እቲ መንግስቲ ከቑሞ ዝደልይ ዘሎ ሓድሽ ሓጋጊ ቤት ምኽሪ ማርክሳዊ ርእየት ዘለዎ ምዃኑ ናይ ቨነዝወላ ብፁዓን ጳጳሳት ዝገለጽዎ ሓሳብ ሓቂ እዩ እንክብሉ ብፁዓን ጳጳሳት ቨነዝወላ ዝሃብዎ መግለጺ ደጊፎም እዚ ድማ ብኹለን መንፈሳውያን ማሕበራትን ልኡካነ ወንጌልን ኣብ ቨነዝወላ ዝግለጽ ዘሎ ርእየቶ ቤተ ክርስቲያን እዩ። ሓደ ዓይነት መርገጺ እዩ፡ ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግብኦ ስቓይ ሕዝቢ ጽን ምባልን ብቑዕ መልሲ ምሃብን እዩ። ሕጽረት ኣፋውስን ዋሕዲ መግብን ስእነት ጸጥታን ሰላም ብሰፊሕ ይረአይ እውን ኣሎ፡ ብሓፈሻኡ ስእነት ሰብኣውያን መሰረታውያን ነገራት ኣሎ። ፖለቲካ ብትኽክል እውነተይና ኣገልግሎት ንሕዝቢ ክኸውን ናይ ሕዝቢ ሕርመት መነባብሮ ዘንብብን ናቱ ዝገብርን ክኸውን ኣለዎ እምበር በትረ ስልጣን ንምጭባጥ ዘብቅዕ መጋበርያን መካየዲ ግጭትን ውጥረትን ክኸውን የብሉን። ናይ ውሑዳት ጥቕሚ ጠበቓ እውን ክኸውን የብሉን። ስለዚህ ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረትን ዘይምርድዳእን  ብቑዕ መፍትሒኡ ካብ ዘተ ጥራሕ እዩ፡ ናይቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ምኽንያት ኩሉ ብምስትውዓል ብዘተ ክፍታሕ ኣለዎ፡ ግልጽን ቅኑዕን ኣብ ሓቂ ዝተሞርኮዘ ዘተ ኣድላዪ እዩ። ናይ ሃገር ሓድነትን ሉኣላውነት ዘኽብር መፍትሒ እዩ ዘድሊ ምስ በሉ መንግስቲ ናይ ሕዝቢ ሕቶ ከእንግድን ብቑዕ መልሲ ኣብ ምሃብ ክተግህን ሓደራ ቢሎም ስለ ናይ ሃገርን ሕዝብን ጥቕሚ ኩሉ ዓመጽን ጐነጽን ኣይፋል ክብልን ኢጐነጻዊ መስርሕ ክኽተልን ኣተሓሳሲቦም ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።  








All the contents on this site are copyrighted ©.