2017-07-18 16:58:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ወንጌል ናብ ስራሕ ዓለም ምብጻሕ


ኣብ ስፐይን ከተማ ኣቪላ ዓለም ሓቆፍ ምንቅስቓስ ካቶሊካውያን ሰራሕተይናታት ካብ ዕለት 16 ክሳብ ዕለት 21 ሐምለ 2017 ዓ.ም. መበል 50 ዓለም ለኻዊ ዓውደ ጉባኤ የካየድ ምህላዉ ክሕበር እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ወንጌል ናብ ናይ ስራሕ ዓለም ምብጻሕ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልእኽቶም ተጋባእያን ኣብ ዕለታዊ ዕዮኦም ወንጌል ከበስሩ ብምብርትታዕ ኣብ ከርሲ ቤተ ክርስቲያን ድምጺ ሰራሕተይናታት ወትሩ ዝቃልሕ ምዃኑ ብምርግጋጽ ንሰራሕተይናን ንናይ ስራሕ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ቀረባ ምዃና ከምዘረጋገጹ እንክሕበር እቲ ኣብ 1966 ዓ.ም. ዝቖመ ዓለም ሓቆፍ ምቅስቓስ ሰራሕተይናታት መሬትን ቤትን ስራሕ ንብቑዕ ክብሪ ሕይወት ብዝብል መርሕ ቃል ተሰንዩ ካብ 79 ሃገራት ዝተዋጽኡ ብምስታፍ ናብ ዘካይዶ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ቅዱስነቶም እቲ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ መርሕ ቃል ትርጉሙ፥ ኩሉ ፍጥረት ሰብ ምስቲ ዘለዎ ናይ ሰብኣዊ ምዃን ክብሪ ዝተመዓራረየ መነባብሮ ክህልዎን ማንም ንጹልን ከም ውዳቕ ክሕሰብ ከምዘይብሉን ኩሉ ዘርኢ ሰብ ሰብኣዊ ክብሪ ኣለዎ ዝብልን ክብሪ ሰብኣዊ ፍጥረት ዘረጋጽ ምዃኑ ተንቲኖም እግዚኣብሔር በቲ ሓደ ወዱ ኣቢሉ ናይ ሕዝቡ ታሪኽን ኩነን ኩሉ ተኻፋሊ ኰይኑን ልክዕ ከም ኵሉ ሰብ ኣብ ሓንቲ ስድራ ሓዲሩን ከም ማንም ሰብ ኣብ ዕለታዊ ዕዮን መነባብሮን ተዋፊሩን ብሞቱን ትንሳኤኡን ድማ ፍጥረት ሰብ ኣድሓነ፡ ኩሉ ናይዚ ክቡር ዋጋ’ዚ ተኻፋሊ እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ስራሕ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ናይቲ ኣብ ኢጣሊያ ካብ ዕለት 26 – 29 ሓምለ 2017 ዓ.ም. ኣብ ክፍለ ሃገር ካሊያሪ ከተማ ሳርደኛ ንኽካይድ ዝተወሰነ መበል 48 ናይ ኢጣሊያ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበራዊ ሰሙን ዋና ሓሳብ እውን ምዃኑ መርሕ ቃሉ ድማ እንደልዮ ስራሕ ናጻን መሃዝን ዘሳትፍን ሓጋዝን ዝብል ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.