2017-07-15 08:53:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣገዳስነት ዳግመ ርኽበት ውርሻታት ኣብ ኤውሮጳ


“ኤውሮጳ ኣብ ዓለም እንኰን ፍልዩን ዝዀነ ሓሳባውን (ኣምራዊ) መንፈሳውን ውርሻታት ብውዕዉዕ ስምዒትን ብብሩህ መንፈስ ሕዳሴን ዳግም ከም ውጥን ክቐርብ ግብእ እዩ” ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 12 ሓምለ 2017 ዓ.ም. በቲ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ @Pontifex - ኣት ፖንተፈክስ ብእተሰምየ ናይ ግሊ ኣድራሻኦም ኣቢሎም ብምኽንያት ዕለት 12 ሐምሌ ዝበዓል ዓመታዊ በዓለ ቅዱስ በነዲክቶስ ሓላዊ ዘኤውሮጳ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ክኸውን እንከሎ፡ ነዚ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መልእኽቲ ኣሞርኵይዞም ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ኣቦ መንበር ኣብ ኢጣሊያ ናይ ጀኖቫ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮ፥ እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓሳብ እዚዩ ኣገዳሲ እዩ። ብፍላይ ድማ ኵሉ ከም ዝርእዮን ዝፈልጦን ኣብዚ እዋን’ዚ ኤውሮጳ ኣብ ዘላትሉ ኵነት ኣብ እትርከበሉ ዘላ መንፈሳውን ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ፖለቲካውን ሃዋሁ እዚዩ ኣገዳሲ እዩ። ምእንቲ’ዚ እቲ ናይ ቅዱስነቶም መልእኽቲ ንኤውሮጳ ኣብ እውነተይና ኤውሮጳዊ ጉዕዞ ዓቢይ ድጋፍን ቃል መተባብዕን እዩ።  እዚ መልኽቲ’ዚ ድማ ናብቶም ኣብ ዓቢይ ሓላፍነት ዝተቐመጡ ልብን ኣእምሮን ክበጽሕን ኣዚ ድማ ብቐዳምነት ኤውሮጳዊ ውርሻ ዓቢይ ግምት ብምሃብ ማለት ኣብ ህልው ኩነታት ሕብረት ኤውሮጳን ኣብ ኤውሮጳዊ ጉዕዞ ብሓፈሻኡ ኣብ ሕቡር ኤውሮጳዊ ኩነት ዓቢይ ግምት ክወሃቦ ዝግብኦ እዩ። እዚ ግንዛበ’ዚ ካብ ሎሚ ቀደም ናይ ሕብረት ኤውሮጳ መስረትቲ ኣበው ኣብ መዓሙቕ ልቦም ዝነበረ ክቡር ዋጋ እዩ ዝመስል። ስለዚህ ካብ ሎሚ ቀደም ዓቢይ ግንዛበ ዝነበሮ እዩ፡ እዚ ምስትውዓል’ዚ ኣብ ሎማዊት ኤውሮጳ ብዙሕ መሰናኽል ዘጋጥሞ እዩ ዝመስል።

መበቆላዊ ወይ ድማ ኣናስራዊ መንነት ክዝንጋዕን እንከሎም ምስ ዝሕከኽን መን ምዃንካ ናብ ዘይምፍላጥ የብጽሕ። ስለዚህ ከምዚ ምስ ዝኸውን ውዕዉዕ መንፈስ ይቕህም ስለምታይ ናበይ እየ ዝኸይድ ዘለኹ መን እየ እንታይ ክገብር ኣሎኒ ዝብል መፈጥራዊ ወይ ከኣ ምዃናዊ ሕቶ ብምግጣም ብቑዕ መልሲ ንምሃብ ካብ ምፍታን ንምድንጋርንን ንሃሰውሰውን ኩነት የየብጽሕ። እዚ ድማ ከም ሃገርን ኤውሮጳዊ ሓቆፍን ከም ውልቀ ሰብን ዘጋጥም ጉዳይ እዩ። ነዚ ኵሉ ግምት ብምሃብ ኤውሮጳ ክርስቲያናዊ መበቆል ከምዘለዋ ኣፍልጦ ምሃብ ማለት ካብቲ ምድንጋር ምውጻእ ማለት እዩ። እዚ ኣፍልጦ’ዚ ኣብ መናብርተ ጥበባትን ኣባይቲ ትምህርታትን ዝቐርብ ቀለማዊ ሓሳብ ጥራሕ ክኸውን ወይ ከኣ ከም ናይ ሓደጋ ደወል ዝቃጨል ክኸውን የብሉን፡ እንታይ ደኣ መን ምዃንካ ንምልላይን ኣፍልጦ ንምሃብን ኤውሮጳ ኣብ ኣናስራ ዘሎ ምዃናዊ መንነታን ጸዋዕታኣን ተልእዀኣን ንሱ ድማ ኵላውነት ዝብል ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ዝሓብርዎ ብምልላይ ምንባር እዩ ንኤውሮጳ ብርታዐ ዝዀና ኢሎም።

እቲ ካብ ኣመትን ኣመታዊ መንነትን ምጥፋእ ዝነቅል ፍርሒ ምስ ዝተኣታተው፡ ሓጹርን ፈላላይ መናድቕ ምቛምን ኣብ ገዛእ ርእስኻ ዕጹው ናብ ምዃንን የእትወ ስለዚህ እዚኽኣ ካብ ዘተ የርሕቕ። ካብ ዘተ ወጻእን ምዃን የስዕብ። ብሓቂ ኣብ ዘተ ምርኻብን ናብ ዘተ ምባልን ባህርይ ክህልወካ ይግባእ እምበር ናይ ኣደባባይ ብይባሃል ዝቐርብ ሓሳብ ንምቕራብ ዝተዳለወን ዝተቐመረን ሓሳብ ናብ ዝቕርበሉ ዓይነት ዘተ ዘይኰነስ ብሓቂ መን ምዃንካ ምፍላጥ እዩ ዘድሊ። ስለዚህ ዛዕባ መንነታዊ ዝብል ሓሳብ ኰነ ዝርርብ ጸረ ዘተ ምቛም ማለት ዘይኰነስ በንጻሩ ንዘተ ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ኣስተዋጽኦን ቅድመ ኵነትን እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።  








All the contents on this site are copyrighted ©.