2017-07-12 14:35:00

ምዝዛም ዓመተ ትምህርቲ 2016/2017 ዓ.ም. ካቶሊካዊ ተቛም ቲዮሎጊያ ኣስመራ


ካብ ዝምስረት መበል 52 ዓመቱ ኣቝጺሩ ዘሎ ካብ ኩለን ሰበኻታትን ማሕብራትን ዝመጹ ተመሓሮ ዘርእ ክህነት ብፍልስፍናን ቲዮሎጊያን ዘድልዮም ትምህርቲ ኣጽጊቡ በቢዓመቱ ልኡካነ ወንጌል ካህናት ናይ ዝተፈላለያ ማሕበራት ዘፍሪ ዘሎ ካቶሊካዊ ተቕዋም ቲዮሎጊያ ነቲ ብመስዋዕተ ምስጋና ዘጀመሮ ዓመተ ትምህርቲ 2016/2017 ዓ.ም, ብምስጋና ንምዝዛም 24 ሰነ 2016 ዓ.ም. ብማህሌት ዝጀመረ ቀጺሉ ብሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ መንግስትኣብ ተስፋማርያም ዝተሰርዐ ዓበይቲ ኣሕሉቕ ገዳማት ብሁባሬ ብሁባሬን ተመሃሮ መምህራንን ኣባላት ቤት ጽሕፈትን ሐለፍቲ ስነ መዕበያን ዘሳተፈረ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዝዓረገን ብፁዕ ኣቡነ መንግስተኣብ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ ኣታ ሕያዋይ መምህር ናይ ዘለዓለም ሕይወት ክወርስሲ እንታይ ክገብር ዝብል ኣብ ወንጌል ዝተነብረ ታሪኽ ኣማኪሎም እቲ ሕቶ ዘቕርበ መንእሰይ ንዅላትና ዝውክል ምዃኑ ገሊጾም ናይ ስነ ልቦና ሊቅ ፉልተን ፍራንከን ትርጉም ዘለዎ ሕይወት ንምንባር ዘድልዩ እንክብል ኣብ ዝገለጾም ሰለስተ ቅዉም ነገራ ማለት ክትመርጽ ክትዛመድ ክትዓቢ ክትሳቐ ኣሎካ ንዝበሎ ሓሳብ ሓደ ብሓደ ተንቲኖም ሓደ ምርጫ ግድን እዩ። ከሉ ከኣ ዝምድና ማለት ምስ እግዚኣብሔር ዕርከነትን ምስ ብጻይ ከኣ ሕውነት የድልየና። ክትዓቢ ከኣ ክትሳእቐ ኣሎካ፡ ኣብ ምዕባይ ዝኽፈል ነገር ኣሎ። ነዚ ድማ መንፈስ ተጋድሎ ተወፋይነት ጽሞና ብዝብሉ ግብረኣውያን ቃላት ከምዝተንተኑ ናይ ሰበኻ ኣስመራ ምንጪ ዜና ሓቢሩ።

ድሕሪ መስዋዕተ ቅዳሴ ድማ ኣካያዲ ተቕዋም ቲዮሎጊያ ኣባ ኣብርሃ በኵሩ ከም ኣባል ንኡሳን ኣሓው ማሕበር ካፑቺን ናይቲ ተቕዋም ናይ 2016 - 2017 ዓ.ም. ናይ ትምህርቲ ዘመን ክውንቶን ጸብጻባትን ኣበርክቶ መምሃራንን ህሉው ኩነታት ተመሃሮን ቀጺሎም እውን እቲ ተቐዋም ብሉጽ ንምግባር ዝተካየዱ ምምሕያሻት ከምዝገለጹን ብስነ ኣሓዝ ብዝተራቐ  ቤተ መጻሕፍቲ ንምርግጋጽ ብዕቱብ ይስራህ ከምዘሎን ምትሕግጋዝ ኣብ መንጐ ተመሃሮን መማህራንን እውን ንምሕያል ዝድርኹ ፍጻሜታት እውን ይትግበር ከምዘሎን ኣመልኪቶም ኣብቲ ናይ ትምህርቲ ዘመን እቲ ተቕዋም ዘካየዶም መንፈሳዊ መደባትን መነቓቕሒ ትምህርታት እውን ከምዝቐረቡን ብሓፈሻው ቀዳማይን ካልኣይን መንፈቕ እቲ ተቕዋም ተመስሎኡ ብሰፊሕ ከምዝገለጹ ዝሓበረ ናይ ሰበኻ ኣስመራ ምንጪ ዜና ኣስዒቡ፥ ኣብ መወዳእታ ድማ እቶም ትምህርቶም ብዘዕግብ ነጥብ ዘጠቓለሉ ካብ ጳጳሳዊ ኡርባኒያኑም መንበረ ጥበብ ዝተላእከሎም ናይ ምጥንቓቕ ትምህርቲ መረጋግጺ ባችለር ካብ ኢድ ብፁዕ ኣቡነ  መንግስትኣብ ተስፋማርያም ከምእተቐበሉ ኣፍሊጡ።     








All the contents on this site are copyrighted ©.