2017-07-08 17:06:00

ሲመተ ጵጵስና ኣብ ኢጣሊያ ንሰበኻ ሚላኖ


ናይ ሚላኖ ሰበኻ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ስኮላ ብሕገ ቀኖና ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መሰረት ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያት ካብ ናይ ሚላኖ ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳዊ ሓላፍነቶም ንኽሰናበቱ ናይ ሚላኖ ሰበኻ ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም ኣብ ኢድ ቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምቕራብ ንሰበኻ ሚላኖ ሓድሽ ሊቀ ጳጳስ ክሾሙ ንዘቕረብዎ ናይ ልሂቅነት ሕቶ ዝተቐበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሰበኻ ሚላኖ ናይ ሊቀ ጳጳስ ተሓባባሪ ጳጳስን ጠቕላሊ ምኽትል ሊቀ ጳጳስ ዘሚላኖ ኰይኖም ንዘግልግሉ ዘለዉ ብፁዕ ኣቡነ ማሪዮ ኤንሪኮ ደልፒኒ ከምዝሰመዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ብፁዕ ኣቡነ ደልፒኒ ኣብ ኢጣሊያ ክፍለ ሃገር ሎምባርዲያ ኣውራጃ ቫረዘ ኣብ ኣትርከብ ከተማ ጋላራተ ዕለት 29 ሓምለ 1951 ዓ.ም. ዝተወልዱን ዕለት 7 ሰነ 1975 ዓ.ም. ኣብ ሰበኻ ሚላኖ ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉን ሚላኖ ኣብ ዝርከብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ዘልበ ኢየሱስ ብስነ ጽሑፍ ቀጺሎም ድማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ኣጐስቲኒያኑም መንበረ ጥበብ ብናይ ቤተ ክርስቲያን ኣበው ቲዮሎጊያ ሊቕነት ዘመዝከሩ እውን ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ሕትመትን መግለጺ የረጋግጽ።

ብፁዕ ኣቡነ ደልፒኒ ካብ 1975 ክሳብ 1985 ዓ.ም. ኣብ ሰበዞ ከምኡ ኣውን ኣብቲ ናይቲ ከባቢ ቤት ትምህርቲ ዘርአ ክህነት ናይ ስነ ጽሑፍ መምህር ካብ 1985 ክሳብ 1987 ዓ.ም. ቨነጐኖ ኣብ ዝርከብ ናይ ዘርአ ክህነት ላዕለዋይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ናይ ስነ ጽሑፍ መምህር ካብ 1987 ክሳብ 1989 ዓ.ም. ሮማ ናብ ዝርከብ ናይ ሚላኖ ሰበኻ ጳጳሳዊ ተቛም ተላኢኾም ናይ ስነ ጽሑፍን ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣበው ቲዮሎጊያ ፍልዩ ናይ መጽናዕቲ ምርምር ዘካየዱን ካብ 1989 ክሳብ 1993 ዓ.ም. ናይ ቨንጐኖ ላዕለዋይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ሓለቓን ናይ ፍልስፍናን ቲዮልጊያን መምህርን ብተወሳኺ ድማ ናይ ሎምባርድያ ክፍለ ሃገር ናይ ዘርአ ክህነት ኣቢያት ትምህርቲ ሕብረት ዋና ጸሓፍን ካብ 1993 ክሳብ 2000 ዓ.ም. ናይ ቲዮሎጊያ መንበረ ጥበብ ሓላፊ ካብ 2000 ስካብ 2006 ዓ.ም. ናይ ሚላኖ ሰበኻ ቤት ጽሕፈት መማኽርቲ ጳጳስ ሓላፍን። ዕለት 13 ሓምለ 2007 ዓ.ም. ንናይ ሚላኖ ሻድሻይ ክፍለ ከተማን ናይ መለኛኖ ስዩም ንናይ ሰበኻ ሚላኖ ጳጳስ ንኽዀኑ ተስምዮም ዕለት 23 መስከረም 2007 ዓ.ም. ማዕርገ ጵጵስና ከምእተቐበሉን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመልክት።

ካብ 2012 ዓ.ም. ንናይ ሚላኖ ሰበኻ ምኽትል ሊቀ ጳጳስን ናይ ሎምባርዲያ ክፍለ ሃገር ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፍን ከምኡ እውን ናይ ሎምባርዲያ ክፍለ ሃገር ናይ ካህናትን ናይ ውፉይ ሕይወት ሓልዮ ጳጳሳዊ ድርገት ዋና ጸሓፍን ኰይኖም ኣብ ምግልጋል እንከለዉ አነሆ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተኸታሊ ናይ ሚላኖ ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ስኮላ ንኽዀኑ ወሲኖም ናይ ሚላኖ ሊቀ ጳጳስ ቢሎም ከምዝሰመይዎም ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ስኮላ ዕለት 8 መስከረም 2017 ዓ.ም. ብወግዒ ካብ ናይ ሚላኖ ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳዊ ሓላፍነቶም ምስ ተሰናበቱ ዕለት 9 መሰከረም 2017 ዓ.ም. ብፁዕ ኣቡነ ደልፒኒ ሕገ ቀኖናዊ ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም ክርከቡን ዕለት 24 መሰከረም 2017 ዓ.ም. ናይ ሚላኖ ሰበኻ ሓድሽ ሊቀ ጳጳሳዊ ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም ብዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብወግዒ ክጅምሩ ምዃኖን ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.