2017-07-06 16:08:00

ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውልስ ዳማዊ ወሃቢ ቃል ኰይኖም ዘገልገሉ ናቫሮ ቫልስ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዮም


ኣብ ር.ሊ.ጵጵስና ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተን ሓላፊ ኰይኖም ዘገልገሉ ተወላዲ ስፐይን ዦኣኪን ናቫሮ ቫልስ ኣብ መበል 80 ዓመት ዕድሜኦም ዕለት 5 ሓምለ 2017 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ካብዚ ዓለም ብሞት ከምእተፈልዩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም።

ኣብ 1984 ዓ.ም. ብቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ንኽዀኑ ተሰምዮም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ማሕበራዊ ተራኽቦ ቅርጺ ዘትሓዙን ዘይርስዑ በሊሕን መስተውዓልን ኣማንን ኣገልጋሊ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ቤተ ክርስቲያንን ከምዝነበሩን ድሕሪ ዮሓንስ ጳውልስ ዳግማዊ ኣውን ኣብ እዋን ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ቀዳማይ ዓመት ርእሰ ሊቃነን ጵጵስናኦን ኣገልግሎቶም እውን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ኰይኖም ብጠቕላላ ካብ 1984 ክሳብ 2006 ዓ.ም. በዚ ሓላፍነ’ዚ ዘገልገሉ ከምዝዀኑን ናቫሮ ቫልስ እቲ ዘወፈይዎ ኣገልግሎት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክርስትያናዊ ምስክርነቶም ዝደገፎ ሙያዊ ብቕዓት ዝዓሰሎ ከም ወሃቢ ቃልን ዝነበርዎ ሕይውት  ጸጋ ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ብዝብል ሓረግ ዕለት 6 ሓምሌ 2017 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ግረግ ቡርከ በቲ ትዊተር እተሰምየ ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኦም ኣቢሎም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዝገለጽዎም ጂሶቲ የመልክቱ።

ናቫሮ ቫልስ ብስነ ሕክምና ሊቕነት ዘመስከሩ ክነሶም ናብ ጋዜጠይናነት ሙያ ብምእታው ከም ልኡኽ ጋዜጠይና ኰይኖም ንናይ ሃገሮም አይቢሲ እተሰምየ ዕለታዊ ጋዜጣ ካብ ማእከላይ ምብራቕን ውግእን ውጥረትን ካብ ዝነበረሎም ከባብታት ኰይኖም ኣብ ምግልጋል እንከለዉ ድማ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1984 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ንኽዀኑ ምስ ሰመይዎም ባዕሎም ናቫሮ ቫልስ ነዚ ኣገልግሎት’ዚ ከም እተሓርዩ ምስ ተነግሮም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝጽውዓካ ከመይ ገርካ ሕራይ ዘይበሃል  ብዝብል ቃል ገሊጾም ነቲ ዝተውሃቦም ሓላፍነት ተቐቢሎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቀዳማይ ዓለማዊ ምእመን ሓላፊ ንምዃን ዝበቕዑ ምንባሮም ጂሶቲ ካብ ዘመሓላለፍዎ ጸብጻብ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ናቫሮ ቫልስ ናይ Opus Dei -ስራሕ እግዚኣብሔር  ብዝብል ስም ናይ ዝጽዋዕ መንፈሳዊ ማሕበር ኣባል ዓለማዊ ምእመን ዝዀኑን ነቶም ዓቢይ ናይ ምራኻብ ብቕዓትን ተውህቦን ዝነበሮም ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ክሳብ ኣብ ሰማያዊ ቤት ዝተወልዱላ ዕለትን ኣብ ቀዳማይ ዓመት ር.ሊ.ጵጵስና ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዘገልገሉ ከምዝነበሩን ከም ወሃቢ ቃል ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ናይ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዓለማዊ ርባት ከይዲ እውን ዘገልግለሉ ንኣብነት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤታትን ኣብ ዝተፈላለዩ ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ደረጃ ዝጥለቡ ኣብ ዝነበሩ ዓውደ ጉባኤታት እውን ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡኽ ኰይኖም ንኽሳተፉ ብቅድስቲ መንበር ዝተላእኩን ናይ ዮሓንስ ጵውልስ ዳግማዊ ዓለም ሓቆፍ ሐዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ኵባ ኣብ ምስንዳውን ኣብ ፍጻሜ ንኽበጽሕ መሰረታዊ ጻዕሪ ካብ ዘካየዱ ሓደን ኣብ ዓለም ሓቆፍን ብሔራውን ሓዋርያዊ መገሻ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ከም ወሃቢ ቃል ብምስታፍ እውን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ዘገልገሉ ወዲ ቤተ ክርስቲያን እዮም።

ናቫሮ ቫልስ ዕለት 16 ሕዳር 1936 ዓ.ም. ኣብ ስፐይን ከተማ ካራጀና ዝተወልዱን ኣብ ግራናዳን ባርቸሎናን ስነ ሕክምና ትምህርቲ ዘጽንዑን ከም ሓኪም እውን ከምዘገልገሉን ናይ ኦፑስ ደይ ኣባል ኰይኖም ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ሓላፍነታት ዘገልገሉን ዝብልዎ ዝነበረን ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያንን ቅድስቲ መንበርን ኣደጊፎም ዝህብዎ ዝነበሩ መግለጽታት ኩሉ ሰብ ትኽክል ቢሉ ይፈርዶ ከምዝነበረን እዚ ድማ ስለ እቲ ጽቡቕ ድምጾም ዘይኰነስ ብሓቂ ተልእዀ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣገልግሎት ሓቂ ምዃኑ ካብ ዝምስክር ካብ ዝነበሮም እምነት ዝምንጭው ብምንባሩ እዩ። ብትኽክል ስለ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ጉዳይ ዝምልከትን ብዛዕባ ተራኻብነት ዝነበሮም ብቕዓት ብኽሉ ዝንገረሎም በዓል ዓቢይ ሙያ እዮም፡ ካብዚ ሓሊፉ እቲ ዓንዲ ኣገልግሎት ዝነበሮም እምነት ምዃኑ ጂሶቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ጸብጻብ ኣጽኒዕም የመልክቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.