2017-07-03 09:25:00

ሃገረ ቫቲካን፥ ሰነዳዊ ፊልም “ኢዮቤልዩ - ናይ ምሕረት መገዲ”


ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቤተ ምርኢት ብሉካ ሳልማሶ ዝተቐርጸ ቫቲካን መደብር ምስማዐ-ርእየት ምስ ኡኒፖልሳይ ምስ እተሰምየ ናይ ውሕስነትን ውዕል ፈጻምን ተጣባቕን ማሕበር ብምትሕብባር ንትርኢት ዝበቕዔ “ኢዮበልዩ - ናይ ምሕረት መገዲ”  እተሰምየ ሰነዳዊ ፊልም (ምስማዐ-ርእየት) ዕለት 30 ሰነ 2017 ዓ.ም. ብወግዒ ከምዝቐረበን ናይዚ ሰነዳዊ ፊልም’ዚ ኣብ ቨነዚያ በቢ ክልተ ዓመት ኣብ ዝካይድ ናይ ብሉጻት ፊልም ውድድራዊ ምርኢት ኣብቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት መበል 73 ምርኢት ክፋሉ ቀሪቡ ከምዝነበረን ከምኡ እውን ኣብ ናይ ኢጣሊያ ናይ ምስማዐ ርእየት መደብ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2016 ዓ.ም. በቲ ራይ ኡኖ ብእተሰምየ መደብር ተለቪዥን ከምእተመሓላለፈ እውን ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጋብሪኤላ ቸራዞ ገሊጸን።

እዚ ካብቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝኣወጅዎ ፍሉይ ናይ ምሕረት ዓመት ካብ ዕለት 8 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም. ክሳብ ዕለት 20 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ዝተኻየደን ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን እዚ ዓይነት ፍሉዩ ናይ ምሕረት ዓመትን ኣብ ቅዱስ መጽሓፍን ትውፊትን ብሓፈሻኡ ጥልቂ ቲዮሎጊያዊ ትርጉሙ ብሰነዳዊ ትረኻ ኣቢሉ ዝትንትን ክኸውን እንከሎ ናይዚ ሰነዳዊ ፊልም ዘሰንይ “እዛ ምሕረት”  ዘርእስቱ ብዛዕባ ምሕረት ዝምልከት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝበልዎን ቅዉም ሓሳባቱን ብናቶም ድምጺ ኣቢሉ ዘዋህድ ድሕረ ሙዚቃ ብናይ ስነ ሙዚቃን ስነ ቅንይትን ሊቅ ዝተዳልወ ከምዝዀነን ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸራዞ ኣስዒበን ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቤተ ምርኢት እቲ ሰነዳዊ ፊልም ንምቕራብ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓልዮ መራኸቢ ብዙሓን ህየንተ የኔታ ዳሪዮ ኤድዋርዶ ቪጋኖ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፥ ኣብ ወግዓዊ ናይ ምሕረት ዓመት መዕጸዊ ዕለት 20 ሕዳር 2016 ዓ.ም. እቲ ብሓቂ ምሕረት ዝብል ቃል ኣብ እምነት ክርስትና ዘለዎ ዓሚይቕ ትርጉምን ነቲ ናይ ምሕረት ዓመት ንምጻኢ ኣብ ዘማዕደወ ምንባሩን ምኽባሩን ዝተነጸባረቑ ተመክሮታት ዝድሕስስ ሰነዳዊ ፊልም ምቕራብ ብሓቒ ዓቢይ ጸጋ ምዃኑ ገሊጾም፥ ናይ ምሕረት ዓመት ካብ ከቢድ ጾር ዝሕርርን ኣብ መንጐ ፍጥረት ሰብ ፍትሒ ክውንን ታሪኽን ዝገብር እዩ። ብዝተሓሓዘ መገዲ ድማ ብዛዕባ ሕብረተሰብን ፍትሕን ሰላምን ምትሕስሳብን ምክእኣልን ዝብሉ ክቡራት ዋጋታት ንኽስትንተን ዝገብር እውን እዩ። እዚ ኣብ ታሪኽ ናይ ምሕረት ዓመታት ምእኩል ሓሳብ እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

እቲ ሓምሳ ደቓይቕ ንውሓት ዘለዎ ሰነዳዊ ፊልም ኣብ ታሪኻውን ማሕበራውን ባህላውን ፍልዩ ቆላሕታ ዘንበረ ምዃኑ ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውጸ ጉባኤ ዘረባ ዘስምዑ ናይ ስነ ታሪኽ ሊቅ ማርኮ ሮንካሊ ገሊጾም፥ 1900 ዓመታት ብሓቂ እቲ እዚዩ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ዝንጽል ባህሊ ዝሰፍሓሉ ኣዋን ክኸውን እንከሎ ናይ ምሕረት ዓመት እዚዩ ዝተራእየሉ ዓመታት እውን እዩ ኣብ 1900 ፡ 1925፡ 1929፡ ኣብ 1950፡ ኣብ መዕጸዊ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን 1964፡ ኣብ 1975 ዓ.ም. ምስ ዓውሎስ ሻድሻይን ኣብ 1983 ምስ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳማውን ድሓር እውን ናይ 2000 ዓ.ም. ኢዮቤልዩ ዘኪሮም ኣብቲ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ሸለል ኣብ ዝበሃለሉ እዋን ብሰፊሕ ዝረአይ እዋጅ እዩ። ናይ ታሪኽ ዳግመ ህንጸትን ዝተነብረሉ ዓመት ብምስትንታን ምዕደዋ መጻኢ ዝእመተሉን ናብ ሕዳሴ ታሪኽ ዝመርሕን እዩ ቢሎም ኣብ ማእከላዊት ረፓብሊክ ኣፍሪቃ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ፍሉይ ናይ ምሕረት ዓመት ብወግዒ እንከጀምሩ ዝተነብረ ሊጡርጊያዊ ስነ ስርዓትንን መንፈስን ከምኡ እውን ኣብ ናይ ምሕረት ዓመት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓርቢ ዝተነብረ መደብ ምሕረት ዓርብን ኣስተምህሮ ቅዱስ ኣቦናን ብሓፈሻኡ እምነት ክርስትና ናብቲ ሕመረቱ ከብልን ንሱ ድማ ዘለዎ ናይ ምሕረት ኣድማስ ዘድምዕ ምዃኑ ተንቲኖም ኣብ ናይ ስነ ባህሊ መድረኻት እውን ብዛዕባ ምሕረትን ሙሉእ ስርየትን ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ክሳብ እዋናዊ ድርሰታት ዝተውሃቦ ትንታኔታት ዘማከሉ ዓውደ ጉባኤታትን ዓውደ መጽናዕትታትን ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ተኰር ዝኾነ ናይ ስነ ቅብእን ኣሳእልን ከምኡ እውን መደብ ምርኢት ጽሑፋትን ድርሰታትን እውን ከምዝቐረበን ዘኪሮም፡ እዚ ኩሉ ናይ ምሕረት ተመክሮ ዘንበረን ኩላትና መጋበርያ ምሕረት ንኽንከውን ዘተባብዔን እዩ  ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸራዞ ኣስዒበን የኔታ ዳሪዮ ቪጋኖ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ እቲ ሰነዳዊ  ፊልም ብተደጋጋሚ ዝተሰምዐን ዝተገልጸን ቃል ምሕረት ኣስተንፍሶ ገይሩ ጭቡጥ ንምግባር ዝበቕዔ ተራን ግልጽን ምንባሩ እንክመልክቱ፥ ብቐዳምነት ታሪኻውን ሕንጸትን ቀጺሉ ድማ ሙያዊ ብቕዓት ስነ ቀረጻን ናይ ቲዮሎጊያን ከምኡ እውን ናይ ታሪኽ ሊቃውንቲ ዝተወከሰ ትንተናን ብሳልሳይ ደረጃ ድማ ብምስልን ናይ ሰባት ተክለ ሰብነት ብምትእትታው ዝተገልጸ እቶም ናብ ናይ ምሕረት ተመክሮ ዘሰነዩ ነቲ ናይ ሓባር ኣካላውን ጭቡጥን መንፈሳውን ጉዕዞ ዝዓሰሎ ኣቀራርባ ዘነቓቕሑን ዘዘኻኸረ ሰነዳዊ ፊልም እዩ ከምዝበሉን  ቀጺሎም እውን ናይ መራኸቢ ብዙሃን ቤት ዕዮ ኣመሓዳሪ ኒኮላ ሳልቪ፥ ብዛዕባ ምሕረት ዝዛረቡን ዝገልጹን ኣብ እዋን ፍሉይ ናይ ምሕረት ዓመት ብዝተፈላለየ መዳይ ዝተነብሩ መንፈሳውያን ተግባራት ብምትእኽኻብ ነቲ ዝተነብረ ንገዝእ ርእሱ ምሉእ ዝዀነ ታሪኽ ምስ ካልኦት ተመሳሳሊ ታሪኻት ብምልጋብ ብዙሓት ታሪኽ ዘይኰነስ ከም ናይ ሓደ ጥርኑፍ ታሪኽ ምዕራፋት ምሕረት ብዝብል ኣርእስቲ ዝተደርሰ ሓደ ቀጥዒ ብዘለዎ መልክዕ ዝቐረበ ጭቡጥ ታሪኽ እዩ ከምዝበሉን ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ነቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ኣብ እዋን ናይ ምሕረት ዓመት ብዛዕባ ምሕረት ዝበልዎን ዝገለጽዎን ኣስተምህሮን ቃሎምን ሞዚቑን ቃንዩን ነቲ ሰነዳዊ ፊልም ዘሰንይ  ድሕረ ባይታዊ ሙዚቃ ንዝደረሱ ሳንድሮ ዲ ስተፋኖ ምስጋና ከምዘቕረበ ገሊጸን።








All the contents on this site are copyrighted ©.