2017-06-27 16:01:00

ካርዲናላት ሰቆቃው ሽምግልና ዘይኮነስ ንመንእሰያት ሰናይ ዝሓልሙ (ዝምነዩ) ክኾኑ ኣለዎም። ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 27 ሰነ 2017 ዓምፈ ናይ ጵጵስናኦም ብሩራዊ ኢዮቤል ማለት መዓርገ ጵጵስና ካብ ዝለብሱ ናይ 25 ዓመት ዝኽሪ ምስ ኩሎም ኣብ ሮማ ዝርከቡ ብፁዓን ካርዲናላት ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ዝርከብ ቤተጸሎት ቅዱስ ጳውሎስ ብሓባር ናይ ምስጋና ቅዳሴ ከምዘዕረጉ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ሓቢሩ፣

ናይ ሎሚ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ይገብር ቅዱስነቶም ብዕለት 20 ግንቦት 1992 ዓምፈ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንመዓርገ ጵጵስና እንክሓጽይዎም ሥዩመ ኦካ ብማለት ናይ ብወኖስ ኣየርስ ሓጋዚ ጳጳስ ክኾኑ ሾምዎም፣ ብዕለት 27 ሰነ 1992 ዓምፈ ከኣ ናይታ ከተማ ሊቀ ጳጳስ ብዝነበሩ ብፁዕ ካርዲናል ኣንቶንዮ ኳራቺኖ ምስ ብፁዕ ኣቡነ ኤሚልዮ ኦኘኖቪችን ናይ ኡባልዶ ካላብረሲ ሊቀ ጳጳስ ኮይኖም ብኣንብሮተ እድ መዓርገ ጵጵስና ኣለበስዎም፣ ቅዱስነቶም ከም መሪሕ ቃል ናይ ጵጵስናኦም ዝመርጽዋ ናይቲ ክቡርን ቅዱስን ሊቅ ቤተክርስትያንን ዝኾነ በዳ ብዛዕባ ጸዋዕታ ማቴዎስ ወንጌላዊ ዝበለን ቃላት  ‘ብዓይኒ ድንጋጸን ምሕረትን ጠመቶ ሓረዮ ከኣ’ ዝብላ ነበራ፣ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ዕለት 2 ሰነ 1997 ዓም ከኣ ተሓጋጋዚ ናይ ብወነስ ኣየርስ ሊቀ ጳጳስ ተሾሙ ብዕለት 28 ለካቲት 1998 ዓም ከኣ እቶም ዝሾሙዎም ሊቀጳጳስ ስለዝዓረጉ ንሶም ተኪኦሞም ናይ ኣርጀንቲና ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን መራሒ ኮኑ፣ ቀጺሎም ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ብዕለት 21 ለካቲት 2001 ዓም ሥዩመ ቅዱስ ሮበርቶ በላርሚኖ እንክብሉ ናብ መዓርገ ካርዲናልነት ኣደየብዎም፣

ነዚ ታሪኽዚ ንምዝካርን ነቲ ቅድሚ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት መሪሕ ቃል ጵጵስናኦም ገሮም ዝመርጽዎ ‘ብዓይኒ ምሕረት ጠሚቱ ንዝሓረዮም’ ንምምጋንን ልሚ ንግሆ ብብዙሓት ካርዲናላት ተሰንዮም መሥዋዕተ ቅዳሴ ዘዕረጉ፣

ነቲ ምስኦም ሓቢሮም ነዚ ናይ ምስጋና ቅዳሴ ዘዕረጉ ካርዲናላት ‘ንናይ ሎሚ መንእሰያት ሓለምቲ ኣቦሓጎታት ክኾኑ ኣለዎም` እንክብሉ ነዊሕ ዕድመ ሽሕኳ ጸጋ እንተኾነ ኣብ ቤተክርስትያን ግን ሽምግልና እናኣሰሰኻ ከምዚ ኢና ነርና እናበልካ ንመጻኢ ናይ መንእሰይ ወለዶ ከይሓሰብካ ኣብ ታሪኽ ጥራይ ተዓጺኻ ምንባር ጥራሕ ከምዘየድሊ እንታይ ደኣ ከምቲ ኣቦና ኣብርሃም ኣብ ዘመነ ሽምግልናኡ ዝገበሮ ኣብ እግዚኣብሔር ኣሚንካ ተስፋኻ ኣብኡ ምንባር ከምዝግባእ ገሊጾም፣

ንኩሎም ኣብነት ኣብርሃም ንምኽታል ብምጽዋዕ ከኣ ከምቲ ኣብርሃም ምስ እግዚኣብሔር እናተዛተየ ቃሉ ዝሰምዕ ዝነበረን ብእምነት ዝእዘዞ ዝነበረን ንሕናውን ሎሚ ነተን እግዚኣብሔር ንኣብርሃም ‘ተንሥእ ተመልከት ተስፋ ግበር’ ዝበለን ቃላት ነስተንትን ኢሎም፣ ኣብርሃም እግዚኣብሔር እንክጽውዖ ኣብዚ ንሕና ንርከቦ ዕድሜ እዩ ነሩ ንጡረታ ገጹ እዩ ይጐዓዝ ነሩ ንከዕርፍ፣ ሕስብ እሞ ኣብልዎ ሓደ ኣጸቢቁ ዝሸምገለ ሰብኣይ ክንደይ ሕማምን ስቃይን ሒዙ ዝጐዓዝ ንዝነበረ ከም ንሓደ መንእሰይ ዝእዝዝ ተንሥእ ተጐዓዝ ይብሎ፣ እዘን ቃላት እዚአን ሎሚ ንዓና ምናዳ ኣብ ከባቢ ዕድመ ኣብርሃም እንርከብ ንነፍሲወከፍና ይድግመና ኣለዋ፣ ስለዚ ካርድናላት ጸብጸብቲ ዕድመ ሽምግልናን ኣኽረርቱን ዘይኮኑስ ንመንእሰይ ወለዶ ሰናይ ዝምነዩ ‘ሓለምቲ ኣቦሓጎታት’ እዮም ክኾኑ ዘለዎም፣ ሕወትና ኣብ ታሪኽና ንዓጽወሉ ግዜ ኣይኮነን። ጐይታ ታሪኽኩም ገና ንመጻኢ ዝምልከት ተልእኾ ዝሓዘ  ክፉት ነገር እምበር ዕጽው ኣይኮነን፣ ስለዚ ከምቲ ናይ ኣብርሃም ንነፍሲወከፍና ተንሥእ ተመልከት ተስፋ ግበር ይብለና ኣሎ፣

ምናልባት ገሊኦም ጽቡቅ ቤተክርስትያን ዘይደልዩ `ካላ እዛ ቤተክርስትያን እዚኣ ከኣ ቈንቈና ታሪኽ ሽምግልና ጥራይ ሒዛ’ ክብል ይኽእል፣ እዚ ግን መሰረት ዘይብሉ ጌጋ ኣተሓሳስባ እዩ፣ ንሕና ወለዲ ኢና ኣቦሓጎታት ኢና፣ እዚ ዘይስምዓና እንተኾይኑ ኦ ጐይታ መንፈስ ኣቦነትን ኣቦሓጎነትን ክስምዓና ጸጋኻ ሃበና ንበል፣ ከም ኣቦሓጎታት ነቶም ትርጉም ሕይወት ክፈልጡ ደልዮም ሃንቀው ዝብሉ ደቂ ደቅና ተመኲሮና ክነካፍሎም ኣሎና፣ ዓለምና ሎሚ ሰናይ ዝምነዪ ሓለምቲ ኣቦሓጎታት የድልይዋ ካብዚ ከኣ እቶም ንኣሽቱ ንክንበዩን ንቅድሚት ክግስግሱን ዕዮ ገዛኦም ክፍጽሙን ሓይሊ ክረኽቡ እዮም፣ ሎሚ ጐይታ ንነፍሲወከፍና ኣቦሓጎታት ክንከውንን ሓይሊ ጉብዝና ክስመዓናን ግዲ ይብለና ኣሎ ከመይ መንእሰያት ካባና ነዚ እዮም ዝጽበዩ፣ ስለዚ ንጐይታ ኣባሓጎታት ናይ ምዃን ጸጋን ናብ መንእሰያትና እነመሓላልፎ ናይ ምሕላም ጸጋን ዓድለና ኢልና ንለምኖ፣ እንክብሉ ስብከቶም ምስ ዛዘሙ ኣብ ፍጻሜ ቅዳሴ ንኩሎም ኣብቲ ቅዳሴ ዝተሳተፉ ካርዲናላት ኣመስጊኖም፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.