2017-06-23 09:30:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ስደተይናታት ዝምልከት ሕጊ ኣገዳሲ እዩ


ዕለት 21 ሰነ 2017 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ደጊሞም ብዛዕባ ትግባረ ሓልዮት ንስደተይናታት ጻውዒት ኣቕሪቦም እቲ ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ብፍትሒ ዘመሓድር ብቑዕን ግቡእን ሕጊ ረቒቑ ኣብ ግብሪ ክውዕል ካብ ማቴዎስ ወንጌል ምዕ. 25 ፍቕዲ 35 “ጋሻ ከይነ መጺኤ ..” ዝብል ቃል ኣምሪሑ “ጓሻ -  ሰናይ ዝገበር ሰብኣዊ” ብዝብል መርሕ ቃል ኣብ ኢጣሊያ ዝካየድ ዘሎ ጎስጓስ ዝነኣድ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፍራንቸስካ ሳባቲነሊ ኣስዒበን በታ ዕለት እቲኣ እውን ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ረድኤት ማሕበር ጨንፈር ኢጣሊያ ምስቲ ዛዕባ ጉዳይ ስደተይናታት ዝከታተል ማሕበር ሓልዮ ስደተይናታት ብምትሕብባር በቢ ዓመቱ ዘዳልዎ ብዛዕባ ጉዳይ ስደተይናታት ዝምልከት 2016 ዓ.ም. ናይ መጽንዕቲ ሰነድ ንንባብ ከምዝበቕዔ  ኣፍሊጠን።

ቅዱስ ኣቦና ዕለት 20 ሰነ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ተመዛበልቲ ተዘኪሩ ዝውዕለሉ ዕለት ምኽንያት ዕለት 19 ሰነ 2017 ዓ.ም. ኣብ ሰበኻ ሮማ ዝርከባ ቁምስናታትን ዝተፈላለዩ መንፈሳዊ ማሕበራትን ዝተዓቖቡ ስደተይናታት ወከልቲ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን እቲ ኣብ ኢጣሊያ “ጋሻ ከይነ መጺኤ ..” ዝብል ቃል ኣምሪሑ “ጓሻ -  ሰናይ ዝገበር ሰብኣዊ” ብዝብል መርሕ ቃል ተሰንዮ ዝካየድ ዘሎ ንናይ ስደተይናታት ሓልዮ ጎስጓስ ንኢዶም፡ ስለ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሓልዮ ምዕያይን ስለኤም ጠበቓ ምቛም ምርጫ ኣይኰነን ወንጌላዊ ሓላፍነት እዩ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሳባቲነሊ ሓቢረን፡ ኣስዒበን ድማ ናይ ኣግሪጀንቶ ሰበኻ ሊቀ ጳጳስን ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ረድኤት ማሕበር ጨንፈር ኢጣሊያ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፍራንቸስኮ ሞንተነግሮ እውን ብወገኖም በራትናን እተሸገጥናን ግንብታትና እውን ኣልዒልና እንተሓነጽና ጸኣት ስደተት ብጥራሽ ዘይዕገት ማሕበራዊ ክስተት እዩ። ካብ ውግእን ጥምየትን ሕሰምን ድኽነትን ገዛእ ርእሱ ከድሕን ቢሉ ዘይስደድ መን እዩ? ገዛእ ርእስኻ ምድሓን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን እዩ፡ ነቶም ዝስደዱ ከም ማካይን ኣብ ግዚያዊ መቖምያ ሓዲግና መግቢ ንምብጻሕ ጥራሕ ምርካቦም ንበይኑ እኹል ኣይኰነን ካብቲ ዝቐርበሎም ምትሕብባር ዝበረኸ ሓገዝን ደገፍን የድልዮም እንክብሉ እቲ መበል 26 ዛዕባ ስደተይናታት ዝምልከት ናይ መጽናዕቲ ሰነድ 2016 ዓ.ም. ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ክምዘስመርሉ ኣመልኪተን።

ብፁዕ ካርዲናል ሞንተነግሮ ኣብ ዘስሞዎ ዘረባ እቶም ኣብ ኢጣሊያ ዝርከቡ ስደተይናታት ብፍላይ ድማ እቶም ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣብ ኢጣሊያ ዝነብሩን ደቃቶም ምስ ብጾቶም ኢጣሊያ ዜጋታት ዝዓብዩን ኣብ ናይ ኢጣሊያ ማሕበራዊ ሕይወት ዝሳተፉን ክነሶም ከም ኢጣሊያውያን ተቐቢልካ ዜጋታት ደቂ ሃገር ቢልካ ንምፍላጦም ናይ ፖለቲካ ስልጣን ብዙሕ ዘሸግሮ እዩ ዝመስል። ሕብሪ ቆርበትን ካልኦት ናይ ኣጋጣሚ ፈላላይ ክስተት ካብ ዘማእከል ኣመለኻኽታ ናጻ ምውጻእ የድሊ። ተፈሊዮም ተነጺሎም ንኽነብሩ ኣይነገድዶም ኣብዚ እናነበርካ ግና ኣብ ሕዝባውን ማሕበራውን ፖለቲካውን ጉዳይ ዘይትዋሳእ ኴይንካ ምንባር ክንደይ ይሓስም! እዚ ንገዛእ ርእሱ ዓቢይ ኣድልዎ እዩ ከምዝበሉ ሳባቲነሊ ኣፍሊጠን።

ቀጺሎም ዘረባ ዘስምዑ ማሕበር ሓልዮ ስደተይናታት ኣብ ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ስነ ምርምርን መጽናዕትን ዝዓያ ደልፊና ሊካታ ብወገነን፥ ኣብ ኢጣሊያ ካብ 198 ሃገራት ዝተሰዱ ብጠቕላላ ቁሩብ ልዕሊ 5 ሚሊዮን ዝግመቱ ስደተይናታት ከምዘለዉን እቶም ዝበዝሑ ድማ ሩመናውያንን ኣልባናውያንን ሞሮካውያንን ከምዝዀኑ ገሊጸን ዝተሓናፈጸ መርዓ ማለት ምስ ዜጋታት ኢጣሊያ ዝመራዓዉ ብዝሒ ስደተይናታት እውን ክብ ይብል ከምዘሎን በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ ናይ ኢጣሊያ ዜግነት ዝቕበሉ ብዝሒ ስደተይናታት ክብ ይብል ምህላዉ ሓቢረን። ብሓቂ ናይ ባህልታት ምርኻብ ዝረኣየሉ ኣጋጣሚ እዩ ከምዝበላ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሳባቲነሊ ገሊጸን።   








All the contents on this site are copyrighted ©.