2017-06-17 18:43:00

፪ይ ሰንበት ዘዘመነ ዕርገት 2009 ዓ.ም. ብዓል ቅ. ቍርባን ሰነ 11 2009 ዓ.ም. (6/18/2017)


 

፪ይ ሰንበት ዘዘመነ ዕርገት 2009 ዓ.ም.

መዝሙር፡ ዘምሩ ለእዚአብሔር ጻድቃኑ እስመ ተንሥአ ክርስቶስ እሙታን. . . . . ።

ንባባት፡  ኤፈ 4፡1-13፥ 1ጴጥ 1፡1-9፥ ግ.ሓ. 8፡14-25፥ ዮሓ 16፡25-ፍ

ምስባክ፡ወበመንፈስ አዚዝ አጽንዓኒ፥ ከም እምሃሮሙ ለኃጥአን ፍኖተከ፥ ወረሲዓን ይትመየጡ   ኀቤከ

መዝሙር፡ ጻድቃን ንእግዚአብሔር ዘምሩሉ ክርስቶስ ካብ ሙታን ስለ ዝተንሥአ፥ አብዚ መዓጹ ሓጺን ሰበረ፥ አብዚ ንቀዳማይ ፍጥረቱ አውጽኦ፥ ንቶማስ ርግዘት ጎኑ ንእንድርያስ ቅንዋት አእዳዉ አርእዮ። አብ አርብዓ መዓልቱ ብክብሪ ንሰማይ ዓረገ፥ ምስ መላእኽቱ ንእግዚአብሔር ዘምሩ ጻድቃኑ ንዝኽሪ ቅዱሳቱ ኸአ አምስግኑ።

ናይ ሎሚ ሰንበት አስተንትኖና አብ ክልተ ነገር ዘተኮረ እዩ፡ ፩ያ ናይ ሰንበት ቃል አምላኽ መሰረት ገርና ክነስተንትን። ፪ይ ሎሚ መዓልቲ አቦታት እዩ። እዚ ዓለማዊ ብዓል ወላ ይኹን ከም ክርስትያን ንሓላፍነት አቦ ክንዝክር ከምኡ ነቦታት ሰናይ ትምኒትና እናገለጽና አብ ጸሎትና እናዘከርና መንፈሳዊ መልእኽቱ ክንርኢ ኢና።

ዘዘመነ ዕርገት ክንብል እንከሎና ኢየሱስ ንሰማይ ምስ ዓረገ ምስኡ ክህልወና ዘለዎ ርክብ ክንሓስብ ብፍላይ ከአ አብ ስብከተ ወንጌልን አብ ቅድስና ርእስና ብዝያዳ ክንወፍር ዘዘኻክር እዋን እዩ። ሓዋርያት ድሕሪ ዕርገት ጎይታ አብ ስብከተ ወንጌል ወፊሮም አብ ኩሉ አብጺሖሞ መብዝሕትኦም ብሰማዕትነት ሓሊፎም፥ እዚ እዩ ናይ ሓደ ዕርገት ኢየሱስ ዘብዕል ዕጫ ምእንቲ ወንጌል ሕይወትካ ምውፋይ። ሎሚ ሕይወትና ክነሕልፍ ዘይኮነ ብእንነብሮን እንገብሮን እምነትና ክንምስክር እዩ ዝድለ ዘሎ እሞ ንኢየሱስ ክንልአኾ ልብና ንኽፈተሉ።

ምስጢር ዕርገት አምላኽ አስተንቲና ነቲ አምላኽ ዝገበረልና ክንዝክር ዘኪርና ዋጋ ድሕነትና ተገንዚብና ክንክእል ዝሕግዘና መዝሙር እዩ። ትንሣኤ ክርስቶስ ንሙታንን ሕያዋንን ናብ አምላኽ ዘቕርብ ፍጻሜ እዩ፥ ብእምነት ተመሪሕና ነቲ ምእንታና ሞይቱ ዝተንሥአ ዘኪርና ሓዲስ ርክብ ምስ አምላኽን ሰብን ክንገብር ንሕተት አሎና። እዚ ዘሎናዮ እዋን ብብርሃን መንፈስ ቅዱስ ተመሪሕና ንጉዕዞ ቅድስና ክንተሓሓዞ ዝነግር ስለ ዝኾነ ንቅድስና ንበገስ።

ናይ ሎሚ ወንጌል ካብ ዮሓ 16፡25-ፍ እዩ። ሓዋርያት ኩሉ ኢየሱስ ዝበሎም ከም ዝተረድኦም ነጊሮም እንተ ኾነ ብሓቂ ተረዲእዎም እንተ ኾይኑ ክተረግጋግጽ ቀሊል አይኮነን ምኽንያቱ ክሳብ ምውርድ መንፈስ ቅዱስ ይሃድሙን ይሕብኡን ይፈርሑን ነሮም መንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐበሉ ግን ደፊሮም አብ አደባባያትን ቤተ ምኹራባትን ከተማታትን አብኩሉ ብድፍረት ክሰብኩ ጀሚሮም። ኢየሱስ ንሕትኦም አግሂዱን ቀልጢፉን ስለ ዝመለሰሎም ተገሪሞም በዚ ኸአ ካብ አምላኽ ከምዝመጽአ ንአምን ኢሎም።

ኢየሱስ ከም ኩሉ ጊዜ ዕሞቕ እምነቶም ክፍትን ኢሉ ሓቲትዎም። ወላ እኳ ሕጂ እምነቶም ይግለጹ ድሕሪ ሓጺር ጊዜ ኩሎም ሓዲጎሞ ፋሕ ክብሉ ክሃድሙ ተራእዮም። ብርግጽ ወላ እንተ ሓደግዎ ኢየሱስ ግን ንበይኑ አይኮነን ሰማያዊ አብኡ ኩሉ ጊዜ ምስኡ አሎ። ወላ አብቲ ጽንኩር እዋን አምላኸይ አምላኸይ ስለምንታይ ሓደግካኒ አብ ዝብለሉ ዝነበረ እዋን ምስኡ ነሩ። ሰባት ጽቡቕ ነገር አብ ዝገብሩሉ እዋን ንበይኖም አይኮኑን አምላኽ ምስኦም አሎ። ጽቡቕ ክንገብር ከሎና አብ ገለ እዋን ብአንጻሩ ክፉእን ዘይተጸበናዮን ክወርደና ይክአል እዩ ግን ክንፈልጦ ዘሎና አምላኽ ምሳና አሎ። ብፈተናን ጸበባን ክንሽነፍ የብልናን እዚ እዩ ሎሚ ኢየሱስ ዘስተምህረና።

እዚ ኹሉ ዝበለም ከፈራርሖም ኢሉ ዘይኮነ አብኡ ሰላም ምእንቲ ክረኽቡ ኢሉ እዩ። አብ ዝመጽአ መዓልታትንን አብ ዝስዕብ ጊዜን ብዙሕ ፈተናን ጸገምን ክጓነፎም እዩ። ግን ክፈርሑ የብሎምን ምኽንያቱ ኢየሱስ ንዓለም ስዒርዋ እዩ እዚ ብፖሎቲካዊ ወይ ቁጠባዊ መዳይ አይኮነን ናይ ዓለም ክፍአት ብምስዓሩ እዩ። ሓዋርያቱ ክሳብ ምስኡ ሓቢሮም ዝተጓዕዙ አብዚ ዓወት ክሕወሱ እዮም። ንዓለም ክንስዕራ ምስአ ምርብራብ የድልየና እና ተዛነኻ ወዲ ክርስቶስ ክትከውን ቀሊል አይኮነን፥ ዕለት ዕለት አሎኹ እናበልካ አስር ጎይታ ምምራሽ የድሊ።

ሰብ እንታይ ምስ ኮነ እዩ ዝፈርሕ? ብርግጽ እምነት ምስ አጉደለ ንአምላኽ ሓዲጉ አብ ርእሱ ጥራሕ እምነት ምስ ገበረ ከምኡ ብትዕቢት ተዋሒጡ ንሓውን አምላኹን ምስ ሓደገ ናይ እዚ ዓለም ነገራት ንሕይወቱ ምልአት ሓጎስ ክህብዎ አይክእሉን እዮም። እዚ አብ ሕይወትናን አብ ሕይወት ካልኦትን ክንርእዮ ንኽእል። አብ ንብረት ሥጋ ጥራሕ ዘተኮረ ሕይወት ኩሉ ጊዜ እናፈርሐን ተጠራጠርን እዩ ዝነብር። በዚ እዩ ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ድሕሪ ትንሣኤ ደጋጊሙ አይትፍርሑ አነ እየ ሰላም ምሳኻትኩም ይኹን ዝበሎም። ሰላም አብ አምላኽ ጥራሕ እያ እትርከብ።

እዘን ቃላት ንኹላትና ትርጉም አለውን ብፍላይ አብ ሕይወትና ዝተፈላለየ ጸገምን ፈተናን ነሕልፍ እንተሊና። ጉዕዞ ሕይወት ዝያዳ ዝመርር ንበይንና ብዘይ አምላኽ ክንጉዓዞ ከሎና ጥራሕ እዩ። ምሉእ እምነት ገርና ንዝኾነ ዝጓነፈና ጸገም ፈተና ክንሓልፎ ተስፋ ከይቆረጽና ሕይወትናን ብጽቡቕ ርክብና ምስ አምላኽን ሰብን ክንቅጽል አሎና። ጸገም ተጓኒፍኒ ኢልካ ካብ መስቀል ምህዳም ዝገደደ መስቀል እዩ ዘውርደልና ስለዚ ንዘሎና መስቀል ክሳብ አብ ትንሣኤ እነብጽሖ ከም መምህርና ጸርናዮ ክንምርሽ ጥራሕ እዩ ዘሎና። ብፈተናን ጸበባን ዝሓለፈ ጥራሕ እዩ ጽሩይ ተኸታሊ ክርስቶስ ዝኸውን። ቅ. ጳውሎስ ነዚ ከረድእና ኢሉ ቅልስና ምስሕልቅነትን ሥልጣናትን ምስቶም ንዘመን ጸልማት ዜመድኃድሩ ገዛእቲ ዓለምን ምስቶም ክፉአት መናፍስትን አብ ሰማያት ዘለዉ እዩ እምበር ምስ ሰብ አይኮነን (ኤፈ 6፡12) ይብለና።

እንምነዮ ሰላም ፍቕሪ ምስ ኢየሱስ ሓቀኛ ርክብ ክህልወና እንከሎ ጥራሕ እዩ ዝርከብ። ብምሉእ እምነት ሕይወትና አብ ትሕቲ አምላኽ እንተ ሓደግናዮ ሽዑ እንምነዮ ክውሃበና እዩ፥ ስለዚ ንኹሉ አብ ኢድ ኢየሱስ ንሕደጎ። ንሱ ንኹሉ ይፈልጥ እዩ ልዕሊ ኹሉ ከአ ባዕሉ ብአኡ ሓሊፉ እዩ።                                                                                                                                                    ኢየሱስ ሓዋርያት አብቲ ብዝያዳ ዝደልይዎ ጊዜ ሓዲጎሞ ከም ዝኸዱ ይፈልጥ ነሩ እዩ፥ እንተ ኾነ አይጸልኦምን የፍቅሮም ነሩ ካልእ ዘገርም ከአ ጌና ይአምኖም ነሩ። ንሱ ኩነታት ሰብ ይፈልጥ እዩ አብቲ ዝሓመቐን ዝኸፍአን ተግባር ጌና የፍቅርን ይአምንን። ንሓደ ሰብ ክትምሕሮ ክትሓድገሉ ቀሊል እዩ ግን ክትአምኖ ቀሊል አይኮነን ብዝያዳ ሕማቕ ንዝገበረካ። ኢየሱስ ንሓዋርያት ብሰንኪ ድኻምነትኩም ክትወድቁ ኢኹም እንተ ኾነ አብ መጨረሻ ክትዕወቱ ኢኹም ይብሎም። አብ ዓለምና ሕድገትን እምነትን ብሓደ ክኸዳ አይተራእያን ኢየሱስ ግን ብግሉጽ ነጊሩና እዩ።

ኢየሱስ ንሓዋርያት ክሒዶሞን ሓዲጎሞን ከለዉ ድሕሪ ትንሣኤ እንደገና ተመሊስዎም ወላ ሓንቲ ነቲ ዝገበርዎ አይዘክርሎምን እኳድአ ከም ዘፍቅሮም ነጊርዎም። አብዚ እንርእዮ አምላኽ አብ ጊዜ ድኻምና እዩ ብዝያዳ ዘፍቅረና። ንሰባት ነፍቅሮም እንተ ኾና ብንጹሕ ሕልና ክንርእዮም አሎና ፍርቂ ፍርቂ የለን። ከምቲ ኢየሱስ ንድኽመት አርድእቱ ዘይረአየ ንሕና እውን ንድኽመት አሕዋትናን አሓትናን ክንርኢ የብልናን። ከም ዘለውዎ ክነፍቅሮም አሎና።

ኢየሱስ ዓወቱ ዓወትና ክኸውን ኢሉ አብ ዓለም ጸበባ አሎኩም እንተ ኾነ አጆኹም አነ ንዓለም ስዒረያ እየ እናበለ ክንዕወት ከምዘሎና ይነግረና። ዓወትና ነቲ ኢየሱስ ዝብለና ብምእማን አብ ግብሪ በቲ ዘበለና ክንመርሕ ከሎና ጥራሕ እዩ። እሞ ሎሚ እውን ኦ ኢየሱስ መምህርና ብፍላይ አብ ጽንኩር እዋን ምሉእ እምነት ገርና ክንስዕበካ ሓግዘና ንበሎ ነዚ የብቅዓና። 

  ለ. መዓልቲ አቦታት።

አቦ ምዃን ካብ አምላኽ ዝውሃብ ህያብ እዩ። እግዚአብሔር አቦ ንብሎ ምኽንያቱ ናይ ኩሉ ናትና ዘበለ ዋንኡ ንሱ ስለዝኾነ፥ ኣቦ ማለት ምንጪ ማለት እዩ ኩሉ ካብ አቦ ይጅምር ናብኡ ኸአ ይምለስ። አቦታት ቀዳማይ ተልእኮኦም ንአምላኽ ምምሳል እዩ። መራሕቲ ምዃን። መርሕነትኩም ከአ ንገዛኹም ናብ አምልኽ ገጽኩም ምምራሕ። ናብ አምላኽ ክንበጽሕ ሓገዝ የድልየና፥ መራሕቲ የድልዩና መራሕቲ ግን መጀመርያ ክመርሑ ነቲ መገዲ ክፈልጡ ይግባእ መገዲ ዘይፈልጥ ክመርሕ አይክእልን እዩ። ክትመርሕ ስንቂ የድልየካ ምምራሕ ጉዕዞ ስለዝኾነ ብኹሉ ክትሰናዶ ይግባእ፥ተባዕ፥ ቆራጽ፥ ውፉይ፥ አብነታዊ ንመስዋዕቲ ስንዱው ክትከውን ይግባእ። መራሒ ንፉዕ ክኸውን እንከሎ ግድነት ወረስቲ አለዎ አብነቱ ዝኽተሉ ኩሉ ግዜ ዝገበሮን ዝበሎን ዝዝክሩ።

አቦ ዝልአኹ ክፈጥር አልኦ፥ ክርስቶስ መድሓኒና ንሓዋርያቱ ነቲ ንሱ ዝገበሮ ክገብሩ አብኩሉ ዓለም ክሰብኩ ልኢኽዎም፥ ንአኹም ዝሰምዔ ንአይ ሰምዔ እናበለ አባታዊ ምሕጽንታ ሂብዎም። ኣቦ ክልእኽ ውሉድ ክልአኽ ሕጊ አምላኽ እዩ። አቦታት ሎሚ ልኡኻት ክትኮኑ ዝተሓረኽምሉ ዕለት ትዝክሩ አሎኹም። አቦ አብ እምነትና ተልእኮኡ ምምራሕ፥ ምጕሳይ፥ ምእካብ እዩ። በዚ ዝምራሕ ቤት ቤት አምላኽ እዩ። አቦ ጸዋዕትኡ ንዝርሓቐ ምቕራብ፥ ንዝተሸገረ ምርሃው፥ ንዝተጋገየ ምምሓር፥ ንዝተባእሰ ምዕራቕ፥ ንኹሉ ዝጸውርን ዝእክብን እዩ። ኢየሱስ አነ ሕያዋይ ጓሳ እየ ይብለና ሓላፍነት አቦ ምጉሳይ እዩ። ጓሳ ንመጓሰኡ ክሓሊ ክከታተል ኣብ ዝበለጸ ስዕሩር ቦታ ክወስድ ግብኡ እዩ። አቦ እውን ንስዳራ ቤቱ ክሕሉ ክአሊ ንዝተጋገየ ክአሊ ዋና ገዝኡ እዩ።

ካብ ሃገር ወጻኢ እትርክቡ አቦታት ፍሉይ ሓላፍነት አሎኩም፥ ነዚ አብነት ዝኾኑና ህዝበ እስራኤል እዮም አብዝተፈላለየ ታሪኾም እንተ ርኤን ሓደ ካብቲ ቀንዲ ተራ አቦታት ዝነበረ ህዝቢ ባህሉ እምነቱ ከየጥፍእ ዝሕግዙ ዝነበሩ ንፉዓት አቦታት መራሕቲ ስለዝነበርዎም እዩ። ልዕሊ ኹሉ ናብ አምላኽ ዝመልሱ አቦታት ስለዝነበርዎም ታሪኾም ባህሎም ክዕቅቡ ክኢሎም። ሎሚ ንስኹም ናይ እዞም ወርስትኹም ዝኾኑ ደቅኹም መማህራን ባህሎም ከምኡ እምነቶም ክትኮኑ እትዝክሩሉ ምቹእ ግዜ እዩ።

አብ ሕይወት አቦ ዝዓበየ ገበን ዝገብራ ንስድርኡ ከሎ ዝኽትምና ከእቱ እንከሎ እዩ፥ ሓላፍነቱ ዘንጊዑ አብካልእ ጥራሕ ተዋሒጡ ክጉዓዝ እንከሎ ገዝኡ ጸልማት ይሰፍኖ። ቅ. ጳውሎስ ንጢሜተዎስ “ለቢስካዮ ዘሎኻ ሓልፍነት ፍለጥ ስለዚ ትጋህ፥ ገስጽ ተዛረብ” ይብሎ፥ አቦታት ሕርየትኩም እዚ እዩ ቤትኩም ንቅድስና ምምራሕ።

አቦ ነታ ንእሽቶይ ቤቱ ናብታ ዓባይ ስድራቤት ዝኾነት ቍምስና ከራኽብ ሓላፍነቱ እዩ፥ ነገር በቦ ክጅምር እንከሎ ውጽኢት አልኦ። ጸዋዕታ አቦ ገዝኡ ገዛ አምላኽ ምግባር እዩ። አቦ ንምልእቲ ስድራኡ ናብ አምላኽ እናመርሔ ዝጉዓዝ አብ መጨረሽታ እሙንን ሕያዋይን ብሓጎስ ናብ ቤት ጎይታኻ እቶ ዝብል ቃል ክርስቶስ ክሰምዕ እዩ።

ከም ቁምስና መጠን ሎሚ ንሕና ሓንቲ ስድራ ኢና ነዚኣ ስድራ ክንከናኸና ክንሕልዋ ናይ ነፍስወከፍና ሓልክፍነት እዩ። አብ ምህናጽ ግዛ ብዙሓት ይተሓባበሩ እንተኾነ ቀንዲ ሃንጻይ ሓድ እዩ አቦታት ሃነጽቲ ቍምስናና ኢኹም ስለዚ፥ (1) ትጉሃት ተኸተልቲ ክርስቶስ ክትኮኑ ተሳትፎኹም ክዓዝዝ ቍምስናና ከመሎ ናተይ አበርክቶ ከመሎ ክትብሉ ይግባእ። (2) አብ መንፈሳዊ ሕይወትኩም ዛሕሊ ከየጥቅዓኩም ተበራበሩ ቤተክርስትያን ንደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ዝተወሰነ አይኮነነን። (3) ዓለምና ብዝተፈላለየ መገዲ ትግፋዕ ንርኢ አሎና አቦታት አብዚ ግዜ ጸበባ ናታትኩም ፍሉይ መረሕነት ከምኡ ምጽዋር ንህላዌ ስድራቤታት ወሳኒ ስለ ዝኾነ አቦ ኹሉ ንዝኾነ አምላኽ ለምንዎ። ኩልና ብጽሎት ክነሰንዮም ሓደራ እብል።

ብሩኽ ሰንበትን መዓልቲ አቦታትንን።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ 

 

ንባባት፡  1ቆሮ 10፡16-17፥ (ዘዳ 8፡2-16)፥1ጴጥሮ 2፡12-25፥ ግ.ሓ. 27፡8-33፥  ዮሓ 6፡51-58።   ምስባክ ወሠራዕከ ማእደ በቅድሜየ፥ በአንጻሪሆሙ ለእለ ይሳቅዩኒ፥ ወአጽሓድከ በቅብእ ርእስየ።        “አብ ቅድሚ ጸላእተይ መአዲ ትሠርዓለይ፥ ንርእሰይ ብዘይቲ ቐባእካዮ” መዝ. 23፡5።

አብ ላቲናዊ ስርዓት ዝኽተሉ ብዓል ቅዱስ ቍርባን (Corpus Christi) ድሕሪ ብዓለ ጰራቅሊጦስ ዘላ ሰንበት የብዕሉ። አብ ሃገርና እውን ብምስዮናውያን ተአታትዩ አብ ዓበይቲ ቍምስናናት ብኽብሪ ብዑደት ተሰንዩ ይብዓል። ነዚ ብዓል ፍሉይ ዝገብሮ ብርእሱ ክርስቶስ ዝሰርዓልና ብዓል ስለ ዝኾነ ብፍሉይ ክነኽብሮን ክንዝክሮን ይግባእ።

አጀማምራ እዚ ብዓል ብ1230 አቢሉ ብጽዕት ጁልያና እትብሃል ካብ ማሕበር አጎስጢኖስ ዝኾነት ፈላሲት አብ Leige ዓዲ ፈረንሳይ አብ ቅ. ቍርባን ብዝነበራ ዓቢ አኽብሮት ፍሉይ ዕለት ንብዓል ቅ. ቍርባን ክግበር እትጽበ ዝነበርት እዩ ጀሚሩ። ር.ሊ.ጳ. ኡርባን IV ብኩላዊት ቤተ ክርስትያን አብ ድሕሪ ብዓል ቅ. ስላሴ (አብ ላቲናዊ ስርዓት) ዘላ ኃሙስ ክኸብር አዚዞም። ንሓዋርያዊ አገልግሎትን ብዙሓት ክሳተፍዎን ብማለት አብ ገሊኡ ሰበኻታት አብ ስዒባ እትመጽእ ሰንበት የብዕልዎ።

አብ ሶሙነ ሕማማት ዘላ ኃሙስ ጽግቦ እውን ነዚ ብዓል ነብዕሎ ኢና፥ እንተ ኾነ ምኽንያት ብዓልና አብዚ እዋን ነቲ ኢየሱስ ቅድሚ ሕማማቱን ሞቱን ናይ ፍቕሪን ዝኽርን ምልክት ኩሉ ጊዜ ብኻልእ መልክዕ ግን ሓደ ህላዌ አብ መንጎና ከምዘሎ አብ መንጎና ብቅ. ቍርባን ከምዘሎ ንምግላጽ ዝሃበና ዓቢ ህያብ ኢና እነብዕል። አብዚ ብዝያዳ አትኩሮና ንዘይሃስስ ዝኽሪ ናይ እቲ ዓቢ ሓርነት መንፈሳዊ ነጻነት ብኡ አቢሉ አምላኽ ከም ዘፍቅረና አብ አእምሮና ሕያው ኮይኑ ክነብር ዝተገብረ ኢና እንዝክር። ሓደ ካብቲ ምኽንያታት አብዚ እዋን ስለምንታይ ከም እነብዖል ዘሎና ድሕሪ ብዓለ ጰራቅሊጦስ ዘሎ እዋን ብዝያዳ ነጻ ኮና ብፍሉይ ክነስተንትን ንማለት እዩ።

አብዚ ብዓል ቅ. ቍርባን አብ ሥጋን ደምን ወዲ አምላኽ ብሓቂ ብርእሱ ኢየሱስ ከምዘሎ ኢና እንዝክር። ኩሎም ንባባትና ነዚ ብዓል ዝገልጹ እዮም።

አብ ዘዳግ 8፡2-16 እንተ አንበብና ሙሴ ንደቂ እስራኤል ነቲ አምላኽ አብ በረኻ ካብ ባርነት ግብጺ ምስ ወጽኡ ቅድሚ አብ ምድሪ ተስፋ ምእታዎም ኩሉ ዝገበረሎም ከይርስዑ የጠንቅቖም። አብ በረኻ ብህብስተ መና ከም ዝመገበኦም ይዝክረሎም፥ ክርስትያን አብ ዳሕረዋይ ዘመን ኅብስተ መና አቐዲሙ ንቅ. ቍርባን ዝሕብር ከም ዝኾነ ይገልጹ። አብ ዘፅ 16 ምስ ዘሎ እንተ አነጻጺርና እንተ ርአና ኅብስተ መና አምላኽ ንህዝቡ ከም ተአምረታዊ ምግቢ ከም ዝኾነ ንርኢ። ዘዳም ነዚ ብፍሉይ መገዲ ይትርጉሞ። ኅብስተ መና ንደቂ እስራኤል ቃል አምላኽ ምንጪ ሕይወት ከም ዝኾነ ንምምሃርን ብቐጻሊ አብ ቃል አምላኽ ክምርኮሱን ክጽግዑን ከም ዘለዎም ንምግላጽ እዩ።

1ቆሮ 10፡16-17 እምነት አብ ቅ. ቍርባን ማእከል ናይ ቀዳሞት ክርስትያን ከም ዝነበረ ዝነግር እዩ። ቅ. ጳውሎስ ዘርዚሩ ብዛዕባ አብ ጸሎተ ኃሙስ ዝተገብረን አሰራርዓ ቅ. ቍርባንን ይነግረና። ቅ. ቍርባን ነታ ክርስቶስ ርእሳ ዝኾነ ንቤተ ክርስትያን ይሃንጽ። አብ ሥጋን ደምን ክርስቶስ ምክፋል መንጪ ሕይወትን ሓድነትን ቤተ ክርስትያን ከም ሓደ ሰውነት እዩ። እንጌራ ብምብላዕ ካብ ጽዋዕ ብምስታይ ክርስትያን ምስ ክርስቶስ ጥቡቕ ርክብ ብምግባር ይሓብሩ፥ ምኽንያቱ ቅ. ቍርባን ሥጋኡን ደሙን ስለ ዝኾነ። ካብዚ ቅ. ቍርባናዊ ሓድነት ምስ ክርስቶስ ናይ ኩሎም ክርስትያን ሓድነት አብ ነነድሕዶም አብ ሓደ ሰውነት ይስዕብ። ቅ. ቍርባን ንአባላት የጽንዖም ከምኡ ናይ ሓድነቶም ተግባራዊ ምልክት እዩ።

ወንጌል ካብ ዮሓ 6፡51-58 ብዛዕባ መግቢ ሕይወት ዝተዘርበ ይነግር። ዓሚቅ መልእኽቲ ኢየሱስ እንጌራ ሕይወት ከምዝኾነ ብግሉጽ ይነግር ከምኡ ዘለዓለማዊ ሕይወት ከምዝኾነ ይእውጅ።

አብዚ ወንጌል ትርጉም እንጌራ እናገለጸ ብመሰረቱ አብ ኢየሱስ ብእምነት ከም ዝምስረት ብነጹር ቃላት ከአ አካላዊ ሥጋን ደምን ናይ እቲ ሰብ ዝኾነ አምላኽ ምዃኑ ይገልጽ። ኢየሱስ እቶም ዘለዓለማዊ ሕይወት ክረኽቡ ዝደልዩ ካብዚ ሥጋን ደምን ክምገቡ ከም ዘለዎም ገሊጹ ነጊሩ። እዚ ነቶም ዝሰምዕዎ ዝነበሩ አይሁድ ክርድእዎን ክቕበልዎን ብጣዕሚ ከቢድ እዩ ነሩ፥ ምኽንያቱ ቃላ ንቓሉ ሥጋ ምብላዕ ደም ምስታይ እንተ ወሰድናዮ በላዕ ሰብ ምዃን ማለት እዩ። አብ ታሪኽ ክርስትና እዚ ብብዙሕ ዓይነት ተተርጒሙ ግን አብ ክልተ ትርጉም ክንርእዮ ንኽእል። ፩ያ ሥጋን ደምን ኢየሱስ ዝብል ትምህርኢየሱስ ከምዝኾነ ምርዳእን ካብኡ ምብላዕ ዝብል ናይ እምነት ስራሕ ከምዝኾነ ካብቲ ዝተገልጸ ክንርድኦ አሎና ዝብል። ፪ይ ትርጉም ሥጋን ደምን ምብላዕ አብ ቅ. ቍርባን እቲ አማናይ ምስ ጎይታ ሓደ ይኸውን እዚ ኸአ ምስቲ ብመልክዕ ህብስትን ወይን ሓደ ዝኾነ እዩ ዘስምዕ። እዚ ካልአይ ትርጉም እዩ እቲ ቅኑዕ ትርጓሜ እዚ ኸአ ሓቀኛ ህላዌ አምላኽ አብ ቅ. ቍርባን። አብ ቅ. ቍርባን ምእማን ማለት ንኻልእ ትምህርቲ ኢየሱስ ከም ካልአዊ ምርአይ ማለት አይኮነን ክልቲኡ ማዕረ ማዕረ ክርአ አለዎ።

ኢየሱስ አብ ዘረብኡ ደጋጊሙ ዝብሎ ብዛዕባ ሕይወት በዚ እንጌራ ብርእሱ ኢየሱስ ዝኾነ ዝመጽእ እዩ ዝዛረብ። ነቲ ናይ ኅብስተ ማና ህያብ እውን ይሓልፎ እዩ ምኽንያቱ ዘለዓለማዊ ሕይወት ስለ ዘምጽእ።

፩ያ ቅ. ቍርባን ቀንዲ ተድባብ እምነትናን ሕይወትናን እዩ፥ በዚ ኸአ ማሕበር ቅ. ቍርባን ንብሃል። እሞ ንቅ. ቍርባን አብ ቤተ ክርስትያን ብኸመይ ንርእዮ ወይ ንርድኦ? ሎሚ ንአና እንታይ ትርጉምን መለልይን አልኦ ኢልና ንርእስና ክንሓትት ግቡእ እዩ በዚ አጋጣሚ።

ቅድም ቀዳድም ቅ. ቍርባን እንኮን ክግለጽ ዘይክአል ብአምላኽ ዝተዋህበና ህያብ እዩ። ብሓቂ ህያብ እዩ፥ ነዚ ህያብ ክንረክብ/ክንቅበል ወላ ሓንቲ እንገብሮ ወይ እውን ዘውህብ ግብሪ ክህልወና አይክእልን እዩ። ጽሩይ ህያብ አምላኽ እቲ ዘፍቅረናን ብአና ልዕሊ ዝኾነ ንሕና ክንሓስቦ እንኽእል ዝግደስን እዩ ተዋሂቡና። ቅ. ቍርባን ዝለዓለ ብዓልናን ዝበለጸ ህያብ አምላኽ ዝሃበና እዩ። ብዓል ቅ. ቍርባን ሰማያዊ ህያብ ኢየሱስ፥ ካብኡ ንአና እዩ። ምናልባት ከምኡ ምዃኑ ዘንጊዕና እንተ አሎና ከዘተኻክረና ኢላ ቤተ ክርስትያን ዓመት ዓመት ተብዕለልና።

፪ይ ቅ. ቍርባን ምስጢር (Sacrament) እዩ። ዝርአ ምልክት ጸጋን ሕይወትን አምላኽ ዝህበና። ብርግጽ ቀንዲ አድላይን ካብ ኩሎም ምስጢራት ዝዓበየ እዩ ምኽንያቱ ክርስቶስ ብርእሱ ስለዝኾነ። አብ ቅድሚ ቅ. ቍርባን ኮና እነቕርቦ ናይ አኽብሮት ጸሎት ከምዚ ይብል “ኦ ዝለዓለ ቅዱስ ምስጢር፥ ኦ ምስጢር ልዑል መለኮት፥ ኩሉ ውዳሴ ኩሉ ምስጋና ኩሉ ጊዜ ንአኻ ይኹን”። አብ ማዕከን ሥጋሁ ወደሙ ኢየሱስ ብሓቂ አሎ ብመልክዕ ህብስቲ አብኡ ኸአ ነፍስወከፍና ክንበጽሖ ምስኡ ክንዛረብ/ክነዕልል ይጽበየና።

፫ይ ቅ. ቍርባን (ቅዳሴ) መስዋዕቲ እዩ። ደማዊ ዘይኮነ ነቲ ንሓንሳእን ንሓዋርን አብ ጎቦ ቀራንዮ ዝኾነ ብትንሣኤኡ ዝተፈጸመ መስዋዕቲ ከምብሓዲሽ ይደግሞ። እታ ናይ መወዳእታ ድራር አብኡ ቅ. ቍርባን ዝሰርዓላ ናይ እቲ ኢየሱስ አብ መስቀል ምእንቲ ስሕነት ኩሎም ደቂ ሰብን ምእንቲ ኅድገት ኃጢአትን ዝገበሮ አቐዲሙ ዝሕብር እዩ። አብ መስዋዕተ ቅዳሴ (መንበረ ታቦት) ንመስዋዕቲ ኢየሱስ አብ ሰማያዊ አቦና ምእንቲ ሕድገት ኃጢአትና ኢልና (signs and symbols) ምልክትን ንጥቀም።

፬ይ ቅ. ቍርባን መንፈሳዊ መግብና እዩ። ቅ. ቍርባን መአዲ ከምቲ ኢየሱስ ነቶም ህዝቢ አብ በረኻ ዝመገቦም፥ ናይ ብሓቂ ድራር አብኡ ክርስቶስ ንገዛእ ርእሱ ንነፍሳትና ክምግብ ኢሉ  ዘወፈየሉ፥ አብ መስዋተ ቅዳሴ ብሕያው ቃል አምላኽን ካብ ሥጋ ክርስቶስ ምእንቲ ስሬት ኃጢአት ዓለም ዝሞተ፥ ካብ ቅዱስ ደሙ ነቲ አብ መንጎናን አምላኽን ዘሎ ኪዳን ከጽንዒን ህዝቡ ክገብረና ኢሉ ዘፍሰሶ ኢና እንምገብ። ብዘይ ቅ. ቍርባን አብ ሰላም፥ ፍትሒን ንፍቕርን ዘሎና ሃረታት ከዕግበና ወይ ከሓጉሰና አይክእልን እዩ። 

፭ይ ቅ. ቍርባን ምልክት ሓድነትና እዩ። ምስ ክርስቶስ ምስቲ አብ ልብና ዝተቐበልናዮ ጥራሕ ዘይኮነ  ምስቶም ኩሎም ብጾትና ምስኦም ሓቢርና ዝተቐበልናዮ፥ ኩልና ካብ ሓደ እንጌራን ካብ ሓደ ጽዋዕና ተኻፊልና። ቅ. ቍርባን መቅድመ ኩሉ ዘተሓባብር ውኅደት አብ መንጎ ደቂ ሰብ ዝፈጥር እዩ። አብዚ ዘሎናዮ እዋን ብዝያዳ አብዚ ዘተሓባብር ዘወሃሃድ ዝብል ብዝያዳ እንተ ጸቐጥና ዝበለጸ እዩ ምኽንያቱ ልዕሊ ኹሉ ዓለምና ስኢናቶ ዘላ ሓድነትን ስኒትን ስለ ዝኾነ።

፮ይ ቅ. ቍርባን መስዋዕቲ ምስጋና እዩ። ቃል ንቓሉ ቍርባን ማለት አኮቴት ምስጋና እዩ ትርጉሙ። አብ መስዋዕተ ቅዳሴ ውዳሴናን ምስጋናና ምእንቲ ኩሉ ዝገበረልና ናብ አምላኽ ነቕርብ።

ከም ዛዛሚ ሕሳብ እምብአር ቅ. ቍርባን ኩሉ ጊዜ ምሳና ከምዘሎ ዝገልጽ ናይ እቲ አማኑኤልና (እግዚአብሔር ምሳና) ዝኾነ አምላኽ እዩ። አብ ቅ. ቍርባን ንሕና ቤተ ክርስትያኑ ዝኾና ብሓባር ነቲ ሕያው ጎይታና ምስጋናና ነቕርበሉ። ከምቲ አብ ጊዜ ሥጋዌ ኢየሱስ ሰብ ዝኾነ ህብስትን ወይንን ብፍሉይ መገዲ ከም ህብስትን ወይን አብ ኢየሱስ ይልወጥ እዚ ኸአ ብምልክትን ብሓቅን። ናይ እቲ ምስጢረ ሥጋዌ ካልእ ገጽ ገርካ ምርአዩ እዩ። ስለዚ ሥጋን ደምን ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ አምላኽ ንአምላኽ አብ መንጎና ህልው ይገብሮ። እዚ ጥራሕ አይኮነን አብቲ ናይ ብሕቲ ጥራሕ ዝኾነ ሕይወቱ ምሳና አባና ከምዝሓብር ይኸውን፥ አምላኽቲ ደቂ እቲ ልዕሉል ንኸውን። ቅ. ቍርባን ምቕባል ማለት አብ ውሽጥና ናይ አምላኽ ንብሕቱ ጥራሕ ዝኾነ ሕይወቱ አባና ከም ዝሓድር ምግባር እዩ።

አብዚ ቅዱስ ብዓል እምብአር ምስጢር ሰሙን ሶምን እነዕርጎ መስዋዕተ ቅዳሴ ክነስተንትን ዕድል ይህበና። ነቲ ክርስቶስ ምእንቲ ድሕነትና ኢሉ አብ ጎቦ ቀራንዮ ዝፈጸሞ መስዋዕቲ ንዝክር። ኢየሱስ ብመልክዕ ኅብስትን ወይንን አብ መንጎና ከምዘሎ ንዝክር፥ እዚ ኽአ ሓቀኛ መግብን መስተን አብ ጉዕዞ መገዲ ሕይወትና እዩ። አብዚ እምብአር ትሕትና ገርና ነቲ ደረት ዘይብሉ ምሕረትን ጸጋን አምላኽ ክንቅበል ከሎና ዓቢ ተምክሮ ምስ አምላኽ ክህልወና ዝግብኦ ርክብ ኢና እንገብር። ሎሚ እምብአር ዓሚቕ ናይ ምስጋና ጸሎትን ምስጋናን ፍቕርን አብ ሥጋን ደምን ክርስቶስ እናአዕረግና ነቲ ብርእሱ አብ መንጎና ዘሎ አምላኽ እቕበ፤ለካ አሎኹ ተቐበለኒ ንበሎ።

ብሩኽ ብዓል

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ                                      

አብ ሃገር ሓደ መኮነን ቅ. ቍርባን ክቕበል አብ ቍምስናኡ ከይዱ፥ ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብአይ አብ አንጻሩ ዘሎ ቦታ ተምበርኪኹ ይጽሊ ነሩ። አብ ጊዜ ቍርባን አብ መስርዕ ማዕረ ማዕረ እቲ መኮነን ተምበርኪኹ ይጽበ ነሩ። ሽዑ ሰባት ከምኡ ንመኮነን ሃገር አሰንዮም ዝመጽኡ ከሕሺኽሽኹ ጀመሩ፥ ሓደ ካብኦም አብቲ ድኻ ሰብአይ ቅርብ ኢሉ ትንክፍ አቢሉ ማዕረ መኮነን ክትከውን አይግብአካን እዩ ካብኡ ወይ ርሕቕ ወይ ክአ ክሳብ መኮንን ሃገር ዝቖርብ ጽናሕ ኢልዎ። ሽዑ እተን ከም ንስሪ ዝርእያ አዕንቲ ክሰምዓ ቅልጡፋት አእዛን መኮንን ሃገር ነቲ ምሕሹኽሻኽ ስለ ዝሰምዓ ነቲ አረጊት ሰብአይ ብኢዱ ሒዙ አይትተንስእ አብዚ ጽናሕ ብሓንሳብ ኢና እንቆርብ ኢሉ ፍልይ ብዝበለ ድምጺ ነቶም ዘትንስእዎ ዝነበሩ አይተትንስእዎ አብዚ ኩልና ማዕረ ኢና ኢልዎ ይብሃል።  








All the contents on this site are copyrighted ©.