2017-06-17 16:36:00

ኣባ ቾቲ፥ ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ምዅናን ወንጌላዊ ሓላፍነትን ኣገልግሎትን እዩ


ካብ ዕለት 12 ክሳብ ዕለት 13 ሰነ 2017 ዓ.ም. ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳጳሳዊ ናይ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ምስ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ማሕበራዊ ስነ ምርምር ተቛም ብምትሕባር “ምግባረ ብልሽውና ብሕንጸትን ብምሉእ ሰብኣውነት ዕብየትን ምውጋድ ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ናይ ሕግን ፍትሕን ኣካላትን ደያኑን ላዕለዎት ሓለፍቲ ሓይሊ ጽጥታን መንግስታትን ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ማዕከናት ኣካላትን ናይ ገበን ጉጅለታት ኣደዳ ዝዀኑ ኣባይቲ ስድራ ዝጥርንፉ ማሕበራት ልኡካን ኣሳቲፉ ኣብ ዝተኻየደ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ብዓይነቱ ፍልዩን ቀዳማይን ተባሂሉ ኣብ ዝንገረሉ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ዘተ ዝተሳተፉ ጸረ ናይ ገበን ጉጅለታት ዘገልግልን ጸረ ሰብኣውን ክብርን ዘበለ ኵሉ ክውገድ ኣብ ሕብረተሰብ ፍትሕን ሰላምን ዘረጋግጽ ባህላዊ ሰውራ ክሰርጽ ዘገልግል ማሕበርን ናይቲ ኣደዳ ዕጸ ፋርስ ዝዀኑ ዜጋታት ካብቲ ኣደንዛዚ እጸዋት ተጠቃምነት ንኽላቐቑ ስሌኦም ዝሓልይን ዕጸ ፋርስ ዘንቀሳቕሱ ናይ ገበን ጉጅለታት ዘቃልዕ ኣቤል እተሰምየ ማሕበር መስራቲ ኢጣኢያዊ ካህን ኣባ ልዊጂ ቾቲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፥ ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ምኹናንን እዚ ጉድለት’ዚ ካብ ሱሩ ክመሓውን ክውገድን ምግባር ሓደ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎ እዩ። ስለዚህ ኣብ ጐድኒ ከምዚ ዓይነት ኣገልግሎት’ዚ ድማ ሕግን ከምኡ እውን ዓሚቚ ባህላዊ ሰውራ ወሳኒ እዩ እንክብሉ ገሊጾም፥ ጸረ ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ምቛም ወንጌላውነት እዩ፡ ክርስቲያናዊ ተግባር እውን እዩ። እዚ ጸረ ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ቃልሲ ዓለም ሓቆፍ ምንቅስቃስ ኰይኑ ክተባባዕ ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ጻዕሪ እያ እተካይድ፡ ቢሎም ነቲ ዝጠለበቶ ዓውደ ዘተ ድማ ከም ኣብነት ጠቒሶም፡ እታ ሰማያውያን ነገራት ሃረር ክንብል እትምዕደና ቤተ ክርስቲያን ኣእጋርኩም ድማ ኣብ ባይታ ኣትሪሩ ዝረገጸ ይኹን እያ እትብል፡ ካህን ክርስቲያን ጳጳስ ምዃን ካብ ጭቡጥ ዓለም ተገሊልካ ምንባር ማለት ዘይኰነስ፡ ነቲ ክዉን ዓለም ብዑምቀት እተንብብን ኣብኡ ጢሒልካ ሰናይን ክፉእን እናለለኻ ኩሉ ናብቲ ሰናይ ከብል ምግልጋል ማለት እዩ። ኣብ ዓለም፡ ብዘይ ምዃን ናይ ዓለም ድማ እዚ እዩ። ፍትሕን ነጻነትን ማዕርነትን ምንቕቓሕ ክርስቲያናዊ እዩ። ኢሕጋውነትን ኢፍትሓውነትን ኢማዕርነትን ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ግብረ ገበን (ግብረ ማፍያ) ናይ ገበን መቕጽዒ ሕጊ ጽኑዕን ብምግባር ኣይኰነን ካብ ስሩ ክመሓው ባህላውን ለውጥን ሕዳሴ ምኽዋን የድሊ። ድኽነትን ስእነት ስራሕን ምውጋድ የድሊ። ባህላዊ ሰውራ ኣገዳሲ እዩ። ግብረ ገባዊ ሕልና ምንቕቓሕ ወሳኒ እዩ። ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን  ጸረ ሰብን ሕብረተሰብ ዝዀነ መንሽሮ ንምቅላስን ንምውጋድ ዝከኣል ቅድም ቀዳድም ብመገዲ ሕንጸት እዩ ናይ ምሕናጽ ሓላፍነትን ንሓላነት ምሕናጽን ወሳኒ እዩ። ብኻልኣይ ደረጃ ባህላዊ ጻዕሪ እዩ። ስለምታይ ባህሊ እዩ ንሕልና ምልክት ዝህብ። ስለዚህ ፍልጠት እውን ኣድላዪ እዩ። ስለምንታይ ናብ ለውጢ ስለ ዝድርኽ። ምርኻብ ፍልጠትን ተመክሮን ምልውዋጥ እውን ኣገዳሲ እዩ። ኣብ’ዚ ኩሉ ጻዕሪ ድማ ናይ ዜጋታት ምሉእ ተሳታፍነት ምትብባዕ የድሊ። ሰውራ ግብረ ገባውን ማሕበራውን ሰብኣውን ባህሊ ዝኣመተ ናይ ፍልልይ ኣጋጣምታት ሰገር ዝዀነ ንኹሉ ዝጥርንፍ ምንስቓስ የድሊ። ኣብ ሰናይ ተግባር ምንም ዓይነት ፍልልይ ክህሉ የብሉን ምስ በሉ ነዚ ኩሉ ግምት ብምሃብ ድማ ሕጊ ንበይኑ እዅል ከምዘይኰነ ተስተውዕል ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዚ ልዑል ኣገልግሎ’ዚ መሰረት ድማ ትስብእት ምዃኑ የነጽሩ። እቲ ፍትሕን ሰላምን ነጻነትን ዝዕድል ሓላይ ድኻታትን ዝዀነ ኣብ ወልድ ኰይኑ እዞም ልዑላን ክብርታት እዚኣቶም ብቓልን ሕይወትን መስኪርዎ እዩ። ስለዚህ ጸረ ሰብኣዊ ዘበለ ኵሉ ክውገድ ኣብ ጭቡጥ ኩነት ስቡእ ምዃን ከምዝግባእ ይምዕዱ። ሰናይ ምግባርን ሕጋውነት ምስፋሕን ቅንዕናን ኰታ ኩሉ እወታዊ ዝዀነ ተግባር ፈጻሚኡ ብምድናቕን ናይቲ ፈጻሚ ተክለ ሰብነት ኣምልዀ ኣይኰነን ዘድሊ። ብዙሕ እዋን ኣብ ኣምልዀ ተክለ ሰብነት ኢና ተዓጺና እንተርፍ፡ እቲ ብሓቂ ጀግና እዩ። ዓቢይ ሰብ ሕጊ ዘኽብር እዩ እናበልና ኣብ ምድናቕ ዓለም ንታኸስ፡ ካብዚ ወጻኢ ኣነኸ ምባል የድሊ። ስለዚህ ሕጋውነት ክሰፍሕ መታን ክፍሊ መደብ ሕንጸት ክኸውን ኣለዎ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዕለት 15 ሰነ 2017 ዓ.ም. እታ ብጳጳሳዊ ናይ ምሉእ ስበኣዊ ዕብየት ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፒተር ቱርክሶን ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ዘጣመረ ኣብ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ናይ ፍልስፍና መምህር መጐታዊ ተጻምሮ ዝተሰምየ ናይ ፍልስፍና መጽሔት ዋና ኣሰናዳኢ ናይ ፍልስፍና ሊቅ ፕሮፈሰር ቪቶሪዮ ኣሰናዳእነትን ተሰናድዮ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መቕድም ዝተነብሮ ፍገረት ወይ ድማ ብልዓት ብዝብል ኣርእስቲ ዝተደረሰ መጽሓፍ ንንባብ ከምዝበቕዔ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ እንክሕብሩ፥ ቅዱስ ኣቦና ብላዕን ምግባረ ብልሽውና ሓባራውነት ዘሰናኽል ገበናት ዘተባዕን ኣብ መወዳእታ እውን ነቲ ኣጥቢቑ  ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ዝድግፍ ኣካል ዘጥፍእ ናብ ሞት ባህሊ ዝንውንው ከይዲ  ምዃኑ ኣብቲ ዝደረስዎ መቕድም የመልክቱ። 








All the contents on this site are copyrighted ©.