2017-06-15 16:53:00

ጸብጻብ ብዛዕባ ዝተዛዘመ ናይ ዕዮ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ህዳሴ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ተስዓቱ ብፁዓን ካርዲናላት


ዕለት 12 ሰነ 2017 ዓ.ም. ዝጀመረ ንሰለስተ መዓልቲ ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መርሕነት ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ሕዳሴ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ተስዓቱ ብፁዓን ካርዲናላት ኣመልኪቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕትምን ሓላፊ ግረግ ቡርከ ዕለት 14 ድሕሪ ፍጻሜ እቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣባል ተስዓቱ ብፁዓን ካርዲናላት ሕዳሴ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ቦስቶን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲና ሲን ኦመለይ ክሳተፉ ከምዘይከኣሉ ኣቐዲሞም ሓቢሮም፡ እቲ ዓውደ ጉባኤ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኸታሊ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት ቅዱሳት ማሕበራትን ኣባይቲ ምኽርን ኣባይቲ ጽሕፈት ላዕለዎት ሓዋርያዊ ምሕደራ ቤተ ክርስቲያን ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ብፍላይ ድማ ኣብ ከባቢታት ንእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብዝበለጸ ኸግልግልሉ ዘኽእሎም ኣገባብ ወይ ድማ ቐጥዒ (ስልቲ) ፈልዩ ንምልላይ ዓሚይቕ ዘተ ከምዘካየደን፡ ንኣብነት ሓድሽ ኣቡን ንምምራጽ ኣብ ዝግበር ከይዲ ምኽክር ሰፊሕ ተሳታፍነት ዘለዎ ይኹን ዝብልን እቲ ምኽክር ድማ ካብ መንፈሳዊ ማሕበራት መናንያንን ገዳማውያንን ዓለማውያን ምእመንን ዝኸይድ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ውሳኔ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮ ብዝበለጸ ንምግልጋልን ንምትሕብባርን ኣገዳሲ ምዃኑ ከምእተሰመረሉ ቡርከ ገሊጾም።

ከም ሓሳብ ድማ ንኣብነት ገለ ገለ ሓላፍነታት ካብ ኵሪያ ሮማና ማለት ካብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዊት ሓዋርያዊ ምሕደራ ኣባይቲ ጽሕፈት ናብ ናይ ከባቢ ብፁዓን ጳጳሳት ሓዋርያዊ ስልጣን ወይ ድማ ናብ ናይ ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ክሰጋገር ዝብል እዚ ድማ ብጥዑይ ማእከላዊ መንፈስ ዝተሰነየ ክኽውን ከምዘለዎን፡ እዚ ሓሳብ’ዚ ንሓዋርያዊ መስርዕ ስልጣን ዘይጻረርን ጥዑይ ኣሰራርሓ ማእከላውነት ብዘይዝንግዕ ምእኩል መገዲ ዝብል ርእዮቶ ዝቐረበሉ ዓውደ ጉባኤ እውን ከምዝነበረ ዝሓበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ቡርከ ኣስዒቦም፥  ተስዓቱ ብፁዓን ካዲናላት ቤት ምኽሪ ሕዳሴ ኣስዒቦም ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ላዕለዎን ናይ ቅድስቲ መንበር ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ኣባይቲ ጽሕፈትን ኣሞርኵይዞም ብፍላይ ድማ ኣስፍሆተ ወንጌል ነሕዛብ ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ፈልዩ ከምእተዘራረበሉ ኣፍሊጦም።

ናይ ኤኮኖሚ ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፐል ብዛዕባ እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ቤት ጽሕፈት ኤኮኖሚ ሰፊሕ መብርሂ ከምዝሃቡን ብፍላይ ዘሎ ሃብቲ ገንዘብ ናይ ኣጠቓቕማ ውጥንን ናይ 2017 .. ናይ ቀዳማይ ሰለስተ ኣዋርሕ ናይ ቁጠባ ውጥን ከመይ ከምዝነበረን ብዘይ ብዙሕ ለውጢ እቲ ቁጠባዊ ውጥን ክቕጽልን ኣብ ዝሓጸረ እዋን ናይ 2018 .. ውጥን ሚዛን ገንዘብ ክሕንጸጽ ምዃኑን ናይ 2017 .. ናይ ካልኣይ መንፈቕ ሰለስተ ወርሒ ናይ ቁጠባ ውጥን ፍጻሜታቱ ይጻረይ ከምዘሎን ብዝርዝር ከምዘብርሁ ቡርከ ጠቒሶም፥ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዝሃን ሓልዮ ቤት ጽሕፈ ኅየንተ የኔታ ዳሪዮ ኤድዋርዶ ቪጋኖ ብዛዕባ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ሕዳሴ ኵነትን ናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሃን መሳለጢ ውጥን ሃብቲ ገንዘብን እቲ ሕዳሴ ዘዕትሮ ዘሎ ልዑል ውጽኢትን ገና ዝተሓንጸጹን ናብ ክውንነት ዘድህቡ ዘለዉ መደባትን ብሓፈሻኡ ብዛዕባ እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊማሕተምን መዋቕራዊ ሕዳሴ ከመይ ከምዘሎን ፍጻሜታቱን ኣማእኪሎም ሰፊሕ መብርሂ ከምዝሃቡ ገሊጾም።

ኣብ መወዳእታ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ቀጻሊ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሕዳሴ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ተስዓቱ ብፁዓን ካርዲናላት ካብ ዕለት 11 መስከረም ክሳብ ዕለት 13 መስከረም 2017 ዓ.ም.ንኽኸውን እቲ ጉባኤ ከምዝወሰነ ሓቢሮም ዝሃብዎ ጋዚጣዊ መግለጺ ዛዚሞም።








All the contents on this site are copyrighted ©.