2017-06-15 16:20:00

እግዚብአብሔር ብዘይ ምንም ቅድመ ኩነት ወትሩ ኣቀዲሙ ምስ ኣፍቀረና እዩ! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ሮቡዕ ዕለት 14 ሰነ 2017 ዓምፈ ኣብ ዘቅረብዎ ሓፈሻዊ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ትምህርተ ክርስቶስ ብምኽንያት ብርቱዕ ዋዒ ገሊኦም ካብቶም ንትምህርቶም ክከታተሉን ሓዋርያዊ ቡራኬ ክቅበሉን ዝመጹ ሕሙማት ስለዝነበሩ ኣብ ኣዳራሽ ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ ካልኦት በሽሓት ዝቊጸሩ ከኣ ኣብ ኣደራሽ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝተረኽቡሉ ‘ብዘይ ፍቅሪ ክነብር ዝኽእል ወላ ሓደ እኳ የብልናን` እንክብሉ ነቲ ኣብ ወንጌል ሉቃስ ብዛዕባ ጥፉእ ወዲ ዘዘንቱ መጨረሻ ክፋል ብምጥቃስ ፍቅርን ሓልዮትን ምሕረትን ናይቲ ንጥፉእ ወዱ ንኩሉ ይቅረ ብምባል ዝቅበል ኣቦ ምሳሌ እግዚአብሔርን ኣባና ዘለዎ ፍቅሩን ምዃኑ ገሊጾም፣

እቲ ድሕሪ መኽፈቲ ጸሎትን ቅድሚ ትምህርቶምን ብዝተፋለለየ ቋንቋታት ዝተነበ ክፍሊ ወንጌል ካብ ሉቃስ 15.20-24 ‘ተንሲኡ ናብ ኣቦኡ ኸደ። ኣቦኡ ድማ ገና ርሑቕ ከሎ ረኣዮ እሞ ደንገጸሉ፡ ጐይዩ ኸኣ ብኽሳዱ ሐኒቑ ሰዓሞ።  እቲ ወዲ ድማ፥ ኣቦይ፡ ንሰማይን ኣብ ቅድሜኻን ሓጢኣት ገበርኩ፡ ደጊምሲ ወድኻ ኽብሃል ኣይበቅዕን እየ፡ በሎ። ኣቦኡ ግና ንባሮቱ፥ ብሉጽ ክዳን ኣምጺእኩም ክደንዎ፡ ቀለቤት ኣብ ኣጻብዑ፡ ኣሳእንውን ኣብ ኣእጋሩ ኣእትዉሉ። እዚ ወደይ ሞይቱ ነይሩ ሐውዩ፡ ጠፊኡ ነይሩውን ተረኺቡ እዩ እሞ፡ ስብሕቲ ላም ኣምጺእኩም ሕረዱ፡ ንብላዕ፡ ንተሐጐስ፡ በሎም። ኪሕጐሱ ድማ ጀመሩ።’ ዝብል ነበረ።

ቅዱስነቶም ከኣ ከምዚ ክብሉ ትምህርቶም ጀመሩ ‘ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም! ብዘይ ፍቅሪ ክነብር ዝኽእል ወላ ሓደ የልቦን፣ ንፍቅሪ ዝግብኣና ኮይኑ ተቀቢልናዮ ዝብል ኣተሓሳስባ ኸኣ ናብ ዝኸፍኤ ባርነት የውድቀና፣ ሓያላትን ሰሓብትን ጽቡቃትን ጌርና ንርእስና ብምግማት ብዛዕባ ዝግደስ ወላ ሓደ ኣይህሉን እዩ ወይውን ደገፍ ኣየድልየናን ኣብ ዝብል መደምደምታ ስለዘብጽሕ ምናልባት ካብ ናይ ዘመንና ሰብ ጓህን ጭንቀትን ካብዚ ዝምንጩ ከይከውን የጠራጥር፣ ብዙሓት ሰባት ኣብዚ ግዜና ረኣዩኒ ስምዑኒ ረኣዩለይ ስምዑለይ እናበለ ነቲ ኣብ ውሽጦም ዘሎ ባዶሽ ክሽፍኑ ይቃለሱ፣ እዚ ከኣ ኩሉ ግዜ ካልእ ሰብ ከረጋግጸሎም ክምስክረሎም ሃሰው ከምዝብሉ እዩ፣ ኮይኑ ግን ዓልምና ሎሚ ኩሉ ንዓይ ጥራይ ርኤ ስማዕ ንኣድ እንክብል ወላ ሓደ ብነጻ ከፍቅር ዝጋደል የለን፣ ግን ከምዚ ዓይነት ናብራ ይትረፍ ክውን ክኸውንሲ ክትሓስቦውን የሸግር፣ ወላውን እንተሎ ሰብኣዊ ይመስል ይኸውን ከም ሓቁ ግን ሓደ ገሃነመ እሳት እዩ፣` ይብሉ እሞ ምልስ ቢሎም ከኣ ‘ሓደ ሰብ ክፍቀር መሰልዶ የብሉን እዩ! ብነጻ ክፍቀር ኣይክኣልንዶ! ሓደ መንእሰይ ዘይፍቀር ምዃኑ እንተተገንዚቡ ዓመጸኛ ክኸውን ይኽእል፣ ብኩሉ ኩሉ ሕሱማት ዝኾኑ ሰባት የለውን ዘይሕጉሳት ግን መሊኦም ኣለው፣ ነዚ ዘይምሕጓስ ዝፍውስ ከኣ ፍቅሪ እዩ ነዚ ከኣ ስለቲ ኣቀዲሙ ዘፍቀረናን ዝዕዘበናን እግዚኣብሔር ኢልና ክንገብሮ ኣሎና፣ ከመይ እግዚኣብሔር ኣቀዲሙ የፍቅረና፣ እዚ ግን ንሕና ንፉዓት ወይውን እንፍቀረሉ ምኽንያት ሃልይዎ ኣይኮነን  እንታይ ደኣ ንሱ ንባዕሉ ፍቅሪ ስለዝኾነ የፍቅረና፣ ፍቅሪ ብባህርዩ ንካልኦትን ምስ ካልኦትን ርእሰ ወፈያ ስለዝኾነ ናትና ኩነት ብዘየገድስ ወትሩ ምስ ኣፍቀረና እዩ፣ እዚ ከኣ ምንም ዓይነት ውዑል ዘይብሉ ፍቅሪ እዩ፣ ፍቅሪ ብፍቅሪ ስለዝምለስ ከኣ ንኣኡ ብምሉእ ልብና ክነፍቅር ንብጾትና እውን ከም ርእስና ጌርና ክነፍቅር እዩ ዝድለ፣’ ብዛዕባ ፍቅሪ ምስ ገለጹ ካባናስ መን ኮን ይኸውን ከም እግዚኣብሔር ብዘይ ቅድመ ኩነት ኣቀዲሙ ዝፈቱ ኢሎም ይሓቱ እሞ ከምዚ ቢሎም ይምልሱ፣ ‘ኣቦ ወይ ኣደ እንደተይኮይኑ ከምዚ ጌሩ ከፍቅር ዝኽእል የልቦን፣ ኣብታ ናይ ቅድም ሰበኻይ እንከሎኹ ብዙሓት ኣደታት ኣብ ቤትማእሰርቲ ክበጽሓ ሪጋ ሒዘን እዕዘብ ነረ እንታይ ክገብራ እንተበልኩም ደቀን ክርእያ፣ እግዚኣብሔር ከኣ ደቁ ስለዝኾና ከምኡ ይገብር፣  ምናልባት እግዚኣብሔር ኣብ ደቁ ሌላን ጉሌላን ይገብርዶ ገለን ዝፈትዎም ገለን ዘይፈትዎም ዝብል ፈተና ክቅልቀል ይከኣል፣ ብፍጹም ዘይከኣል እዩ፣ ኩልና ፍቁራት ደቂ እግዚብሔር ኢና፣ ኣብ ናብራና ምንም ዓይነት መርገም የለን እንትርፎ እታ ይኹን ትብል ንኩልና ከም እንህሉ ዝገበረት ቃል ፈጣሪ፣ ናይዚ ኩሉ ሕቂ ከኣ እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ገቢሩ ንኣብን ንወልድን ዝጠምር ፍቅሪ ንሕና እውን ብጸጋ እግዚኣብሔር እንሳተፎ ርክብ እዩ፣ ብጐ.ኢ.ክ ንሕና ተደሊና ተፈቂርና፣ በዚ ከኣ ማንም ክድምስሶ ዘይክእል መሰረታዊ ጽባቄ ተዓዲልና፣’ እንክብሉ ትዕድልትና ምስ ገለጹ ናብታ ቅርዓት ዝነበሩ ቁሊሕ ይብሉ እሞ ‘ንሓደ ዘይሕጉስ ሰብ ክትልውጥ እትኽእል መድኃኒት እንታይ ኮን ትኸውን!’ ቢሎም ይሓቱ እሞ ‘ፍቅሪ’ ቢሎም ከኣ ይምልሱ፣ ቀጺሎም ከኣ ንሓደ ሰብ ከምዘፍቀርካዮ ወይ ዝተፈቅረ ኮይኑ ንክስምዖ እንታይ ምግባር የድሊ! ቢሎም ይሓቱ እሞ ‘ሃንጐፋይ ቢልካ ምቅባሉን ምሕቋፉን’ ቢሎም ከኣ ይምልሹ፣  እዚ ማለት ከኣ ‘እቲ ሰብ ኣድላዪ ምዃኑን ሕዙን ምዃን ከቋርጽ ከምዝለዎ ብምንግርን ይግበር፣ ካብቲ ጽልኢ ንሞት ዝጽዋዓሉ ብዝበርተዔ ሓይሊ ፍቅሪ ንፍቅሪ ይጽውዕ። ኢየሱስ ንገዛእ ርእሱ ኢሉ ኣይኮነን መይቱ ካብ ሞት ዝተንሠኤ እንታይ ደኣ ሓጢኣትና ንክምሕር ስለና እዩ፣ ስለዚኸስ ነቶም ተስፋ ዝቆረጹን ድኻታትን ነናግፈሉ ምናዳኸኣ ነቶም ልዕሊ ሰለስተ መዓልቲ ንነዊሕ ግዜ ኣብ መቃብር ጭንቅን ጓህን ዝርከቡ ኣሕዋትና ካብ ሞት ነተንሰኣሉ እሞ ናይ ኩልና ፋሲካ እነብዕለሉ ግዜ ይኹን` እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ፣    








All the contents on this site are copyrighted ©.