2017-06-13 15:40:00

ዓውደ ጉባኤ ዛዕባ ስደተይናታትን ኣደዳ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ናይ ዘንቀሳቕሱ ናይ ገበን ጉጅለታትን


ጳጳሳዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ሓልዮ ቤት ጽሕፈ ዘዳለዎ ዕለት 12 ሰነ 2017 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሕንጻ ካሊስቶ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዝተጀመረ ናይ ክልተ መዓልቲ ናይ ስራሕ ዓውደ ጉባኤ ዕለት 13 ሰነ 2017 ዓ.ም. ከምእተጠናቀ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ተሳተፍቲ ናይዚ ናይ ዕዮ ዓውደ ጉባኤ ካብ መላእ ሃገራት ካብ ዝርከቡ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓልዮ ድርገት ሊቀ መናብርት ብፁዓን ጳጳሳት ክዀኑ እንከለዉ፡ ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ክቐርብ ዝግብኦ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ከመይ ክኸውን ከምዘለዎን ነፍሲ ወከፍ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓልዮ ድርገት ተመክሮታት ምክፋልን ብዛዕባ እቶም ኣደዳ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ናይ ዘንቀሳቕሱ ናይ ገበን ጉጅለታት ዝዀኑ ዜጋታት ካብቲ ዝወደቕሉ ትሕቲ ሰብኣውነት ዝዀነን ሓደስቲ ጊልያነት ዝተቓልዑን ካብቲ ዘጓነፎም ሰብኣውን ስነ ኣእምሮኣውን ጸቕጥታት ንምልቓቕ ዝድግፎም ብሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣቢሉ ዝቐርበሎም ሕንጸት ከምይ ክኸውን ከምዘለዎ እውን ኣስተንፍሶ ሓሳብ ዝቐረበሉ ምንባሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊማሕተምን መግለጺ ኣመልኪቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.