2017-06-13 18:29:00

ሓቀኛ ምጽንናዕ ብነጻ ትቅበሎን ብነጻ ንካልኦት ዚወሃብን እምበር ንምጥባር ዝግበር ሽሕጣን ኣይኮነን! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍርናቸስኮስ ትማሊ ዕለት 12 ሰነ 2017ዓምፈ ወጋሕታ ኣብ ቤት ጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ‘ምጽንናዕ ናይ እግዚአብሔር ትዕድልቲ እዩ ንካልኦት ንክተገልግለሉ ከኣ እዩ ዝወሃብ፣ ማንም ሰብ ንገዛእ ርእሱ ባዕሉ ከጸናንዕ ኣይክእልን እንተዘየሎ ከም ኣብ መስትያት ገጽካ ምርኣይ እዩ ክኸውን፣ ንምጽንናዕ ከተስተማቅሮን ከተካፍሎንከስ ናይቶም ዘይፍትሓውያን ዕጽው ልቢ ዘይኮነስ ከምቲ ጐይታ ኣብ ወንጌሉ ብጹዓን ናይ ዝብሎም ብመንፈስ ድኻታት ዝኾኑ ክፉት ልቢ ክህልወና የድሊ’ እንክብሉ ሰቢኾም፣

ኣብ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ግጻዌ ናይ ትማሊ ቀዳመይቲ ንባብ ካብ ካልኣይቲ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ 1.1-7 ዝተስወስደ ኮይኑ ካብ ኊልቊ 3-7 እዛ ምጽንናዕ ትብል ቃል 7 ግዜ ተደጋጊማ ንረኽባ፣ ካብዚ ብምብጋስ ከኣ እዩ ቅዱስነቶም እዛ ምጽንናዕ እዚኣ ርእሰ ምርኰሳ ወይ ስጋውን ስነኣእምሮኣውን ምርጋግእን ርእሰይ ክኢለ ምባልን ከይከውን ብመሰረቱ መንፈሳዊ ጉዳይ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣

‘ተመኲሮ ናይዚ መንፈሳዊ ምስትማቅር ዝኾነ ምጽንናዕ ምሉእ ንክኸውን ኩሉ ግዜ ካልእ ኣካል ክውሰኾ ኣለዎ ከመይ ባዕሉ ንባዕሉ ንገዛእ ርእሱ ከጸናንዕ ዝኽእል ፈጺምካ ስለዘየሎ፣ ምናልባት ነዚ ክገብር ዝፍትን እንተሎ ከኣ ከም ኣብ መስትያት ግጽካ ምርኣይ ኮይኑ ንርእሱ የታልል፣ ዘይኮነ ክመስል ከኣ ሒዂ ይብል፣ እዚ ዓይነት ምጽንናዕዚ ኣብ ገዛእ ርእስና ተዓጺና ከምእንተርፍ ገሩ ኣብ እምነት ካብ ምዕባይ ዓዲ የውዕለና፣ ከምዚ ዓይነት ባዕልኻ ንባዕልኻ ምጽንናዕን ዘይኰንካዮ ኮንካ ንካልኦት ገዛእ ርእስኻ ምቅራብን ኣብ ወንጌል ብዛዕባ እቶም ናይ ሕጊ ምሁራት ወይውን ታሪኽ ድኻ ኣልኣዛርን እቲ ብኩሉ ኩሉ እተጸናነዔን ዝመስሎ ዝነበረ ሃብታም ሰብኣይን ከምኡውን ናይቲ ኣብ ቅድሚ መንበረ ታቦት ተጠሊዑ ከም ካልኦት ዘይገበርካኒ ኣመስግነካ ኣሎኹ እናበለ ዝጽሊ ዝነበረ ፈሪሳዊ ተጠቂሱ ንዘሎ ምምልካት ይከኣል፣ እዚኦም ኩሎም ዳርጋ ኣብቲ ባዕሎም ዘጸባበቅዋ ነፍሶም ኣብ መስትያት ከም ምርኣይ እዩ፣ ነዚኦም ከምዚ ዓይነት ሰባት ከኣ ክርስቶስ ፈጺሞም ናብ ምልኣት ሕይወት ወንጌል ከምዘይበጽሑን ኣብቲ ባዕሎም ዝፈጥርዎ ውዳሴ ከንቱ ጥሒሎም ከምዝተርፉን ኣዳዕዲዑ ይገልጽ፣ ስለዚኸስ ምጽንናዕ ውህበትን ኣገልግሎትን ምዃኑ ተረዲእና ወትሩ ንካልኦት ከነገልግል ማለት ክነጸናንዕ በዚ ከኣ እግዚአብሔር ብጊዲኡ ንዓና ከምዘጸናንዕ ምርዳእ የድሊ፣ በዚ ከኣ ምጽንናዕ ካብ ደረጃ እትቅበሎ ውህበት ናብ ዝወሃብ ኣገልግሎት ይልወጥ፣ ሓቀኛ ምጽንናዕከስ ክልተ ነገራት ሒዙ ይጐዓዝ ውህበት ወይ ጸጋ ከምኡ ከኣ ኣገልግሎት፣ ብቀዳምነት ምጽንናዕ ኣምላኽ ከምዘድልየኒ ክርዳእ በዚ ከኣ ክልምን ጐይታ ከኣ የጸናንዓኒ ንከጸናንዕ ከኣ ውፈር ይብለኒ፣ በዚ መንገዲ እዚ ጥራይ እዩ እግዚአብሔር ንከጸናናዓና ዝመጽእ።’ እንክብሉ ትርጉም ምጽንናዕ ኣድላይነቱ ተረዲእካ እግዚኣብሔር ክህበካ ብክፉት ልቢ ክትጽበዮን ንካልኦት ክተጸናንዕ ስንድው ምዃንን ከምዘድሊ ኣዘኻኺሮም፣

ናይ ዕለቱ ወንጌል ከኣ ካብ ናይ ማቴዎስ 5 ዝተወስደ ኮይኑ ብዛዕባ ብፅዕና ዝዛረብ ነበረ፣ ቅዱስነቶም ከኣ መን እዮም እዞም ብፁዓን ሕጉሳት ዕውታት ዝበሃሉ ኢሎም ይሓቱ እሞ፣ ብመንፈስ ድኻታት ኢሎም ይምልሹ፣

‘ልቢ ድኻታት ብመንፈስ ድኽነት ይኽፈት፣ እዚኦም ምንባዕ ምብካይ ዝኽእሉ ትሑታት ትሑት ልቢ ዝውንኑ ጽምኢ ፍትሒ ሃልይዎም ስለ ፍትርሒ ዝጋደሉ መሓርቲ ኮይኖም ንካልኦት ዝምሕሩ። ንጹሕ ልቢ ዝውንኑን ሰላም ዝገብሩን ስለ ፍትሕን ፍቅሪ ፍትሕን ዝሰደዱን እዮም፣ በዚ ከምዚ እዩ ልብና ንጐይታ ዝኽፈት ሽዑ ጐይታ ምስ ውህበት ምጽንናዕን ተልእኮ ምጽንናዕን ደበኽ ይብል፣ በንጻር ናይዚ እቶም ዕጽው ልቢ ዝውንኑ ግን ብመንፈስ ሃብታማት ኮይኑ ዝስምዖም ርእስና ክኢልና ኢና ዝብሉ ንርእሶም ቅኑዓትን ፍተሓኛታትን ገሮም ስለዝግምቱ ብኽያትን ሓዘንን ኣይእንታዮምን እዩ፣ ኮታስ ተጻይ ናይቶም ብፁዓን ዝበልናዮ ኢፍትሓውያን ኮይኖም ክዕምጹ ጥራይ ዝነብሩ ምሕረት ዘይብሎም ናይ ውግእ ሃንደስቲ ልቦም ሰላም ዘይብሉ ብደም ዝጨቀወ ማንም ተጋጊኹም ዘይብሎም ማንም ዘየሳድዶም ልቦም ዝዓጸው እዮም፣ እዚኦም ሽሕኳ ሕጉሳት ኮይኖም ክረኣዩ ሒዂ እንተበሎ ሓጐስን ናይ ጐይታ ምጽንናዕን ጥቃኦም ስለዘየሎ ወቱር ሕዙናት ኦም ዘይብሉ ክህብ ስለዘይክእል ከኣ ካብዚኦም ምጽንናዕ ክትጸበ ዘይሕሰብ እዩ፣

ስለዚ ልብና ንክፈት ንምጽንናዕ ጐይታ ንቀበል ነሕዋትና ከኣ ነጸናንዕ፣ ጐይታ ዝሓተና ሓንቲ ነገር ከኣ እዚኣ እያ ‘ልብና ክፉት ክኸውን ይደልየና ወላ ቊሩብ ጥራይ ፍንቅቅ ነብላ እሞ ንሱ ድፍእ ኣቢሉ ክኣቱን ንኩሉ ባዕሉ ከሳልጦን እዩ` ክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.