2017-06-10 16:52:00

ሓዋርያዊ ምብጻሕ ጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳት ፓናማ ኣብ ሃገረ ቫቲካን


ናይ ሃገረ ፓናማ ጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳት ዕለት 8 ሰነ 2017 ዓ.ም. ብመደብ ቪሲታ ኣድ ሊሚና ማለት ካብ ሓምሻይ ዓመት ድርኩኺት ባሲሊካ ቅዱስ ጳጥሮስ ንምስላም ካቶሊካውያን ጳጳሳት ብዝገብርዎ መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ምኽንያት ኣገረ ቫቲካን ኣትዮም ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተራኺቦምን ብዛዕባ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፓናማን ህልው ኩነታት ሃገሮም ብፍላይ ድማ ቅድስ ኣቦና እቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. ወርሒ ጥሪ ኣብ ፓናማ ንኽካየድ ዝወሰንዎ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ዛዕባ ኣማእኪሎም ናይ ሓሳብ ልውውጥ ኣካይዶም መርሕ ቃል ከምእተቐበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣሊና ቱፋኒ ሓቢረን።

ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ኣመልኪቶም ናይ ፓናማ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ኾሰ ፍራንሲስኮ ኡዮኣ መንዲየታ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብቲ ዝተኸየደ ርክብ ሱታፌ ዓለማውያን ምእመናን መንእሰያትን ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ሕብረተሰብን ኣዚዩ ኣገዳሲ እያቶም ዝብል ሓሳብ ዝተሰምረሉን ብዛዕባ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፓናማ ሰፊሕ ምይይጥ ተኻይዱ እዩ ምስ በሉ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅዱስ ኣቦና ዝገበሩሎም ሕውነታዊ መንፈስ ዝዓሰሎ ልባዊ ኣቀባብላ ኵላውነት ባህርይ ቤተ ክርስቲያን ዘድምዕ፡ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥርስ ነሕዋት ብእምነት ዘጽንዕ ምዃኑ ዘረጋግጽ ርክብ እዩ ነሩ ኢሎም።

ዛዕባ ስድራ ቤትን ኣብ ዓለም ዝሰፍሕ ዘሎ ሓድሽ ዓይነት ካብ ክልተ ዓይነት ባህርያዊ ጾታ ዝበሃል ወጻኢ ኅብረ ጾታ ኣሎ ዝብል ትምህርትን መንቀሊኡን ሳዕቤኑን ዝብሉ ንኣባይቲ ስድራን ሕብረተሰብ ዓቢይ ብድሆ ዝዀነ ጉዳይን ብዛዕባ እቲ ንኽካይድ ተወሲኑ ዘሎ ናይ መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ብዛዕባ መንእሰይ ዝዝትዕ ሲኖዶስን ሰፊሕ ምይይጥ ከምእተኻየደን ኣብቲ ምምይጥ ዝገብረሉ ነጥቢ ዘማእከለ ከምኡ እውን ኣብ ፓናማ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ከይድታቱን ተመስሎኡን ምይይጥ እውን ምስ ተገብረ ኣብቲ ናይ ዘተ ርእሰ ጉዳያት ዘምእከለ መርሕ ቃል ቅዱስ ኣቦና ብጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳት ፓናማ ንመላእ ኣብ ፓናማ ንእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ከምእተዓደለ ሓቢሮም ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም። 








All the contents on this site are copyrighted ©.