2017-06-03 18:36:00

ሰንበት ዘጰራቅሊጦስ ግንቦት 27 2009 ዓ.ም. (6/04/2017)


ንባባት፡1ቆሮ 12፡3-13፥ 1ጴጥ 3፡15-ፍ፥ ግ.ሓ. 2፡1-11፥ ዮሓ 20፡19-23 ምስባክ: “ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር፥ንትፈሳሕ ወንትሃሰይ ባቲ፥ ኦ እግዚኦ አድህንሶ” “እታ እግዚአብሔር ዝገበራ መዓልቲ ዓወት እዚአ እያ፥ ብአአ ንተሓጎስን ባህ ይበለናን” መዝ 118፡24።

ጵራቅሊጦስ ወትሩ ሰንበት እዩ ዝብዕል ካብ ዝትንስእ ሓምሳ ካብ ዝዓርግ ዓሠርተ መዓልቲ ምስ ሓለፈ ሓዋርያት አብ ጸርሓ ጽዮን ብጾምን ብጸሎትን ተአኪቦም ከለዉ መንፈስ ቅዱስ አብ ርእሲ ማኅበርን አብ ርእሲ ነፍሲ ወከፎምን ወረደ። ካብ ጥንቲ ዝጸንሔ ብዓል እዩ፥ 5ተ ሰናብቲ ኂዙ ይርከብ፥ ምውራድ መንፈስ ቅዱስ አብ ልዕሊ ሓዋርያት የዘኻክር።

ብዓል ጰራቅሊጦስ ብዓል መንፈስ ቅዱስ ሳልሳይ አካል ቅድስት ስላሴ እዩ። በዚ አጋጣሚ ከአ ብዓል ልደት ቤተ ክርስትያን እውን ክንብሎ ንኽእል። መድኃኒና ክርስቶስ ተልእኮ ድሕነት ክንቅጽል መንፈሱ ሰዲዱ ከም ዝመርሓና ዘረጋገጸልና ፍሉይ ዕለት እዩ። ብዓልና ሓቀኛ ትርጉሙ ክነልብሶ እምብአር ብወገና አብ ልብና ቦታ ክንህቦ እሞ ንኹሉ መንፈስ ቅዱስ ካብ ምቕባል ዝዓግተና ብንስሓ ኃጢአትና አንጺሕና ሓደስቲ ፍጥረት ኮና ንስብከተ ወንጌል ክንወፍር ስንድዋት እንኾነሉ ቅዱስ እዋን እዩ። ሓዋርያት መንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐበሉ ብኹሉ ተቐይሮም፥ ነቲ ክርስቶስ ዘስተምሃሮም ብዘይ ሓደ ፍርሒ አብ ኩሉ አብጺሖም መብዝሕትኦም ብሰማዕትነት ደሞም አፍሲሶም ሓሊፎም። ናይ ዘመና ሰበኽትን ንጸልማት ጎልቢብዋ ዘሎ ዓለምና ብርሃን መንፈስ ቅዱስ እንኹልዓላ ንሕና ኢና። ነዚ ርድኢት ሒዝና ብዓልና ነብዕል።

አብ መዓልቲ ሰንበት ጰራቅሊጦስ እዩ ኩሎም አመንቲ ምስ ተአከቡ ካብ ሽማገለታት ቤተ ክርስትያን ንብዓሉ ዘመልክት ኢሎም ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ጽቡቕ ዕምባባ ዓደልዎም። ካብ ግ.ሓ. ብዛዕባ ምውራድ መንፈስ ቅዱስ ዝገልጽ ሓዋርያት ካብ ሰማይ ከም ብርቱዕ ንፋስ ሃቦባላ ከም ዝመጽአ ከም ልሳን ሓዊ አብ ልዕሊ ነፍስወከፎም ከምዝዓለበ ዝነግር ብምስትውዓል ይሰምዑ ነሮም። ድሕርዚ ሰባኻይ መንፈስ አምላኽ አብ መንጎና አሎ እናበሉ ስብከቶም ጀመሩ። ሓንቲ ካብቶም ተቐሚጦም ዝነበሩ ህዝቢ ከም ብርቱዕ ሃቦብላ ንፋስ ካብ ሰማይ እናበለት ጨርሐት። ሽዑ ናብ መንበረታቦት ገጻ ካብቲ ቀይሕ ዕንባባ ክትድርቢ ጀሚራ። ሰባኻይ እንደገና መንፈስ ጎይታ ምሳና አሎ አበሉ። እንደገና እታ አቐዲማ ዝጭርሐት ሰበይቲ ከም ልሳን ሓዊ ከም ልሳን ሓዊ እናበለት ካብቲ ዕምባባ ናብ መንበረ ታቦት ገጻ ደርበየት። ሰባኻይ አተኲሮም አባአ እናጠመቱ ሕጂ ቦርሳኺ/ማሕፉዳኺ/ሕልሕሎኺ ደርብዪ በልዋ። ትቕብል አቢላ አባቴ ነቲ ንፋስ አህዲእክምዎ ነቲ ሓዊ ወልዕዎ ኢላቶም ይብሃል። 

ዝኽሪ ብዓለ ጰራቅሊጦስ ነቲ ኢየሱስ ዝገበሮ ዘደንቕ ነገራትን ነቲ አተስፍይዎም ዝነበረ መንፈስ ቅዱስ አብ ልዕሊ እቶም ብፍርሃት ተሸቕሪሮም አብ ዕጹውን ተሸጒሩ ዝነበረ ገዛ ብሓንሳብ ምስ ማርያም አዲኡ ዝነበሩ ሓዋርያቱ ከም ዝወረደ ዝነግር እዩ።

ብዓለ ጰራቅሊጦስ ዝለዓለ ምስጢረ ትንሣኤን መጨረሻ ናይ ዘመነ ትንሣኤን እውን እዩ። መጭረሻ ዘመነ ትንሣኤ ይኹን እምበር ንሓዲስ ነገር ክንጅምር ዘዘኻኽር እውን እዩ። በዚኸአ እዩ ብዓል ልደት ቤተ ክርስትያን እንብሎ። ስለምንታይ እዩ ቅዳሴ አብ መዓልቲ ሰንበት ብፍሉይ ዝቕደስ ኢልና ሓቲትና ንፈልጥዶ? ሰንበት መጀመርያ መዓልቲ ናይ ሶምን እያ። አብ ዘፍጥረት ከም እንረኽቦ ሰንበት እግዚአብሔር ክፈጥር ዝጀመረላ ዕለት እያ። መንፈስ እግዚአብሔር አብ መጀመርያ መዓልቲ ንማያት አንቀሳቒስዎ። ንአይሁድ ንመንፈስ ቅዱስ ከም አንስታይ ጾታ እዮም ገሮም ዝርእይዎ ትርጉሙ ኸአ እስትንፋስ ወይ ንፋስ እዩ። ከም እግዚአብሔር አይሁድ አብ ሻብዓይ መዓልቲ ቀዳም የዕርፉ፥ ቀዳሞት ክርስትያን እውን ብቀዳም አብ ምኵራባት ከይዶም ይጽልዩ ነሮም። አብ ምጽአት ጰራቅሊጦስ ድሕሪ 50 መዓልቲ ድሕሪ ትንሣኤ ሰንበት ቤተ ክርስትያን ልደታ አብዒላ መዓልቲ ጎይታ አብ ሰንበት ክተብዕል ጀሚራ። ሰንበት ቅዳሴ ነዕርግ እዚ ኸአ ከም መዘኻኸሪ ንቀዳማይን ካልአይ ፍጥረት ንክኸውን እዩ። እቲ ንማያት ፍጥረት ዘናወጸ አብ መዓልቲ ጰራቅሊጦስ ንቤተ ክርስትያኑ ሓዳስ ፍጥረት ብምኽንያት ትንሣኤ ከግብራ  አባና ተመሊሱ። እዚ እዩ እቲ ቀንዲ ናይ ሎሚ ብዓልንናን ሰንበት ሰንበት እንገብሮን።

ጰራቅሊጦስ አይሁድ፡

ጰራቅሊጦስ ፪ይ ካብቶም ሰለስተ ዓበይቲ ብዓላት አይሁድ እዩ። ፋሲካ፥ ጰራቅሊጦስን ብዓል መለኸት (ዘኁ 29፡1-6)። ጰንጠቆስት ካብ ግሪኽ ዝመጸ ኮይኑ ትርጉሙ መበል 50 ማለት እዩ። 50 መዓልታት ካብ ፋሲካ አይሁድ ንድኃር ዘሎ። መበቆሉ ካብ ናይ ምስጋና ብዓል ዝጀመረ ነቲ አምላኽ አብ ጊዜ ቀውዒ ዝሃቦም ማእቶት ንምምስጋን እዩ። ድሓር ካልእ ምኽንያት ተወሲኽዎ ነቲ አምላኽ ምስ ደቂ እስራኤል አብ ደብረ ሲና ምስቶም ቀዳሞት ዝአተዎ ኪዳን ንምዝካር። እቲ ዝተአቶ ኪዳን አሕጽር አቢልና ክንርእዮ እንተ ኾና አነ አምላኽኩም ንስኹም ህዝበይ ኢኹም ዝብል እዩ።

ቤተ መቕደስ ኢየሩሳሌም ምስ ተሃንጸ እዚ ብዓል አብ ንግደት ተቐይሩ። አብ ፩ይ ዘመን ዝነበሩ አይሁድ ወላ ክርስትያን አይሁድ ንብዓለ ጰራቅሊጦስ ከብዕሉ ንኢየሩሳሌም ይነግዱ ነሮም። ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ድሕሪ ሞት ኢየሱስ ቀዳሞት ክርስትያን አብ መበቆሎም ከስተንትኑ ጀሚሮም ስለዚ እዚ ብዓል ነቲ ናይ አምላኽ ሓዲስ ኪዳን ምስ ህዝቡ ዝአተዎ ክገልጽ ደልዮም። በዚ ምኽንያት እዩ አብ ግ.ሓ. 2፡1-11 ዘንበብናያ ብዙሓት አብ ኢየሩሳሌም ከም ዝነበሩ ዝገልጸልና። ካብ ፋርስ (ፐርስያ) ግብጽን ሮማን ዝመጽኡ እሞ ብብዙሕ ቋንቋታት ናይ እቶም ሃገራት ክዛረቡ ዝጀመሩ። ግን አብቲ ዕለት ሓደ ፍሉይ ነገር እዩ ኮይኑ። አብዚ ብዓል አቐዲሙ ተነጊሩ ዝነበረ አብ ልዕሊ ማርያምን ሓዋርያትን መንፈስ ቅዱስ ክወርድ እንከሎ ምስ ተራእየ ከም ዝተፈጸመ ተራእዩ። ምውራድ መንፈስ ቅዱስ አብ ልዕሊ ሓዲስ ህዝበ እግዚአብሔር ነቲ ዓቢይ ስራሕ እግዚአብሔር አብ ታሪኽ ድሕነት ዝገበሮ ዝሙጉሶን ዝሽልሞን እዩ።

ጰራቅሊጦስ ክርስትያን፡

ቅ. ሉቃስ ካብ ግ.ሓ. ገሊጹ ሓደ ነገር ንኹልና ፍሉጥ ዝኾነ ይነግረና፥ እዚ ኸአ ብዛዕባ ታሪኽ ሓዲስ ጰራቅሊጦስ ብአምሳላዊ ቋንቋ ገሩ ንታሪኽ ሙሴን ህዝቢ እስራኤልን አብ ደብረ ሲና ሕጊ አምላኽ ክቕበሉ እንከለዉ ዝኾነ ይገልጸልና። እቲ ትረኻ ብዙሕ ናይ ቅዱስ መጽሓፍ አምሳል ዝሓዘ እዩ። ሓዋርያት ፈሪሖም አብ ሓደ ገዛ ብሓባር አብ ኢየሩሳሌም ከለዉ እዩ ኮይኑ። ብሃንደበት ኸም ሓደ ብርቱዕ ሃቦብላ ንፋስ ካብ ሰማይ ድምፂ መጸ። ቃል ግሪኽ አብዚ ንንፋስን መንፈስን ዝጥቀመሉ ተመሳሳላይ እዩ። እታ ተቐሚጦምላ ዝነበሩ ገዛ ብመንፈስ አምላኽ ብምልእታ መልአት፥ ሽዑ ልሳናት ሓዊ ዚመስል ተመቓቒሉ አብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፎም ክዓልብ ተራእየ። እዚ ናይ ሉቃስ ጽሑፍ ምስቲ ትምህርቲ ቀዳሞት ራቢታት ከም ዝመጽአ የመልክት፥ እቲ አብ ደብረ ሲና ዝመጸ ድምጺ አምላኽ አብ ሰብዓን ክልተን ልሳናት ተመቓቒሉ ኩሎም ነገስታት ዓለም ከአ ነቲ ሕጊ በብቋንቍኦም ተቐቢሎሞ። ሓዊ ህላዌ አምላኽ ብርእሱ አብ መንጎ ደቂ ሰብ እዩ ዝገልጽ። እግዚአብሔር ንሙሴ ካብ ዝነድድ ዝነበር ቍጥቃት ተዛሪብዎ። ከምቲ እስራኤላውያን ቅድሚ ምድረ ተስፋ ምእታዎም አብ በረኻ ከም ዝዞሩ ዓምደ ደመናን ብቀትሪ ዓምደ እሳት ከአ ብለይቲ ዕለት ዕለት ዘሰንዮም ናይ እዚ ሕጂ እነብዕሎ ዘሎና አምሳል እዩ ነሩ። ሓዊ ብመልክዕ ልሳን እዩ ወሪዱ እዚ ኸአ ነፍሲ ወከፎም ብስም አምላኽ ናይ ምዝራብ ህያብ ከምዝተዋህቡ ከመልክት ንማለት እዩ። ኩሎም እቶም ነጋድያን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ከባቢ ማእከላይ ባሕሪ ዝመጽኡ እዮም ነሮም፥ ሓዋርያት ንነፍስወከፎም በብቋንቅኦም ክዛረብዎም ብምስማዖም ተገሪሞም። አብዚ እንርእዮ መንፈስ ቅዱስ ድሮ አብ ምዝርጋሕ ወንጌል ድሮ ይዓዪ ከምዝነበረ ነቶም አብ ኢየሩሳሌም ጥራሕ ዘለዉ ዘይኮነስ ንኹሎም ካብ ከባቢ ማእከላይ ብሕሪ ዝመጹ እውን ከም ዝኾነ ይገልጽ።

አብ ዘፍጥረት 11 ደቂ ሰብ አብ ሰማይ ዘብጽሕ ግንቢ ክሰርሑ ፈቲኖም። አምላኽ ነዚ ክቐጽዖም ኢሉ ከይሰማምዑ ቋንቋታቶም ደባሊቕዎ በዚ ኽአ ክረዳድኡ አይክአሉን፥ ክሰርሕዎ ዝሓሰቡ ክሰርሑ አይክአሉን። ሕጂ እቲ ጊዜ ህንፃ ባቢሎን ተቐይሩ እዩ። ሓዋርያት ንኹሉ ዝኸውን መልእኽቲ ክህቡ ጀሚሮም ኩሎም ከአ በብቋንቍኦም ክርድእዎም ጀሚሮም። ደቂ ሰብ ከም አሕዋትን አሓትን ከምብሓዲስ አብ ትሕቲ ሓደ አቦ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተገልጾም ክእከቡ ጀሚሮም።

ወንጌል ካብ ዮሓ 20፡19-23 ፍልይ ብዝበለ መገዲ ምውራድ መንፈስ ቅዱስ ይነግረና። ምሸት ሰንበት ትንሣኤ እዩ ነሩ። አብቲ ቅ. ቍርባን ዝሰርዓሉ ቤት ማዕጾ ሸጒሮም ካብቶም ንኢየሱስ ዝቀተሉ ተሓባበርቱ ኢኹም ነርኩም ኢሎም ከይሕዝዎም ፈሪሖም ንዝነበርዎ ቤት ዓጽዮም ሸጊሮሞ እንከለዉ እዩ መንፈስ ቅዱስ ወሪድዎም። ብሃንደበት እቲ ዝተንሥአ ኢየሱስ አብ መንግኦም መጺኡ ሰላም ምሳኻትኩም ይኹን እናበለ ተራእይዎም። እዚ ሰናይ ትንቢትን መልእክቲ ዝሓዘን እዩ። ኢየሱስ አብ ዘለዎ ሰላም አሎ። ኩሉ ጊዜ ናይ ኢየሱስ ህላዌ አብ ልብና ሰላም አምጺኡ ንፍርሕናና ስቓያትና ይአልየልና።

ጎድኑን አእዳውን እናአርአዮም ንሱ ከምዝኾነ ገሊጽሎም፥ እቲ አብ መስቀል ዝሞተ ሕጂ ህያው አሎ። ድሕርዚ ተልእክኦም ሂብዎም ከምቲ አቦ ዝልአኸኒ እልእከኩም አሎኹ ኢልዎም። ተልእኮኡን ተልእኮኦምን ሓደ እዩ። ተልእኮናን ተልእኮኡን ሓደ እዩ። እዚ ኢሉ ኡፍ በለሎም መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ እናበለ ባሪኽዎም። እዚ ክልተ ዓረፍተ ነገራት ረዚን ትርጉም ዝሓዘ እዩ ምጅማር ቤተ ክርስትያን ይገልጽ። ከምቲ አምላኽ አብ ምድሪ ምስ አተንፈሰ ቀዳማይ አዳም ዝተፈጥረ አብ ክርስቶስ ሓደስቲ ፍጥረት ንኸውን።

መንፈስ ቅዱስ ክንውሃብ ከሎና ምስኡ ስልጣን ክንሰብኽን ብስሙ ነገራት ክንገብር ይዕደለና። ኃጢአት ንኃደግክምሎም ኪኅደገሎም ንዘይኃደግክምሎም ግና አይክኅደገሎምን እዩ። እዚ ነቲ አብ ምስጢረ ኑዛዜ ዝውሃብ ስሬት ኃጢአት ጥራሕ አይ ኮነን ዘመልክት። ኅድገት ኃጢአት፥ ንሰባት ምስ አምላኽ ከምዝዕረቑ ምግባር ቀንዲ ተልእኮ ክርስቶስ ከምኡ ናይ ክርስትያን እዩ።

ሓዋርያት ካብዚ ንድሓር ሰውነት ክርስቶስ እቲ ዝኸይድ ዝርአ ክርስቶስ አብ ዓለም እዮም። እዚ ሰውነት እዚ አብ ጉዕዞ ሕማምን ስቓይን መጉዳእትን ክጓነፎ እዩ. .. . . አብ ገለ እዋን ካብ አምላኽ ዝርሓቐ ኮይኑ ክስምዖ እዩ፥ ሽዑ ሕድገት ምሕረትን ዕርቅን ከድልዮ እዩ። ከምኡ ነዛ እትሳቐን እትዋረድን ዘላ ዓለም ምሕረትን ዕርቅን ከምጽአላ እዩ።

ቅ. ዮሓንስ ወንጌላዊ ትንሣኤ ጎይታ ካብ ውህበት መንፈስ ቅዱስ አይፈልዮን እዩ። ሓጎስን ሰላምን መንፈስ ቅዱስ እንቕበል ነቲ ዝተንሥአ ጎይታ ምስ ተቐበልና ጥራሕ እዩ።

ምውራድ መንፈስ ቅዱስ ጰንጠቆስጠ ከም አበሃህላ ቅ. ሉቃስ አብ ግ.ሓ. ድሕሪ 50 መዓልት ድሕሪ ትንሣኤ ድሕሪ 10 መዓልቲ ድሕሪ ዕርገቱ ዝኾነሉ ምኽንያት ብድሕሪኡ ዘሎ ትምህርተ መለኮታዊ ርድኢት ክንፈልጥ አሎና። ቅ. ሉቃስ ነቲ ክርስቶስ ዝገበሮ ግብረ ድኅነት ብዝተፈላለየ አገባብ ገሩ ይገልጾ። አብቲ ንሱ ዘቕርቦ መዓልቲ ትንሣኤ በይኑ እዩ፥ መዓልቲ ዕርገቱ እውን ንበይኑ ከምኡ መዓልቲ ጰራቅሊጦስ ንበይኑ እዩ። ቅ. ዮሓንስ እውን ናቱ አረአእያን አቀራርባን አልኦ ነዚ እዋናት እዚ። ነዚ ክልተ አቀራርባ ክተሰማምዖን ክተቀራርቦ ዝበለጸ እዩ። አብ ናይ ቅ. ዮሓንስ አቀራርባ መንፈስ ቅዱስ ዝፍለጠሉ አብ ግልጸት፥ ምስክርነት፥ ተልእኮ፥ ማኅደርን ሕይወትን። እቲ ትጽቢት ናይ ክእለት ምሃብ ተፈጢሩ እዩ እንተ ኾነ አይተፈጸመን። ክልቲኡ አቀራርባ ሉቃስን ዮሓንስ ዝመላላእ እምበር አብ ነነድሕዱ ዝጻረር አይኮነን።

ውህበት መንፈስ ቅዱስ፡

አብ ቀዳመይቲ ንባብና 1ቆሮ 12፡3-13 ቅ. ጳውሎስ አብ ልዕሊ ማሕበር ክርስቶስ ዝወርድ ህያበት መንፈስ ቅዱስ ይዛረብ። ቤተ ክርስትያንን ነፍሲወከፍ አብ ውሽጣ ዝርከብ ሓድነትን ብዙሕነትን የስተንትን። ተመሳሰልቲ ክንከውን አይ ኮናንን ዝተጸዋዕና። ምስ ክርስቶስ ወይ አብ ነነድሕድና ዝተሓዋወስና/ዝተዳቐልና አይኮናን። ሓድነት አብ ብዙሕነት እዩ ዘምርሕ ዝተፈላለየ ህያባትን ክእለትን ሓላፍነትን ገጹ የምርሕ። ከም ሰውነት ኢና። ነፍሲወከፍ ሰውነት ዝተፈላለየ አካላት አለዎ ነፍሲ ወከፍ ነናቱ ስርሓ አልኦ ግን ኩሎም አብ ሓደ ስሩዕ ዓላማ ዘተኮሩ እዮም ሰውነት ብጽቡቅ ከምዝሰርሕ ዝገብሩ እዮም። ስለዚ አብ ቤተ ክርስትያን ሰውነት ክርስቶስ ዝኾነት ከምኡ እዩ። ነፍሲ ወከፍ አባል ነቲ ዘልኦ ፍሉይ ህያብ አለልዩ ክኽእል እሞ አብ ዕብየትን ሓልዮትን ማሕበር ከውዕሎ ይግባእ። ዘሎና ህያብ እንታይ ተራ ክንጻወት ከም ዘሎና አብ ህንጸት ምሉእ ሰውነት ክርስቶስ ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ዝሕብር እዩ።

ብሓደ ወገን ብዕምቆት አብ እምነትና ምስ ክርስቶስን አብ ነነድሕድነ ዘሎ እምነት ብዕምቆትን  ሓድነት ክነብር ዝተጸዋዕና ኢና። በቲ ኻልእ ከአ ነፍሲ ወከፍና ፍሉይ ዝኾነ ህያብ አሎና። በዚ ህያብ ወይ ህያባት ኢና ንማሕበር ክንሃንጽ እንኽእል። ህያባትና ንርእስና ጥራሕ አይ ኮኑን ወይ ስድራና ወይ አዕሩክትና። ንነፍስወከፍ ዝተዋህበ ህያብ መግለጺ ህያብ ብመንፈስ ቅዱስ ንሓባራዊ ጽቡቕ እዩ።

አብ ትውፊት መሰረት ገርና ሸውዓተ ህያባት መንፈስ ቅዱስ ከም ዘሎ እዚ ኸአ ንሓዋርያት አብ ጽራሕ ጽዮን ከለዉ ዝተቐበልዎ ከምኡ ንሕና ሜሮን ክንቅባእ ከሎና እንቕበሎም እዮም ንሳቶም ከአ ጥበብ አእምሮ ምኽሪ፥ ጽንዓት፥ ፍልጠት፥ መንፈሳውነትን፥ ፍርሓት አምላኽን (ሓ/ት/ክ 1831) እዮም። ብሓቂ ክንርእዮ እንተ ኾይና ካብዞም ህያባት መብዝሕትኦም አብ ጰንጠቆስጠ ብግብሪ አብ ማሕበር ክርስቶስ ተርእዮም።

ስለዚ ብዓል ጰራቅሊጦስ እንታይ እዩ ዘዘኻክረና? ብርግጽ እቲ ቀንዲ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ እዩ።ብዙሕ ጊዜ ንዓ ኦ መንፈስ ቅዱስ አብ ልቢ ምእመናን ወሪድካ ምልአዮ እናበልና ንጽሊ ኢና። ከም ክርስትያን መጠን ነብያት ክንከውን ዝተጸዋዕና ኢና። እዚ ኸአ ጸጋ ጥምቀት ምስ ተቐበልና ጸጋ እምነት ተቐቢልና ብሜሮን ከአ ከም ሓዋርያት አብ መዓልቲ ጰራቅሊጦስ መንፈስ ቅዱስ ተቐቢልና።

ሕጂ ጊዜ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ብአና አቢሉ አብ ዓለም ይሰርሕ አሎ። አእምሮናን ልብናን ብምኽፋት ምስኡ ሓቢርና ንስራሕ ጽን ንበሎ። ሽዑ ንካልኦት ብዛዕባ ዘደንቕ ግብሪ አምላኽ አባናን ብአናን ዝተገብረን ክነግር ኢና።

ሎሚ እምብአር አምላኽ መንፈስ ቅዱሱ አብ ልባትና ከውርደልና ንለምኖ። ብመንፈስ ቅዱስ መሊእና አእጃማና ካብቲ ዝተቐበልናዮ ህያባት ንህንጸት ማሕበር ክርስቶስን ንቅድስና ርእስናን ክንዕጠቕ ስንድዋት ንኹን። ከም ማሕበር ክርስቶስ ንጹርን ጌጋ ዘይብሉ ምስክርነት ንሓቅን ፍቕሪ አምላኽን ብኢየሱስ ዝተገልጸልና ነሕዋትና ነርእዮም።

ኦ ማርያም አደና ንሓዋርያት ወድኺ መንፈስ ቅዱስ ክቕበሉ ዘሰናዶኺ ንነፍስወከፍና ክተሰናድውና እሞ ንስፍሓት ወንጌልን ንቅድስናን ክንወፍር ሓግዝና።

ብሩኽ ብዓል ጰራቅሊጦስ!

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ 








All the contents on this site are copyrighted ©.