2017-06-01 15:50:00

ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 31 ግንቦት 2017 ዓ.ም. ክርስቲያን ናይ ተስፋ ዘይቲ እምንበር ናይ ጓሂ መጺጽ ዘይቲ ዝዘርእ ኣይኰነን፡ ከም መንፈስ ቅዱስ ዘጸናንዕን ዝከላኸልን እዩ ክኸውን ዘለዎ ዝብል ምዕዶ ዘማእከለ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ በሸሓት ንዝቑጸሩ ምእመናን ከምዝለገሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደቦራ ዲኒኒ ኣፍሊጠን።

ቅዱስ ኣቦና ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ነቲ ዕለት 4 ሰነ 2017 ዓ.ም. ብላቲን ስርዓት ዝበዓለ ዓቢይ በዓለ ጰራቅሊጦስ ዘማዕደወ ክኸውን እከሎ፡ ኣብ መንጐ መንፈስ ቅዱስን ክርስቲያናዊ ተስፋን ዘሎ ምትእስሳር እንክገልጹ፥ በዓለ ጰራቅሊጦስ ቅዱስ ኣቦና ናይ ቤተ ክርስቲያን ዕለተ ልደት ቢሎም ዝገልጽዎን ናይ ቤተ ክርስቲያን ልደት እውን ዝበዓለሉ ዕለት ምዃኑ ይነግሩ። “ተስፋ ጋንጽላዊ መርከብ እዩ፡ ናይ መንፈስ ቅዱስ ንፋስ ኣናአንገደ ድማ ነቲ ንፋስ ናብ ደራኺ ሓይሊ ብምልዋጥ ይንቀሳቐስ ብዝብል ሓሳብ ቅዱነቶም ተስፋ ምስ መንፈስ ቅዱስ ብዘለዎ ርክብ ትርጉሙ ይገልጹ። መንፈስ ቅዱስ ዓዳሊ ተስፋ እዩ ስለምታይ ተስፋ ደቂ እግዚኣብሔር ምዃንና ውሳጣዊ ምስትውዓል ዘስምዕ ምስክርነት ይህብ”። በዚ መገዲ’ዚ ድማ ልክዕ ከም ኣብርሃምን ድንግል ማርያምን ኣብቲ ተስፋ ዘይብሉ ዝመስል ኵሉ ተስፋ ንምግባር የብቅዕ፡ ስለዚህ እዚ ተስፋ እዚ ዘየደናግር ምዃኑ የነጽሩ።

“ተስፋ ዘየደናግር እዩ፡ ስለምንታይ ኣብ ልባትና ብግብሪ በቲ ዝተዓደለና መንፈስ ቅዱስ  ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ዘውሕዝ እዩ። ስለ’ዚ እዩ ድማ ዘየደናግር። ስለምታይ ንቕድሚት ንኽንብል ወትሩ ንቕድሚት ዝድርኸና መንፈስ ቅዱስ ኣብ ውሽጥና ስለ ዘሎ እዩ”። መንፈስ ቅዱስ ትስፉዋት ንኽንከውን ጥራሕ ዘይኰነስ ተስፋ ንኽንዘርእን ከምኡ ነሕዋት ዘጸናንዑን ዝከላኸሉን ንኽንከውን የብቅዓና፡

“ዘራእቲ ተስፋ። ሓደ ጓሂ ምጥርጣር ዝዘርእ ክርስቲያን ክርስቲያን ኣይኰነን። ጓሂን ምጥርጣርን ትዘርእ እንተድኣ ኰይንካ ሰናይ ክርስቲያን ኣይኰንካን፡ ተስፋ ዝራእ፡ ናይ ተስፋ ቅብእን ተስፋ ጥዑም መኣዛ ዝራእ እምበር ዘራእ ጓሂን ምጸት ኣይትዅን። ዘራእ ቀቢጸ ተስፋ ኣይትዅን።

ድምጽኻን ኣተዓያይያኻን ጨዋን ዘረጋግእን ዘህድእን ይዅን። ሕጽር ብዘበለ ኣዘራርባ ድማ በ-ኣርኣያ ጰራቅሊጦስ ከምቲ ካርዲናል ብፁዕ ነውማን ዝብሎ መጸናንዒን ምኽንያት ሓሴትም ምዃን፡ ስለዚህ ቅዱስ ኣቦና መንፈስ ቅዱስ ኣባና ተስፋ ፍድፉድ ጥራሕ ዘይኰነስ ስለ እቶም ድኻታትን ሕዙናትን ከነዋፍሮ እዩ ዝድርኸና ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ዶኒኒ ገሊጸን።

“ልዕሊ ኵሉ እቶም ድኻታን ሕዙናትን ዝተናዕቁን ዝተገሉን እቶም ጰራቅሊጦስ ዝዀኖም ማለት ከምቲ ንኹላትና መጸናዕን ጠበቓን ዝዀነልና መንፈስ ቅዱስ ዘጸናንዖምን ዝኸላኸለሎም ንዝሰኣኑ ነዋፍሮ። ነቶም ትሑታትን ሕዙናትን ከም ውዳቕ ዝሕሰቡን ኣዚዮም ንዝሳቐዩን መጸናንዕን ጠበቓን ንዅን”።

መንፈስ ቅዱስ ኣብ ኵሉ ፍጥረት ተስፋ የነቓቕሕ፡ ስለዚህ ተፈጥሮ ንከላኸልን ነኽብርን፡ ክንከላኸልን ከነኽብርን ይግብኣና። “ስለምንታይ ንሓደ ናይ ቅብኢ ስእሊ ከነሕስርን ዘይ ትርጉሙ ክንህብ እንከለና ነቲ ናይቲ ቅብኢ ሰእሊ መሓዚ ጥበበይና ኢና እነዋርድን እነሕስርን”።

ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ናብቲ ክርስቲያናዊ ጥልቂ ትርጉም ተስፋ ብምእታው፡ እዚ ክርስቲያናዊ ተስፋ ኣብ መጻኢ ወይ ከኣ ድሕሪ ሞት ሕጉስ ንምዃን ዘይኰነስ ሕጉስ ኣብ ሕጂኣውነት እዩ፡ ከምቲ ኣብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮም ተመልኪቱ ከምዘሎ “ናይ እግዚኣብሔር ተስፋ”፡ ማለት “ናይ ምትስፋው ሓጐስ እምበር ሓጐስ ንክህልወካ ምትስፋው ማለት ኣይኰነን። (ኣብ በዓል ተስፋ ምዃን ዘሎ ሓጐስ እምበር ሕጉስ ንምዃን ምትስፋው ማለት ኣይኰነን)” ቢሎም እቲ “ሕይወት ክሳብ ዘሎ ተተስፈው” ዝብል ሕዝባዊ ብሂል ጠቒሶም ብተጻራሪ እውን “ተስፋ ክሳብ ዘሎ ሕይወት ኣሎ” ምባል እውን ትኽክል እዩ። “ወዲ ሰብ ንኽነብር ምትስፋይ የድልዮ እዩ። ትስፍው ንኽኸውን ድማ መንፈስ ቅዱስ የድልዮ እዩ”። ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ዶኒኒ ኣስዒበን፥

ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣጠቓሊሎም ነቶም ብላቲን ስርዓት ናይ ዝበዓል በዓለ ጰራቅሊጦስ ዋዜና ሮማ ኣብ ዝርከብ ጎልጎል ማሲሞ ቅዱስቶምን ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ላዕለዎት መነንፈሳዊ መራሕቲ ዝሳተፍሉ ዓለም ሓቆፍ ካቶሊካዊ ምንቅስቃስ ተሓድሶ ብመንፈስ ቅዱስ ብምኽንያት ዝክሪ መበል 50 ዓመት ምስረታኡ ኣብ ዘዳልዎ መንፈሳዊ ጉባኤ ንምስታፍ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝተዋጽኡ ኣብቲ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንዝተረኽቡ በሸሓት ዝቝጸሩ መላእ ኣባላት ማሕበር ካቶሊካዊ ምንቅስቃስ ተሓድሶ ብመንፈስ ቅዱስ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ነቶም በቢ ዓመቱ ኣብ ለድኒካ ዝእከቡ ናይ ፖላንድ መንእሰያን ብኢድ ናዚያዊ ስርዓት ኣብ ሊዲቸ ዝተፈጸመ ግብረ ሕልቂት ምኽንያ ኣደዳ ሞት ንዝዀነ ዜጋታት ዝኽሪ መበል 75 ዓመት ብናይ ፓሪስ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ዶመኒክ ዱካ ዝተመርሑ መንፈሳውያን ነጋዶ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.